ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ብስሙ ምፍላጥ በዳሂ ዝዀነሉ ምኽንያት

ንኣምላኽ ብስሙ ምፍላጥ በዳሂ ዝዀነሉ ምኽንያት

ንኣምላኽ ብስሙ ምፍላጥ በዳሂ ዝዀነሉ ምኽንያት

ስም የሆዋ ንኸይትፈልጥን ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ርክብ ንኸይትምስርትን ዚጽዕር ኣካል ኣሎ። እዚ እኩይ ጸላኢ እዚ መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” ኢሉ ይገልጽ። ኣምላኽ እዛ ፍርሃት የሆዋ ዘይብላ ዓለም፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ልብኻ በቲ “ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ” ምእንቲ ኸይበርህ፡ ኣብ ጸልማት ኬንብረካ እዩ ዚደሊ። ንየሆዋ ብስሙ ኽትፈልጦ ኣይደልየካን እዩ። እሞኸ ንሓሳብ ሰባት ዜዕሮ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧—2 ቈረንቶስ 4:4-6

ሰይጣን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተጠቒሙ ሰባት ንኣምላኽ ብስሙ ኸም ዘይፈልጥዎ ይገብር ኣሎ። ንኣብነት፡ ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ገሊኦም ኣይሁድ፡ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ዕሽሽ ኢሎም ነቲ ስም ኣምላኽ ንኸይትጥቀም ዚኽልክል ስርዓት ሰዓቡ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ ከኣ፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዜንብቡ ኣይሁድ ንስም ኣምላኽ ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ዘይኰነስ፡ ኣዶናይ (ትርጕሙ፡ “ጐይታ”) ብዚብል ቃል ተኪኦም ኬንብቡ መምርሒ ተዋሂብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ልምዲ እዚ፡ ሰባት ካብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቑ ገበረ። ብሰሪ እዚ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ኣይከኣሉን። የሱስከ ብዛዕባ ስም የሆዋ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧

የሱስን ሰዓብቱን ስም ኣምላኽ ኣፍለጡ

የሱስ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” በለ። (ዮሃንስ 17:26) ነቲ ኣገዳሲ ስም ዝሓቘፈ ገለ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኼንብብን ኪጠቅስን ኬብርህን ከሎ፡ ንስም ኣምላኽ የድምጽ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ፡ ልክዕ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነብያት ንስም ኣምላኽ ብዘይ ስክፍታ ተጠቒምሉ እዩ። ኣብቲ የሱስ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን ዝነበሩ ኣይሁድ ብምሉኦም ንስም ኣምላኽ ዘይጥቀሙ እንተ ነይሮም፡ ንሱ ንስርዓቶም ከም ዘይሰዓበ ፍሉጥ እዩ። እኳ ድኣስ፡ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ” ኢሉ ኣትሪሩ ነቐፎም።—ማቴዎስ 15:6

የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ እውን፡ እቶም እሙናት ሰዓብቱ ስም ኣምላኽ ከም ዚፍለጥ ገይሮም እዮም። (ነታ  “ቀዳሞት ክርስትያናት ስም ኣምላኽ ይጥቀሙ ነይሮም ድዮም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣብታ ክርስትያዊት ጉባኤ እተመስረተትላ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ትንቢት ዮኤል ብምጥቃስ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን፡ “ስም [“የሆዋ፡” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:21፣ ዮኤል 2:32) ቀዳሞት ክርስትያናት ነቶም ካብ እተፈላለየ ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት፡ ንየሆዋ ብስሙ ንኺፈልጥዎ ሓጊዞምዎም እዮም። ስለዚ ኸኣ፡ እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ወደ መዝሙር ያእቆብ፡ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ . . . [ንኣህዛብ] ከም ዝበጽሖም” ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:14

ኰይኑ ግን፡ እቲ ጸላኢ ስም ኣምላኽ ኣይተሓለለን። እቶም ሃዋርያት ምስ ሞቱ፡ ሰይጣን ውዓል ሕደር ከይበለ ኽሕደት ኪዘርእ ጀመረ። (ማቴዎስ 13:38, 39፣ 2 ጴጥሮስ 2:1) ንኣብነት፡ እቲ ስመ-ክርስትያን ዝነበረ ጀስቲን ማርቲር ዚበሃል ጸሓፊ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ናይ መወዳእታ ሃዋርያ ዝነበረ ዮሃንስ ዝሞተሉ እዋን እዩ ተወሊዱ። እንተዀነ ግን፡ ጀስቲን ኣብ ጽሑፋቱ፡ እቲ ንዅሉ ነገራት ዘዳለወ ኣካል፡ “ስም ተጸውዖ ዘይብሉ ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ገለጸ።

