ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ይደልየና ድዩ፧

ኣምላኽ፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ይደልየና ድዩ፧

ኣምላኽ፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ይደልየና ድዩ፧

ሓጢኣትካ ንቐሺ ወይ ንሃይማኖታዊ ኣገልጋሊ ምንዛዝ፡ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን ከም ሃይማኖታዊ ልምድን ከም ክፍሊ ኣምልኾን ጌርካ እዩ ዚርአ። ኰይኑ ግን፡ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ግዲ ዘይብሉ ሕብረተሰብ፡ ሓጢኣትካ ምንዛዝ ኣገዳሲ ድዩ፧

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብታ ኣብ ካናዳ እትሕተም ናሽናል ፖስት እትበሃል ጋዜጣ ኸም ዝገለጾ፡ ንኻልእ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ጌጋ ምንጋር ከቢድ እኳ እንተ ዀነ፡ “ነቲ ዝገበርካዮ ጌጋ ሰሚዑ፡ ምሳኻ ጸልዩ፡ ብኸመይ ከተተዓራርዮ ኸም እትኽእል ዚነግረካ ሰብ ምርካብ፡ ጾርካ ዘራገፍካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር።” ብኣንጻሩ ድማ፡ እታ ብለስ ሚ ፋዘር፡ ፎር ኣይ ሃቭ ሲንድ ዘርእስታ መጽሓፍ ንሓደ ሰብ ጠቒሳ፡ “ኑዛዜ ሓጢኣት፡ ሓደ ኻብቲ ጐዳኢ ሳዕቤን ዘለዎ ሃይማኖታዊ ልምድታት እዩ። ንብዙሓት ሰባት ድማ ኣዝዩ እዩ ዜጨንቖም” በለት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ሓደ ሰብ እንተ ሓጢኡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ዚገልጽ ንጹር መምርሒ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ንብጻዩ እንተ በዲልዎ ወይ ሕጊ ኣምላኽ እንተ ጥሒሱ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ናብ ዝዀነ እተቐብአ ኻህን ከይዱ ሓጢኣቱ ኺናዘዝ ነበሮ፣ ድሕሪኡ፡ እቲ ኻህን ኣብ ክንዲ እቲ ሓጢኣተኛ መስዋእቲ ብምቕራብ፡ ምስ ኣምላኽ የተዓርቖ።—ዘሌዋውያን 5:1-6

ዘመናት ጸኒሑ፡ ነብዪ ናታን ንንጉስ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ምስ ገሰጾ፡ ዳዊት እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ብኡንብኡ፡ “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” በለ። (2 ሳሙኤል 12:13) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ሞገሱ ኺህቦ ጸለየ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ጸኒሑ ዳዊት፡ “ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፡ በደለይውን ኣይሰወርኩን፡ ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፡ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 32:5፣ 51:1-4

ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን እንተ ዀነ፡ ኑዛዜ ሓጢኣት ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉን ሓደ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረት ጉባኤ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ሰባትን ዝነበረ ያእቆብ፡ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ያእቆብ 5:16) እሞኸ ክርስትያናት ብዛዕባ እንታይን ንመንን እዮም ሓጢኣቶም ኪናዘዙ ዘለዎም፧

ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንናዘዝ ዘሎና፧

ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ከይሓሰብናዮ ጌጋ ብምፍጻም ወይ ንልሳንና ብዘይግቡእ መገዲ ብምጥቃም መዓልታዊ ንኻልኦት ንብድል ኢና። (ሮሜ 3:23) እሞኸ ንነፍሲ ወከፍ እንፍጽሞ ሓጢኣት ብዚምልከት ናብ ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ብምኻድ ክንናዘዝ ኣሎና ማለት ድዩ፧

ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ንኣምላኽ የጕህዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሱ ነቲ ብምኽንያት ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና እንገብሮ ጌጋ ኣብ ግምት የእትዎ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ ይቕሬታ ምሳኻ አሎ” በለ። (መዝሙር 130:3, 4) ከይፈለጥና ንኻልኦት ምስ እንብድል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ እታ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃባ ኣብነት እትዀነና ጸሎት፡ “ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ፡ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና” ዚብል ሓሳብ ከም እተጠቓልል ኣይትረስዕ። (ሉቃስ 11:4) እወ፡ ንኣምላኽ ብስም የሱስ እንተ ቐሪብናዮን እንተ ለሚንናዮን፡ ንሱ እውን ይቕረ ኺብለልና እዩ።—ዮሃንስ 14:13, 14

የሱስ ኣብታ ጸሎት፡ “ንዝበደሉና” ይቕረ ኽንብል ከም ዚግባእ ገሊጹ ምህላዉ ኣስተብህል። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ፡ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። (ኤፌሶን 4:32) ንኻልኦት ይቕረ ንብለሎም እንተ ዄንና፡ ኣምላኽ እውን ንዓና ይቕረ ኺብለልና ኽንጽበ ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ኸም ስርቅን ደይ መደይ ኢልካ ዚዝረብ ሓሶትን ርኽሰትን ስኽራንን ካልእ ኸምኡ ዝኣመሰለን ከቢድ ሓጢኣትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ከምዚ ዚገብር ዝዀነ ይኹን ሰብ ንሕጊ ኣምላኽ ስለ ዚጥሕስ፡ ኣብ ኣምላኽ እዩ ዚሓጥእ። እሞኸ ሓጢኣቱ ኺናዘዝ ይግብኦዶ፧

ንመን ኢና ኽንናዘዝ ዘሎና፧

ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንገብሮ ሓጢኣት ይቕረ ኺብል መዝነት እተዋህቦ ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን፣ ኣምላኽ ባዕሉ ጥራይ እዩ ሓጢኣት ኪሓድግ ዚኽእል። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ [ኣምላኽ] ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 1:9) ይኹን እምበር፡ ንመን ኢና ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ዘሎና፧

