ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንምልእቲ ምድሪ እትቕይር መንግስቲ

ንምልእቲ ምድሪ እትቕይር መንግስቲ

ንደቅኻ ምሃሮም

ንምልእቲ ምድሪ እትቕይር መንግስቲ

ብዛዕባ ኣየነይቲ መንግስቲ ንዛረብ ከም ዘለና ኽትግምት ትኽእልዶ፧— a ብዛዕባ እታ የሱስ ክንጽልየላ ዝመሃረና መንግስቲ ኢና። ናብ ኣምላኽ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና ኽንጽሊ እዩ ምሂሩና። (ማቴዎስ 6:9, 10) ንኣስታት 2,000 ዓመት፡ ሰዓብቲ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ጸልዮም እዮም። ንስኻኸ ብዛዕባኣ ጸሊኻዶ ትፈልጥ፧—

መንግስቲ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኺርድኣካ፡ ንጉስ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ንጉስ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዚገዝእ እዩ። እቲ ንሱ ዚገዝኦ ሃገር ከኣ፡ ግዝኣቱ ይበሃል። ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንምልእቲ ምድሪ የጠቓልል። መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት፡ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ኪባረኹ እዮም።

መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኢሳይያስ 9:6 ብዛዕባ ገዛኢ እዛ መንግስቲ እዚኣ ይገልጽ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ሕጻን ተወሊዱልና፡ . . . እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ፡ ስሙውን . . . መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።”

መስፍን እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— እወ፡ ወዲ ንጉስ እዩ። እቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ሰማያዊ ንጉስ መን እዩ፧— የሆዋ እንተ ኢልካ፡ ትኽክል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ፡ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ኢሉ ሰምይዎ ኣሎ። (መዝሙር 83:18) የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ግዜ “ወዲ ኣምላኽ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እተባህለሉ ምኽንያት፡ የሆዋ፡ ህይወት ስለ ዝሃቦ እዩ። የሆዋ፡ ናይ ሓቂ ኣቦ የሱስ እዩ።—ሉቃስ 1:34, 35፣ ዮሃንስ 1:34, 49፣ 3:17፣ 11:27፣ 20:31፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:20

እታ የሱስ ክንጽልየላ ዝመሃረና መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍልይቲ መንግስቲ እያ። የሆዋ ንየሱስ፡ ገዛኢ ወይ ንጉስ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ። ግናኸ ምስ የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣቦኡ፡ ነገስታት ኰይኖም ኪገዝኡ እተሓርዩ ኻልኦት ከም ዘለዉ ትፈልጥዶ፧— ብዛዕባኦም እስከ ንዘራረብ።

የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ናብ “ቤት” ኣቦኡ፡ ማለት ናብ ሰማይ ከም ዚኸይድ ነጊርዎም ነይሩ። “ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ . . . ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ . . . ናባይ ክወስደኩም እየ” በሎም። (ዮሃንስ 14:1-3) እቶም ሃዋርያትን ካልኦት ሕሩያትን ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ እንታይ ከም ዚገብሩ ትፈልጥዶ፧— “ምስኡ . . . ኪነግሱ እዮም።” ክንደይ ዚኣኽሉ ምስኡ ኸም ዚነግሱ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ቍጽሮም 144,000 እዩ።—ራእይ 14:1, 3፣ 20:6

እቲ መስፍን ሰላምን እቶም 144,000 ሕሩያቱን ገዛእቲ ምስ ኰኑ፡ ኣብ ምድሪ ኸመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ኺህሉ፧— ዜደንቕ ኪኸውን እዩ። ውግእ ኣይኪህሉን እዩ። ኣብ መንጎ እንስሳታት ኰነ ኣብ መንጎ እንስሳታትን ሰባትን ሰላም ኪሰፍን እዩ። ሕማም ወይ ሞት ኣይኪህሉን እዩ። ኣዒንቲ ዕዉራት ኪርእያ፡ ኣእዛን ጸማማት ኪሰምዓ፡ ሓንካስ እውን ከም ዓገዘን ኪጐይን ኪዘልልን እዩ። ምድሪ ንዅሉ ዚኣክል ጥዑም ምግቢ ኸተብቍል እያ። ከምቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝኣዘዞም፡ ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ እዮም። (ዮሃንስ 13:34, 35) ኣብቲ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚርከብ ጥቕስታት ገንጺልና፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚኸውን ዜደንቕ ነገራት እስከ ነንብብ።—ኢሳይያስ 2:4፣ 11:6-11፣ 25:8፣ 33:24፣ 35:5, 6፣ 65:21-24

ካብቲ የሱስ ንሰባት፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ ዝመሃረሉ ግዜ ንነጀው፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ እታ መንግስቲ ተማሂሮም እዮም። እዚ ፍልጠት እዚ ድማ ንህይወቶም ቀዪርዎ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ምስ መጸትን ንዅለን እዘን ኣብ ምድሪ ዘለዋ መንግስትታት ምስ ተክኣተንን፡ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኣምላኽን ነቲ ንሱ ዝሓረዮ ገዛኢ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ዜገልግሉ ዘበሉ ሰላምን ጥዕናን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም።—ዮሃንስ 17:3

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መስፍን” ተባሂሉ እተጸውዐኸ ስለምንታይ እዩ፧

ምስ የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣቦኡ ዚገዝኡ መን እዮም፧

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ፡ ኣብ ምድሪ ኸመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ኺህሉ፧