ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

5 ኣበይን መዓስን፧

5 ኣበይን መዓስን፧

ጸሎት

5 ኣበይን መዓስን፧

መብዛሕትአን ዓበይቲ ሃይማኖታት፡ ጸሎት ዚቐርበሉ ሰፊሕ ኣባይቲ ኸም ዜዳልዋን ጸሎት በብመዓልቱ ኣብ እተወሰነ እዋን ኪቐርብ ኣለዎ ኢለን ከም ዚኣምናን ተዓዚብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተወሰነ ግዜን ቦታን ጥራይ ክንጽሊ ድዩ ዚነግረና፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጸሎት ኪቐርበሉ ዚግባእ ግዜ ኸም ዘሎ ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ምስ ሰዓብቱ ቕድሚ ምብላዑ፡ ንኣምላኽ ብጸሎት ኣመስገኖ። (ሉቃስ 22:17) ደቀ መዛሙርቱ እውን ንኣምልኾ ምስ ተኣከቡ፡ ብሓባር ጸለዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምኵራብ ኣይሁድን ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌምን ዚግበር ዝነበረ ልማድ ቀጸልዎ። ብመሰረቱ እውን፡ ኣምላኽ ነታ ቤተ መቕደስ “ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት” ክትከውን እዩ ኣዳልዩዋ።—ማርቆስ 11:17

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሓደ ተኣኪቦም ኪጽልዩ ኸለዉ፡ ለመናኦም ኪስማዕ ይኽእል እዩ። እቶም ተኣከብቲ ስምረት እንተ ኣልይዎም፡ እቲ ኣብ ክንዳኦም ዚቐርብ ጸሎት ድማ ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ይሕጐስ እዩ። ብዘይካዚ፡ እንተ ዘይጽልዩ ነይሮም ዘይገብሮ ነገራት ንኺገብር እውን ኬለዓዕሎ ይኽእል ይኸውን። (እብራውያን 13:18, 19) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣኼባኦም ወትሩ ይጽልዩ እዮም። ኣብ ጥቓኻ ናብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኬድካ፡ ነቲ ዜቕርብዎ ጸሎት ክትሰምዕ ብኽብሪ ንዕድመካ።

ይኹን እምበር፡ ጸሎት ኣብ ሓደ ፍሉይ ግዜን ቦታን ጥራይ ኪቐርብ ከም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ግዜን ብዛዕባ ዝጸለዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ጸብጻብ ንረክብ ኢና። የሱስ፡ “ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ” በለ።—ማቴዎስ 6:6

እዝስ ባህ ዜብል ዕድመ ደይኰነን፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንበይንኻ ዄንካ ናብቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ብጸሎት ክትቀርብን ከም ዚሰምዓካ ርግጸኛ ኽትከውንን ትኽእል ኢኻ። የሱስ ንበይኑ ኺጽሊ ይደሊ ምንባሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ሓደ እዋን፡ ኣገዳሲ ውሳነ ንኺገብር ዜኽእሎ መምርሒ ስለ ዝደለየ፡ ምሉእ ለይቲ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ሓደረ።—ሉቃስ 6:12, 13

ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን እውን፡ ከቢድ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ ወይ ሓያል ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ፡ ጸልዮም እዮም። ሓድሓደ እዋን ዓው ኢሎም፡ ሓድሓደ እዋን ከኣ ብልቦም ይጽልዩ ነበሩ፣ ብጕጅለ ተኣኪቦምን ንበይኖምን እውን ይጽልዩ ነይሮም እዮም። እቲ ቐንዲ ዜገድስ፡ ምጽላዮም እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንኣገልገልቱ፡ “ከየባተኽኩም ጸልዩ” ኢሉ ዕድመ ኣቕሪቡሎም ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:17) ነቶም ፍቓዱ ዚገብሩ ኺሰምዖም ፍቓደኛ እዩ። እዝስ ፍቕራዊ ዕድመ ደይኰነን፧

ኣብዛ ንዅሉ ነገር ብዓይኒ ነቐፌታ እትርኢ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ጸሎት ግብራዊ ጥቕሚ እንተ ኣልይዎ ይሓስቡ እዮም። ንስኻ እውን፡ ‘ብሓቂዶ ጸሎት ይጠቕመኒ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜን ቦታን ክንጽሊ ንኽእል ኢና