ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

2 ናብ መን፧

2 ናብ መን፧

ጸሎት

2 ናብ መን፧

ናብ መን ከም እንጽሊ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧ ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ከምኡ እዩ ዚመስሎም። ብፍላይ እቶም ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ ዜተባብዑን ሃይማኖታት ዘለወን ኣፈላላይ ብዘየገድስ ኵለን ተቐባልነት ኪህልወን ዚደልዩን ሰባት፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ይፈትውዎ እዮም። እዚ ሓሳብ እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓያሎ ሰባት ናብ ኣምላኽ ከም ዘይጽልዩ ይገልጽ እዩ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን፡ ሰባት ናብ ጣኦታት ኪጽልዩ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ከምኡ ኺግበር ከም ዘይብሉ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቑ እዩ። ንኣብነት፡ መዝሙር 115:4-6 ብዛዕባ ጣኦታት ክትገልጽ ከላ፡ “እዝኒ አለዎም፡ ኣይሰምዑን” ትብል። ኪሰምዑና ናብ ዘይክእሉ ኣማልኽቲ ምጽላይ ትርጕም ከም ዘይብሉ እምበኣር ንጹር እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ብዝያዳ የነጽሮ እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ነብዪ ዝነበረ ኤልያስ ንነብያት በዓል፡ ናብ ኣምላኾም ኪጽልዩ እሞ ድሕሪኦም ንሱ ናብ ኣምላኹ ኸም ዚጽሊ ነገሮም። ኤልያስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዚምልስ፡ እቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ግን መልሲ ኸም ዘይህብ ተዛረበ። ነብያት በዓል ነዚ ሓሳብ እዚ ተቐቢሎም ናብ ኣምላኾም እናጨደሩ ነዊሕ ጸሎት ጸለዩ፣ ዋላ ሓንቲ መልሲ ግን ኣይረኸቡን። እቲ ጸብጻብ፡ “ዚመልስውን ኣይነበረን፡ ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን” ይብል። (1 ነገስት 18:29) ጸሎት ኤልያስከ ምላሽ ረኺቡዶ፧

ኤልያስ ምስ ጸለየ፡ ኣምላኹ ነቲ ዘዳለዎ መስዋእቲ ዚበልዕ ሓዊ ኻብ ሰማይ ብምስዳድ፡ ቀልጢፉ ንጸሎቱ መልሲ ሃቦ። ናይዚ ኽልተ ጸሎት ፍልልይ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብ 1 ነገስት 18:36, 37 ተመዝጊቡ ዘሎ ኤልያስ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ሓደ ኣገዳሲ ኣመት ይህበና እዩ። እቲ ጸሎት ኣዝዩ ሓጺር እዩ፣ አረ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ ኣስታት 30 ቓል ጥራይ ዝሓዘ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኤልያስ ኣብዘን ሒደት ቃላት እዚኣተን ንኣምላኽ በቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስሙ ኸም ዝጸውዖ፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት ከነንብብ ንኽእል ኢና።

እቲ “ወናኒ” ወይ “ጐይታ” ዚትርጕሙ በዓል፡ ኣምላኽ ከነኣናውያን ኪኸውን ከሎ፡ ብዙሓት ካልኦት ኣማልኽቲ እውን ብስሙ ይጽውዑ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዚብል ስም፡ ኣብ ኵሉ ፍጥረት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምጽዋዕ ጥራይ ስለ እንጥቀመሉ፡ ፍሉይ ስም እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንህዝቡ፡ “ኣነ [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ . . . ኣይህብን እየ” በሎም።—ኢሳይያስ 42:8

