ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ 1ይቲ መልእኽቲ ቈረንቶስ፡ ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውአ ስጋ እትገልጽ ስለምንታይ እያ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዅሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 10:25) እቲ ኣብኡ ዚሽየጥ ስጋ ግን፡ ካበይ እዩ ዚመጽእ ነይሩ፧

ኣብ ኣብያተ-መቕደስ ግሪኻውያንን ሮማውያንን፡ መስዋእቲ እንስሳታት ቀንዲ ኽፋል ጽምብል እዩ ነይሩ፣ ኵሎም እቶም ንመስዋእቲ ዝቐረቡ እንስሳታት ግን ኣይኰኑን ኣብቲ ጽምብል ዚብልዑ ነይሮም። ካብቲ ኣረማዊ ኣብያተ-መቕደስ ዝተረፈ ስጋ ናብ ዕዳጋ ይኸይድ ነበረ። ኣይዶል ሚት ኢን ኮሪንት (ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ስጋ ጣኦት) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብቲ ኣምልኾ ስልጣን እተዋህቦም ሰባት . . . ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከሸንቲ ወይ ከኣ ሓረድቲ ስጋ ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። ነቲ ንመስዋእቲ ዚኸውን እንስሳ ምስ ሓረድዎ ዚወሃቦም ዝነበረ ግዲኦም፡ ኣብ ዕዳጋ ይሸጥዎ ነበሩ” በለት።

ስለዚ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዝነበረ ስጋ ኣይኰነን ካብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ዚመጽእ ነይሩ። ኣብ ፖምፐይ ኣብ ዝነበረ ዕዳጋ ስጋ (ብላቲን፡ ማከልዩም) ኣብ እተገብረ ፍሕረት፡ ምሉእ ኣስከሬናት ኣባጊዕ ተረኺቡ እዩ። እዚ ኸኣ፡ “እቲ እንስሳ ብህይወቱ ወይ ኣብቲ ማከልዩም ተሓሪዱ፡ ወይ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ እተሓርደ ወይ እተሰውአ ኣብኡ ይሽየጥ ከም ዝነበረ” ዚሕብር ምዃኑ፡ ሄንሪ ጀይ. ካድበሪ ዚበሃል ምሁር ገሊጹ ኣሎ።

ጳውሎስ ኣብዚ ኼመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ፡ ክርስትያናት ኣብ ኣረማዊ ኣምልኾ ዘይሳተፉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ እተሰውአ ስጋ ተበኪሉ ማለት ከም ዘይኰነ እዩ።

ብግዜ የሱስ፡ ኣይሁድን ሳምራውያንን ዚጻልኡ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ዮሃንስ 4:9፡ “ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም” ትብል። እዚ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ዘይምስምማዕ፡ ካብቲ የሮብዓም ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኣምልኾ ጣኦት ዝመስረተሉ እዋን ዝጀመረ እዩ ዚመስል። (1 ነገስት 12:26-30) ሳምራውያን ዚበሃሉ ዝነበሩ፡ ተቐማጦ እታ ርእሲ ኸተማ ሰሜናዊት መንግስቲ ዝዀነት ሰማርያ እዮም ነይሮም። ብ740 ቅ.ክ.፡ እቶም ዓሰርተ ነገድ ብኣሶራውያን ምስ ተሳዕሩ፡ ኣሶራውያን ኣብ ሰማርያ ኣረማውያን ዝዀኑ ጓኖት ኣስፈሩ። ኣብ መንጎ እቶም ሰፈርትን ደቂ እቲ ዓድን እተገብረ መውስቦ፡ ንኣምልኾ ሳምራውያን መሊሱ ኣበላሽይዎ ኪኸውን ኣለዎ።

ድሕሪ ዘመናት፡ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ተመሊሶም ንቤተ መቕደስ የሆዋን ንመካበብያ የሩሳሌምን ኪሃንጹ ኸለዉ፡ ሳምራውያን ተቓዊሞምዎም እዮም። (እዝራ 4:1-23፣ ነህምያ 4:1-8) ኣብ ከባቢ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ሳምራውያን ኣብ ከረን ጌሪዚም ናይ ርእሶም ቤተ መቕደስ ምስ ሃነጹ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሳምራውያንን ዝነበረ ሃይማኖታዊ ቕንቅን ተጋደደ።

ብግዜ የሱስ፡ እታ “ሳምራውያን” እትብል ቃል፡ ካብ ምስ ቦታ፡ ብዝያዳ ምስ ሃይማኖት እያ እትተሓሓዝ ነይራ፣ ነቶም ኣብ ሰማርያ ንዝማዕበለ ጕጅለ ሃይማኖት ዚስዕቡ ሰባት ከኣ ተመልክት ነይራ። ሳምራውያን ኣብ ከረን ጌሪዚም እዮም ዚሰግዱ ነይሮም፣ ኣይሁድ ከኣ ንሳምራውያን ይንዕቅዎም እዮም ነይሮም።—ዮሃንስ 4:20-22፣ 8:48

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሮብዓም ኣምልኾ ጣኦት መስረተ

[ምንጪ ስእሊ]

Musée du Louvre, Paris

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ፡ መስዋእቲ እንስሳ ዜርኢ ብካይላ እተሰርሐ ብያቲ