ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምትሕንፋጽ እምነት ብኸመይ ይርእይዎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምትሕንፋጽ እምነት ብኸመይ ይርእይዎ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምትሕንፋጽ እምነት ብኸመይ ይርእይዎ፧

ብመሰረት ዎርልድ ክርስቺያን ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ኣብ መላእ ዓለም” ኣስታት “10,000 ሃይማኖታት” ኣለዋ። ኣብ መንጎአን ዘሎ ዘይምቅዳው ብዙሕ ጕድኣት ስለ ዘምጽአ፡ ብዙሓት ኣምለኽቲ፡ ምትሕንፋጽ እምነት ነዚ ጸገም ከም ዚፈትሕ ገይሮም ይሓስቡ እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ሰላምን ሓድነትን ከም ዜምጽእ እዮም ዚኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓድነት ኪህሉ የተባብዕ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ሓደ ነፍሲ ወከፍ ኣካሉ “እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን” ዚህነጽ ሰብነት ኣመሳሲልዋ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:16) ብተመሳሳሊ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ፡ “ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም . . . ኩኑ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 3:8

ቀዳሞት ክርስትያናት፡ እተፈላለየ ባህልን ሃይማኖትን ኣብ ዝነበራ ዓለም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ ኪዛረብ ከሎ፡ “ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧” ኢሉ ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ ንክርስትያናት፡ “ካብ ማእከሎም ውጹ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (2 ቈረንቶስ 6:15, 17) ጳውሎስ ንምትሕንፋጽ እምነት ይዅንን ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። ስለምንታይ እዩ ግን ከምኡ ገይሩ፧

እቲ ሃዋርያ፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀኑን ዘይኰኑን ዚህሉ መንፈሳዊ ሕብረት፡ ምስ ዘይመመጣጥንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ምጽማድ ከም ዝዀነ እዩ ገሊጹ። (2 ቈረንቶስ 6:14) ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፡ ንእምነት እቲ ክርስትያን ካብ ምጕዳእ ሓሊፉ ዚዓብሶ የብሉን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንጳውሎስ ምስ ሓደ ኣቦ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኣቦ እዚ፡ ኣብ ጐረባብቲ ዘለዉ ቘልዑ ሕማቓት ምዃኖም ይፈልጥ እዩ። ንውሉዱ ስለ ዚሓልየሉ ኸኣ፡ ምስ መን ኪጻወት ከም ዘለዎ ብጥበብ ይውስነሉ እዩ። እቲ ቐይድታቱ ኣይፍቶን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ውሉዱ ኻብቶም ሕማቓት ቈልዑ ምፍላዩ፡ ካብ ሕማቕ ጽልዋ የዕቍቦ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያናት ካብ ካልኦት ሃይማኖታት እተፈልዩ ምዃኖም፡ ካብ ጐዳኢ ልምድታት ከም ዜዕቍቦም፡ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ጳውሎስ ኣብዚ መትከሉ፡ ንየሱስ እዩ ዚመስሎ ነይሩ። ኣብ መንጎ ሰባት ሰላም ከም ዚሰፍን ብምግባር ዝመጸ፡ የሱስ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኣብነት እኳ እንተ ሓደገ፡ እምነት ግን ኣይሓናፈጸን። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ከም ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ነይሮም እዮም። እዞም ጕጅለታት ሃይማኖት እዚኣቶም፡ ንየሱስ ንምቅዋሙ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንምቕታሉ ሕብረት ገይሮም ነይሮም እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ” መምርሒ ሂብዎም ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 16:12

ሎሚኸ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ንኸይንሓናፍጽ ዚህቦ መጠንቀቕታ ይዓዪ ድዩ፧ እወ፡ ይዓዪ እዩ። ከምቲ ዘይትን ማይን ኣብ ሓደ ድስቲ ብምዃኑ ጥራይ ዘይተሓዋወስ፡ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነታት ብምትሕንፋጽ እውን ሓድነት ኪፍጠር ኣይከኣልን እዩ። ንኣብነት፡ እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ሓቢሮም ምእንቲ ሰላም ኪጽልዩ ኸለዉ፡ ናብ ኣየናይ ኣምላኽ እዮም ዚጽልዩ፧ ናብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ስላሴ ድዮም፧ ናብ ናይ ሂንዱነት ብራህማ ድዮም፧ ናብ ቡድሃ ድዮም፧ ወይስ ናብ ካልእ፧

“በተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት፡ “ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄርን ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፡ ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ፡ ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ኸም ዚብሉ፡ ነብዪ ሚክያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሚክያስ 4:1-4) እዚ ድማ ብደረጃ ዓለምለኸ ሰላምን ሓድነትን የምጽእ እዩ፣ እዚ ፍረ እዚ ኺርከብ ዚከኣል ግን፡ ኵለን እምነታት ብምሕባረን ዘይኰነስ፡ ኵሎም ሰባት ንሓንቲ ናይ ሓቂ እምነት ብምቕባሎም እዩ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብ2008 ኣባላት እተን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዝገበርዎ ዋዕላ ምትሕንፋጽ እምነት

[ምንጪ ስእሊ]

REUTERS/Andreas Manolis