ከሓድቲ ክርስትያናት፡ ቅዳሓት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኬዳልዉ ኸለዉ፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ካብቲ ጽሑፋት ኣውጺኦም በታ “ጐይታ” ዝትርጕማ ኪርዮስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ተክእዎ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እውን ተመሳሳሊ ነገር ተገይሩ እዩ። እቶም ኬንብቡ ኸለዉ ስም ኣምላኽ ዘየድምጹ ዝነበሩ ኸሓድቲ ኣይሁዳውያን ጸሓፍቲ፡ ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ቅዳሓቶም 130 ሳዕ ኣዶናይ ብዚብል ቃል ተክእዎ። እቲ ብ405 ድ.ክ. ብጀሮም ናብ ላቲን እተተርጐመ፡ ጸኒሑ ኸኣ ቩልጌት እተባህለ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ፡ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣይተጠቕመን።

ስም ኣምላኽ ንምጥፋእ እተገብረ ዘመናዊ ፈተነ

ሎሚ ዘለዉ ምሁራት፡ እቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ኸም ዚርከብ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ከም እኒ እቲ ካቶሊካውያን ብስጳንኛ ዘዳለውዎ ላ ቢብልያ ላቲኖኣመሪካ ዀነ ጀሩሳሌም ባይብል፡ ከምኡውን እቲ ህቡብ ትርጕም ስጳንኛ ዝዀነ ሬና-ቫሌራ ዝኣመሰሉ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎም ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ብናጽነት ይጥቀምሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ትርጕማት ከኣ ስም ኣምላኽ፡ “ያህወህ” ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ዜሕዝን ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሕተም ገንዘባዊ ደገፍ ዚገብራ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን፡ ምሁራት ንስም ኣምላኽ ካብ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱሶም ኬውጽእዎ ጸቕጢ ዚገብራ ምዃነን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብ29 ሰነ 2008 ቫቲካን ናብ ፕረዚደንታት ኣኼባ ጳጳሳት ካቶሊክ ዝለኣኸቶ ሰነድ፡ “ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ . . . ስም ተጸውዖ ኣምላኽ እስራኤል ናይ ምድማጽ ተግባር፡ ቀስ ኢሉ ይተኣታቶ ኣሎ” በለት። እቲ ሰነድ፡ “ስም ኣምላኽ . . . ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ወይ ኪድመጽ የብሉን” ዚብል ንጹር መምርሒ ሃበ። ብተወሳኺ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዘመናዊ ቛንቋ ኺትርጐም ከሎ፡ . . . ስም ኣምላኽ በታ ንኣዶናይ/ኪሪዮስ እተመልክት ‘ጐይታ’ እትብል ቃል ኪትካእ ኣለዎ” በለ። እዚ ቫቲካን ዝሃበቶ መምርሒ፡ ስም ኣምላኽ ንምጥፋእ ዝዓለመ ኸም ዝዀነ ንጹር እዩ።

ፕሮተስታንት እውን ንስም የሆዋ ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም ኣርእዮም እዮም። ኣፈኛ እቲ ብ1978 ብፕሮተስታንት ደገፍ ተገይሩሉ ብእንግሊዝኛ እተሓትመ ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን፡ “የሆዋ ስም ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ክንጥቀመሉ ምተገብአ። ኰይኑ ግን፡ ነዚ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ 214 ሚልዮን ዶላር ኣውጺእናሉ ኢና፣ ኣብ ከም መዝሙር 23፡ ‘ያህወህ ጓሳይየይ እዩ’ ኢልና እንተ ንትርጕም ግን እዚ ገንዘብ እዚ ብላሽ ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። . . . ማንም ሰብ ኣይምተጠቕመሉን” ኢሉ ጸሓፈ።