እሞኸ ኤልያስን ነብያት በዓልን ናብ ሓደ ኣካል ድዮም ጸልዮም፧ ኣብ ኣምልኾ በዓል፡ ምንዝር ዝመልኦ ጽምብልን መስዋእቲ ሰብን ይግበር ስለ ዝነበረ፡ ንሰባት ዜዋርድ እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ኣምልኾ የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል ዜኽብርን ካብ ዜዋርድ ተግባራት ናጻ ዝዀነን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ እሞ ሕሰብ፦ ንጹር ኣድራሻ ጽሒፍካ ኣኽቢርካ ናብ እትርእዮ ፈታዊኻ ደብዳበ ምስ እትልእኽ፡ ናብ ሓደ ኸም ናይ ፈታዊኻ ስም ዘይብሉ፡ እሞ ኸኣ እቲ ፈታዊኻ ምስ ዚኣምነሉ ነገራት ዚጻረር ርኹስ ነገራት ዚገብር ሰብ ኪበጽሕ ዲኻ ትጽቢት እትገብር፧ ኣይፋልካን።

ናብ የሆዋ እንተ ጸሊኻ፡ ናብቲ ኣቦ ደቂ ሰብ ዝዀነ ፈጣሪ ጸሊኻ ማለት እዩ። a ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ጸሎቱ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣቦና” በለ። (ኢሳይያስ 63:16) የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ” ኪብሎም ከሎ ድማ፡ ብዛዕባ እዚ ኣምላኽ እዚ እዩ ተዛሪቡ። (ዮሃንስ 20:17) የሆዋ፡ ኣቦ የሱስ እዩ። ናብዚ ኣምላኽ እዚ ድማ እዩ የሱስ ዝጸለየን ንሰዓብቱ ኺጽልዩ ዝመሃሮምን።—ማቴዎስ 6:9

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብ የሱስ፡ ናብ ማርያም፡ ናብ ቅዱሳን፡ ወይ ናብ መላእኽቲ ኽንጽሊ ድዩ ዚምህረና፧ ኣይፋሉን፣ ናብ የሆዋ ጥራይ ክንጽሊ እዩ ዚምህረና። እዚ ዝዀነሉ ክልተ ምኽንያት ንርአ። ቀዳማይ፡ ጸሎት ሓደ ኽፋል ኣምልኾ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ኣምልኾ ዚግብኦ የሆዋ ጥራይ ምዃኑ እዩ ዚነግረና። (ዘጸኣት 20:5) ካልኣይ፡ የሆዋ ‘ሰማዒ ጸሎት’ ዚብል መዓርግ ከም ዝጾረ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (መዝሙር 65:2) የሆዋ ብልግሲ ንኻልኦት ሓላፍነት ዚህብ እኳ እንተ ዀነ፡ ጸሎት ናይ ምስማዕ ሓላፍነት ግን ንኻልእ ሂብዎ ኣይፈልጥን። ንጸሎትና ባዕሉ ኸም ዚሰምዖ ቓል ኣትዩልና እዩ።

ስለዚ፡ ኣምላኽ ንጸሎትካ ኺሰምዖ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ፡ “ስም እግዚኣብሔር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣይትረስዕ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:21) ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ንዅሉ ጸሎት ብዘይ ምንም ቅድመ-ዅነት ይሰምዖ ድዩ፡ ወይስ ጸሎትና ንኺስማዕ ዚሕግዝ ክንፈልጦ ዜድልየና ነገር ኣሎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ሃይማኖታዊ ልምድታት፡ ኣብ ጸሎት እውን ከይተረፈ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምድማጽ ጌጋ ምዃኑ ይምህር እዩ። ይኹን እምበር፡ ስም ኣምላኽ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ቛንቋታት ኣስታት 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ፣ መብዛሕትኡ ኻብዚ ኸኣ፡ ኣብቲ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዘቕረብዎ ጸሎትን መዝሙርን እዩ ተጠቒሱ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኤልያስ ንነብያት በዓል ዘቕረቦ ብድሆ፡ ኵሉ ጸሎት ናብ ሓደ ኣምላኽ ከም ዘይከይድ ኣረጋገጸ