ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም የሱስ ንሕዙናት ኣጸናንዓዮም

ከም የሱስ ንሕዙናት ኣጸናንዓዮም

ከም የሱስ ንሕዙናት ኣጸናንዓዮም

ኣልኣዛር ብዓል ቢታንያ ኣዝዩ ሓመመ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ማርታን ማርያምን ዚበሃላ ኣሓቱ፡ ናብቲ ናይ ቀረባ ፈታዊኦም ዝነበረ የሱስ መልእኽተኛታት ለኣኻ። ኰይኑ ግን፡ ኣልኣዛር ሞተ። ምስ ተቐብረ፡ ፈተውትን ጐረባብትን ንማርታን ንማርያምን “ኬጸናንዕወን” መጹ። (ዮሃንስ 11:19) ኣብ መወዳእታኡ፡ የሱስ ኣብ ቢታንያ በጽሐ፣ ነተን ፈተውቱ ኺርኢ ኸኣ ከደ። ነቲ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ብምምርማር፡ ንሕዙናት ብኸመይ ከነጸናንዖም ከም እንኽእል ክንመሃር ንኽእል ኢና።

ንሕዙናት ክትበጽሖም ምኻድካ፡ ከም እትግደሰሎም የርኢ

የሱስ ኣብ ቢታንያ ንምብጻሕ፡ መገዲ ኽልተ መዓልቲ ኺጐዓዝ ነበሮ፣ እዚ ኸኣ ንርባ ዮርዳኖስ ምስጋርን በቲ ጥውይዋይን ዓቐበትን ዝመልኦ መገዲ ያሪኮ ምጕዓዝን ዚሓትት እዩ ነይሩ። ማርታ ንየሱስ ምእንቲ ኽትቅበሎ፡ ብቕልጡፍ ናብ ወሰናስን እታ ቝሸት ከደት። ጸኒሓ፡ ማርያም ብዛዕባ ምምጻእ የሱስ ምስ ፈለጠት፡ ተንሲኣ ናብኡ ኸደት። (ዮሃንስ 10:40-42፣ 11:6, 17-20, 28, 29) የሱስ ነተን ብሓዘን እተደቝሳ ኣሓት ኪበጽሐን ምኻዱ፡ ብሓቂ ኣጸናኒዕወን ኪኸውን ኣለዎ።

ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ንሕዙናት ክንበጽሖም ምኻድና፡ ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ። ቲዮ ዚበሃል ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወዶም ብሓደጋ ዝሞቶም ስኮትን ልድያን ተዘክሮኦም ኪገልጹ ኸለዉ፡ “ዚድግፉና ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውትን ንደሊ ነበርና። ብለይቲ ድማ ትኽ ኢሎም ናብ ሆስፒታል መጹና” በሉ። እቶም ፈተውቶም ንስኮትን ንልድያን እንታይ በልዎም፧ ስኮትን ልድያን፡ “ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኪዛረቡና ኣይንደልን ኢና ኔርና። ኪበጽሑና ኢሎም ምምጻኦም ንባዕሉ፡ ከም ዚሓልዩልና ዜርኢ እዩ ነይሩ” በሉ።

የሱስ ነቶም ብምኽንያት ሞት ኣልኣዛር ዚበኽዩ ዝነበሩ ሰባት ምስ ረኣየ፡ ከም ‘ዘሕነቕነቐን’ ከም ‘ዝነብዐን’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 11:33-35, 38) የሱስ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ምብካይ ኣየሕፈሮን። ነቲ ዚስምዖም ዝነበረ ጓሂ ይርድኦ ነበረ። ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ንሕዙናት ክንበጽሖም ክንከይድ ከለና፡ ምስቶም ዚበኽዩ ምብካይ ኬሕፍረና የብሉን። (ሮሜ 12:15) ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነቲ ሕዙን ንኺበኪ ኣይተገድዶ። ገሊኦም ሰባት ኣብ በይኖም ኪበኽዩ ይመርጹ ይዀኑ።

ብርሕራሐ ስማዕ

የሱስ ንማርታን ንማርያምን ዜጸናንዕ ቃላት ኪዛረበን ተዳልዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ፈለማ ንሳተን ንኽዛረባ እዩ ዕድል ሂብወን። (ዮሃንስ 11:20, 21, 32) ምስ ማርታ ኺዛረብ ከሎ፡ ሕቶ ሓተታ፡ ጽን ኢሉ ድማ ሰምዓ።—ዮሃንስ 11:25-27

ጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ልባዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ዜርኢ እዩ። ስለዚ፡ ንሕዙናት ከነጸናንዕ እንተ ዄንና፡ ጽን ኢልና ኽንሰምዕ ኣሎና። ሕዙናት ብዝያዳ ኸም ዚዛረቡ ዚገብሮም ሕቶታት ብምሕታት፡ ጽን ኢልና ኸም እንሰምዕ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ስቕ ኪብሉ እንተ ደልዮም፡ ከይነገድዶም ክንጥንቀቕ ኣሎና። ደኺሞምን ኬዕርፉ ደልዮምን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ሓድሓደ ግዜ፡ ሕዙናት ስምዒቶም ይድንዝዝን ነገራት ይደጋግሙን ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ስምዒቶም ይገልጹ ይዀኑ። ማርታን ማርያምን ነፍሲ ወከፈን ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በላኦ። (ዮሃንስ 11:21, 32) እሞኸ የሱስ እንታይ ገበረ፧ ብትዕግስትን ብርሕራሐን ጽን ኢሉ ሰምዐን። እንታይ ኪስምዐን ከም ዚግባእ ኪነግረን ኣይፈተነን። ሕዙናት ኣዝዩ ብርቱዕ ጓሂ ኸም ዚስምዖም ይፈልጥ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ።

ንሓደ ሕዙን ክትበጽሕ ከለኻ፡ እንታይ ክትብል ከም ዘሎካ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ብዛዕባ ስምዒቱ ኼዘራርበካ ኸም ዚኽእል ክትነግሮን ንኽትሰምዖ ፍቓደኛ ምዃንካ ኽትሕብሮን ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ዚህበካ ምላሽ ኣቕልብ። ጽን ኢልካ ድማ ስምዓዮ። ዓይኒ ዓይኑ እናረኣኻ ንስምዒቱ ኽትርድኣሉ ፈትን።

ንስምዒት ሕዙን ክትርዳእ ምፍታን፡ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልድያ ኸምዚ በለት፦ “ዜድልየና ነገራት ተቐዪሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ብዘይምቍራጽ እንበኽየሉ እዋን ኣሎ። ካልኦት ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኢና እንደሊ። ፈተውትና ኸኣ ስምዒትና ኺርድኡልና ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም።”

የሱስ ንስምዒት ሰባት ይርዳእ ነበረ። ኵሉ ሰብ ነናቱ ‘ቝስልን ቃንዛን’ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 6:29) የሱስ ነቲ ማርታን ማርያምን ኪቕበላኦ ምስ መጻ እተዛረባኦ ዘረባ፡ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ምላሽ ሂቡሉ። ማርታ ዘረባኣ ስለ ዝቐጸለት፡ ንሱ እውን ምስኣ ብዝያዳ ተዘራረበ። ማርያም ግን ትበኪ ስለ ዝነበረት፡ የሱስ ብዙሕ ኣይተዛረባን። (ዮሃንስ 11:20-28, 32-35) ካብ ኣብነት የሱስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እቲ ሕዙን ነቲ ዘረባ እንተ መርሖ ይሓይሽ። ጓሂኡ ኺገልጽ ከሎ ንምስማዕ ፍቓደኛ ምዃንካ ኼጸናንዖ ይኽእል እዩ።

ዚፍውስ ቃላት

ማርታን ማርያምን ነፍሲ ወከፈን ንየሱስ፡ “ኣብዚ እንተ ትነብርሲ” እኳ እንተ በላኦ፡ ንሱ ግን ኣይወቐሰንን፡ ወይ በቲ ዘረባአን ኣይጐሃየን። የግዳስ፡ ንማርታ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ኢሉ ኣረጋገጸላ። (ዮሃንስ 11:23) የሱስ በዘን ሒደት ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ ንማርታ ብዛዕባ መጻኢ ንኽትሓስብ ሓገዛ፣ ተስፋ ንኽትገብር ድማ ብሕያውነት ኣዘኻኸራ።

ንሕዙናት እትዛረቦም ካብ ልቢ ዝመንጨወን ኣወንታውን ቃላት፡ ብዙሕ ይኹን ሒደት ብዘየገድስ፡ ዓብዪ ትርጕም ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ዜጸናንዕ ቃላት፡ ብዘረባ ወይ ብጽሑፍ ኪግለጽ ይኽእል እዩ። ደብዳበታትን ካርድታትን እንደገና ኺንበብ ስለ ዚኽእል፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እውን ከይተረፈ ኼጸናንዕ ይኽእል እዩ። ካት፡ ሰብኣያ ቦብ ካብ ዚመውት ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ፡ ነቲ እተዋህባ ካርድታት እንደገና ኣንበበቶ። “እንደገና ምስ ኣንበብክዎ እዩ ብዝያዳ ሓጊዙኒ። ኣጸናኒዑኒ ድማ እዩ” በለት።