ብተወሳኺ፡ ኣብያተ ክርስትያን ንላቲን ኣመሪካውያን፡ ስም ኣምላኽ ንኸይፈልጡ ዕንቅፋት ኰይነንኦም እዮም። ስቴቨን ቮት ዚበሃል ኣማኻሪ ትርጕም ሕቡራት ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሓደ ኻብቲ ፕሮተስታንት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ንሓድሕዶም ዚካትዕሉ ነገር፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ ሄዮቫ ዚብል ስም እዩ። . . . እቲ ዜገርም ግን፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኣባላት ሓድሽ ቤተ ክርስትያን ጴንጠቆስጠ . . . እቲ ብ1960 እተሓትመ ትርጕም ሬና ቫሌራ ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ እታ ሄዮቫ እትብል ስም ወጺኣ በታ ስኞር [ጐይታ] እትብል ቃል ክትትካእ ከም ዚደልዩ ገሊጾም እዮም።” ቮት ከም ዝበሎ፡ ሕቡራት ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ ነዚ ጠለብ እዚ ነጺግዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግን ቃሎም ሰሚዑ፡ “እታ ሄዮቫ እትብል ቃል ዘይብሉ” ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ሬና ቫሌራ ኣዳለወ።

ንስም ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሪዝካ “ጐይታ” ወይ “እግዚኣብሄር” ብዚብል መዓርግ ምትካኡ፡ ኣንበብቲ ንመንነት እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኽ ከም ዘይፈልጡ እዩ ዚገብር። a ከምዚ ምግባር ሕልኽላኻት እዩ ዚፈጥር። ንኣብነት፡ ሓደ ኣንባቢ እታ “ጐይታ” እትብል ቃል፡ ንየሆዋ ድያ እተመልክት ወይስ ንወዱ የሱስ ንምፍላጥ ኬጸግሞ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እታ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ እትርከብ ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብቲ ዳዊት ዝበሎ ጠቒሱ እተዛረባ፡ “የሆዋ ንጐይታይ [ነቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ]፡ . . . ‘ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ” እትብል ጥቕሲ፡ ኣብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ “ጐይታ ንጐይታይ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:34) ብዘይካዚ፡ ዴቪድ ክላንስ ኣብቲ “ያህወህን ኣምላኽ ስነ-ሃይማኖት ክርስትናን” ዚብል ጽሑፉ፡ “ሓደ ኻብቲ ያህወህ ካብ ኣእምሮ ክርስትያናት ዝወጸሉ ምኽንያት፡ ኣብ ክርስቶስ ትዅረት ናይ ምግባር ዝንባለ ስለ ዘሎ እዩ” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ዚኸዱ ምእመናን፡ ስም እቲ ንጸሎት የሱስ ዚሰምዕ ዝነበረ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም።

ሰይጣን፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይፈልጡ ንሓሳባቶም ኬዕውር ኣበርቲዑ ዚጽዕር እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።

ንየሆዋ ብስሙ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ

እወ፡ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እቲ መለኮታዊ ስም ውግእ ከፊቱ፡ ነዚ ዕላማኡ ንምፍጻም ድማ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ይጥቀም እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እቶም ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ንእሙናት ደቂ ሰብ ዘለዎ ዜደንቕ ዕላማን እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ዚደልዩ ሰባት፡ ስሙ ኸም ዚፈልጡ ኻብ ምግባር ኪዓግቶ ዚኽእል ሓይሊ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ የልቦን።

ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክትቀርበሉ እትኽእል መገዲ ንኽትፈልጥ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። ከመይሲ፡ ኣብነት እቲ ንኣምላኽ፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” ዝበሎ የሱስ ይስዕቡ እዮም። (ዮሃንስ 17:26) ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺባርኾም ዚዓሞ እተፈላለየ ዕማማት ምስ እተስተንትነሉ፡ ንእተፈላለየ መዳያት እቲ ብሉጽ ባህርያቱ ኽትፈልጥ ኢኻ።

