ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ምዝርጋሕ መጽሓፍ ቅዱስ ግደ ዝነበሮ ኣሕታሚ

ኣብ ምዝርጋሕ መጽሓፍ ቅዱስ ግደ ዝነበሮ ኣሕታሚ

ኣብ ምዝርጋሕ መጽሓፍ ቅዱስ ግደ ዝነበሮ ኣሕታሚ

ብኢድ እተጻሕፈ መጻሕፍትን ጥቕላላትን ዚዳለወሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣሽሓት ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ብሓታሚት ማኪና ዚሕተም መጻሕፍቲ ኺዳሎ ኻብ ዚጅምር ግን፡ ክሳዕ ክንድቲ ነዊሕ ኣይገበረን። እቲ ንመጀመርታ ግዜ እተሓትመ መጻሕፍቲ፡ ብ868 ድ.ክ. ኣብ ቻይና ኸም እተዳለወ፡ ኣብ ዕንጨይቲ ብእተሰርሐ ቕርጻታት ጌርካ ኸኣ ከም እተሓትመ እዩ ዚእመን። ብ1455 ኣቢሉ፡ ኣብ ጀርመን ዚነብር ዮሃንስ ጉተንበርግ ናይ መጀመርታ ሓታሚት ማኪና መሃዘ፣ ንፈለማ ግዜ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ላቲን ሓተመ።

መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ መጻሕፍትን ናይ ምዝርጋሕ ዕዮ ዝጀመረ ግን፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ሕትመት መጻሕፍቲ ኸም ሓደ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዀይኑ እግሪ ምስ ተኸለ እዩ። ኑረምበርግ ማእከል ኢንዱስትሪ ሕትመት ጀርመን ኰነት፣ ኣንቶን ኮበርገር ዚበሃል ወዲ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ምናልባት ንፈለማ ግዜ ብሰፊሑ ኣብ ዕዮ ሕትመት እተዋፈረ፡ ሓታምን ኣሕታምን መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ።

ኵሎም ደቂ ሰብ ካብቲ ቐዳሞት ኣሕተምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዓየይዎ ዕዮ ተጠቒሞም እዮም፣ ሓደ ኻብዞም ኣሕተምቲ እዚኣቶም ድማ ኣንቶን ኮበርገር እዩ ነይሩ። እምበኣር፡ ንኮበርገርን ንዕዮኡን ብዝርዝር ንርኣዮ።

“ወትሩ ኣብ ሓደ መጽሓፍ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተኰረ”

ኮበርገር ነቲ ኣብ ኑረምበርግ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ቤት ማሕተም ብ1470 እዩ ኸፊትዎ። እቲ ትካል ኣብቲ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብሓንሳእ 24 ሓተምቲ ማካይን የካይድ ነበረ፣ ኣብ ባሰልን ስትራዝቡግን ልዮንን ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳን ድማ 100 ዚዀኑ ሓተምትን ኢደ-ጥበበኛታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ነበርዎ። ኮበርገር ኣብ ማእከላይ ዘመን ዚዝውተር ዝነበረ ጽሑፋት ላቲንን መብዛሕትኡ ብግዜኡ ዝነበረ ስነ-ፍልጠታዊ ጽሑፋትን ኣሕቲሙ እዩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ተጸሚዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብድምር 236 እተፈላለየ ዓይነት ጽሑፋት ኣሕቲሙ እዩ። ገሊኡ ብኣማእታት ዚቝጸር ገጻት ነበሮ፣ ኵሉ ጽሑፋት ከኣ ብኢድ ኣብ ዚዓያ ሓተምቲ ማካይን እዩ ተሓቲሙ።

ኮበርገር ንሕትመት ዚጥቀመሉ ዝነበረ ፊደላት ብሉጽ ብምንባሩ፡ መጻሕፍቱ ውቁብን ብቐሊሉ ዚንበብን ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ኣልፍሬድ ቦየርከል ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ኮበርገር ወትሩ ሓድሽ እተሰርሐ ንጹር ፊደላት እዩ ዚጥቀም ነይሩ፣ ዝበለየ ፊደላት ኣይጥቀምን እዩ ነይሩ” በለ። ብዘይካዚ፡ መብዛሕትኡ ኮበርገር ዝሓተሞ መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ብቕርጻ ዕንጨይቲ ተዳልዩ እተሓትመ ውቁብ ስእልታት ነበሮ።

