ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ እተቐየረ ብኸመይ እዩ፧

ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ እተቐየረ ብኸመይ እዩ፧

ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ እተቐየረ ብኸመይ እዩ፧

“ኣብቲ ቕድሚ ብዙሕ ዓመታት በቶም ቀዳሞት ወለድና እተፈጸመ ሓጢኣት፡ ኵላትና እቱዋት ምዃንና ዚገልጽ ሓሳብ፡ ምስ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ዚኸይድ ኣይኰነን። ብዛዕባ ሓጢኣት ብሓፈሻ ዚወሃብ ሓሳብ እውን እንተዀነ ኸምኡ እዩ። . . . ከም ኣዶልፍ ሂትለርን ዮዜፍ ስታሊንን ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ሓጢኦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ እቶም ዝተረፍና ግን ንጹሃት ኢና።”—ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ፡ ሰባት ብዛዕባ ሓጢኣት ዘለዎም ኣረኣእያ የንቈልቍል እዩ ዘሎ። ስለምንታይ እዩ ዚቕየር ዘሎ፧ ሰባት ብዛዕባ ሓጢኣት ዝመጸ ኪቕበልዎ ዚኸብዶም ዘሎ ነገር እንታይ እዩ፧

ክልተ ዓይነት ሓጢኣት እዩ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ባዕልና እንፍጽሞ ሓጢኣትን እዩ። እቲ ቐዳማይ፡ ፈቲና ጸሊእና ምሳና ዘሎ እዩ፣ እቲ ኻልኣይ ግን፡ ኰነ ኢልና እንፍጽሞ እዩ። ነዚ እስከ በብሓደ ንርኣዮ።

እቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ብሓቒ ጸልዩና ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ቐዳሞት ወለድና ዝፈጸምዎ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት፡ ናብ ኵሎም ደቂ ሰብ ከም ዝሓለፈ ይገልጽ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ኵልና ዘይፍጹማት ኴንና ኢና ተወሊድና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓመጻ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት እዩ” ይብል።—1 ዮሃንስ 5:17

ኰይኑ ግን፡ እቲ ዅሎም ደቂ ሰብ ብሰሪ ብግዜ ጥንቲ እተፈጸመን ብሓላፍነት ዘይሕተቱሉን ሓጢኣት፡ ዘይፍጹማት ኰይኖም ከም ዚውለዱ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ንብዙሓት ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ምእመናን ኣይወሓጠሎምን እዩ። ኤድዋርድ ኦክስ ዝስሙ ፕሮፌሰር ስነ-ሃይማኖት ከም ዝገለጾ፡ እዚ ትምህርቲ እዚ፡ “ንብዙሓት ሰባት ዜስደምሞም እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ግን ብቐጥታ እዮም ዚነጽግዎ፣ ገሊኦም ከኣ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይነጸግዎ፡ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ ግን ኣይፈልጡን እዮም።”

ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ከም ዘይቅበልዎ ዚገብሮም ሓደ ረቛሒ፡ ኣብያተ-ክርስትያን ዚምህራኦ ትምህርቲ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ዋዕላ ትረንት (1545-1563)፡ እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ሕጻናት ንሕድገት ሓጢኣት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ንዚነጽግ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኰነነት። እቶም ስነ-ሃይማኖተኛታት፡ ሓደ ሕጻን ከይተጠምቀ ኸሎ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ዘይነጽሀ ሓጢኣቱ ናብ ሰማይ ንኸይኣቱ ንዘለኣለም ከም ዚዓግቶ ገለጹ። ካልቪን እሞ ኸኣ፡ ሕጻናት ‘ካብ ማህጸን ኣዲኦም ኪወጹ ኸለዉ፡ ኵነኔ ሒዞም ከም ዚውለዱ’ እዩ ዚምህር ነይሩ። ብተፈጥሮኦም ‘ብኣምላኽ ጽሉኣትን ፍንፉናትን’ ከም ዝዀኑ ገይሩ ኸኣ ይኣምን ነበረ።

