ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

500 ዓመት ዝገበረ ታሪኽ ካልቪንነት እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧

500 ዓመት ዝገበረ ታሪኽ ካልቪንነት እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧

500 ዓመት ዝገበረ ታሪኽ ካልቪንነት እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧

ዣን ኮቨን (ጆን ካልቪን) ብ1509 ኣብ ንዋዮን፡ ፈረንሳ፡ ተወልደ። ኣብ ህይወት ብዙሓት ተቐማጦ ኽፋላት ኤውሮጳን ኣመሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ጽልዋ ዝገበረ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ መስረተ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ምዕራባዊ ታሪኽ ኣብ እተገብረ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ቀንዲ እጃም ዝነበሮም ሰባት ጌርካ ድማ እዩ ዚርአ።

ካልቪን ካብ ዚውለድ 500 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ካልቪንነት፡ ማለት ሓሳባትን ትምህርትታትን ካልቪን፡ ኣብ ጕጅለታት ሃይማኖት ፕሮተስታንት ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ፣ ገለ ኻብዘን ጕጅለታት፡ ሪፎርምድ፡ ፕረስባይተርያን፡ ኮንግሪገሽናል፡ ፕዩርታን፡ ከምኡውን ካልኦት ኪጥቀሳ ይኽእላ። ዓለምለኻዊ ኺዳን እተሓደሳ ኣብያተ-ክርስትያን ክሳዕ ዝሓለፈ መስከረም፡ ኣብ 107 ሃገራት 75 ሚልዮን ምእመናን ከም ዘለውዎ እዩ ጸብጺቡ።

ምስ እምነት ካቶሊክ ዝነበሮ ግጭት

ኣቦ ካልቪን፡ ጠበቓን ጸሓፊ እታ ኣብ ንዋዮን ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክን እዩ ነይሩ። ብምኽንያት ስራሑ ድማ፡ ንሕማቕ ኣኻይዳ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ኻህናት ይርኢ ነበረ። እዚ ነገራት እዚ ንኣቦን ንሓውን ካልቪን ናብ ተቓውሞን ንዕቀትን ከም ዝመርሖም ርግጸኛታት ክንከውን እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ድሕሪ ግዜ ግን ክልቲኦም በታ ቤተ-ክርስትያን ተወገዙ። ኣቦኡ ምስ ሞተ፡ ብክርስትያናዊ መገዲ ኪቐብሮ ኣይከኣለን። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ እምነት ካቶሊክ ዝነበሮ ጥርጣረ መሊሱ ኣራጒድዎ ኪኸውን ኣለዎ።

መብዛሕትኡ ካልቪን ዘዳለዎ ጽሑፋት፡ መንእሰይ ከሎ ስቕ በሃሊ ኸም ዝነበረ ኻብ ምግላጽ ሓሊፉ ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ። ኣብ ፓሪስን ኦርሊዮንን ቡርዥን ኣብ ዝመሃረሉ ዝነበረ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣይነበርዎን። ኰይኑ ግን፡ በሊሕ ኣእምሮን ዜደንቕ ዝኽረትን ነበሮ። ብዘይካዚ፡ ካብ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ጀሚሩ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ዜጽንዕ ትጉህ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ገና ወዲ 23 ዓመት ከይኰነ ኸሎ፡ ብሕጊ መዓርግ ዶክትሬት ረኸበ። መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኼጽንዕ ድማ፡ እብራይስጥን ግሪኽኛን ላቲንን ተማህረ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ቁም ነገረኛን ጻዕረኛን እዩ ነይሩ፣ ነዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ሎሚ ዘሎ ካልቪንነት የተሓሕዝዎ እዮም።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ጀርመን፡ ማርቲን ሉተር ንቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ብሰንኪ እቲ ብልሽውናኣን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትታታን ብግህዶ ነቐፋ። ብ1517 ኣብ ዊተንበርግ ኣብ ዚርከብ ማዕጾ ቤተ-ክርስትያን፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ተሓድሶ ኽትገብር ዚጠልብ 95 ነጥብታት ዝሓዘ ተቓውሞ ኸም ዝለጠፈ እዩ ዚእመን። ብዙሓት ምስ ሉተር ተሰማምዑ፡ እቲ ተሓድሶ ኸኣ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብቕልጡፍ ኣስፋሕፍሐ። እዚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሓያል ምጽራር ስለ ዘበገሰ፡ ፕሮተስታንት ዘበሉ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም ኣረኣእያኦም ዚዝርግሑ ነይሮም። ብ1533 ኣብ ፓሪስ፡ ኒኮላ ኮፕ ዝስሙ ፈታው ካልቪን ንሉተር ዚድግፍ መደረ ኣቕረበ፣ ካልቪን ኣብ ምጽሓፍ እቲ መደረ እጃም ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ንሱን ኮፕን ህይወቶም ንምድሓን ኪሃድሙ ነበሮም። ድሕሪኡ፡ ካልቪን ናብ ፈረንሳ ኣይተመልሰን።

