ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃየል ንሰበይቱ ኻበይ ረኺብዋ፧

ቃየል ንሰበይቱ ኻበይ ረኺብዋ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ቃየል ንሰበይቱ ኻበይ ረኺብዋ፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚጠራጠሩ ሰባት፡ “ኣዳምን ሄዋንን፡ ቃየልን ኣቤልን ዚበሃሉ ኽልተ ኣወዳት እንተ ነይሮምዎም፡ ቃየል ንሰበይቱ ኻበይ ረኺብዋ፧” እትብል እተደናግር ሕቶ ብተደጋጋሚ ዜልዕልዋ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ዜዕግብ መልሲ ይህብ እዩ።

ዘፍጥረት ምዕራፍ 3ን 4ን ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ ይህብ፦ (1) ሄዋን “ኣደ ዅሉ ህያው” እያ። (2) ኣብ መንጎ እቲ ቃየል እተወልደሉን ነቲ ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘይረኸበ መስዋእቲ ዘቕረበሉን እዋን እተወሰነ ግዜ ሓሊፉ እዩ። (3) ቃየል ምስ ተሰጕጐ እሞ፡ “ኰብላልን ቀባሕባሓይን” ከኣ ምስ ኰነ፡ ‘ዚረኽቦ ዘበለ ዅሉ’ ኸይቀትሎ ፈሪሁ ነይሩ እዩ። (4) ብኣሕዋቱ፡ ብኣሓቱ፡ ወይ ብኻልኦት ኣዝማዱ ምእንቲ ኸይቅተል፡ ኣምላኽ ምልክት ገበረሉ። (5) ድሕርዚ፡ ቃየል ኣብ “ምድሪ ኖድ፡” ማለት ኣብ “ምድሪ ቐባሕባሕ” (NW) ምስ ሰበይቱ ደቀሰ።—ዘፍጥረት 3:20፣ 4:3, 12, 14-17

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥብታት፡ ሰበይቲ ቃየል ኣብ ዘይንፈልጦ ዕለት እኳ እንተ ተወልደት፡ ካብ ወለዶ ሄዋን ምዃና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ኣብ ዘፍጥረት 5:4፡ ብዛዕባ እቲ ን930 ዓመት ብህይወት ዝጸንሐ ኣዳም፡ “ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ” ዚብል ነንብብ ኢና። ልክዕ እዩ፡ ሰበይቲ ቃየል ጓል ሄዋን ከም ዝነበረት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፈልዩ ኣይጠቅስን እዩ። ክሳዕ እቲ ቃየል እተሰጕጐሉ እዋን ስለ ዘይተጠቕሰት፡ እዚ ኽሳዕ ዚኸውን እውን ነዊሕ ግዜ ስለ ዝሓለፈ፡ ሓንቲ ኻብተን ደቂ ደቆም ንኣዳምን ሄዋንን ክትከውን ትኽእል እያ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዘ ኣምፕሊፋይድ ኦልድ ተስታመንት ንሰበይቲ ቃየል፡ “ሓንቲ ኻብ ደቂ ኣዳም” ኢሉ ይገልጻ።

ቃየል ምስ ፈርሀ፡ ኣምላኽ ምልክት ዝገበረሉ፡ “እተፈላለያ ኣቝሻት ኪምስርቱ” ዚኽእሉ ደቂ ኣዳም በዚሖም ብምንባሮም ምዃኑ፡ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ኣዳም ክላርክ ዚበሃል ወሃብ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቱ ገሊጹ ኣሎ።

ቃየል ምስ ሓብቱ ወይ ምስ ሓንቲ ኻብተን ደቂ ደቁ ንኣዳም ተዋሲቡ ዚብል ሓሳብ፡ ንሓያሎ ሎሚ ዘለዉ ሕብረተሰባት ኣይወሓጠሎምን እዩ። ከምዚ ዓይነት መውስቦ ኸም ነውሪ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ፡ ወይ ንዚወልድዎም ውሉዳት ጸገማት ከየጋጥሞም ስለ ዚፈርሁ እዩ ኸምኡ ዚስምዖም። ኰይኑ ግን፡ ፍራንክ ላጋርድ ስሚዝ ኣብታ ዘ ናሬትድ ባይብል ኢን ክሮኖሎጂካል ኦርደር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ወለዶታት፡ ኣሕዋት ምስ ኣሓት ምውሳብ ከም ዘይግቡእ ጌርካ እኳ እንተ ተራእየ፡ እቶም ቀዳሞት ኣሕዋትን ኣሓትን ግን ንሓድሕዶም ተዋሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም” ኢሉ ርእይቶኡ ሃበ። ብዘይካዚ፡ ሙሴ ብ1513 ቅ.ክ. ንህዝቢ እስራኤል እተዋህበ ሕጊ ኽሳዕ ዚቕበል፡ ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ብንጹር ከም ዘይተኸልከለ ኽንርስዕ የብልናን።—ዘሌዋውያን 18:9, 17, 24

ሎሚ፡ ካብቲ እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝነበሮም ፍጽምና ብኣሽሓት ዓመታት ኢና ርሒቕና ዘለና። እቲ ጂን ወይ ተወርሶ ኣባና ዜሕድሮ ጽልዋ፡ ንዓታቶም ብዙሕ ኣይጸልዎምን ነይሩ ይኸውን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ከም ጆርናል ኦቭ ጀነቲክ ካውንስሊንግ ዝኣመሰለ ጽሑፋት እተሓትመ፡ ኣብ ቀረባ እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ቤተሰብ ዚግበር መውስቦ ዚስዕብ ናይ ውልደት ጸገማት፡ ካብቲ ዚሕሰብ ንታሕቲ እዩ። እዚ ነገር እዚ፡ ኣብቲ ኣዳም ብህይወት ዝነበረሉ እዋን፡ ወይ ኣብቲ ቕድሚ ዘመን ኖህ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሕ ዜተሓሳስብ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ሰበይቲ ቃየል፡ ሓንቲ ኻብተን ኣዝማዱ እያ ነይራ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።