ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣዘራርቦም

ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣዘራርቦም

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣዘራርቦም

ኣሊስያ a እትበሃል ጐርዞ እትብሎ፦ “ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ክፈልጥ እደሊ እየ፣ ንወለደይ እንተ ሓቲተዮም ግን፡ ገለ ሕማቕ ነገር ዝገበርኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም።”

ኢነዝ ኣደ ኣሊስያ እትብሎ፦ “ንጓለይ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ከዘራርባ እደሊ እየ፣ ንሳ ግን ኵሉ ግዜ ትሕዝቲ እያ። ክንዘራረበሉ እንኽእል ነጻ ግዜ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።”

ሎሚ ኣብ ቲቪ፡ ኣብ ፊልምታት፡ ኣብ ሬክላማት፡ ኰታስ ኣብ ፈቐዶኡ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ዚገልጽ ሓበሬታ ይርከብ እዩ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ጕዳይ እዚ ኸም ነውሪ ዚቝጸረሉ ቦታ ኣሎ እንተ ተባህለ፡ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን እዩ። ማይክል ዚበሃል ኣብ ካናዳ ዚነብር በጽሒ፡ “ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምስ ወለድኻ ምዝርራብ ክሳዕ ክንደይ ዜጨንቕን ዜሕፍርን ምዃኑ፡ ወለዲ እንተ ዚርድኡ ደስ ምበለኒ። ብዛዕባኡ ምስ ዓርክኻ ምዝርራብ ይቐልል” በለ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ወለዲ እውን እንተ ዀኑ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምስ ደቆም ኪዘራረቡ ይኸብዶም እዩ። ደብራ ሃፍነር ዝስማ መምህር ጥዕና፡ ኣብታ ቢዮንድ ዘ ቢግ ቶክ ዘርእስታ መጽሓፋ፡ “ብዙሓት ወለዲ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ወይ ብዛዕባ ብጽሕና/ጕርዝውና ዚገልጽ መጽሓፍ ዓዲጎም ኣብ ክፍሊ እቲ ዚዓቢ ዘሎ ውሉዶም ከም ዜቐምጥዎ፡ ድሕሪኡ ድማ ከም ዘይዘራረቡሉ ነጊሮምኒ እዮም” በለት። ሃፍነር ከም ዝገለጸቶ፡ ከምዚ ምግባር ንውሉዳት፡ “ብዛዕባ ኣካላትካን ብዛዕባ ጾታዊ ነገራትን ክትፈልጥ ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባኡ ግን ከነዘራርበካ ኣይንደልን ኢና” ዚብል መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ።

ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዚፍለ መትከል ኪህልወካ ኣለዎ። ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ከተዘራርቦም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ፦

1. ዓለም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘለዋ ኣረኣእያ ተቐዪሩ እዩ። ጄምስ ዚበሃል ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ፡ “ሎሚ ጾታዊ ርክብ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚግበር ስጋዊ ርክብ ጥራይ ኣይኰነን ዜመልክት። ብኣፍን ብመሃንቱስን ዚፍጸም፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብኢንተርነትን ብሞባይል ተሌፎንን ዚርአ ጾታዊ ርክብ እውን ኣሎ” በለ።

2. ደቅኻ ገና ብቝልዕነቶም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ግጉይ ሓበሬታ የጋጥሞም ይኸውን። ሓንቲ ሺላ ዝስማ ኣደ፡ “ናብ ቤት ትምህርቲ ኪኸዱ ምስ ጀመሩ፡ ሽዑ ንሽዑ እዮም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዚሰምዑ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ንስኻ ኺህልዎም እትደልዮ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘይሕዙ እዩ ዚገብሮም” በለት።

3. ደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ሕቶ እኳ እንተ ኣለዎም፡ ባዕሎም ግን ኣይሓቱኻን ይዀኑ። ኣብ ብራዚል እትነብር ኣና ዝስማ ጓል 15 ዓመት ጐርዞ፡ “ሓቂ ይሓይሽ፡ ንወለደይ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ንኸዘራርቦም እንታይ ኢለ ኸም ዝጅምር ኣይፈልጥን እየ” በለት።