ብ1536 ካልቪን ንሃይማኖት ፕሮተስታንት መሰረት ዝዀነ ኢንስቲትዩትስ ኦቭ ክርስችያን ረሊጅን (መሰረተ-ትምህርቲ ሃይማኖት ክርስትና) ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣሕተመ። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ እቶም ደሓር ህዩገኖት ተባሂሎም እተጸውዑ ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ፕሮተስታንት ዚጣበቕ ኰይኑ፡ ናብ ንጉስ ፍራንሲስ ቀዳማይ እተጻሕፈ እዩ ነይሩ። ካልቪን ንትምህርትታት ካቶሊክ ነቐፎ፡ ነቲ መሰረት እምነቱ ዝዀነ ልዑላውነት ኣምላኽ ከኣ ተጣበቐሉ። እቲ ካልቪን ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን ፈረንሳይኛ እውን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ካልቪን ካብቶም ቀንዲ ኣብ ተሓድሶ እጃም ዝነበሮም ሰባት ጌርካ እዩ ዚርአ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ጀኒቫ፡ ስዊዘርላንድ ኪነብር ጀመረ፣ ካብ 1541 ንነጀው ከኣ፡ ነታ ኸተማ ማእከል ተሓድሶ ገበራ።

ኣብ ጀኒቫ እተገብረ ተሓድሶ

ካልቪን ኣብ ጀኒቫ ሓያል ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ። ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ከም ዝገለጾ፡ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ጽድቅን ይፈቱ ስለ ዝነበረ፡ “ነታ ሕማቕ ስም ዝነበራ ኸተማ፡ . . . ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ብጽኑዕ ናብ ዚሕለወላ” ኸተማ ቐየራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ኸተማ ኻልእ ለውጥታት እውን ኣጋጢሙ እዩ። ሓላፊት እቲ ኣብ በርሊን ዚርከብ ታሪኻዊ ቤተ-መዘክር ጀርመን ዝዀነት ዶክተር ዛቢነ ቪት ከም ዝገለጸቶ፡ “ብሰንኪ እቲ ኣብ ፈረንሳ እተገብረ ሃይማኖታዊ ውግኣት፡ ኣሽሓት ስደተኛታት ፕሮተስታንት ስለ ዝወሓዙ፡ ተቐማጦ [ጀኒቫ] ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ዕጽፊ ዀኑ።” እቶም ልክዕ ከም ካልቪን ጻዕረኛታት ዝነበሩ ህዩገኖት ንቝጠባ እታ ኸተማ ኽብ ኣበልዎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ጀኒቫ ዕዮ ሕትመት ዚካየደላን ሰዓት ዚስርሓላን ማእከል ኰነት።

ንግስቲ ሜሪ ቐዳመይቲ ተውርደሎም ካብ ዝነበረ ምጕብዕባዕ ንኼምልጡ ኻብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝሃደሙ ፕሮተስታንት ሓዊስካ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ጀኒቫ ወሓዙ። መብዛሕትኦም ሰዓብቲ ካልቪንነት ካብ ዓዶም እተሰደዱ ውሑዳን ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ክሪስት ኢን ደር ገግንቫርት (ዘመናዊ ክርስትና) ዚበሃል ሃይማኖታዊ ጽሑፍ፡ “ስነ-ሃይማኖት ስጉጓት” ኢሉ ዝገለጾ ኣረኣእያ ይስዕቡ ነበሩ። ብ1560 እቶም ስደተኛታት፡ ነቲ ንፈለማ እዋን ብቝጽሪ እተኸፋፈለ ጥቕስታት ዝሓዘ ጀኒቫ ባይብል ዚበሃል ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዝኛ ኣሕተሙ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእስ ዝበለ ስለ ዝነበረ፡ ብቐሊሉ ብሕታዊ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ክትገብር ዜኽእል እዩ ነይሩ። ፕዩርታውያን ብ1620 ናብ ሰሜን ኣመሪካ ኺስደዱ ኸለዉ፡ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሒዞም ከይዶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ይኹን እምበር፡ ጀኒቫ ንዅሉ ሰብ ኣይኰነትን ኣዕቊባ። እቲ ብ1511 ኣብ ስጳኛ እተወልደ፡ ግሪኽኛን ላቲንን እብራይስጥን ሕክምናን ድማ ዘጽንዐ ማይክል ሰርቪተስ፡ ኣብ ፓሪስ ምስ ካልቪን ይመሃር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ሰረተ-እምነት ስላሴ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኸም ዘይኰነ ተረድአ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ካልቪን ይጸሓሓፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ካልቪን ግን ንሰርቪተስ ከም ፈታዊ ዘይኰነስ፡ ከም ጸላኢ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ሰርቪተስ ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ካቶሊክ መስጐጕቲ ምስ ኣውረዱሉ፡ ናብታ ካልቪን ዝነበረላ ኸተማ ጀኒቫ ሃደመ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ጀኒቫ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣብ ክንዲ ዚግበረሉ፡ ተኣስረ፡ መናፍቕ ከም ዝዀነ ጌርካ ተኸስሰ፡ ብ1553 ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ብሓዊ ተቓጸለ። ፍሪደሪኽ ኦይኒንገር ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ “መቕተልቲ ሰርቪተስ ንህይወትን ንዕዮን እቲ ኣብ ተሓድሶ ዓብዪ እጃም ዝነበሮ [ካልቪን] ዜዋርድ እዩ ነይሩ።”

