ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተጣበቕቲ ክርስትና ድዮም ነይሮም ወይስ ተፈላሰፍቲ፧

ተጣበቕቲ ክርስትና ድዮም ነይሮም ወይስ ተፈላሰፍቲ፧

ተጣበቕቲ ክርስትና ድዮም ነይሮም ወይስ ተፈላሰፍቲ፧

ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ መንጎ ቐረባ ዘመድ ጾታዊ ርክብ ይገብሩ፡ ሕጻናት ይቐትሉ፡ ስጋ ሰብ ይበልዑ፡ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ከኣ ይገብሩ ተባሂሎም ይኽሰሱ ነበሩ። እዚ ኽስታት እዚ ብርቱዕ መስጐጕቲ ስለ ዘምጽኣሎም፡ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ጸሓፍቲ ንእምነቶም ንኺጣበቑ ግዴታ ዘለዎም ኰይኑ ተሰምዖም። እዞም ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበሩ ንእምነቶም ዚጣበቑ ጸሓፍቲ፡ ካብ ሰበ-ስልጣን ሮማ ዀነ ኻብቲ ህዝቢ ሞገስ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ሃይማኖቶም ጐዳኢ ዘይምዃኑ ኼረድኡ ተበገሱ። እዚ ዕማም እዚ ሓደገኛ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣትን እቶም ህዝብን ብዚጐናብሑሎም ሰባት እንተ ዘይኰይኑ፡ ብኻልኦት ብቐሊሉ ዚሕጐሱ ኣይነበሩን። ስለዚ፡ እቶም ጸሓፍቲ ዝያዳ መስጐጕቲ ኼለዓዕሉ ወይ ኣብ ክርስትያናዊ እምነቶም ኪለማለሙ ይኽእሉ ብምንባሮም፡ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ኣትዮም። እሞኸ ንእምነቶም ብኸመይ እዮም ተጣቢቖምላ፧ እንታይ መጐተታት እዮም ተጠቒሞም፧ ጻዕርታቶምከ እንታይ ውጽኢት ኣምጺኡ፧

እቶም ጸሓፍትን ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማን

እቶም ኣብ ካልኣይን ኣብ መጀመርታ ሳልሳይን ዘመን ዝነበሩ ንክርስትና ኺጣበቑ ኢሎም እተላዕሉ ጸሓፍቲ፡ ምሁራት እዮም ነይሮም። ካባታቶም ጀስቲን ማርቲርን ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያን ተርቱልያንን ውሩያት እዮም ነይሮም። a ጽሑፋቶም ብቐንዱ ናብ ኣረማውያንን ናብ ሰበ-ስልጣን ሮማን ዘተኰረ እዩ ነይሩ፣ ክርስትያናዊ እምነት ኪገልጹሎም ይጽዕሩ ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ብብዝሒ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቕሱ ነበሩ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ተገቲሮም ምስቶም ሰጐጕቲ እዮም ዚማጐቱ ነይሮም፣ እቲ ሰጐጕቲ ዚኸስዎ ኽስታት ሓሶት ምዃኑን ክርስትያናት ጥዑያት ምዃኖምን ከኣ ይጣበቑ ነበሩ።

እዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም ንፖለቲካውያን ሰበ-ስልጣን፡ ክርስትያናት ጸላእቲ እቲ ሃጸይ ወይ ጸላእቲ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዘይምዃኖም ኬእምንዎም ይጽዕሩ ነበሩ። ተርቱልያን ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ሃጸይ፡ “ኣምላኽና ሸይምዎ” በለ፣ ኣቴናጎራስ ከኣ ዝፋን ሃጸያዊ ግዝኣት ብውርሲ ኺመሓላለፍ ከም ዚግባእ ብምምጓት፡ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካ ኣተወ። በዚ ተግባራቶም ድማ፡ ነተን የሱስ ክርስቶስ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ እተዛረበን ቃላት ዕሽሽ በልወን።—ዮሃንስ 18:36

እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መንጎ ሮማን ክርስትናን ርክብ ኪህሉ ኸም ዚግባእ ሓሳብ ኣቕረቡ። ብመሰረት መሊቶ፡ ሮማን ክርስትናን ብሓባር ዓዪየንን ንድሕንነት እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ኣበርክቶ ገይረንን እየን። ሓደ ስሙ ዘይፍለጥ ጸሓፊ እታ ዘ ኢፒስትል ቱ ዲዮጀነቱስ እትበሃል ጽሕፍቲ፡ ክርስትያናት ‘ንዓለም ብሓደ ጠሚሮምዋ ዘለዉ’ ምዃኖም ጽሒፉ እዩ። ተርቱልያን ከኣ፡ ክርስትያናት፡ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ክትብልጽግን መወዳእታ እቲ ስርዓት ኪናዋሕን ከም ዝጸለዩ ጽሒፉ እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዳስነቱ ዝተሓተ መሲሉ ተራእየ።—ማቴዎስ 6:9, 10