ምስ ደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምዝርራብ፡ ሓደ ኽፋል እቲ ኣምላኽ ከም ወላዲ መጠን ዝሃበካ ሓላፍነት እዩ። (ኤፌሶን 6:4) ሓቂ እዩ፡ ከምኡ ምግባር፡ ንዓኻ ይኹን ንደቅኻ የሰክፈኩም ይኸውን። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ብዙሓት መንእሰያት ምስቲ ዳንየላ ዝስማ ጓል 14 ዓመት ጐርዞ እተዛረበቶ ሓሳብ ይሰማምዑ እዮም፣ ንሳ፡ “ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ካብ መምህር ወይ ካብ ቲቪ ዘይኰነስ፡ ካብ ወለድና ኢና ኽንመሃር እንደሊ” በለት። እሞኸ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ግን ከኣ ዜሰክፍ ዚመስል ጕዳይ ንደቅኻ ኸተዘራርቦም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ b

ከከም ዕድሚኦም

ካብ ሰብ ተፈልዮም ዚነብሩ እንተ ደኣ ዘይኰይኖም፡ ቈልዑ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ እዮም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኪሰምዑ ዚጅምሩ። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚነብሩ እኩያት ሰባት፡ “ናብ ዝገደደ” ዅነታት ይሽመሙ ምህላዎም ኣዝዩ ዜስግእ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ብዙሓት ቈልዑ ብዓበይቲ ሰባት ብጾታዊ ርክብ ይዕመጹ እዮም።

ስለዚ እምበኣር፡ ንደቅኻ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ኽትምህሮም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ረነት ዝስማ ኣብ ጀርመን እትነብር ኣደ፡ “ኣብ ዕድመ ዅትትና ኽሳዕ ዚበጽሑ እንተ ተጸቢኻ፡ ብምኽንያት እቲ ምስ ብጽሕና/ጕርዝውና ተተሓሒዙ ዚመጽእ ለውጥታት፡ ልቦም ከፊቶም ኣየዘራርቡኻን ይዀኑ” በለት። ስለዚ፡ እቲ መፍትሕ፡ ንደቅኻ ምስ ዕድሚኦም ዚኸይድ ሓበሬታ ምሃብ እዩ።

ንሕጻናት፦ ግቡእ ስማት ጾታዊ ኣካላት እንታይ ምዃኑ ኣብ ምምሃር ኣተኵር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ኣካላት እዚ ኺትንክፎ ኸም ዘይብሉ ኸኣ ኣጕልሕ። ሁልያ ዝስማ ኣብ መክሲኮ እትነብር ኣደ፡ “መምህራንን ኣለይቲ ሕጻናትን መንእሰያትን ንወደይ ኪጐድእዎ ኸም ዚኽእሉ ምፍላጠይ ኣዝዩ ስለ ዘተሓሳሰበኒ፡ ገና ወዲ ሰለስተ ዓመት ከሎ እየ ኽምህሮ ጀሚረ። ንርእሱ ብኸመይ ኬዕቍብ ከም ዘለዎ ኺፈልጥ ነበሮ” በለት።

ነዚ ፈትኖ፦ ብጾታዊ ኣካላቱ ኺጻወት ንዚፍትን ሰብ ብጽኑዕ ምእንቲ ኺምልስ፡ ንውሉድካ ብግቡእ ኣሰልጥኖ። ንኣብነት፡ “ግደፍ! ክነግረልካ እየ!” ኢሉ ኺምልስ ከም ዘለዎ ኽትምህሮ ትኽእል ኢኻ። ዋላ እውን እቲ ሰብ ንውሉድካ ውህበት ኪህቦ ምዃኑ እንተ ነገሮ ወይ እውን እንተ ኣፈራርሆ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንኻልእ ኪነግር ወትሩ ግቡእ ምዃኑ ንውሉድካ ኣረጋግጸሉ። c