ካልቪን ኣብ ንጥፈታት ተሓድሶ እናተኻፈለ ኸሎ፡ ካልእ ብዙሕ ዕዮ እውን ይዓዪ ነበረ። ልዕሊ 100 መወከሲ ጽሑፋትን 1,000 ደብዳበታትን ከም ዝጸሓፈ፡ ኣብ ጀኒቫ ድማ ኣስታት 4,000 ስብከት ከም ዘቕረበ እዩ ዚንገር። ብፍላይ ኣብታ ኸም ከተማ ኣምላኽ ገይሩ ዚርእያ ዝነበረ ጀኒቫ፡ ክርስትና ኸመይ ኪኸውን ከም ዚግባእ ርእይቶኡ ገሊጹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል እውን ገይሩ እዩ። a

እሞኸ እቲ ካልቪን ደኺመ ኸይበለ ኣብ ጀኒቫ ዝገበሮ ተሓድሶ እንታይ ኣፍርዩ፧ ብመሰረት ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ዓመተ 2000፡ ኣባላት እታ እተሓደሰት (ካልቪናዊት) ቤተ-ክርስትያን ዝዀኑ፡ 16 ሚእታዊት ተቐማጦ ጀኒቫ ጥራይ እዮም ነይሮም፣ ኣብታ ኸተማ ኸኣ ካብ ካልቪናውያን፡ ካቶሊካውያን ይበዝሑ።

ሃይማኖታዊ ምክፍፋል በዝሐ

ተሓድሶ ምስ ጀመረ፡ ገሊአን ከተማታትን ሃገራትን ምስ ካቶሊክነት፡ ምስ ሉተራውነት፡ ወይ ምስ ካልቪንነት ከም ዚውግና ስለ ዝገለጻ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሃይማኖታዊ ምክፍፋል በዝሐ። እቶም ተሓድሶ ኺግበር ዚደልዩ ዝነበሩ ንቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ምንቃፍ እኳ እንተ ሓበሩ፡ ንሓድሕዶም ግን ኣይሰማምዑን እዮም ነይሮም። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ዶክተር ቪት፡ “ኣብ ውሽጢ ደምበ ፕሮተስታንት እውን ስነ-ሃይማኖታዊ ዘይምስምማዓት ማዕበለ” በለት። መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ክርስትያናዊ እምነት ኪኸውን ከም ዚግባእ ኵሎም ዚሰማምዑሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ትምህርትታቶም ግን ብዙሕ ዘይምስምማዕ ነበሮም። ትርጕም ድራር ጐይታን ህላወ ክርስቶስን ብኡንብኡ ዜከራኽር ጕዳይ ኰነ። ድሕሪ ግዜ፡ ካልቪንነት ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜከራኽር ሰረተ-እምነታት ኣማዕበለ፣ እዚ ድማ ሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ እዩ።

ብዛዕባ ትርጕም ጽሕፍቶ ብዙሕ መጐተ ተላዒሉ ነይሩ እዩ። ገሊኦም ካልቪናውያን፡ ሰባት ቅድሚ ምሕጣኦም፡ ሒደት ሕሩያት ብክርስቶስ ምድሓን ከም ዚረኽቡ፡ ኵሎም ዝተረፉ ኸኣ ከም ዘይድሕኑ፡ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኸም ዝወሰነ ይኣምኑ ነበሩ። ስለዚ፡ እዞም ጕጅለ እዚኣቶም፡ ድሕነት ብቕድመ-ውሳነ ኣምላኽ ከም ዚርከብን ኵሎም ደቂ ሰብ ማዕረ ኸም ዘይኰኑን ይኣምኑ ነበሩ። ካልኦት ካልቪናውያን ከኣ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ንኺድሕኑ መገዲ ኸም እተኸፍተሎም፡ ውልቀ-ሰባት ብዚገብርዎ ምርጫ ድማ ከም ዚውሰን ይኣምኑ ነበሩ። እዚ ኸኣ፡ ምድሓን ኣብቲ ሰብ ዚገብሮ ምርጫ ይምርኰስ ማለት እዩ። ካልቪናውያን ድሕሪ ሞት ካልቪን ንነዊሕ እዋን፡ ብዛዕባ ቕድመ-ውሳነ ኣምላኽ፡ ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ከምኡውን ንደቂ ሰብ ብዛዕባ ዚወሃብ ማዕረ ዕድል ይማጐቱ ነይሮም እዮም።