“ክርስትና” ፍልስፍና ዀነ

እቲ ሰልሰስ ዚበሃል ፈላስፋ ንክርስትያናት፡ “ሸቃሎ፡ ሰራሕቲ ሳእኒ፡ ሓረስቶት፡ ደናቝርን ዓያሱን” ኢሉ ኣላጊጹሎም እዩ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ንክርስትና ኺጣበቑ እተላዕሉ ጸሓፍቲ፡ ነዚ ላግጺ እዚ ኺጻወርዎ ኣይከኣሉን። ሓድሽ ስልቲ ተጠቒሞም፡ ደገፍ ህዝቢ ኺረኽቡ ቘሪጾም ተላዕሉ። እቲ ዓለማዊ ጥበብ ተባሂሉ ተነጺጉ ዝነበረ ነገር፡ “ንክርስትና” ኺጥቀሙሉ ጀመሩ። ንኣብነት፡ ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያ ንፍልስፍና ኸም “ናይ ሓቂ ስነ-ሃይማኖት” ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ጀስቲን እውን ንፍልስፍና ኣረማውያን ከም ዘይቅበል እኳ እንተ ተዛረበ፡ “ንክርስትያናዊ” ሓሳባት ንምግላጽ ፍልስፍናዊ ቛንቋን ሓሳባትን እተጠቕመ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ነዚ ዓይነት ፍልስፍና ኸኣ “ጕድኣት ዘይብሉን ጠቓምን” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።

ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ንፍልስፍና ምቅዋም ሓዲጎም፡ ነቲ ክርስትያናዊ ሓሳብ ዚብልዎ ትምህርቲ ኻብ ፍልስፍና ኣረማውያን ልዕል ከም ዚብል ኪገብርዎ ፈተኑ። ጀስቲን፡ “ኣብ ገሊኡ ነጥብታት ከምቶም እተኽብርዎም ገጠምትን ፈላስፋታትን ንምህር . . . ኣብ ገሊኡ ነጥብታት ከኣ ዝያዳ እተማልአን መለኮታዊ ዝዀነን ትምህርቲ ንምህር” ኢሉ ጸሓፈ። ድሕርዚ፡ “ክርስትያናዊ” ሓሳባት ብሓድሽ ፍልስፍናዊ ስልማታት ተዀሓሒሉ፡ ኣኽቢርካ ኺርአ ተጀመረ። እቶም ንክርስትና ንጣበቕ ኢና ዚብሉ ጸሓፍቲ፡ ክርስትያናዊ መጻሕፍቲ ቕድሚ ጽሑፋት ግሪኻውያን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ነብያት ከኣ ቅድሚ ግሪኻውያን ፈላስፋታት ከም ዝነበሩ ገለጹ። ገሊኦም ከኣ ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ፈላስፋታት ካብ ነብያት ከም ዝቐድሑ ደምደሙ። ፕላቶ ወደ መዝሙር ሙሴ ኸም ዝዀነ ጌርካ ተገልጸ።

ክርስትና ተጣመመ

እዚ ሓድሽ ስልቲ እዚ፡ ንክርስትናን ንኣረማዊ ፍልስፍናን ዚሓናፍጽ እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ግሪኽን ገጸ-ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስን ምንጽጻር ተገብረ። የሱስ ምስ ፐርሱስ ተነጻጸረ፣ ጥንሲ ማርያም ከኣ ምስ ጥንሲ እታ ድንግል እትበሃል ኣደ ፐርሱስ ዝዀነት ዳናይ ተነጻጸረ።

