ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንብዙሓት ዜፍርሆም እንታይ እዩ፧

ንብዙሓት ዜፍርሆም እንታይ እዩ፧

ንብዙሓት ዜፍርሆም እንታይ እዩ፧

“ናብ መዓት ነምርሕ ከም ዘለና ንምሕሳብ፡ ኣብ ሃይማኖት እትኣምን ክትከውን ኣየድልየካን እዩ።” —ስተፈን ኦልሪ፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር፡ ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያ። a

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ትሰማምዓሉዶ፧ ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ዚፈርሁሉ ምኽንያት ክንምርምር ኢና። ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ከም ዘይጠፍእ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእለሉ ምኽንያት እውን ክንርኢ ኢና። እዚ ቐጺሉ ዚቐርብ ሓቅታት ዜሕዝን እኳ እንተ ዀነ፡ ብሩህ ተስፋ ንኺህልወካ ዚገብር ምኽንያት ግን ኣሎ።

ኑክልየሳዊ ውግእ ንኺለዓል ዘሎ ተኽእሎ ይውስኽ ኣሎ። ብ2007 ሓንቲ ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ እትበሃል ጽሕፍቲ፡ “ካብቲ እተን ናይ መጀመርታ ኣቶማዊ ቦምባታት ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳክን ዝወደቓሉ ግዜ ንነጀው፡ ዓለም ከም ሎሚ ገይሩ ሓደገኛ ምርጫታት ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን” ኢላ ኣጠንቀቐት። እቲ ጕዳይ ዜስግእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እታ ቡለቲን ከም ዝጸብጸበቶ፡ ኣብ 2007፡ ኣስታት 27,000 ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እዩ ነይሩ፣ ካብዚ ኸኣ እቲ 2,000 ዚኸውን፡ “ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ኪውንጨፍ ድሉው” እዩ ነይሩ። ካብዚ ኣጽዋር እዚ፡ ሒደት ሚእታዊት እውን እንተ ዚፍንጀር ነይሩ፡ ሳዕቤኑ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዀነ።

እሞኸ ኻብ ሽዑ ንነጀው ኑክልየሳዊ ውግእ ንኼጋጥም ዘሎ ተኽእሎ ጐዲሉዶ፧ መጽሓፍ ዓመት ኤስ.ኣይ.ፒ.ኣር.ኣይ. 2009 b c ከም ዝገለጸቶ፡ እተን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሓያላት ሃገራት፡ ማለት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ዩናይትድ ኪንግደም፡ ፈረንሳ፡ “ሓድሽ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣዋፊረን፡ ወይ ከኣ ከምኡ ናይ ምግባር ዕላማ ከም ዘለወን ኣፍሊጠን እየን።” ይኹን እምበር፡ እታ መጽሓፍ ዓመት ወሲኻ ኸም ዝሓበረቶ፡ እዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ሃገራት ጥራይ ኣይኰናን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን። ህንድን ፓኪስታንን እስራኤልን፡ ነፍሲ ወከፈን ካብ 60 ኽሳዕ 80 ዚኸውን ኑክልየሳዊ ቦምባታት ከም ዘለወን፡ ተመራመርቲ ይግምቱ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብድምር 8,392 ዚኸውን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንኺውንጨፍ ኣብ ተጠንቀቕ ከም ዚርከብ ገሊጾም እዮም።

ለውጢ ዅነታት ኣየር፡ መዓት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ፡ “ለውጢ ዅነታት ኣየር ኬስዕቦ ዚኽእል ሓደጋታት፡ ዳርጋ ማዕረ እቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዜስዕቦ እዩ” በለት። ከም እኒ ስተፈን ሃውኪንግ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ፕሮፌሰር ሕሳብ ነበር፡ ሰር ማርቲን ሪስ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ሓላፊ ኮሌጅ ትሪኒቲ፡ ዝኣመሰሉ ኣኽቢርካ ዚረኣዩ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎም። ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ተክኖሎጂን ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣካባቢ ዜሕድሮ ዘሎ ጽልዋን፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ንሓዋሩ ኪቕይር፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንሓደ ስልጣነ ኼጥፍእ ዚኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።

ትንቢታት መዓልቲ ጥፍኣት ንሚልዮናት የስግኦም ኣሎ። ኣብ ኢንተርነት፡ “መወዳእታ ዓለም”ን “2012”ን ኢልካ ኽትደሊ እንተ ፈቲንካ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ መወዳእታ ኸም ዚመጽእ ዚገልጽ ኣማእታት ገጻት ዘለዎ ትንቢት ክትረክብ ኢኻ። ስለምንታይ፧ እቲ “ሎንግ ካውንት” (ነዊሕ ፍቕዲ) ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኣብ ጥንታዊት ማያ ዝነበረ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ኣብ ዓመተ 2012 እዩ ዚዛዘም። ብዙሓት ሰባት፡ ምብቃዕ እቲ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስልጣነ ኸም ዚጠፍእ ዜመልክት ከይከውን የፍርሆም እዩ።

ብዙሓት ሃይማኖተኛታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥፍኣት እዛ እንነብረላ ምድሪ ኸም ዚምህር ይኣምኑ እዮም። ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ዚኸዱ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣብዛ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኣ ምድሪ ዚተርፉ፡ ወይ ናብ ገሃነም ዚድርበዩ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ኸም እትጠፍእ ይምህር ድዩ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (1 ዮሃንስ 4:1) ነቲ ሰባት ዚብልዎ ብሃውሪ ኣብ ክንዲ እትቕበሎ፡ ንምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም እንታይ ከም ዚብል ዘይትርኢ፧ እቲ ዚምህሮ ትምህርቲ ኼገርመካ ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ካብታ ብ19 ጥቅምቲ 2005፡ ኣብ MSNBC ወብ-ሳይት ዝወጸት፡ “መዓታት ንትንቢታት መዓልቲ ጥፍኣት ኣጐሃሂርዎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ እተወስደ።

b ኤስ.ኣይ.ፒ.ኣር.ኣይ.፡ ንኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም የመልክት።

c እቲ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ኤስ.ኣይ.ፒ.ኣር.ኣይ. 2009 ዚርከብ ጸብጻብ፡ በዞም ዚስዕቡ ሰባት እዩ ተጻሒፉ፦ ሻነን ኪል፡ ኣብ ኤስ.ኣይ.ፒ.ኣር.ኣይ. ገዲም ተመራማሪትን ሓላፊትን እቲ ኣብ ትሕቲ መደብ ምቍጽጻርን ምንካይን ኣጽዋር ዚርከብ ፕሮጀክት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር፣ ቪታሊ ፈድቸንኮ፡ ኣብ ኤስ.ኣይ.ፒ.ኣር.ኣይ. ተመራማሪ መደብ ምቍጽጻርን ምንካይን ኣጽዋር፣ ሃንስ ክሪሰንሰን፡ ኣብ ፈደረሽን ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ዳይረክተር ፕሮጀክት ኑክልየሳዊ ሓበሬታ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Mushroom cloud: U.S. National Archives photo; hurricane photos: WHO/League of Red Cross and U.S. National Archives photo