ንቘልዑ፦ ኣብ ዕድመ ቝልዕነት ዚርከቡ ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻ፡ ቀስ ብቐስ ፍልጠቶም ንኺውስኽ ሓግዞም። ፒተር ዝስሙ ኣቦ፡ “እንታይ ከም ዚፈልጡን ዝያዳ ኺፈልጡ ይደልዩ እንተ ዀይኖምን ኣረጋግጽ። ኣገዲድካ ግን ኣይተዘራርቦም። ምስ ደቅኻ ብዙሕ ግዜ ተሕልፍ እንተ ዄንካ፡ ባዕሎም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኪሓቱኻ እዮም” ዚብል ምኽሪ ሃበ።

ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ሓደ እዋን ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ክንዲ እትዘራረቡ፡ ሕጽር ዝበለ ግን ከኣ ተደጋጋሚ ምይይጥ ግበሩ። (ዘዳግም 6:6-9) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንደቅኻ ኣይተጽብበሎምን። ብዘይካዚ፡ እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ምስ ዕድሚኦም ዚኸይድ ፍልጠት ኬጥርዩ እዮም።

ንኣባጽሕ፦ እዚ ዕድመ እዚ፡ ደቅኻ ብዛዕባ እቲ ምስ ጾታዊ ነገራት ዚተሓሓዝ ኣካላውን ስምዒታውን ስነ-ምግባራውን መዳያት፡ እኹል ፍልጠት ኣጥርዮም እንተ ዀይኖም እተረጋግጸሉ እዋን እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣና ዝስማ ጓል 15 ዓመት ጐርዞ፡ “ኣብቲ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ኣወዳትን ኣዋልድን ጾታዊ ርክብ ይገብሩ እዮም። ክርስትያን ከም ምዃነይ መጠን፡ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት እኹል ፍልጠት ከጥሪ ኣሎኒ። ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምዝርራብ ዜሕፍር ኪመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባኡ ኽፈልጥ ግን ኣገዳሲ እዩ” በለት። d

መጠንቀቕታ፦ ከም ወላዲ መጠን፡ ሓደ ኽትጥንቀቐሉ ዘሎካ ጕዳይ ኣሎ። ኣባጽሕ፡ ዘይግቡእ ተግባር ፈጺሞም እንተ ዀይኖም ወለዶም ከይትጥርጥርዎም ስለ ዚፈርሁ፡ ሕቶ ኻብ ምሕታት ኬድሓርሕሩ ይኽእሉ እዮም። ንሓደ ስቲቨን ዝስሙ ኣቦ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ከምዚ በለ፦ “ወድና ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ካብ ምዝራብ ድሕር ምሕር ይብል ነበረ። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ዝጠርጠርናዮ ዀይኑ ኸም እተሰምዖ ተረዳእና። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከነዘራርቦ ዝደለና፡ ስለ ዝጠርጠርናዮ ኸም ዘይኰነ፡ የግዳስ ነቲ ዜጋጥሞ ሕማቕ ጽልዋ ንኺዋጽኣሉ ኸነዕጥቖ ኸም እንደሊ ኣነጸርናሉ።”

ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ብቐጥታ ኣብ ክንዲ እትሓቶ፡ ንሱ ወይ መማህርቱ ብዛዕባ ዘለዎም ኣረኣእያ ሕተቶ። ንኣብነት፡ “ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ጾታዊ ርክብ ከም ዘይኰነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። መማህርትኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዖም፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብተዘዋዋሪ ዚሕተት ሕቶ፡ እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ልቡ ኸፊቱ ንኺዛረበካን ርእይቶኡ ንኺገልጸልካን ኪድርኾ እዩ።