ሕጻናት ዋላ ሓንቲ ኽፍኣት ዘይብሎም ክነሶም፡ ብሰሪ ዝወረስዎ ሓጢኣት ከም ዚሳቐዩ ዚቐርብ ሓሳብ፡ ንብዙሓት ሰባት ከም ጭካነ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ብዙሓት ሰባት፡ ብሰንኪ ትምህርትታት ኣብያተ-ክርስትያን፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት እንተ ነጸግዎ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሓደ ዘይተጠምቀ ሕጻን ናብ ገሃነም ንኺኣቱ ኪዅንንዎ ኣይክእሉን እዮም። ከመይሲ፡ ናይ መወዳእታ ዕድል እቶም ሕጻናት ኣብ መንጎ ስነ-ሃይማኖታዊ መዋጥር እዩ ኣትዩ ዘሎ። እቲ ንዘመናት ዚወሃብ ዝነበረ ልምዳዊ ትምህርቲ ካቶሊክ፡ ወግዓዊ ሰረተ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ኰይኑ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ነፍሳት ዘይተጠምቁ ንጹሃት ሰባት ኣብቲ መንበሪ ሰብ ዘይኰነ ሊምቦ ኸም ዝጸንሓ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። a

ነቲ ብዛዕባ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ዚገልጽ እምነት ዘዳኸሞ ኻልእ ረቛሒ ድማ፡ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበሩ ፈላስፋታትን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ሃይማኖተኛታትን፡ ንታሪኻዊ ሓቅነት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሕቶ ምእታዎም እዩ። ዳርዊን ዘቕረቦ ኽልሰ-ሓሳብ ፍልቀት፡ ብዙሓት ሰባት ንታሪኽ ኣዳምን ሄዋንን ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ከም ዚርእይዎ ገበሮም። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ መለኮታዊ ምንጪ ዘለዎ መጽሓፍ ዘይኰነስ፡ ከም ሓደ ንኣተሓሳስባን ልምድን እቶም ጸሓፍቲ ዜንጸባርቕ መጽሓፍ ገይሮም ኪርእይዎ ጀመሩ።

እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕይሮ ድዩ፧ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ምእመናን፡ ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ከም ዘይኰኑ ገይሮም ኪኣምኑ እንተ ጀሚሮም፡ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ኣይተፈጸመን ናብ ዚብል ርትዓዊ መደምደምታ እዮም ዚበጽሑ። እቶም ደቂ ሰብ ዘይፍጹማት ከም ዝዀኑ ዚኣምኑ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ንዘይፍጹም ኵነታት ደቂ ሰብ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ኻልእ ፋይዳ ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም።

ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ዘየለ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ባዕልና እንፍጽሞ ሓጥእ ተግባራትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

ብሓቂዶ ሓጢኣት እዩ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ብውልቂ ዚግበር ሓጢኣት ኪሕተቱ ኸለዉ፡ ነተን ቅትለትን ጥልመትን ትምኒትን ቅድሚ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክብን ስርቅን ከምኡ ዝኣመሰለ ኻልእ ተግባራትን ዚኽልክላ ዓሰርተ ትእዛዛት ይጠቕሱ። ብመሰረት ልምዳዊ ትምህርቲ ኣብያተ-ክርስትያን፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ከይተነስሐ ኸሎ ዚመውት ሰብ፡ ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም እዩ ዚሳቐ። b

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ሓደ ሰብ ከምዚ ምእንቲ ኸየጋጥሞ፡ ሓጢኣቱ ንሓደ ኻህን ኪናዘዝ ከም ዘለዎ እያ እትምህር። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኻህን ነቲ ሰብ ሓጢኣቱ ኸም ዚስረየሉ ይገብር። ኰይኑ ግን፡ ንመብዛሕትኦም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ፡ ኑዛዜን ስርየትን ንስሓን ነበረያ ነበረ ዀይኑ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ካብቶም ኣብ ኢጣልያ ዚነብሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ዝዀኑ ኣይናዘዙን እዮም።

