ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ምስ ገለ ኻብቶም 12 ሃዋርያቱ ዝምድና ነይሩዎዶ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ነዛ ሕቶ እዚ ንጹር መልሲ ኣይህብን እዩ። ገሊኡ ሓበሬታታትን ኣፈ-ታሪኽን ግን፡ የሱስ ምስ ገለ ኻብቶም 12 ሃዋርያቱ ዝምድና ኸም ዝነበሮ ይሕብር እዩ።

ጸሓፍቲ ወንጌል፡ ስማት እተን የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ኺስቀል ከሎ ዚርእያ ዝነበራ ኣንስቲ ይነግሩና እዮም። ዮሃንስ 19:25 (ትርጕም 1990)፡ “[ማርያም] ኣዲኡን ኃብቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን ማርያም መግደላዊትን” ብምባል ነተን ኣርባዕተ ኣንስቲ ጠቒስወን ኣሎ። ነዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ምስቲ ማቴዎስን ማርቆስን ዝመዝገብዎ ተመሳሳሊ ጸብጻባት ምስ እነረኣእያ፡ ሰሎሜ ንየሱስ ሓብቲኖኡ ኸም ዝዀነት ክንድምድም ንኽእል ኢና። ንሳ ኸኣ፡ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ክትከውን ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 27:55, 56፣ ማርቆስ 15:40) ስለዚ፡ እቶም ኣብ እተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ያእቆብን ዮሃንስ ተባሂሎም እተጸውዑ ደቃ፡ ንየሱስ ደቂ ሓትኖኡ እዮም። የሱስ ነዞም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ኽልተ ኣሕዋት፡ ደቀ መዛሙርቱ ንኪዀኑ ጸውዖም።—ማቴዎስ 4:21, 22

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዘሎ ኣፈ-ታሪኽ ድማ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ዮሃንስ 19:25 እተጠቕሳ ኣንስቲ ዝነበረ ቀሌዮጳ ወይ እልፍዮስ፡ ሓው እቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ኣቦ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። እዚ ኣፈ-ታሪኽ እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ዝነበረ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ እውን፡ ንየሱስ ወዲ ሓወቦኡ እዩ ነይሩ ማለት እዩ።—ማቴዎስ 10:3

ዝምድና የሱስን ዮሃንስ መጥምቕን እንታይ እዩ ነይሩ፧

ኣዴታቶም ዝነበረን ዝምድና ብንጹር ከም ዚፍለጥ ገሊኦም ሰባት ይኣምኑ እዮም። እዚ እምነት እዚ፡ ሉቃስ 1:36 ብንጹር ስለ ዘይተተርጐመት እዩ ተፈጢሩ። ንኣብነት፡ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እታ ኣደ ዮሃንስ ዝዀነት ኤልሳቤጥን እታ ኣደ የሱስ ዝዀነት ማርያምን እንታይ ዓይነት ዝምድና ኸም ዝነበረን ይገልጽ እዩ።

ኰይኑ ግን፡ እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እትርከብ በዅሪ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንዝምድናአን ብንጹር ኣይትገልጽን እያ። ክልቲአን ኣንስቲ ኣዝማድ ከም ዝነበራ ደኣ እምበር፡ እንታይ ዓይነት ዝምድና ኸም ዝነበረን ብንጹር ኣይሕብርን እዩ። ኢንተርፕሪተርስ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል፡ “እታ ቓል ኣዝዩ ሰፊሕ ትርጕም ስለ ዘለዋ ዝምድናአን ብልክዕ ክንፈልጥ ኣይንኽእል ኢና” በለ። ኣዴታት የሱስን ዮሃንስን ዝነበረን ዝምድና ብንጹር ከም ዚፍለጥ ዚገልጽ ሓሳብ ደኣ ኻበይ እዩ መጺኡ፧ ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዛዕባ . . . ወለዲ ማርያም ዘለና ዅሉ ሓበሬታ፡ ካብ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት እተረኽበ እዩ” በለ።

ስለዚ፡ የሱስን ዮሃንስን ኣዝማድ ከም ዝነበሩ ደኣ እምበር፡ ኣዴታቶም እንታይ ዓይነት ዝምድና ኸም ዝነበረን ብንጹር ኣይንፈልጥን ኢና።