ንስክፍታኻ ተዋጽኣሉ

ሓቂ እዩ፡ ምስ ደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምዝርራብ ኣዝዩ ኼሰክፈካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ፍረ ኣለዎ። ዳያን እትበሃል ኣደ፡ “ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ስክፍታ እናነከየ እዩ ዚኸይድ፣ አረ ምስ ውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምዝርራብሲ ርክብካ ንኸተደልድል እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልካ” በለት። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ስቲቨን እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ። “ንስድራ ቤትካ ዚምልከት ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ናይ ምዝርራብ ልማድ እንተ ኣልዩካ፡ ብዛዕባ ኸም ጾታዊ ነገራት ዝኣመሰለ ዜሰክፍ ጕዳያት ክትዘራረብ ቀሊል እዩ ዚዀነልካ” በለ። ወሲኹ ድማ፡ “ስክፍታኻ ምሉእ ብምሉእ ዘይጠፍእ እኳ እንተ ዀነ፡ ብግልጺ እሂን ምሂን ምብህሃል ግን፡ መሰረት ጥዑይ ክርስትያናዊ ስድራ ቤት እዩ” በለ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ከተዘራርቦም ኣገዳሲ ምዃኑ ኽትገልጽ እያ። እታ ቐጺላ እትወጽእ ዓንቀጽ ከኣ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ደቅኻ ኽትመያየጡ ኸለኹም፡ ብኸመይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከተመሓላልፍ ከም እትኽእል ክትገልጽ እያ።

c ኣብታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 171 ካብ ዘሎ ሓሳብ እተወስደ።

d ምስ ዝባጽሐ ውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ክትዘራረብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 1-5፡ 28፡ 29፡ 33 ዚርከብ ሓበሬታ ተጠቐም።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ነዚ ዚስዕብ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ መንእሰያት ዝሃብዎ ርእይቶታት ኣንብቦ እሞ፡ ድሕሪኡ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዚርከብ ሕቶታት ብኸመይ ከም እትምልሶ ሕሰብ።

“ወለደይ ንጾታዊ ነገራት ዚምልከት ጽሑፋት ከንብብ እሞ፡ ሕቶ እንተ ኣልዩኒ ኽሓቶም ይነግሩኒ። ኣነ ግን፡ ንሳቶም እንተ ዘዘራርቡኒ እየ ዝመርጽ።”—ኣና፡ ብራዚል።

ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ዚገልጽ ጽሑፋት ጥራይ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኽትገብር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

“ብዛዕባ እቲ ሰባት ዚገብርዎ ዜሕፍር ጾታዊ ብልሽውና ብዙሕ ነገር እየ ዝፈልጥ፡ ኣቦይ ግን ብዛዕባ እዚ ኣፋፍኖት እውን የብሉን። ብዛዕባኡ እንተ ዝሓቶ፡ ኣዝዩ ምሰንበደ።” —ከን፡ ካናዳ።

ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስቦ ነገራት ከይሓተካ ዚፈርህ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

“ዘሎኒ ትብዓት ኣኻኺበ ንወለደይ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምስ ሓተትክዎም፡ ‘ስለምንታይ ኢኺ ኸምኡ ኢልኪ እትሓቲ ዘለኺ፧ ዘጋጠመኪ ነገር ኣሎ ድዩ፧’ ዚብል ዳርጋ ኽሲ እተሓወሶ ምላሽ እዮም ሂቦምኒ።”—ማሳሚ፡ ጃፓን።

ውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኪሓተካ ኸሎ እትህቦ ምላሽ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ እትገብርዎ ምይይጥ ባህ ዜብል ወይ ኣጸጋሚ ኺገብሮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

“ወለደይ ኣብ ናተይ ዕድመ ኸለዉ ተመሳሳሊ ሕቶታት ይሓቱ ኸም ዝነበሩን ኣነ እውን ከምኡ ዓይነት ሕቶታት እንተ ሓተትኩ ነውሪ ኸም ዘይብሉን እንተ ዜረጋግጹለይ ኣዝዩ ምሓገዘኒ።”—ሊዘት፡ ፈረንሳ።

ውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኪዛረበካ ኸሎ ፍዅስ ከም ዚብሎ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

“ኣደይ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ክትሓተኒ ኸላ፡ ብጽቡቕ ቃና እያ እተዘራርበኒ። እቲ ውሉድ ዚፍረድ ዘሎ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዖ፡ ከምኡ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ዚመስለኒ።”—ዠራልድ፡ ፈረንሳ።

ምስ ውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ክትዘራረብ ከለኻ፡ እንታይ ዓይነት ቃና ኢኻ እትጥቀም፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ምትዕርራይ ክትገብር የድልየካ ድዩ፧