ንሓጢኣትና ይቕረ ዚብለልና፡ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ኢና ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ዚግብኣና። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ ዳዊት ከምኡ እዩ ገይሩ። እንታይ እንተ ጌርና ኢና ግን ይቕረ ኺበሃለልና ዚኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እምብኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ . . . ተነስሑን ተመለሱን” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20) ስለዚ፡ ይቕረ ምእንቲ ኺበሃለልና፡ ሓጢኣትና ኣለሊና ኽንናዘዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከነቋርጾ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። እዚ ኸቢድ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ነቲ ኣቐዲምና ጠቒስናዮ ዝነበርና፡ “ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ” ዚብል ቃላት ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ትዝክሮ ትኸውን። ያእቆብ ወሲኹ፡ “ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ” በለ። (ያእቆብ 5:16) እቲ ኣብዚ “ጻድቕ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ሓደ ኻብቶም ያእቆብ ኣብ ቍጽሪ 14 ጠቒስዎም ዘሎ “ሽማግሌታት ማሕበር” ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ነቶም ምሕረት ኣምላኽ ኪረኽቡ ዚደልዩ ሰባት ንኺሕግዙ እተሸሙ መንፈሳውያን “ሽማግሌታት” ኣለዉ። ኣብ ኣምላኽ ንእተፈጸመ ሓጢኣት ይቕረ ኺብል እተመዘዘ ሰብ ስለ ዘየለ፡ እዞም “ሽማግሌታት” እዚኣቶም፡ ሓጢኣት ኪሓድጉ ኣይክእሉን እዮም። a ይኹን እምበር፡ ንሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ብምግናሕን ብምቕናዕን፡ ንኽብደት ሓጢኣቱ ንኺርዳእን ንኺንሳሕን ኪሕግዝዎ ዜኽእሎም መንፈሳዊ ብቕዓት ኣለዎም።—ገላትያ 6:1

ሓጢኣትና እንናዘዝ ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ ሰብ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ከቢድ ይኹን ቀሊል ብዘየገድስ፡ ምስ ብጻዩ ዀነ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ይበላሾ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ኪርበሽ ወይ ኪጭነቕ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ከም ዚስምዖ ዚገብር፡ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሕልና እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

እንደገና ኣብታ ያእቆብ ዝጸሓፋ መጽሓፍ እንተ ርኢና፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ዜተባብዕ ቃላት ክንረክብ ንኽእል ኢና፦ “ኣብ ማእከልኩምከ [ብመንፈስ] ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።”—ያእቆብ 5:14, 15

ኣብዚ እውን፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ኪከናኸኑ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዘሎ፡ ንሽማግለታት እዩ። ብኸመይ፧ ኑዛዜ ብምስማዕ ጥራይ ኣይኰነን ከምኡ ዚገብሩ። የግዳስ፡ እዚ ነገር እዚ ምስ መንፈሳዊ ሕማም ስለ እተተሓሓዘ፡ ‘ነቲ ሕሙም ንምድሓን’ ዝያዳ ኺገብሩ ኣለዎም። ክልተ ነገራት ኪግበር ከም ዚኽእል፡ ያእቆብ ጠቒሱ ኣሎ።

ቀዳማይ፡ ‘ምልካይ ዘይቲ’ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ የመልክት። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንኣእምሮን ልብን ሓደ ሰብ ዚትንክፍ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። (እብራውያን 4:12) ሽማግለታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብልሓት ብምጥቃም፡ ነቲ ብመንፈስ ዝሓመመ ሰብ፡ ጠንቂ እቲ ጸገም ንኺርዳእን ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ንኼመሓይሽ ዜኽእሎ ስጕምትታት ንኺወስድን ኪሕግዝዎ ይኽእሉ እዮም።

ካልኣይ፡ “ናይ እምነት ጸሎት” እዩ። ጸሎት ሽማግለታት ነቲ ኣምላኽ ዚወስዶ ፍትሓዊ ስጕምቲ ዘይቅይሮ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ምሕረት ኪገብር ስለ ዚደሊ፡ እቲ ጸሎት ኣብ ቅድሚኡ ኣገዳስነት ኣለዎ። (1 ዮሃንስ 2:2) ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ካብ ልቡ ዚንሳሕን “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ” ዚገብርን ሓጢኣተኛ ኺሕግዞ ድሉው እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:20

ንሰብ ኰነ ንኣምላኽ ብምብዳል ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት እንናዘዘሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ እዩ። ንኣምላኽ ብሰናይ ሕልና ምእንቲ ኸነምልኾ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ብጻይናን ንዚለዓል ዘይምስምማዕ ክንፈትሖን ሰላም ክንገብርን ከም ዘሎና፡ የሱስ ክርስቶስ ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 5:23, 24) ምሳሌ 28:13፡ “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” ትብል። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ትሕት ኢልና ይቕረታ ኺገብረልና እንተ ሓቲትና፡ ስምረቱ ኽንረክብን ልዕል ኬብለናን እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:6

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኦም ሰባት፡ እተን ኣብ ዮሃንስ 20:22, 23 ዚርከባ ቓላት የሱስ፡ ነቲ ኑዛዜ ዚሰምዑ ሰባት ዘለዎም ግደ ኸም ዚድግፋ ገይሮም ይርእይወን እዮም። ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ፡ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 28-29 ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ንኣምላኽ ብስም የሱስ እንተ ቐሪብናዮን እንተ ለሚንናዮን፡ ንሱ እውን ንጕድለትና ኺሓድገልናን ይቕረ ኺብለልናን እዩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሓጢኣትና እንናዘዘሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ እዩ