ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብዚ ደው ዜብል እንታይ ኣለዎም፧”

“ኣብዚ ደው ዜብል እንታይ ኣለዎም፧”

ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ እተላእከት ደብዳበ

“ኣብዚ ደው ዜብል እንታይ ኣለዎም፧”

“ሓደገኛ ኸባቢ—ክትረትን ምንዝርና” ዚብል ምልክት፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ጸቢብ መገዲ ነበረ። ምስቶም ኣብ ትሕቲ ናብ ሓደ ብሉጽ ሆቴል ዜመልክት ገዚፍ መወዓውዒ ደው ኢሎም ዚጽበዩና ዝነበሩ ሰባት ንምጽምባር፡ ካብቲ መገዲ እልይ በልና። ክቡር ዝዋግአን ማካይን እናተሓምበባ ይሓልፋ ነበራ፣ እቶም ኣብአን ዝነበሩ ሰባት ከኣ፡ ካብቲ ኣጠማምታኦም፡ ‘ኣብዚ ደው ዜብል እንታይ ኣለዎም፧’ ኢሎም ይሓስቡ ምንባሮም ኣስተውዓልና።

ማኪናና ደው ምስ ኣበልና፡ ምስቶም ኣብ ጽላል እቲ መወዓውዒ ደው ኢሎም ዝነበሩ ጽፉፍ ክዳውንቲ እተኸድኑ ሰባት ተጸምበርና። ካብ እተፈላለየ ዓሌት እተኣኻኸብና ጕጅለ ኢና ኔርና፣ እዚ ትርኢት እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ልሙድ ኣይኰነን። ነቶም ኣብቲ ኣቝሻት ዚነብሩ ሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነካፍሎም ኢልና ኢና፡ ናብቲ ኻብ ጆሃንስበርግ ብሰሜናዊ ምዕራብ 100 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቑ ዚርከብ ቦታ ኼድና።

ብዛዕባ ሓንቲ ጥቕሲ ንምምይያጥን ብዛዕባ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ምብጻሓት ናይ መወዳእታ መሰናድዎታት ንምግባርን፡ ኣብ ደረት እቲ መገዲ ሓጺር ኣኼባ ገበርና። ድሕሪ ጸሎት ከኣ፡ ናብ ማካይንና ተመለስና። ኣብ ማዕዶ ኣብ ዘሎ ጐልጐል፡ እተጨቓጨቐ ኣባይቲ ይርከብ። እቲ ኣባይቲ ምስቲ ኻብቲ መዐደኒ ፕላቲንዩም ዝወጸ እተዀመረ ሓመድ ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ደቂቕ መሲሉ እዩ ዚርአ። ኣብ ትሕቲ እቲ ዝነበርናሉ መሬት ኣዝዩ ኽቡር ማዕድን ዚርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ኸባቢና ግን ክቱር ድኽነት ይርአ ነበረ።

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ካብ ጀርመን ምስ ዝመጹ ኽልተ በጻሕቲ ብሓባር ኴንና፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ኽንሰብኽ ጀመረና። ሓደ ሲሶ ኻብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ሰባት ስራሕ ስለ ዘይብሎም፡ ጽቡቕ መንበሪ ኣባይቲ የብሎምን። መብዛሕትኦም ብዕንጨይትን ብዚንጎን ኣብ እተሰርሐ ቤት እዮም ዚነብሩ።

ናብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ምስ ቀረብና፡ ኣብ ኣፍደገ ዄንና ሰላምታ ነቕርብ ነበርና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣንስቲ እየን ኣብ ቤት ዚጸንሓና ነይረን። እቶም ዘዘራረብናዮም ሰባት፡ ነቲ ዘምጻእናሎም መልእኽቲ ብሃንቀውታ እዮም ዚሰምዕዎ ነይሮም፣ ንዓና እውን ከም ክቡራት ኣጋይሽ ገይሮም ሓዙና። ጸሓይ እናመረረት ምስ ከደት፡ እቲ ብዚንጎ እተሰርሐ ናሕሲ ዘለዎ ኣባይቲ ናብ እቶን እዩ ዚቕየር። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ትሕቲ ኦም ኮፍ ምእንቲ ኽንብል ቈልዑ ኻብ ውሽጢ ቤት መናብር ኬምጽኡ ይለኣኹ እሞ፡ ኣብ ጽላል ኮፍ ንብል ነበረና።

ኣባላት እታ ስድራ ቤት ተኣኪቦም ኣብ ድኳታት ወይ ኣብ ካሴታታት ኮፍ በሉ። ባዕሎም ብዝሰርሕዎ መጻወቲታት ዚጻወቱ ዝነበሩ ንኣሽቱ ቘልዑ እኳ፡ ካብቲ ጸወታኦም ተጸዊዖም መጹ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ጥቕስታት ድሕሪ ምንባብና፡ ነቶም ትምህርቲ ዝጀመሩ ቘልዑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትና ኼንብቡልና ዓደምናዮም። ዳርጋ ዅሎም እቶም ዝረኸብናዮም ሰባት፡ ተሓጒሶም ጽሑፋትና ወሰዱ፣ ብዙሓት እውን ተመሊስና ኽንመጾም ዓደሙና።

ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ነቶም ኣቐዲምና ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን ዝረኸብናዮም ሰባት ተመሊስና ኽንበጽሖም ቅድሚ ምኻድና፡ ሓንሳእ ደው ኢልና ሳንድዊች በላዕና፡ ዝሑል ዚስተ መስተ እውን ሰተና። ድሕርዚ፡ ፈለማ ናብ ሓደ ጂሚ ዚበሃል ኣብቲ መዐደኒ ፕላቲንዩም ዚዓዪ ኻብ ማላዊ ዝመጸ ስደተኛ ኸድና። ንጂሚ ብዙሕ ኣዋርሕ ተመላሊስና ንበጽሖ ኔርና ኢና። ወትሩ ተሓጒሱ እዩ ዚቕበለና ነይሩ፣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ምስኡ ምይይጥ ንገብር ኔርና ኢና። ሰበይቲ ጂሚ ኻብ ዓሌት ሰትስዋና ክትከውን ከላ፡ ክልተ ባህ ዜብሉ ውሉዳት ድማ ኣለውዎ። ኣብ ዝሓለፈ ምብጻሕና ንጂሚ ኣብ ቤቱ ስለ ዘይረኸብናዮ፡ ከመይ ከም ዘሎ ኽንርኢ ተሃንጢና ነበረና።

ናብ ቤት ጂሚ ምስ ቀረብና፡ ገለ ጸገም ከም ዘሎ ኸነስተብህል ከኣልና። እቲ ብግቡእ ዚተሓዝ ዝነበረ ስፍራ ኣታኽልቱ ገለ መሲሉ፡ ዕፉኑ ኸኣ ሓሪሩ ነበረ፣ እተን ፈቐዶኡ ዚጽሕትራ ዝነበራ ደርሁኡ እውን ኣይነበራን። እቲ ማዕጾኡ ብረጒድ ሰንሰለት ተዓጽዩ ነበረ። ሓንቲ ጐረቤት እንታይ ደሊና ኸም ዝመጻእና ኽትፈልጥ መጸት። ጂሚ ኣበይ ከም ዘሎ ሓተትናያ። ከም ዝሞተ ኣርድኣትና፣ ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ ሰበይቱ ንደቃ ሒዛ ናብ ስድራኣ ኸም ዝኸደት ሓበረትና።

ሕቶ ምብዛሕ ነውሪ ጌርካ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና ግን ዝርዝር ነገራት ሓተትናያ። “ሓሚሙ እዩ ሞይቱ” በለትና። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣብዚ ግዜና ሕማም በዚሑ። ሰባት ተወዲኦም” በለትና። ሕማሙ እኳ እንተ ዘይነገረትና፡ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ መካነ-መቓብር ብብዝሒ ዚርአ ሓድሽ መቓብራት ግን ነቲ እታ ሰበይቲ ዝበለቶ ዚምስክር እዩ። ንሕጽር ዝበለ ግዜ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምስ ኣመያየጥናያ፡ ልብና ብሕዙኑ ናብቲ ዚቕጽል ምብጻሕ ከድና።

ናብ ካልእ ቍሸት ምስ በጻሕና፡ ናብቲ ኻብቲ መዐደኒ ዝወጸ ዅምራ ሓመድ ቅድሚ ምብጻሕካ ዘላ ናይ መወዳእታ ቤት ከድና። ኣብ መወዳእታ እቲ መገዲ ምስ በጻሕና፡ ማኪናና ናብ ሓንቲ ቤት ኣጸጊዕና ደው ኣበልና። ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ብድሙቕ እተጻሕፈ፡ “ውልውል ሰራቕ ግዜ እዩ፣ ሎሚ ጽባሕ ምባል ከኣ ቀንዲ ተሓባባሪኡ እዩ” ዚብል ቃላት ረኣና። ነቲ ጽሑፍ ዝጸሓፎ ዴቪድ፡ a ንሞተር እታ ኣረጊት ቮልክስዋገን ዝዓይነታ ማኪናኡ ኺዓዪ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናባና ገጹ ቝሊሕ በለ። እታ እትዓርብ ዝነበረት ጸሓይ ኣብ ግንባሩ ትወቕዖ ስለ ዝነበረት፡ መንነትና ንምፍላጥ ኣተኲሩ ድሕሪ ምጥማት፡ ኣለልዩና ገጹ በርሃው በለ። ኣእዳዉ ጸራሪጉ፡ ሰላም ኪብለና መጸ።

“ሰላም” ድሕሪ ምባል፡ “ኣበይ ደኣ ጠፊእኩም” በለና። ንዴቪድ ብምርካብና ተሓጐስና። ካብቲ ኣቐዲምና ዝገበርናሉ ምብጻሕ ንነጀው ስራሕ ስለ ዝረኸበ፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ከኣ ናብቲ መዐደኒ ኪኸይድ ስለ ዝነበሮ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ምሳና ብዙሕ ግዜ ኼሕልፍ ዘይምኽኣሉ ይቕረታ ሓተተና። ኣብቲ ውዕዉዕ ምይይጥና፡ ካብ ገጽ ዴቪድ ፍሽኽታ ኣይጠፍአን። “እታ እተራኸብናላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ንህይወተይ ቀይራቶ እያ!” ድሕሪ ምባል፡ “ናይ ብልበይ እየ ዝብለኩም፡ እንተ ዘይትመጹኒ ኔርኩም፡ ሕጂ መውደቕየይ ኣይምተፈልጠን” በለና።

በዚ ተሓጒስና ምስ ዴቪድ ተፈላለና። ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፡ ናብ ቤትና ገጽና ኽንጐዓዝ ጀመርና። ነቲ ጐልጐል ኣማዕዲና በቲ ብርሃን እታ እትዓርብ ጸሓይ ክንርእዮ ኸለና፡ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ሰባት ከመይ ኢሉ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚበጽሖም ሓሰብና። ትርጕም እተን የሱስ፡ “እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም” ኢሉ እተዛረበን ቃላት ብዝያዳ ተረድኣና።—ሉቃስ 10:2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Kind permission given by the South African Post Office