መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘመናዊት ሃገረ እስራኤል ተነብዩ ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘመናዊት ሃገረ እስራኤል ተነብዩ ድዩ፧
ሎሚ ዓለም ንማእከላይ ምብራቕ ብሻቕሎት እያ እትከታተሎ። መጥቃዕትታት ሮኬት፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሚሊሽያ ዜጋጥም ግጭት፡ ከምኡውን ፍንጀራ ግብረ-ሽበራውያን ልሙድ ተርእዮ ዀይኑ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ሓደገኛ ዅነታት እዚ እውን፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ጥቕሚ ኸይውዕል ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚርከቡ ሰባት እንተ ተጨነቑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
ኣብ ግንቦት 1948 መላእ ዓለም ንማእከላይ ምብራቕ ብሻቕሎት እያ እትከታተሎ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ማለት ቅድሚ 62 ዓመት፡ እቲ ብሪጣንያ ነቲ ሽዑ ፍልስጥኤም ተባሂሉ ዚፍለጥ ቦታ ብሞግዚትነት ከተመሓድር ዝነበራ ስልጣን ዜብቅዓሉ ግዜ ኣኺሉ ነበረ፣ ውግእ ድማ የንጸላሉ ነበረ። ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክፋል እቲ ብጐበጣ ተታሒዙ ዝነበረ ቦታ፡ ናጻ ኣይሁዳዊት ሃገር ክትቀውም ኣሚሙ ነበረ። እተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ሃገራት ዓረብ፡ ዝኸፈላ ኸፊለን ነዚ ኪዀልፋኦ ቘረጻ። ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ “እቲ ዶብ ብሓውን ብደምን ጥራይ እዩ ኺስመር” ኢሉ ኣጠንቀቐ።
እዋኑ ዓርቢ 14 ግንቦት 1948፡ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ. እዩ ነይሩ። ብሪጣንያ ነቲ ዞባ ብሞግዚትነት ንኸተመሓድር ዝነበራ ስልጣን ናይ ሰዓታት ዕድመ እዩ ተሪፍዎ ነይሩ። ኣብ ቤተ-መዘክር ቴል ኣቪቭ፡ 350 ብምስጢር እተዓደሙ ተዓዘብቲ ንወግዓዊ ኣዋጅ ዘመናዊት ሃገረ እስራኤል ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነበሩ። እታ ሓዳስ ሃገር ብዙሓት ጸላእቲ ስለ ዝነበርዋ፡ ካብኦም ንዚፍኖ መጥቃዕቲ ንምክልኻል፡ ጽኑዕ ሓለዋ ይግበር ነበረ።
እቲ መራሒ ሃገራዊ ባይቶ እስራኤል ዝነበረ ዴቪድ ቤን-ጉሪዮን፡ ኣዋጅ ምስረታ ሃገረ እስራኤል ኣንበበ። እቲ ኣዋጅ ብኸፊል ከምዚ ይብል፦ “ንሕና ኣባላት ባይቶ ህዝቢ፡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኢረጽ-እስራኤል . . . በቲ ተፈጥሮኣውን ታሪኻውን መሰልና ተጠቒምና፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ውሳነ እውን ተመርኲስና፡ ኣብ ኢረጽ-እስራኤል መንግስቲ እስራኤል ተባሂላ እትፍለጥ ኣይሁዳዊት ሃገር ነቕውም ኣሎና።”
ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ ነይሩ፧
ገሊኦም ወንጌላውያን ፕሮተስታንት፡ በዚ ኸምዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘመናዊት መንግስቲ እስራኤል ከም እተፈጸመ ይኣምኑ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብታ ጀሩሳሌም ካውንትዳውን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ጆን ሄጊ ዚበሃል ቀሺ፡ ኢሳይያስ 66:8 ርአ።) . . . ኣብ ትንቢታዊ ታሪኽ መበል ዕስራ ዘመን፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየት ህሞት እያ ነይራ። ኣምላኽ እስራኤል ህያው ምዃኑ ዜርኢ ህያው መርትዖ እዩ ነይሩ” በለ።
“እዚ ኣገዳሲ ፍጻመ፡ ኣብቲ፡ ‘ህዝቢ ብሓንቲ ግዜ ኺውለድ እዩ’ ዚብል ነብዪ ኢሳይያስ ብብርዑ ዝጸሓፎ ቓላት ተመዝጊቡ ነይሩ እዩ። (እዚ ሓቂ ድዩ፧ ኢሳይያስ 66:8 ንምስረታ ዘመናዊት መንግስቲ እስራኤል ትንበ ድያ፧ 14 ግንቦት 1948፡ “ኣብ ትንቢታዊ ታሪኽ መበል ዕስራ ዘመን፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየት ህሞት” ድያ ነይራ፧ ዘመናዊት መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣምላኽ ዝሓረዮም ህዝቢ ትሕዝ እንተ ዀይና፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍጻም እውን ይጥቀመላ እንተ ኣልዩ፡ እዚ ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዚርከቡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ኸም ዚኸውን ኣየጠራጥርን እዩ።