እንታይ ኢልካ ኢኻ ኽትጽሕፍ እትኽእል፧ ምስቲ ዝሞተ ሰብ ብዛዕባ ዘሕለፍካዮ ኣጋጣሚታት ወይ ከኣ እቲ ሰብ ብዛዕባ ዝነበሮ ዜደንቕ ባህርይ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ካት ከምዚ በለት፦ “ብዛዕባ ቦብን ብዛዕባ ባህርዩን ዚገልጽ ሕያውነት ዝመልኦ ቓላት፡ ፍሽኽ ከም ዝብልን ከም ዝበክን ገይሩኒ እዩ። ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝገበሮ ዜስሕቕ ኣጋጣሚታት ዚገልጽ ቃላት እውን፡ ብውሽጠይ ከም ዝስሕቕን ነቲ ምስኡ ዘሕለፍናዮ ዜሐጕስ ህይወት ከም ዝዝክርን ገበረኒ። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ኣኽቢረ ዝርእዮ ብዙሕ ካርድታት እውን ኣሎኒ።”

ብግብራዊ መገዲ ሓግዝ

የሱስ ንስድራ ቤት ኣልኣዛር ንምሕጋዝ፡ ንሕና ኽንገብሮ ዘይንኽእል ነገር እዩ ገይሩ። ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንስኦ። (ዮሃንስ 11:43, 44) ይኹን እምበር፡ ንሕና እውን ብዓቕምና ግብራዊ ሓገዝ ክንህብ ንኽእል ኢና፣ ንኣብነት፡ ምግቢ ኽንሰርሕ፡ ንሓዘንተኛታት ኣብ ቤትና ኽንቅበል፡ ክዳን ክንሓጽብ፡ ንቈልዑ ኽንከናኸን፡ ክንለኣኣኽ፡ ወይ ከኣ መጐዓዝያ ኸነዳሉ ንኽእል ኢና። እቶም ሕዙናት ነታ ብናይ ሓቂ ፍቕሪ ተደሪኽና እንገብራ ንእሽቶ ተግባር ከም ዜማስዉላ ኣየጠራጥርን እዩ።

ሕዙናት ንበይኖም ኪዀኑ ዚደልዩሉ እዋን ከም ዘሎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ተበግሶ ወሲድካ ንዕኦም ኣብ ዚሰማማዕ እዋን ክትበጽሖም ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ሓዘን ዘጋጠማ ኣደ፡ “ሓዘን፡ ንእተወሰነ እዋን ዚጸንሕን ድሕሪኡ እትርስዖን ነገር ኣይኰነን” በለት። ገሊኦም ሰባት ነቲ ዝሞተ ኣብ ከም ዝኽሪ ዓመት መርዓ ወይ ኣብ ከም ዝሞተላ መዓልቲ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ እዋን ይዝክርዎ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ክትበጽሖም ምኻድካ፡ ኣብ ግዜ ጸገም ናይ ሓቂ ፈታዊ ምዃንካ ዜርኢ እዩ።—ምሳሌ 17:17

የሱስ ዝሃቦ ምጽንናዕ፡ ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዘካፈሎም ተስፋ እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ ንሱ፡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ” በለ። (ዮሃንስ 11:11) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ትንሳኤ ምዉታት ኪፍጸም ምዃኑ ንሰዓብቱ ኣረጋገጸሎም። ንማርታ እውን፡ “እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ኸኣ፡ “እወ ጐይታይ” ኢላ መለሰትሉ።—ዮሃንስ 11:24-27

የሱስ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ትኣምን ዲኻ፧ ትኣምን እንተ ዄንካ፡ ነዚ ኽቡር ተስፋ ንሕዙናት ኣካፍሎም። ብግብራዊ መገዲ ድማ ሓግዞም። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ቃላትካን ተግባርካን ኬጸናንዖም እዩ።—1 ዮሃንስ 3:18

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጴርያ

ርባ ዮርዳኖስ

ያሪኮ

ቢታንያ

ባሕሪ ጨው

የሩሳሌም

ሰማርያ