ንስም ካልቪንነት ዘበላሸወ ተግባር

ኣብ መበል 20 ዘመን፡ ንካልቪንነት እትስዕብ ቤተ-ክርስትያን ዳች ሪፎርምድ፡ ንትምህርቲ ጽሕፍቶ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌታዊ ፍልልይ ንምግባር መሰረት ገይራ ኣቕረበቶ። ኔልሰን ማንዴላ ብዛዕባ እቲ ንልዕልና ጸዓዱ ዚጣበቕ ፖሊሲ ዝነበሮ መንግስቲ፡ “እቲ ፖሊሲ በታ ንኣፍሪካኣናውያን [ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን] ኣምላኽ ዝሓረዮም ህዝቢ፡ ንጸለምቲ ኸኣ ዝተሓቱ ዘርኢ ገይራ ሃይማኖታዊ ባይታ ዘንጸፈት ቤተ-ክርስትያን ዳች ሪፎርምድ እዩ ተደጊፉ። ብኣረኣእያ ኣፍሪካኣናዊ፡ ኣፓርታይድን እታ ቤተ-ክርስትያንን ኢድን ጓንትን እዮም” በለ።

ብ1990ታት ቤተ-ክርስትያን ዳች ሪፎርምድ ንኣፓርታይድ ብምድጋፋ ብወግዒ ይቕረታ ሓተተት። መራሕቲ እታ ቤተ-ክርስትያን ድማ፡ ኣብቲ ኣዋጅ ራስተንበርኽ ተባሂሉ ዚፍለጥ ወግዓዊ መግለጺ፡ “ገሌና ኣፓርታይድ ቅኑዕ ምዃኑ መመኽነይታ ንምቕራብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ተጠቒምናሉ ኢና፣ ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ነቲ ተግባር ዚሰምሮ ዀይኑ ተሰምዖም” ብምባል ተኣመኑ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ንኣፓርታይድ ብዚምልከት ዝነበራ መትከል፡ ኣብቲ ብምኽንያት ዓሌታዊ ጽልኢ ዘጋጠመ መከራ እጃም ነይርዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ እውን ዜውቅስ እዩ ነይሩ።

ጆን ካልቪን ብ1564 ኣብ ጀኒቫ ሞተ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነቶም ምስኡ ዚዓዩ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ፡ “ክብሪ ዘይግብኣኒ ኽነሰይ፡ ብዙሕ ክብሪ ስለ ዝሃብኩምኒ አመስግነኩም” ብምባል ሞሳኡ ገለጸሎም፣ ብዘይካዚ፡ ህዉኽን ሓራቕን ብምንባሩ፡ ይቕረ ኺብሉሉ ሓተቶም። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ፕሮተስታንት ዚርአ ትግሃትን ጻዕርን ተወፋይነትን፡ ምስቲ ጆን ካልቪን ዚስዕቦ ዝነበረ ስርዓታት ከም ዚመሳሰል ዚከሓድ ኣይኰነን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 321-325 ርአ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ተሓድሶ ምስ ጀመረ፡ ገሊአን ከተማታትን ሃገራትን ምስ ካቶሊክነት፡ ምስ ሉተራውነት፡ ወይ ምስ ካልቪንነት ከም ዚውግና ስለ ዝገለጻ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሃይማኖታዊ ምክፍፋል በዝሐ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ስጳኛ

ፈረንሳ

ፓሪስ

ንዋዮን

ኦርሊዮን

ቡርዥ

ስዊዘርላንድ

ጀኒቫ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ካልቪን፡ መሰረተ-ትምህርቲ ሃይማኖት ክርስትና ኢሉ ዘዳለዎ ጽሑፍ (1536) ንሃይማኖት ፕሮተስታንት መሰረት ኰነ

[ምንጪ ስእሊ]

© INTERFOTO/Alamy

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

መቕተልቲ ሰርቪተስ ንህይወትን ዕዮን ካልቪን ዜዋርድ ነበረ

[ምንጪ ስእሊ]

© Mary Evans Picture Library

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

“ጀኒቫ ባይብል” (1560) ብቝጽሪ እተኸፋፈለ ጥቕስታት ዝሓዘ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዝኛ እዩ

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy American Bible Society

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

French town: © Mary Evans Picture Library