ትንቢት ኢሳይያስ፡ “ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዐ፧ ከምዚ ዝበለኸ መን ረኣየ፧ ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ትውለድ እያ፧ ሕዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ኃዛ ብዙኅ ከይጸዓረት ሕዝቢ ኽትወልድ እያ” ይብል። (ኢሳይያስ 66:8፡ ትርጕም 1990) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ህዝቢ ብሓንቲ ግዜ፡ ማለት ብድንገት ከም ዚውለድ ብንጹር ትንበ እያ። ህዝቢ ኸም ዚውለድ ዚገብር ግን መን እዩ፧ እታ ቐጺላ ዘላ ቝጽሪ፡ “ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ፧ ይብል ኣምላኽኪ” ትብል። የሆዋ ኣምላኽ፡ እቲ ህዝቢ ዚውለደሉ ዜደንቕ ፍጻመ፡ ተግባሩ ምዃኑ ንጹር ገይርዎ ኣሎ።
ዘመናዊት እስራኤል ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ከም ዚውከል ዋላ ሓንቲ ወግዓዊ መግለጺ ብዘይሃበ ዓለማዊ ዲሞክራሲ እያ እትመሓደር። እቶም ብ1948 ዝነበሩ እስራኤላውያን ነቲ ኣዋጅ ሃገርነቶም ካብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ድዮም ርእዮምዎ፧ ኣይፋሎምን። ስም ኣምላኽ ኰነ እታ “ኣምላኽ” እትብል ቃል፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ኣዋጅ ኣይተጠቕሰን። ግሬት ሞመንትስ ኢን ጂውሽ ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ጽሑፍ ኣዋጅ ከምዚ በለት፦ “ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. እቲ ሃገራዊ ባይቶ ምስ ተኣከበ እውን ከይተረፈ፡ ኣባላቱ ብዛዕባ ቓላት እቲ ኣዋጅ ሃገር ኪሰማምዑ ኣይከኣሉን። . . . ወግዒ ዚሕልዉ ኣይሁድ፡ ‘ኣምላኽ እስራኤል’ ኪጥቀስ ደለዩ። ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ግን ኣቕበጹ። ቤን-ጉሪዮን ማእከላይ ሓሳብ ብምውሳድ፡ ኣብ ክንዲ እታ ‘ኣምላኽ’ እትብል ቃል፡ ‘ከውሒ’ እትብል ክትኣቱ ወሰነ።”
ዘመናዊት መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ ውሳነ ው.ሕ.ሃ. ኰነ ኣብቲ ተፈጥሮኣውን ታሪኻውን መሰል ህዝቢ ኣይሁድ ተመርኲሳ ኸም ዝቘመት እያ እትገልጽ። እሞኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ፡ ነቶም ኬመስግንዎ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ህዝቢ ኣብ መበል 20 ዘመን ዝዓበየ ትንቢታዊ ተኣምር ኪገብረሎም ክንጽበ ንኽእል ዲና፧
እዛ ዘመናዊት ሃገር ዝቘመትሉ መገዲ ምስ ዝሓለፈ ብኸመይ ይነጻጸር፧
ዘመናዊት እስራኤል ዘለዋ ኣተሓሳስባ ምስቲ ብ537 ቅ.ክ. ዝነበረ ዅነታት ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። ሽዑ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ን70 ዓመት ብባቢሎናውያን ከቢድ ዕንወት ኣጋጢምዎን ካብ ዓዱ ተመዛቢሉን ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እንደገና ብሓንቲ መዓልቲ ‘ተወሊዱ’ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ድሕሪኡ፡ ቂሮስ ዓብዪ ብዓል ፋርስ ንባቢሎን ስዒሩ፡ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ምስ ፈቐደ፡ ኢሳይያስ 66:8 ብዜደንቕ መገዲ ፍጻመኣ ረኸበት።—እዝራ 1:2።
ቂሮስ ንጉስ ፋርስ፡ የሆዋ ኣብቲ ብ537 ቅ.ክ. ዘጋጠመ ፍጻመ ኢዱ ኸም ዘእተወ፡ እቶም ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ኣይሁድ ከኣ፡ ቀንዲ ዕላማኦም ንኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽ እንደገና ምቛምን ቤተ መቕደስ ምህናጽን ምዃኑ ተረዲኡ ነበረ። ዘመናዊት መንግስቲ እስራኤል ግን፡ ከምዚ ዓይነት ድሌት ኰነ ዕላማ ኸም ዘለዋ ብወግዒ ኣየፍለጠትን።
ሕጂ እውን ሕሩያት ህዝቢ ድዮም፧
ብ33 ድ.ክ. ስጋውያን ህዝቢ እስራኤል ነቲ ወዲ የሆዋ ዝዀነ መሲሕ ስለ ዘይተቐበልዎ፡ ብኣምላኽ እተሓርዩ ህዝቢ ኻብ ምዃን ኣቋረጹ። እቲ መሲሕ ባዕሉ፡ “የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ . . . እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም። (ማቴዎስ 23:37, 38) ሰራዊት ሮሜ ብ70 ድ.ክ. ንየሩሳሌም ምስናይ ቤተ መቕደሳን ክህነታን ምስ ኣጥፍእዋ፡ ቃላት የሱስ ሓቂ ምንባሩ ተረጋገጸ። እቲ ኣምላኽ፡ “ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ እተዛረቦ ዕላማኡ ደኣ እሞ ብኸመይ ተፈጸመ፧—ዘጸኣት 19:5, 6።