ገሊኡ ትምህርትታት ብዙሕ ለውጢ ተገብረሉ። ንኣብነት፡ የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሎጎስ፡” ማለት “ቃል” ወይ ኣፈኛ ኣምላኽ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዮሃንስ 1:1-3, 14-18፣ ራእይ 19:11-13) ጀስቲን ነታ ሎጎስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ኪህልዋ ብዚኽእል ክልተ ትርጕማት ተጠቒሙ—እዚ ድማ እቲ ቐዳማይ “ቃል፡” እቲ ኻልኣይ “ርትዒ” ዚብል እዩ—ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣጣመሞ። ክርስቶስ ብኣካል ምስ መጸ፡ ክርስትያናት ንቓል ከም እተቐበልዎ ገለጸ። እንተዀነ ግን፡ ሎጎስ በቲ ርትዒ ዚብል ትርጕሙ፡ ኣብ ኵሎም ሰባት፡ እንተላይ ኣብ ኣረማውያን ከም ዘሎ ሓበረ። ስለዚ፡ እቶም ምስ ርትዒ ተሳንዮም ዚነብሩ፡ ዋላ እውን እቶም ከም ሶቅራጦስ ዝኣመሰሉ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ዚዛረቡ ወይ ዚሓስቡ ሰባት ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ደምደመ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንተርቱልያን ሓዊስካ እቶም ንክርስትና ንጣበቕ ኢና ዚብሉ ጸሓፍቲ፡ ኣብ መንጎ የሱስን ኣብ መንጎ እቲ ምስ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ዚተሓሓዝ ናይ ፍልስፍና ግሪኽ ሎጎስን ዝገበሩ ገይሮም ምትእስሳር ብምፍጣር፡ ነቲ ንክርስትና ናብ ትምህርቲ ስላሴ ዝመርሐ መገዲ ጀመርዎ። b

እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 850 ግዜ ትርከብ፣ ካብዚ ድማ 100 ግዜ ብግሪኽኛ እያ እትርከብ። ብመሰረቱ፡ ንሰባት ወይ ንእንስሳታት፡ ኰታስ ንመወትቲ ህያዋን ፍጥረታት እያ እተመልክት። (1 ቈረንቶስ 15:45፣ ያእቆብ 5:20) እቶም ንክርስትና ንጣበቕ ኢና ዚብሉ ጸሓፍቲ ግን፡ ነዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ምስቲ ነፍሲ ኻብ ስጋ እተፈልየትን ዘይትርአን ዘይትመውትን ምዃና ዚገልጽ ፍልስፍና ፕላቶ ብምትእስሳር፡ ኣጣመምዎ። ሚኑኪዩስ ፈሊክስ እሞ ኸኣ፡ እምነት ትንሳኤ ኣብቲ ብዛዕባ ፍልሰት ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ ፓይታጎራስ ከም እተሰረተ ገሊጹ እዩ። ጽልዋ ግሪኻውያን ካብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኣርሒቕዎም እዩ!

ግጉይ ምርጫ

ገሊኦም ንክርስትና ንጣበቕ ኢና ዚብሉ ጸሓፍቲ ነቲ ፍልስፍና ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ኬምጽኦ ዚኽእል ሓደጋ ኣስተውዒሎምሉ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግን፡ ዋላ እውን ንፈላስፋታት እንተ ነቐፍዎም፡ ነቲ ፍልስፍና ዚቐርበሉ መገዲ ግን ይፈትውዎ ነበሩ። ንኣብነት፡ ቴሽን ንፈላስፋታት ዋላ ሓንቲ ጽቡቕ ብዘይምግባሮም እኳ እንተ ነቐፎም፡ ንክርስትያናዊ ሃይማኖት ግን “ፍልስፍናና” ኢሉ ኣብ ርእሲ ምጽዋዑ፡ ፍልስፍናዊ ግምታት ባህ ይብሎ ነበረ። ተርቱልያን ከኣ፡ ነቲ ኣረማዊ ፍልስፍና ኣብ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ ኺህልዎ ዚኽእል ጽልዋ ኸም ዘየሐጕሶ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣስኣሰር “ጀስቲን እቲ ፈላስፋን ሰማእትን፡ ሚልቲያደስ እቲ ፈላስፋ ኣብያተ-ክርስትያን፡” ከምኡውን ኣስኣሰር ካልኦት ኪስዕብ ከም ዚደሊ ገለጸ። ኣቴናጎራስ ድማ ንርእሱ፡ “ክርስትያን ፈላስፋ ብዓል ኣቴንስ” ኢሉ ጸውዐ። ብዛዕባ ቅሌምንጦስ እውን፡ “ክርስትያን ንፍልስፍና ከም መደገፊ ጥበብን መከላኸሊ እምነትን ገይሩ ብጥንቃቐ ኺጥቀመሉ ኸም ዚኽእል” ኰይኑ ይስምዖ ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ።

እዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም ንእምነቶም ኣብ ምጥባቕ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ብዘየገድስ፡ ኣብ ጥብቅናኦም ከቢድ ጌጋ ፈጺሞም እዮም። ብኸመይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ካብቲ መንፈሳዊ ኣጽዋሮም፡ ምስቲ “ህያውን መስለጥን” ዝዀነ “ቓል ኣምላኽ” ዘለዎ ሓይሊ ዚመዓራረ ኸም ዘየልቦ ኣዘኻኺርዎም እዩ። “ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን [ከም እነፍርስ]” ገሊጹ እዩ።—እብራውያን 4:12፣ 2 ቈረንቶስ 10:4, 5፣ ኤፌሶን 6:17

