ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እሙን ኢኻ”

“እሙን ኢኻ”

ንኣምላኽ ቅረቦ

“እሙን ኢኻ”

2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990y

ሓደ እንኣምኖ ዝነበርና ሰብ ኬጕህየና ወይ ኪኸድዓና ኸሎ፡ ብዙሕ ኪጐድኣና ይኽእል እዩ። ኵላትና፡ ኣብዛ ጠላም ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ዜጕሂ ነገራት የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ምሉእ ብምሉእ ንዓና እሙን ዚኸውን ይህሉዶ፧ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ዝሃቦ ምስክርነት እስከ ንርአ።

ዳዊት ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ግዜ ተኸዲዑ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ በቲ ቐናእ ዝነበረ ሳኦል ዚበሃል ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል፡ ተሃድነን ተሰጕጐን። ኣብ ቤቱ ኸኣ ሚካል ሰበይቱ ንዕኡ እምንቲ ኣብ ክንዲ እትኸውን፡ “ብልባ ነዐቐቶ።” (2 ሳሙኤል 6:16) ኣሒቶፌል ዚበሃል ዚኣምኖ ኣማኻሪኡ እውን፡ ንዕኡ ኸዲዑ፡ ምስቶም ካብኡ ዝዓለዉ ሰባት ሓበረ። መራሒ ናይቲ ዕልዋኸ መን እዩ ነይሩ፧ ወዱ ኣቤሴሎም እዩ ነይሩ። እሞኸ ዳዊት፡ እቶም ዝኣምኖም ዝነበሩ ሰባት ምስ ጠለምዎ፡ ካብ ተስፋ ምቝራጽ ተላዒሉ እሙን ዚበሃል ከም ዘየለ ደምዲሙ ድዩ፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ካብቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 22:26 (ትርጕም 1990) እተመዝገበ ቓላት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ነቕ ዘይትብል እምነት ዝነበረቶ ዳዊት፡ ንየሆዋ፡ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” ኢሉ ዘመረሉ። ዋላ እኳ ሰባት እንተ ጠለምዎ፡ የሆዋ እሙን ከም ዝዀነ ግን ምትእምማን ነበሮ።

ነተን ዳዊት እተዛረበን ቃላት ኣጸቢቕና ንመርምረን። እታ “እሙን ኢኻ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ንዚግበር ሕያውነት እውን ተመልክት እያ። እወ፡ ተኣማንነት ኣብ ፍቕሪ እያ እትምስረት። እምበኣር፡ የሆዋ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዚዀኑ ሰባት ፍቕሩ ይገልጸሎም እዩ። a

ተኣማንነት ኣብ ልብና ዚስምዓና ስምዒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብተግባር እውን ዚርአ ኸም ዝዀነ ኣስተውዕል። የሆዋ ኣብ ኵሉ ተግባሩ እሙን ምዃኑ፡ ዳዊት ካብቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ርእይዎ እዩ። እዚ እሙን ንጉስ እዚ፡ ኣብ ህይወቱ ጽንኩር እዋን ኬሕልፍ ከሎ፡ የሆዋ ብተኣማንነት ኣዕቊብዎን መሪሕዎን እዩ። እቲ መመስገኒ ዝነበረ ዳዊት፡ የሆዋ “ኻብ ኢድ ኵሎም ጸላእቱ” ኸም ዘናገፎ ገሊጹ እዩ።—2 ሳሙኤል 22:1

ዳዊት እተዛረቦ ቓላት ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ የሆዋ ኣይልወጥን እዩ። (ያእቆብ 1:17) ወትሩ ስርዓታቱ ይሕሉ እዩ፡ ንመብጽዓኡ ኸኣ እሙን እዩ። ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙሩ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ነቶም እሙናት ሕዝቡ . . . ኣይኃድጎምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 37:28 ትርጕም 1990።

የሆዋ ንተኣማንነትና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ብተኣማንነት ክንእዘዞ ኸለና፡ ክብ ኣቢሉ ይርእየና እዩ፣ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ እሙናት ክንከውን እውን የተባብዓና እዩ። (ኤፌሶን 4:24፣ 5:1) በዚ ኸምዚ እሙናት ንኸውን እንተ ዄንና፡ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ኻልኦት ሰባት እንተ ጠለሙና፡ የሆዋ ግን ንዝዀነ ይኹን ፈተና ኽንዋጽኣሉ ብተኣማንነት ከም ዚድግፈና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እሞኸ ነቲ “እሙን” ዝዀነ የሆዋ ዝያዳ ኽትቀርቦ ዲኻ፧—ራእይ 16:5 NW።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ 2 ሳሙኤል 22:26 ኰነ ኣብ መዝሙር 18:25 ዚርከብ ሓሳባት ተመሳሳሊ እዩ። ሓደ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ኣብ መዝሙር እትርከብ ጥቕሲ፡ “ንእሙን ምሉእ ፍቕሪ ተርእዮ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።—ዘ ሳልምስ ፎር ቱደይ።