ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ዚጥቀስ ደገ ኸተማ እንታይ እዩ፧

ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ኸተማታት ብመንደቕ እዩ ዚሕጸር ነይሩ። ኣብ ውሽጢ መብዛሕትኡ ኣፍ ደገታት እቲ ኸተማ፡ ሰባት ንኺራኸቡን ንኺነግዱን ዜና ንኼመሓላልፉን ዚእከቡሉ ቕሉዕ ቦታታት ነበረ። ኣብዚ ድማ ህዝባዊ ምልክታታት ይንገር ነበረ፡ ነብያት እውን መልእኽቶም ይእውጁ ነበሩ። (ኤርምያስ 17:19, 20) ዘ ላንድ ኤንድ ዘ ቡክ ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ “ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝባዊ ጕዳያት ኣብ ጥቓ ወይ ኣብ ውሽጢ ኣፍ ደጌታት ከተማ ይካየድ” ከም ዝነበረ ገለጸ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ መብዛሕትኡ ኣፍ ደጌታት ከተማ፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ዘመናዊ ኸተማታት ዘሎ ህዝባዊ ማእከል እዩ ዚመስል ነይሩ።

ንኣብነት፡ ኣብርሃም፡ “ደቂ ሔት እናረአዩ ኣብ ቅድሚ እቶም ብደገ ኸተማኡ ዚአትዉ ዅሎም፡” መቕበሪ ስድራ ቤት ዚኸውን ቦታ ኻብ ኤፍሮን ዓደገ። (ዘፍጥረት 23:7-18) ቦኣዝ እውን ብመሰረት ሕጊ መውስቦ ሓሙት፡ ንሩትን ንውርሻ እቲ ዝሞተ ሰብኣያን መሰናድዎ ኺገብር ከሎ፡ ንዓሰርተ ሽማግለታት ቤት-ልሄም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኪቕመጡ ተወከሶም። (ሩት 4:1, 2) ዓበይቲ ሓንቲ ኸተማ ኸም ፈራዶ ዀይኖም ኣብ ዚዓዩሉ እዋን፡ ጕዳይ ንኺሰምዑን ውሳነ ንኺህቡን ፍርዲ ንኺፈርዱን ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ይቕመጡ ነበሩ።—ዘዳግም 21:19

እታ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ብሉጽ ዓይነት ወርቂ ኸም ዝዀነት ዚዛረበላ ኦፊር ኣበይ እያ እትርከብ ነይራ፧

“ወርቂ ኦፊር” ምስ ጽሩይ ወርቂ ተመሳሲሉ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተጠቒሱ ኣሎ። (እዮብ 28:15, 16) ድሕሪ መዓልትታት እዮብ 600 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ንጉስ ዳዊት ንህንጸት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዚኸውን “ወርቂ ኦፊር” ኣከበ። ወዱ ሰሎሞን እውን ካብ ኦፊር ወርቂ ኣምጽአ።—1 ዜና መዋእል 29:3, 4፣ 1 ነገስት 9:28

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሰሎሞን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ዔጽዮን-ጋበር እተሰርሓ ኻብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኣ መራኽብ ነበራኦ። (1 ነገስት 9:26) ዔጽዮን-ጋበር ኣብ ርእሲ ወሽመጥ ኣካባ፡ ጥቓ እዘን ሎሚ ዘለዋ ኤላትን ኣካባን ትርከብ ከም ዝነበረት ምሁራት ይገልጹ እዮም። ካብኡ ድማ መራኽብ ናብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ቐይሕ ባሕሪ ወይ ናብ ዝረሓቐ ቦታታት፡ ማለት ኣብ ገማግም ኣፍሪቃ ወይ ገማግም ህንዲ ናብ ዚርከብ መደበራት ንግዲ ይበጽሓ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን፣ ኦፊር እውን ኣብ ሓደ ኻብዚ ቦታታት እዚ ትርከብ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ካልኦት ግን፡ ኦፊር ኣብታ ኣብ ጥንቲ ይኹን ኣብዚ ግዜና ወርቂ ዚዕደነላ ምድሪ ዓረብ ከም እትርከብ እዮም ዚኣምኑ።

ገሊኦም ሰባት፡ ዕደናታት ወርቂ ሰሎሞን፡ ኣፈ-ታሪኽ ጥራይ ከም ዝዀነ ዚኣምኑሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ ጥንታዊት ግብጺ ዜጽንዕ ከነት ኤ. ኪችን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኦፊር ጽውጽዋይ ኣይኰነትን። ኣብ መበል ሻምናይ ዘመን [ድ.ክ.] እተቐርጸ ኪኸውን ዚኽእል፡ ‘ንቤት ሆሮን ዚኸውን ወርቂ ኦፊር—30 ሲቓል’ ዚብል ብንጹር እተቐርጸ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ዘለዎ ገልዒ ኣሎ። እታ ኣብዚ እተጠቕሰት ኦፊር፡ ቀንዲ ምንጪ ወርቂ እያ ነይራ፣ እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ግብጻውያን ጽሑፋት፡ ‘ወርቂ ኣማኡ፡’ ወይ ‘ወርቂ ፑንት’ ወይ ‘ወርቂ ኩሽ’ ዚብሎ ማለት እዩ። ኣብዚ እቲ ወርቂ፡ ካብታ ብስማ እተጠቕሰት ሃገር ዝመጸ ምዃኑ ወይ ከኣ ዓይነቱ ኸምቲ ናይታ ሃገር ምዃኑ ዚሕብር እዩ።”

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኦፊር ዚብል ቅርጸ-ጽሑፍ እብራይስጢ ዘለዎ ገልዒ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም መሬት ንኺዕድግ ናብ ኣፍ ደገ ኸተማ መጸ

[ምንጪ ስእሊ]

Collection of Israel Antiquities Authority, Photo © The Israel Museum, Jerusalem