የሱስ ድሮ እታ ዝሞተላ ኣብ ዝነበረት ለይቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 16:33) እቲ ኣብ ዓለም ዘጋጠሞ ፈተናን ጸበባን፡ ንእምነቱን ነቲ ንኣቦኡ ዝነበሮ ተኣማንነትን ኣይሰዓሮን። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኻብ ሃዋርያት በይኑ ብህይወት ዝጸንሐ ዮሃንስ፡ “እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:4) እቶም ንክርስትና ንጣበቕ ኢና ዚብሉ ጸሓፍቲ ንክርስትያናዊ እምነት ኪጣበቑ እኳ እንተ ደለዩ፡ ሓሳባትን ኣቀራርባን ዓለማዊ ፍልስፍና ብምቕባሎም፡ ግጉይ ምርጫ ገይሮም እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ በቲ ፍልስፍናታት ተሓቢሎም እዮም፣ ዓለም ንዓታቶምን ንክርስትናኦምን ክትስዕር ከኣ ፈቒዶምላ እዮም። ስለዚ፡ ተሓለቕትን ተጣበቕትን ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ እምነት ኣብ ክንዲ ዝዀኑ፡ ምናልባት ከይተፈለጦም ኣብ መጻወድያ እቲ “ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል” እተባህለሉ ሰይጣን ወዲቖም እዮም።—2 ቈረንቶስ 11:14

ሎሚ ዘለዉ ኣቕሽሽትን ስነ-ሃይማኖተኛታትን ኣብያተ-ክርስትያን፡ ብቐንዱ ነዚ መገዲ እዚ እዮም ስዒቦም። ብቓል ኣምላኽ ገይሮም ንናይ ሓቂ ክርስትና ኣብ ክንዲ ዚጣበቑ፡ ብሰባትን ብውድባትን ምእንቲ ኺፍተዉ ኢሎም መብዛሕትኡ ግዜ ንመጽሓፍ ቅዱስ የነኣእስዎ፡ ዓለማዊ ፍልስፍና ድማ ይጥቀሙ እዮም። ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ዓለም ምስዓብ ዜምጽኦ ሓደጋታት ኣብ ክንዲ ዜጠንቅቑ፡ ሰዓብቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ‘ንኣእዛን’ ሰማዕቶም ‘ዜሳሒ’ ነገር ንምምሃር ዚከኣሎም ዘበለ እዮም ዚገብሩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:3) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ እዞም መምህራን እዚኣቶም፡ ከምቶም ንክርስትና ንጣበቕ ኢና ዚብሉ ዝነበሩ ጸሓፍቲ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን [“ፍልስፍና፡” ትርጕም 1990] ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” ኢሉ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። እንተዀነ ግን፡ “መወዳእታኦም . . . ከም ግብሮም ኪኸውን” ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።—ቈሎሴ 2:8፣ 2 ቈረንቶስ 11:15

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዘይካ እዚኣቶም፡ ኳድራተስ፡ ኣሪስቲደስ፡ ቴሽን፡ ኣፖሊናሪስ፡ ኣቴናጎራስ፡ ቴዎፍሎስ፡ መሊቶ፡ ሚኑኪዩስ ፈሊክስ፡ ከምኡውን ካልኦት ዝነኣሱ ጸሓፍቲ ነይሮም እዮም። ናይ 15 ግንቦት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 27-29፡ ከምኡውን ናይ 15 መጋቢት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 28-30 ርአ።

b ብዛዕባ እምነታት ተርቱልያን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናይ 15 ግንቦት 2002 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 29-31 ርአ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን [ነፍርስ ኢና]።” 2 ቈረንቶስ 10:5

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ጀስቲን ካብ ፍልስፍና ምቕዳሕ፡ “ጕድኣት ዘይብሉን ጠቓምን” ከም ዝዀነ ገይሩ ይቘጽሮ ነበረ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ቅሌምንጦስ ንፍልስፍና “ናይ ሓቂ ስነ-ሃይማኖት” ከም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ ነበረ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ፍልስፍና ተርቱልያን ንትምህርቲ ስላሴ መገዲ ጸረገ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ቴሽን ንክርስትና፡ “ፍልስፍናና” ኢሉ ጸውዖ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣቕሽሽትን ስነ-ሃይማኖተኛታትን መገዲ እቶም ንክርስትና ንጣበቕ ኢና ዚብሉ ጸሓፍቲ እዮም ስዒቦም

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ፍልስፍናን ጥበራን ክንሕሎ ኣጠንቀቐ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Clement: Historical Pictures Service; Tertullian: © Bibliothèque nationale de France