ኣብያተ-ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ብውልቂ ዚግበር ሓጢኣትን ብዛዕባ ሳዕቤኑን ዚህባኦ መግለጺ፡ ሰባት ሓጢኣት ንኸይፍጽሙ ኣይዓገቶምን። ብዙሓት ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ምእመናን፡ ንሓጢኣት ከም ጌጋ ገይሮም ኣይቈጽርዎን እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ዕድሚኦም ዝኣኸለ ኽልተ ሰባት ተሰማሚዖም ጾታዊ ርክብ ዚፍጽሙ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ድማ ንኻልእ ሰብ ዘይጐድእ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧’ ኢሎም ይሓስቡ።

ሰባት ከምዚ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ዝገበሮም፡ ነቲ ብዛዕባ ሓጢኣት እተማህርዎ ትምህርቲ ስለ ዘይኣመኑሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንሓጥኣን ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ከም ዜሳቕዮም ንዚገልጽ ሓሳብ ኪኣምንዎ ይኸብዶም። “ሓጢኣት” ኣርዚንካ ዘይረኣየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብሰሪ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣራት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ ኸም ዚቕየር ዝገበረ ኻልእ ረቛሒታት እውን ኣሎ።

ንጽገት ልምዳዊ ስርዓታት

ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባትን ዓብዪ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። ክልተ ውግኣት ዓለምን ማእለያ ዘይብሉ ኻልእ ኲናትን እተፈላለየ ጃምላዊ ቕትለትን፡ ሰባት ንልምዳዊ ስርዓታት ኣብ ሕቶ ኸም ዜእትውዎ ገይርዎም እዩ። ኣብዚ ብተክኖሎጂ ዝማዕበለ ግዜ እናነበርና ኽነስና፡ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ዘመናት እተዋህበን ድሑርን ስርዓታት ምስዓብ ኣይወሓጠሎምን እዩ። ሃይማኖታዊ ሓቂ ኣብ ምኽንያት እተመርኰሰ ኪኸውን ኣለዎ ዚብሉን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዜጽንዑን ሰባት እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖም። ሕብረተሰብ ነቲ ኸም ሰንሰለት ኣሲርዎ ዘሎ ገሊኡ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ማሪትን በጢሱ፡ ብትምህርቲ ኣቢሉ ንዅሉ ዓቕሙ ኺጥቀመሉ ኸም ዘለዎ እዮም ዚኣምኑ።

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ንሰባት ካብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኸም ዚርሕቁ ገበሮም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ። ሓያሎ ሰባት እምነት ዚበሃል የብሎምን፣ ብዙሓት ከኣ ነቲ ትርጕም ከም ዘይብሉ ገይሮም ዚርእይዎ ትምህርትታት ኣብያተ-ክርስትያን ብግልጺ ይጻረርዎ። ‘ሰባት ብፍልቀት እንተ መጺኦም፡ ኣምላኽ ድማ ዘየለ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እንታይ ኣጨነቐና፧’ ኢሎም ይሓስቡ።

ኣብ መበል 20 ዘመን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ስነ-ምግባር እናኣንቈልቈለ ምኻዱ፡ ጾታዊ ሰውራ ተባሂሉ ዚፍለጥ ምንቅስቓስ ከም ዚጅመር ገይሩ እዩ። ተቓውሞ ተመሃሮ፡ ኣንጻር ባህሊ ዚግበር ምንቅስቓሳት፡ ከምኡውን መከላኸሊ ጥንሲ፡ እቲ ቕቡል ዝነበረ ልምዳዊ ኣተሓሳስባ ንኺንጸግ እጃሙ ኣበርኪቱ እዩ። ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተነጽገ። እቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ፡ ነቲ ንሓጢኣት ዚምልከት ሓድሽ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ኣረኣእያን ኪድግፍ ጀመረ። ሓደ ጸሓፊ ኸም ዝሓበሮ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ “እንስዕቦ ሓደ ሕጊ፡ ሕጊ ፍቕሪ ጥራይ እዩ፣” እዚ ኸኣ በቲ ብሰፊሑ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ እዩ ዚግለጽ።