ኮበርገር ካብቲ ዕዮኡ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ መወዳእታ፡ “ወትሩ ኣብ ሓደ መጽሓፍ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተኰረ” ምንባሩ፡ ኦስካር ሄዝ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት ገሊጹ ኣሎ። ኮበርገርን መሳርሕቱን ካብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ፡ ብልክዕነቱ ብሉጽ ዚበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። ሓያሎ ብራናታት ኣኽቢርካ ዚርአ ንብረት ገዳማት ብምንባሩ፡ ንኪቕዳሕ ተባሂሉ ንልቓሕ እንተ ተፈቒዱ እውን ንሓጺር ግዜ ጥራይ ይፍቀድ ብምንባሩ፡ እዚ ዕዮ እዚ ቐሊል ኣይነበረን።

መጽሓፍ ቅዱሳት ላቲንን ጀርመንኛን

ኮበርገር ንቢቢልያ ላቲና (መጽሓፍ ቅዱስ ላቲን)፡ 15 ግዜ ሓተሞ፣ እታ ናይ መጀመርታ ሕታም ድማ ብ1475 ወጸት። ገሊኡ ሕታማት፡ መርከብ ኖህን ዓሰርተ ትእዛዛትን ቤተ መቕደስ ሰሎሞንን ዝሓዘ ስእልታት ነበሮ። ብ1483 እውን፡ ኮበርገር፡ 1,500 ቢቢልያ ጀርማኒካ (መጽሓፍ ቅዱስ ጀርመንኛ) ሓተመ፣ እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ እዩ ነይሩ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንተገዳስነት ኣንባቢ ዜለዓዕልን ንጥቕስታት ዜብርህን መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ንዘይኽእሉ ዚሕግዝን ፍሉጥ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ልዕሊ 100 ስእልታት ነበሮ። እዚ ስእልታት እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድሒሩ ዝወጸ ስእልታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምናዳ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳት ጀርመንኛ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

እቲ ኮበርገር ብ1483 ዝሓተሞ መጽሓፍ ቅዱስ ጀርመንኛ ህቡብ እኳ እንተ ነበረ፡ ብጀርመንኛ ግን ነዛ ሕታም እዚኣ ጥራይ እዩ ኣሕቲሙ። እቶም ኣሰናደውቲ ንቓላት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ቤተ-ክርስትያን እትድግፎ ናይ ላቲን ቩልጌት ንኼሰማምዕዎ ብጥንቃቐ እኳ እንተ ኣተዓራረይዎ፡ እቲ ትርጕም ኣብቲ ተኣጊዱ ዝነበረ ብመበል 14 ዘመን እተዳለወ ትርጕም ዋልደንሳውያን እተመስረተ እዩ ነይሩ። a ንዓመታኡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢኖሰንት ሻምናይ ንማሕበረሰብ ዋልደንሳውያን ኬጥፍኦም ጀመረ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ብናይ ሓፋሽ ቋንቋታት ዚዳሎ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ተጻብኦ እናወሰኸ ኸደ። ብ22 መጋቢት 1485፡ እቲ ኣብ ማይንዝ፡ ጀርመን ኬገልግል እተሸመ ሊቀ-ጳጳሳት በርቶልድ፡ ናብ ጀርመንኛ ንእተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዅንን ኣዋጅ ኣውጽአ። ንዓመታኡ፡ ብ4 ጥሪ ድማ ነቲ ኣዋጅ ኣሐደሶ። ኣብቲ ሕማቕ ሃዋህው፡ ኮበርገር ደጊም መጽሓፍ ቅዱስ ጀርመንኛ ኺሓትም ኣይደፈረን።

ይኹን እምበር፡ ጻዕሪ ኣንቶን ኮበርገር ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። በቲ ሓድሽ እተማህዘ ጥበብ ሕትመት ተጠቒሙ፡ ኣብ ኤውሮጳ እተፈላለየ ዓይነት መጻሕፍቲ ብመጠነኛ ዋጋ ንህዝቢ ኣብ ምብጻሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ተራ ሰባት ከም ዚኣቱ ገይሩ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ዋልደንሳውያን—ካብ መናፍቓን ናብ ፕሮተስታንት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከሎ ዜርኢ ስእሊ፣ ወርቃዊት ናይ መጀመርታ ፊደል፣ ንጹር ፊደላት

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኮበርገር

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ውቁብ ስልማታትን ብዛዕባ ዘፍጥረት 1:1 እተዋህበ ሓሳባትን ዜርኢ ኮበርገር ዝሓተሞ መጽሓፍ ቅዱሳት ላቲንን ጀርመንኛን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

All Bible photos: Courtesy American Bible Society Library; Koberger: Mit freundlicher Genehmigung der Linotype GmbH