እቲ ብስጋ ኣይሁዳዊ ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣብታ ናብቶም ካብ ኣህዛብ ኰነ ኻብ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ሂቡላ እዩ። “ንስኻትኩም . . . ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:7-10።
ስለዚ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እተሓርዩ ክርስትያናት እዮም መንፈሳዊ ህዝቢ ዀይኖም፣ ኣባል እቲ ህዝቢ ንምዃን ከኣ፡ ትውልዲ ወይ እትነብረሉ ዓዲ ወሳኒ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ጕዳይ እዚ በዚ ዚስዕብ መገዲ ገሊጽዎ እዩ፦ “እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን . . . ኣብቶም በዛ መገዲ እዚኣ ዚኸዱ ዘበሉን ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ።”—ገላትያ 6:15, 16።
እታ ዘመናዊት ሃገረ እስራኤል ንዝዀነ ይኹን ብትውልዲ ዀነ እምነቱ ብምቕያር ኣይሁድነት እተቐበለ ሰብ ዜጋ ኽትገብር ፍቓደኛ ኽትከውን ከላ፡ ዜጋ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሉ ዘሎ ንምዃን ግን፡ ‘እዙዝን ብደም የሱስ ክርስቶስ እተነጽገን’ ክትከውን ይግባእ። (1 ጴጥሮስ 1:1, 2) ጳውሎስ ብዛዕባ ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል፡ ወይ ብዛዕባ መንፈሳውያን ኣይሁድ ኪዛረብ ከሎ፡ “ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን” በለ።—ሮሜ 2:28, 29።
እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ኣከራኻሪ ሓሳብ ንኽንርድኦ ትሕግዘና። ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ እቶም ብ“ጨነፍር” “ኣውልዕ በረኻ” እተመሰሉ ኣህዛብ ምእንቲ ኺዋሰቡ፡ እቶም ብጨናፍር እቲ ኦም ኣውልዕ እተመሰሉ ዘይኣመንቲ ዝዀኑ ብስጋ ኣይሁድ ከም እተጸልጸሉ ገለጸ። (ሮሜ 11:17-21) ነዛ ምሳሌ እዚኣ ኺዛዝማ ኸሎ፡ “ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚአቱ፡ ንሓያሎ ኻብ እስራኤል ትሪ ልቢ ኸም ዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ፡ ኣይፈቱን እየ። . . . [በዚ ኸምዚ] ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ” በለ። (ሮሜ 11:25, 26) እሞኸ ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ሰዓት፡ ኣይሁድ ብሓፈሻ ክርስትያናት ከም ዚዀኑ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኸም ዘይወሰዱ ንጹር እዩ።
ጳውሎስ “ብዘሎ እስራኤል” ኪብል ከሎ፡ ብዛዕባ ዅሎም ብመንፈስ እስራኤላውያን፡ ማለት ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተሓርዩ ክርስትያናት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ብስጋ ኣይሁድ ዘበሉ ንመሲሕ ዘይምቕባሎም፡ ነቲ ዜፍሪ ጨናፍር ዝመልኣ መንፈሳዊት “ኣውልዕ” ክትህሉ ኣምላኽ ዝገበሮ ዕላማ ኸም ዘይቅይሮ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ምስታ የሱስ ንርእሱ ኸም ጕንዲ ወይኒ ገይሩ ዝመሰላ ምሳሌ ይሰማማዕ እዩ፣ ኣብታ ምሳሌኡ ዘይፈሪ ጨናፍር ከም ዚቝረጽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ” በለ።—ዮሃንስ 15:1, 2።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምስራት ዘመናዊት ሃገረ እስራኤል እኳ እንተ ዘይተነበየ፡ ብዛዕባ ምስራት መንፈሳዊ ህዝቢ እስራኤል ግን ብርግጽ ተነብዩ እዩ። ንስኻ እውን ነቲ መንፈሳዊ ህዝቢ እንተ ኣለሊኻዮን ምስኡ ትሓብር እንተ ዄንካን፡ ዘለኣለማዊ በረኸት ክትዓጽድ ኢኻ።—ዘፍጥረት 22:15-18፣ ገላትያ 3:8, 9።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
እታ ጳውሎስ ብዛዕባ ኦም ኣውልዕ ዝመሰላ ምሳሌ፡ እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ዴቪድ ቤን-ጉሪዮን፡ ብ14 ግንቦት 1948
[ምንጪ ስእሊ]
Israel Government Press Office, Photographer: Kluger Zoltan
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Todd Bolen/Bible Places.com