ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

4 ብዛዕባ እንታይ፧

4 ብዛዕባ እንታይ፧

ጸሎት

4 ብዛዕባ እንታይ፧

እታ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ የሱስ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ ዝሃበና ጸሎት፡ ካብ ኵሉ እቲ ክርስትያናት ዚጽልይዎ ንላዕሊ ብዙሕ ሳዕ እትደጋገም ጸሎት ምዃና እዩ ዚንገር። እዚ ሓቂ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ብዙሓት ሰባት ነዛ ጸሎት እዚኣ ብጌጋ እዮም ዚርድእዋ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብታ ጸሎት ዘሎ ቓላት፡ መዓልታዊ ሸምዲዶም ይደግምዎ እዮም። የሱስ ግን ነዛ ጸሎት እዚኣ በዚ ኸምዚ ኽንጥቀመላ ኣይኰነን ዚደሊ ነይሩ። ብኸመይ ንፈልጥ፧

የሱስ ነታ ጸሎት ቅድሚ ምዝራቡ፡ “ክትጽልዩ ኸሎኹም . . . ዘረባ ኣይተብዝሑ” በለ። (ማቴዎስ 6:7) እሞኸ ኺሽምደድን ኪድገምን ዚግብኦ ቓላት ብምንጋር ምስዚ ባዕሉ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ዚጋጮ ሓሳብ ድዩ ሂቡ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ፡ ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ኸም ዘሎና መሃረ፡ ክንጽሊ ኸለና ቐዳምነት ክንህቦ ዘሎና ነገራት ከኣ ብንጹር ገለጸ። ነቲ እተዛረቦ ቓላት እስከ በብሓደ ንመርምሮ። እቲ ጸሎት ኣብ ማቴዎስ 6:9-13 ተመዝጊቡ ይርከብ።

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።”

የሱስ በዚ ቓላት እዚ ኣቢሉ፡ ሰዓብቱ ናብ ኣቦኡ የሆዋ ጥራይ ኪጽልዩ ኣዘኻኸሮም። ኰይኑ ግን፡ ስም ኣምላኽ ኣገዳሲ ዝዀነን ኪቕደስ ዜድልዮን ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧

ካብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣትሒዙ፡ እቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ተጠቂኑ እዩ። እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ንየሆዋ ሓሳውን ስሱዕን መራሒ ኢሉ ብሓሶት ጸዊዕዎ፡ ንፍጡራቱ ኼመሓድር መሰል ከም ዘይብሉ ገይሩ ኸኣ ኣካፊእዎ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ግዲ ዘይብሉን ጨካንን ቂመኛን ከም ዝዀነ ብምምሃር ወይ ንህልውናኡ ብምንጻግ፡ ኣብ ጐድኒ ሰይጣን ቈይሞም እዮም። ገሊኦም ከኣ ንስም የሆዋ ኻብ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ብምውጻእን ኣብ ጥቕሚ ኸይውዕል ብምኽልካልን ኣቃሊሎምዎ እዮም።

ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ጠቐነ ኸም ዜወግዶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ህዝቅኤል 39:7) ከምኡ ኺገብር ከሎ ኸኣ፡ ንዅሉ ጸገማትካ ኣወጊዱ ዜድልየካ ዘበለ ኼማልኣልካ እዩ። ብኸመይ፧ የሱስ ኣብቲ ጸሎት ቀጺሉ ዝጠቐሰን ቃላት፡ ነዚ መልሲ ይህባና እየን።

“መንግስትኻ ትምጻእ።”

ሎሚ ዘለዉ መምህራን ሃይማኖት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይንጹር ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ኰይኑ ግን፡ ሰማዕቲ የሱስ፡ እቲ ብኣምላኽ እተመርጸ መድሓኒ ዝዀነ መሲሕ፡ ገዛኢ እታ ንዓለም እትቕይራ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚኸውን ንዚገልጽ ብነብያት ኣምላኽ ኣቐዲሙ እተነግረ ትንቢት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ዳንኤል 2:44) መንግስቲ ኣምላኽ ንሓሶት ሰይጣን ብምቅላዕ፡ ንሰይጣንን ንግብሩን ድማ ብምጥፋእ ንስም ኣምላኽ ክትቅድሶ እያ። ብዘይካዚ፡ ንውግእን ንሕማምን ንጥሜትን ንሞትን ከተጥፍኦ እያ። (መዝሙር 46:9፣ 72:12-16፣ ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24) ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ክትጽሊ ኸለኻ፡ ኵሉ እዚ መብጽዓታት ኪፍጸም ኢኻ እትጽሊ።

“ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”

ቃላት የሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብቲ ኣምላኽ ዚነብረሉ ሰማይ ዝዀነ፡ ኣብ ምድሪ እውን ብርግጽ ከም ዚኸውን ዚሕብር እዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ ኪዓግቶ ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣብ ሰማይ ተራእዩ እዩ፣ ከመይሲ፡ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምስ ሰይጣንን ጭፍራኡን ተዋጊኡ ናብ ምድሪ ደርብይዎም እዩ። (ራእይ 12:9-12) እዛ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ተጠቒሳ ዘላ ሳልሰይቲ ለመና፡ ልክዕ ከምተን ቀዳሞት ክልተ፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ፡ ማለት ኣብ ፍቓድና ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ከነተኵር ትሕግዘና። ከመይሲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ወትሩ ንዅሉ ፍጥረት ሰናይ ነገራት ኬምጽኣሉ ዚኽእል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ እቲ ፍጹም ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ ንኣቦኡ፡ “ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን” ዝበሎ።—ሉቃስ 22:42

“ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና።”

የሱስ ቀጺሉ፡ ብውልቂ ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት እውን ክንጽሊ ኸም እንኽእል ሓበረ። በብመዓልቱ ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት ናብ ኣምላኽ እንተ ጸለና ጌጋ ኣይኰነን። ከምኡ ምግባርና፡ “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን” ዚህብ የሆዋ ምዃኑ እዩ ዜዘኻኽረና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:25) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንደቁ ዜድልዮም ዘበለ ምሃብ ዜሐጕሶ ፈቃር ወላዲ ኸም ዝዀነ እዩ ዚሕብር። ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከም ንፉዕ ወላዲ፡ ዘይጠቕመና ነገራት ኣይህበናን እዩ።

“በደልና ሕደገልና።”

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ትብድሎ ኢኻ፧ ይቕረታኡኸ የድልየካ ድዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ንእንታይነት ሓጢኣት ኣይርድእዎን፡ ኣርዚኖም እውን ኣይርእይዎን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ሓጢኣት ጠንቂ ዅሉ መከራ ኸም ዝዀነን ሰባት ብሰንኩ ይሞቱ ኸም ዘለዉን እዩ ዚምህር። ሓጥኣን ኴንና ስለ እተወለድና፡ ብተደጋጋሚ ንሓጥእ ኢና፣ ንመጻኢ ዘሎና ተስፋ ድማ ኣብ ይቕረታ ኣምላኽ እተመርኰሰ እዩ። (ሮሜ 3:23፣ 5:12፣ 6:23) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ” ኸም ዚብል ምፍላጥና ኣዝዩ ዜጸናንዕ እዩ።—መዝሙር 86:5

“ካብ ክፉእ ኣድሕነና።”

ዕቝባ ኣምላኽ ኣዝዩ ብህጹጽ ከም ዜድልየካ ትፈልጥዶ፧ ብዙሓት ሰባት ንህልውና እቲ “ኽፉእ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ኣይቅበልዎን እዮም። የሱስ ግን ሰይጣን ብሓቂ ኸም ዘሎ እዩ ምሂሩ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ እውን ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 12:31፣ 16:11) ሰይጣን ነዛ ዚቈጻጸራ ዘሎ ዓለም ኣበላሽዩዋ እዩ፣ ንዓኻ እውን ኬበላሽወካን ምስ ኣቦኻ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከይትምስርት ኪዓግተካን ይደሊ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኻብ ሰይጣን ዝሓየለ እዩ፡ ነቶም ዜፍቅርዎ ኼዕቍቦም ከሎ ኸኣ ባህ እዩ ዚብሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብታ የሱስ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ ዝሃበና ጸሎት ዚርከብ ቀንዲ ነጥብታት፡ ንዅሉ እቲ ኽንጽልየሉ እንኽእል ዛዕባ ዝሓቘፈ ኣይኰነን። ቀዳማይ ዮሃንስ 5:14 ብዛዕባ ኣምላኽ ክትገልጽ ከላ፡ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ” ኸም እትብል ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ጸገማትካ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ዘይትኽእል ኰይኑ ኣይሰማዕካ።—1 ጴጥሮስ 5:7

ይኹን እምበር፡ ኣበይን መዓስን ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧ እቲ እንጽልየሉ ግዜን ቦታን የገድስ ድዩ፧