ባህ ከም ዚብለካ ዚገብር ሃይማኖታዊ ስብከት

መጽሔት ኒውስዊክ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ኵነታት ብግህዶ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዙሓት ካህናት፡ ምእመናኖም ምእንቲ ኸይጠፍእዎም፡ ሰሓቢ ትምህርቲ እዮም ዚምህሩ” በለት። እዞም ካህናት እዚኣቶም፡ ሰማዕቶም ሓዲጎምዎም ከይከዱ ስለ ዚፈርሁ፡ ንምእመናኖም ብዙሕ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ኪስዕቡ ኣየገድድዎምን እዮም። ከመይሲ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ትሕትናን ስነ-ስርዓትን ውርዝናን ኪህልዎም ከም ዚግባእ፡ ወይ ከኣ ነቲ ሕርኽርኽ ዚብሎም ሕልናኦም ሰሚዖም ሓጢኣቶም ኪንስሑ ኸም ዚግባእ ኪንገሮም ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ቺካጎ ሳን-ታይምስ እትበሃል ጋዜጣ ዝገለጸቶ፡ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን፡ ነቲ “ወንጌል ሓዲገን፡ ነቲ ኸም ክርስትያናዊ መልእኽቲ ገይረን ዚርእያኦ ባህ ከም ዚብለካ ዚገብር፡ ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ‘ንዓይ ይጥዓመኒ’ ዝዓይነቱ ርእሰ-ኣምልኾ ዚንጸባረቖ መልእኽቲ” እየን ዚምህራ።

ከምዚ ዓይነት ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ፡ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታትን ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰብን ኣብቲ ርእሰ-ተኣማንነቱ ኽብ ንኼብል ዚሕግዞ ነገራትን ከም ዜተኵራ ገበረን። ቀንዲ ዕላማኡ፡ እቶም ምእመናን ዚደልይዎ ነገራት ንምምላእ እዩ። ብሰሪ እዚ ኸኣ፡ ሃይማኖታት ብዘይ ሰረተ-እምነት ተረፋ። ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ “እቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዝነበሮ ባዶ ቦታ ደኣ እሞ ብምንታይ እዩ ኺምላእ፧” ዚብል ሕቶ ኣቕሪባ ነበረት። “በቲ ንኣረኣእያ ኻልኦት እትጻወር ክትከውን ከም ዘለካ ዚገልጽ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት” ከም ዚምላእ ድማ ገለጸት።

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ‘ባህ ከም ዚብለካ እትገብር ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ጽብቕቲ እያ’ ናብ ዚብል ኣረኣእያ መርሐ። ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ከም ዝገለጸቶ፡ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ፡ “ብዙሕ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ኪስዕብ ክሳዕ ዘየገደዶ፡ ኣብ ክንዲ ዚፈርዶ ኸኣ ባህ ከም ዚብሎ ኽሳዕ ዝገበረ፡ ንዝዀነ ይኹን እምነት ኪቕበል ይኽእል እዩ።” ኣብያተ-ክርስትያን እውን እንተ ዀና፡ “እንታይነት እቶም ሰባት” ብዘየገድስ፡ ኪቕበላኦም ፍቓደኛታት እየን፣ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኪስዕቡ ድማ ኣየገድዳኦምን እየን።

ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተግባር ኪርእዩ ኸለዉ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝጸሓፎ፡ “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም” ዚብል ትንቢት የዘኻኽሮም ይኸውን።—2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

መራሕቲ ሃይማኖት፡ ንሓጢኣት ዕሽሽ ብምባል፡ ንህላወኡ ብምንጻግ፡ ከምኡውን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ሓዲጎም፡ ነቲ ሰባት ኪሰምዕዎ ዚደልዩ ነገራት እናሰበኹ ኣእዛን ምእመናኖም ምስ ዚሓኩ፡ ንሰማዕቶም ኣዝዮም እዮም ዚጐድእዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ፡ ሓሶትን ሓደገኛን እዩ። ንሓደ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ድማ ብጌጋ እዩ ዜቕርቦ። ኣብቲ የሱስን ሃዋርያቱን ዝመሃርዎ ብስራት፡ ሓጢኣትን ይቕረታን ኣገዳሲ ቦታ እዩ ነይርዎ። ብዛዕባ እዚ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንባብካ ኽትቅጽል ንዕድመካ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብዚ ቐረባ እዋናት፡ እቲ ብዛዕባ ሊምቦ ዚገልጽ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ኻብ መብዛሕትኡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ካቶሊክ ከም ዜልግስ እተገብረ፡ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ምድንጋር ስለ ዝፈጠረ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነታ ኣብ ገጽ 10 ዘላ፡ “ስነ-ሃይማኖታዊ ለውጢ” እትብል ሳጹን ርአ።

b ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ከም እትሳቐ ዚገልጽ እምነት፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ደገፍ የብሉን። ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” ዚብል ምዕራፍ 6 ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ባህ ከም ዚብለካ ዚገብር ሃይማኖታዊ ስብከት ሕማቕ ፍረ ኣፍረየ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ሓጢኣት “ክሳዕ ክንድቲ ኣየገድሰናን እዩ”

“ሓደ ኻብቲ ሎሚ ንቤተ-ክርስትያን ዓብዪ ዕንቅፋት ኰይንዋ ዘሎ፡ እዚ ጕዳይ እዚ እዩ። ንርእስና ይቕረታ ኸም ዜድልዮም ‘ሓጥኣን’ ጌርና ኣይኰንናን እንርእያ። ምናልባት ሓጢኣት ኣጸጋሚ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ሕጂ ግን ክሳዕ ክንድቲ ኣየገድሰናን እዩ። ስለዚ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ንጸገም ሓጢኣት ዚኸውን መፍትሒ እኳ እንተ ኣለዋ፡ ኣብ ቅድሚ መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ግን ሓጢኣት ከቢድ ጸገም ኣይኰነን።”—ጆን ስቱድቤከር ጁንየር ዝስሙ ጸሓፊ ሃይማኖታዊ ጕዳያት።

“ብዙሓት ሰባት፡ ‘ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ክስዕብ እደሊ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ሰብ ከም ምዃነይ መጠን ዝከኣለኒ ጥራይ እየ ኺገብር ዝኽእል’ ይብሉ። ብስነ-ምግባር ዝመጸ ዚጥዕመና ጥራይ ኢና ኽንገብር እንደሊ። ሕያዎት ጐረቤት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ ሓጢኣት ግን ዕሽሽ ንብሎ ኣሎና።”—ኣልበርት ሞለር፡ ፕረዚደንት ሳውዘርን ባፕቲስት ቲኦሎጂካል ሰሚናሪ።

“ሎሚ ሰባት ነቲ እተኸልከለ [ኸም ብልምዲ ሸውዓተ ውጉዝ ሓጢኣት ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓይነት] ተግባራት ምግባር ኣየሕፍሮምን እዩ፣ ወለዲ ንደቆም፡ ርእሰ-ተኣማንነት ምእንቲ ኼጥርዩ ኺንየቱ ኸም ዚግባእ ይነግርዎም፣ ጕጅለ ፈረንሳውያን ከሸንቲ ድማ፡ ህርፋን ብልዕን መስተን ከም ሓጢኣት ንኸይቍጸር ናብ ቫቲካን ሕቶ ኣቕሪቦም ነበሩ። ሰባት ናብቲ ህቡብ መራኸቢ ብዙሓን ዚሰሓቡ፡ ብምኽንያት እቲ ኻልእ ሰብ ዝረኸቦ ኺረኽቡ ዘለዎም ቅንኢ እዩ። ህርፋን ጾታዊ ርክብ፡ ቀንዲ ስልቲ ረክላም እዩ ዀይኑ ዘሎ፣ ሓደ ሰብ ብምኽንያት ቂም ኪቝጣዕ ድማ ንቡር እዩ። ኣነ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ ህክይቲ ክኸውን እደሊ እየ።”—ናንሲ ጊብስ ኣብ መጽሔት ታይም ዝጸሓፈቶ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንታሪኽ ኣዳምን ሄዋንን ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ይርእይዎ