ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ የሱስ ዝጸሓፉ ሰባት

ብዛዕባ የሱስ ዝጸሓፉ ሰባት

ንደቅኻ ምሃሮም

ብዛዕባ የሱስ ዝጸሓፉ ሰባት

ብዛዕባ የሱስ ከነንብብ ከለና ባህ ይብለካዶ፧— a ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ ዝዀነ ይኹን ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይጸሓፈ ምስ ፈለጡ፡ ይግረሙ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሸሞንተ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ብዙሕ ይነግሩና እዮም። ኵላቶም፡ የሱስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብህይወት ይነብሩ ነይሮም እዮም፣ ብዛዕባ ትምህርትታቱ ድማ ይነግሩና እዮም። ሸሞንቲኦም መነመን ምንባሮም ትፈልጥዶ፧— እቶም ኣርባዕተ፡ ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ ይበሃሉ። እቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ያእቆብ፡ ይሁዳ፡ ጳውሎስ ይበሃሉ። ብዛዕባ እዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም እንታይ ትፈልጥ፧—

ፈለማ፡ ብዛዕባ እቶም ካብ መንጎ 12 ሃዋርያት የሱስ ዝነበሩ ሰለስተ ጸሓፍቲ ንርአ። ብዓል መን ምንባሮም ትፈልጥዶ፧— ጴጥሮስን ዮሃንስን ማቴዎስን እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ናብ ክርስትያናት ብጾቱ ኽልተ መልእኽትታት ጽሒፉ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ከኣ እዩ ነጊርዎም። ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:16-18 ገንጺልካ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ንየሱስ እተዛረበሉ ኣጋጣሚ፡ ጴጥሮስ ዝሃቦ መግለጺ ኣንብብ።—ማቴዎስ 17:5

ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ጽሒፉ እዩ። ኣብታ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ጐይታኦም ኰይኖም ንመወዳእታ ግዜ ምግቢ ዝበልዑላ እዋን፡ ዮሃንስ ኣብ ጐድኒ የሱስ ነበረ። የሱስ ኪመውት ከሎ እውን ምስኡ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 13:23-26፣ 19:26) ዮሃንስ ሓንቲ ኻብተን ወንጌል ተባሂለን ዚጽውዓ፡ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዘዘንትዋ ኣርባዕተ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ካብ የሱስ እተቐበሎ ራእይን ካልኦት ብስሙ እተሰምያ ሰለስተ መልእኽትታትን ጽሒፉ እዩ። (ራእይ 1:1) እቲ ንየሱስ ሃዋርያኡ ዝነበረ ሳልሳይ ጸሓፊ፡ ማቴዎስ እዩ። ማቴዎስ ኣቐዲሙ ተጋዊ ወይ ተቐባሊ ቐረጽ እዩ ነይሩ።

እቶም ክልተ ጸሓፍቲ ምስ የሱስ ፍልይ ዝበለ ሌላ እዩ ነይርዎም። ደቂ ዮሴፍን ማርያምን ስለ ዝነበሩ፡ ብኣደ ኣሕዋቱ እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 13:55) ኣብ ፈለማ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣይኰኑን ነይሮም። ብቕንኣት ኪሰብኽ ምስ ረኣይዎ እኳ፡ ቍሩብ እተጸለለ መሲልዎም ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 3:21) እዞም ኣሕዋቱ እዚኣቶም መነመን ይበሃሉ፧— እቲ ሓደ ያእቆብ ይበሃል። መልእኽቲ ያእቆብ እትበሃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ኸኣ ንሱ እዩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ይሁዳ ይበሃል። ንሱ ድማ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መልእኽቲ ይሁዳ ጸሓፈ።—ይሁዳ 1

ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዝጸሓፉ ኻልኦት ጸሓፍቲ፡ ማርቆስን ሉቃስን ይበሃሉ። ማርያም ኣደ ማርቆስ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ቤት ነበራ፣ ኣብኡ ኸኣ ሃዋርያ ጴጥሮስን ካልኦት ቀዳሞት ክርስትያናትን ይእከቡ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:11, 12) ዓመታት ኣቐዲሙ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ናይ መወዳእታ ፋስጋ ኣብዒሎም ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ማርቆስ ስዒብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ምስ ተታሕዘ፡ ገሊኦም ወተሃደራት ንማርቆስ ሒዞምዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሱ ግን ክዳኑ ሓዲጉ ሃደመ።—ማርቆስ 14:51, 52

ሉቃስ ምሁር ሓኪም እዩ ነይሩ። ወደ መዝሙር ዝዀነ እውን ድሕሪ ሞት የሱስ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ህይወት የሱስ ብጥንቃቐ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ንጹርን ቅኑዕን ታሪኽ ጽሒፉ እዩ። ሉቃስ፡ መገላግልቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ነይሩ፣ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ጸሓፈ።—ሉቃስ 1:1-3፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:1

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዝጸሓፈ ሻምናይ ጸሓፊ፡ ጳውሎስ እዩ። ንሱ በቲ ፍሉጥ ክኢላ ሕጊ ዝነበረ ገማልኤል እዩ ተማሂሩ። ጳውሎስ ብፈሪሳውያን እናተማህረ እዩ ዓብዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ሳውል ይበሃል ነበረ። ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ይጸልኦም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምቕታሎም እጃም ነበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:58–8:3፣ 22:1-5፣ 26:4, 5) ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጠ ትፈልጥዶ፧—

ጳውሎስ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪኣስር ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከሎ፡ ብድንገት ድሙቕ ብርሃን ካብ ሰማይ መጺኡ ንኣዒንቱ ኣዖሮ። “ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧” ዚብሎ ድምጺ ኸኣ ሰምዐ። የሱስ እዩ ተዛሪብዎ። ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከኣ ነገሮ። ድሕርዚ፡ የሱስ ንሓደ ሃናንያ ዚበሃል ወደ መዝሙሩ፡ ንጳውሎስ ኪዛረቦ መምርሒ ሃቦ፣ ጳውሎስ ከኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰነ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1-18) ጸኒሑ፡ ጳውሎስ ካብ መጽሓፍ ሮሜ ጀሚሩ ኽሳዕ መጽሓፍ እብራውያን ዘሎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ 14 መጻሕፍቲ ጸሓፈ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ መጻሕፍቲ ኸተንብብ ጀሚርካዶ፧ ወይ ካልእ ሰብ የንብበልካዶ ኣሎ፧— ሓደ ኻብቲ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ኽትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ነገራት፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዚብሎ ነገራት ክትመሃር ምጽዓር እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

▪ ካብ ሃዋርያት የሱስ፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀኑ መነመን እዮም፧

▪ ኣየኖት ክልተ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ዝነበሩ፧

▪ ማርቆስ ንየሱስ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ሉቃስ ንየሱስ ኣይፈልጦን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እንብልከ ስለምንታይ ኢና፧

▪ ጳውሎስ ወደ መዝሙር የሱስ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ይሁዳ

ማርቆስ

ጴጥሮስ

ማቴዎስ

ጳውሎስ

ያእቆብ

ሉቃስ

ዮሃንስ