ሓደ ኻብቶም እሙናት ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ “ምስጢር ኣምላኽ” ኪፈልጥ ወይ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ርክብ ኪምስርት ክኢሉ እዩ፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። (እዮብ 29:4) ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ምስ ረኸብካ፡ ንየሆዋ ብስሙ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ከኣ፡ የሆዋ ምስቲ ባዕሉ ዝገለጸልና፡ “ከምቲ ባህ ዝብለኒ ክኸውን እየ” ዚብል ትርጕም ስሙ ተሰማሚዑ ዚዓዪ ምዃኑ ምትእምማን ከም እተሕድር ኪገብረካ እዩ። (ዘጸኣት 3:14) እወ፡ ንዅሉ እቲ ንደቂ ሰብ ዝኣተወሎም ባህ ዜብል መብጽዓታት ብርግጽ ኪፍጽሞ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a  ብመሰረት ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር” ካብ ግእዝ እተወስደ ቓል ኰይኑ፡ “ጐይታ ዓለም” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዎ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ቀዳሞት ክርስትያናት ስም ኣምላኽ ይጥቀሙ ነይሮም ድዮም፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ሃዋርያት የሱስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ናይ ክርስትያን ጉባኤታት ተመስሪተን ነይረን እየን። ኣባላት እተን ጉባኤታት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽናዕ ኣዘውቲሮም ይእከቡ ነበሩ። እዞም ቀዳሞት ክርስትያናት ዚጥቀምሉ ዝነበሩ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ስም የሆዋ ነይርዎዶ፧

ግሪኽኛ ኣህጉራዊ ቛንቋ ዀይኑ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ጉባኤታት ነቲ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ናብ ግሪኽኛ ተተርጒሙ እተወድአ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይጥቀሙ ነበሩ። ገሊኦም ምሁራት፡ ኣብቲ በዅሪ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እውን ከይተረፈ፡ ስም ኣምላኽ በታ “ጐይታ” ዝትርጕማ ኪሪዮስ እትብል ግሪኽኛ ኸም እተተክአ ይኣምኑ እዮም። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን።

እቲ ኣብዚ ተሳኢሉ ዘሎ ቝርጽራጻት፡ ክፋል እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እዩ። ኣብቲ ናይ ግሪኽኛ ጽሑፍ፡ ስም የሆዋ በተን יהוה (የሀወሀ) ዚብላ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ወይ ቴትራግራማተን ተጻሒፉ ኣሎ። ፕሮፌሰር ጆርጅ ሃዋርድ፡ “ቅድሚ ክርስትና ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ሰለስተ እተፈላለየ ቕዳሓት ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና፣ ኣብ ሓንቲ ኻብአን እውን ትኹን፡ እቲ ቴትራግራማተን በታ ኪሪዮስ እትብል ቃል ወይ ብኻልእ ቃል ፈጺሙ ኣይተተርጐመን። ብግዜ ሓድሽ ኪዳን ኰነ ቕድሚኡ ወይ ድሕሪኡ ዝነበሩ ኣይሁድ ንስም ኣምላኽ . . . ኣብቲ ናይ ግሪኽኛ ቕዱሳት ጽሑፋት የስፍርዎ ነይሮም ክንብል ንኽእል ኢና” በለ።—ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው።

ሃዋርያት ኰኑ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋቶም ስም ኣምላኽ ተጠቒሞም ድዮም፧ ፕሮፌሰር ሃዋርድ፡ “እታ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እተጠቕሰት ማሕበር ነቲ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ ስም ኣምላኽ ዝሓዘ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ትጥቀምን ካብኡ ትጠቅስን ካብ ነበረት፡ ጸሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ጽሑፋቶም ነቲ ቴትራግራማተን ከም እተጠቕሙ ዜጠራጥር ኣይኰነን” በለ።

እምበኣርከስ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ትርጕም ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዀነ ኻብ ቅዳሓት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ ስም ኣምላኽ ኬንብቡ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና።

[ምንጪ ስእሊ]

All photos: Société Royale de Papyrologie du Caire

[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኻብቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ዝዀነ ኽፋል ኢሳይያስ፡ ስም ኣምላኽ ሒዙ ኣሎ

[ምንጪ ስእሊ]

Shrine of the Book, Photo © The Israel Museum, Jerusalem

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብያተ ክርስትያን፡ ስርዓት ኣይሁድ ንምስዓብ ወይ ጥቕሚ ንምርካብ ኢለን ንስም ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጽኣኦ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ፡ ስም ኣምላኽ ከም ዚፍለጥ ብምግባር ኣብነት ሓደገ