ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኪርከበልካ እዩ”

“ኪርከበልካ እዩ”

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ኪርከበልካ እዩ”

1 ዜና መዋእል 28:9

ንኣምላኽ ትፈልጦዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ከምቲ እትሓስቦ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ብሓቂ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ፡ ንፍቓዱን ንመገድታቱን ኣጸቢቕካ ምፍላጥ የጠቓልል። በዚ ኸምዚ ምስኡ ኽንቀራረብ ንኽእል፣ እዚ ኸኣ ንብምሉኡ ኣነባብራና ዚጸሉ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቕርርብ ብሓቂ ኺህሉ ይኽእል ድዩ፧ ንዓናኸ ብኸመይ ኪህልወና ይኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብቲ ኣብ 1 ዜና መዋእል 28:9 ዚርከብ ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ወዱ ዝሃቦ ምኽሪ ኺርከብ ይከኣል እዩ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዳዊት ኣብ እስራኤል ን40 ዓመት ዚኣክል ገዚኡ ነይሩ፣ እታ ሃገር እውን በልጺጋ ነይራ። እቲ ንዕኡ ተኪኡ ዚነግስ ሰሎሞን ገና ንእሽቶ እዩ ነይሩ። (1 ዜና መዋእል 29:1) እሞኸ ዳዊት ንወዱ እንታይ ናይ መወዳእታ ምኽሪ እዩ ሂብዎ፧

ዳዊት ካብቲ ንኣምላኽ ብምግልጋል ዘሕለፎ ተመክሮ ተበጊሱ ንወዱ፡ “ኣታ ወደይ ሰሎሞን፡ . . . ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ” በሎ። ኣብዚ ዳዊት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ፍልጠት ኪህልዎ ጥራይ ኣይኰነን ዜተባብዖ ነይሩ። ሰሎሞን ድሮ ነቲ ንዳዊት ኣምላኹ ዝነበረ የሆዋ እዩ ዜምልኾ ነይሩ። ዳርጋ ሲሶ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተዛዚሙ ነይሩ እዩ፣ ሰሎሞን ድማ ነቲ እዚ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጾ ነገራት ይፈልጦ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ሓደ ምሁር፡ እታ “ፍለጦ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ብሉጽ ቅርርብ ዘለዎ ሌላ” ኸተመልክት ከም እትኽእል ገሊጹ ኣሎ። እወ፡ ዳዊት ንወዱ፡ ከምኡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ኬማዕብል እዩ ዚደልዮ ነይሩ።

ከምዚ ዝበለ ቕርርብ፡ ንኣረኣእያን ንኣነባብራን ሰሎሞን ኪጸልዎ ነበሮ። ዳዊት ንወዱ፡ “ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ [ንኣምላኽ] ኣገልግሎ” ኢሉ ተላበዎ። ሰሎሞን ንኣምላኽ ኬገልግል ምሕጽንታ ዝቐረበሉ፡ ንኣምላኽ ኪፈልጦ ድሕሪ እተዋህቦ ለበዋ ምዃኑ ኣስተብህል። ንኣምላኽ ብሓቂ ምፍላጥ፡ ንዕኡ ናብ ምግልጋል ይመርሕ። ኰይኑ ግን፡ ብፍርቂ ልቢ፡ ማለት እናኣማታእና፡ ወይ ከኣ ብኽልተ ልቢ፡ ማለት ብግብዝና ኸነምልኾ የብልናን። (መዝሙር 12:2፣ 119:113) ዳዊት ንወዱ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብን ብፍታውን ኬገልግሎ እዩ ተማሕጺንዎ።

ዳዊት ንወዱ ብቕኑዕ ድራኸን ኣተሓሳስባን ኬምልኽ እተላበዎ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ” በለ። ሰሎሞን ንዳዊት ኣቦኡ ኼሐጕስ ኢሉ ጥራይ ኣይኰነን ንኣምላኽ ኬገልግል ነይርዎ። ኣምላኽ፡ ካብ ልቦም ዜገልግልዎ ሰባት እዩ ዚደሊ።

ሰሎሞን ነቲ ኣቦኡ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ ናብ የሆዋ ኪቐርብ እንተ ዀይኑ፡ ኣብኡ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ዳዊት ንወዱ፡ “እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ። እንተ ሐደግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ” በሎ። ሰሎሞን ምስ የሆዋ ኺቀራረብ እንተ ደልዩ፡ ንኺፈልጦ ኺጽዕር ነበሮ። a

እቲ ዳዊት ዝሃቦ ኣባታዊ ምኽሪ፡ የሆዋ ናብኡ ኽንቀርብ ከም ዚደልየና ዜረጋግጽ እዩ። ከምዚ ዝበለ ቕርርብ ንኺህልወና ግን፡ ንየሆዋ ‘ኽንደልዮ፡’ ማለት ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ክንኵዕት ኣሎና። ንዕኡ ምፍላጥና፡ ብምሉእ ልብን ብፍታውን ንኸነገልግሎ ኺድርኸና ኣለዎ። የሆዋ በዚ ኸምዚ ኸነገልግሎ እዩ ዚደሊ፡ ይግብኦ ኸኣ እዩ።—ማቴዎስ 22:37

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ዜሕዝን፡ ሰሎሞን ኣብ ፈለማ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቡ የገልግሎ እኳ እንተ ነበረ፡ ክሳዕ መወዳእታ ግን እሙን ኰይኑ ኣይቀጸለን።—1 ነገስት 11:4