ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለም እተራእየ ራእያት

ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለም እተራእየ ራእያት

ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለም እተራእየ ራእያት

ናብ ሰማይ ዝጠመትካ እኳ እንተ ጠመትካ፡ መንፈሳዊ ኣካል ኣይክትርእን ኢኻ። እዝንኻ እውን እንተ ጸለኻ፡ ዋላ ሓንቲ ድምጺ ኣይክትሰምዕን ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ መንፈሳውያን ኣካላት ከም ዘለዉ ኣየጠራጥረካን ይኸውን። ኣዝዮም መስተውዓልትን ሓያላትን ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ነናቶም ስምን ባህርያትን ኣለዎም። ገሊኦም ኪጠቕሙና፡ ገሊኦም ከኣ ኪጐድኡና ይደልዩ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኵሎም የተኵሩልና እዮም።

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንባዕሉ መንፈስ እዩ። (ዮሃንስ 4:24) ካብ ካልኦት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ፍልይ ዜብሎ፡ “የሆዋ” ዚብል ስም ኣለዎ። (መዝሙር 83:18NW) ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “[“የሆዋ፡” NW] ዓብዪ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ ከንቱ እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፡ ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።”—መዝሙር 96:4-6

ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተራእየ ራእያት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ የልቦን” ይብል። (ዮሃንስ 1:18) ከምቲ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ብዛዕባ ሕብርታት ኪርዳእ ዘይክእል፡ ንዓና እውን ትርኢት ኣምላኽ ኪርድኣና ኣይክእልን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ንፉዕ መምህር ንተመሃሮኡ ብዛዕባ እተሓላለኸ ነገራት ብዚርድእዎ መገዲ ዚገልጸሎም፡ ኣምላኽ እውን በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ነቲ ኽንርእዮ ዘይንኽእል ነገራት ክንርእዮ ብእንኽእል ነገራት ገይሩ ይገልጸልና እዩ። የሆዋ ነቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት፡ መንፈሳዊ ራእያት ኣርኣዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኣብ ሰማይ ዚርከብ ቦታታት ኣብ ኣእምሮና ንኽንስእሎን ምስቶም ኣብኡ ዚነብሩ ብዛዕባ ዘሎና ርክብ ንኽንርዳእን ይሕግዘና እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብቲ ነብዪ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ክብሪ የሆዋ ምስ ሓውን ድምቀትን እምኒ ሰፊሮስን ቀስተ ደበናን ተተሓሒዙ ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ፡ የሆዋ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ ራእይ ረኣየ፣ “ትርኢቱ [ማለት ትርኢት የሆዋ] እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን” ከም ዚመስል ድማ ገለጸ፣ ወሲኹ እውን፡ “ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢቡዎ ነበረ” በለ። እዚ መግለጺታት እዚ፡ ትርኢት የሆዋ ዚደጕሕን ባህ ዜብልን ሰላማውን ምዃኑ እዩ ዚሕብር።—ራእይ 4:2, 3፣ ህዝቅኤል 1:26-28

ነብዪ ዳንኤል እውን ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ራእይ ርእዩ እዩ፣ “እልፊ ጊዜ እልፊ [መላእኽቲ] . . . ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ የሆዋ] ቘይሞም” ረኣየ። (ዳንኤል 7:10) እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ትርኢት ኰን እዩ! ንሓደ መልኣኽ ብራእይ ምርኣይ ኣዝዩ ዜስተንክር ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ፍጹማት መላእኽቲ ኽትርኢ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

መላእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 400 ሳዕ ተጠቒሶም ኣለዉ፣ መዓርጎም እተፈላለየ ዀይኑ፡ ሱራፌልን ኪሩቤልን ዚበሃሉ እውን ዝሓቘፉ እዮም። እታ “መልኣኽ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛን እብራይስጥን ቃል፡ “ልኡኽ” ማለት እያ። ስለዚ፡ መላእኽቲ ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ይኽእሉ እዮም፣ ብግዜ ጥንቲ እውን ምስ ሰባት ይዘራረቡ ነይሮም እዮም። መላእኽቲ፡ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ኣይኰኑን። የሆዋ ንሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ እዩ ንዕኦም ፈጢርዎም።—እዮብ 38:4-7

ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ እተገልጹ መላእኽቲ፡ ሓደ ዜደንቕ ፍጻመ ኺርእዩ እዮም ተኣኪቦም ነይሮም። ዳንኤል፡ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ኸም ዝቐረበ ገለጸ፣ “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ” ድማ በለ። (ዳንኤል 7:13, 14) እቲ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ዜመልክት ኰይኑ፡ ንመላእ ምድሪ ኺገዝእ ስልጣን ተዋህቦ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ግዝኣቱ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን፡ ሕማምን ጓህን ጭቈናን ድኽነትን ሞትን እውን ኬወግድ እዩ።—ዳንኤል 2:44

ንግስና የሱስ ነቶም ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዚግደሱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እሙናት መላእኽቲ ኣጸቢቑ ኸም ዘሐጐሶም ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኵሎም መንፈሳውያን ፍጡራት ኣይኰኑን ከምኡ ዚስምዖም።

ጸላእቲ ኣምላኽን ሰብን

ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ኺምለኽ ስለ ዝደለየ፡ ካብ የሆዋ ዓለወ፣ ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ሰይጣን፡ ማለት “ተጻራሪ” ገበራ። ሰይጣን ካብ ኵሉ ንላዕሊ እኩይ ኪኸውን ከሎ፡ ምስቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ፈቃር ዝዀነ የሆዋ ኣመና ይጻረር እዩ። ካልኦት መላእኽቲ እውን ኣብ ዕልወት ሰይጣን ሓበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም መላእኽቲ እዚኣቶም፡ ኣጋንንቲ ኢሉ ይጽውዖም። ኣጋንንቲ እውን ከም ሰይጣን፡ ጨካናት ጸላእቲ ደቂ ሰብ እዮም። ኣብ ምድሪ ዜጋጥም ዘሎ ግፍዕን ሕማምን ድኽነትን ውግእን፡ ሳዕቤን እቲ ዜሕድርዎ ጽልዋ እዩ።

ሓያሎ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ብዛዕባ ሰይጣን ምዝራብ ከም ግዜኡ ዝሓለፎ ገይረን ይርእያኦ እኳ እንተ ዀና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዮብ ግን፡ ብዛዕባ ባህርያትን ድራኸታትን እቲ ዓለወኛ መልኣኽ ትገልጽ እያ። “ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ” ትብል። ኣብቲ ቐጺሉ እተገብረ ዝርርብ፡ እዮብ ንኣምላኽ ዜገልግሎ ብምኽንያት እቲ ዚረኽቦ ጥቕሚ ምዃኑ፡ ሰይጣን ብድርቅና ተኸራኸረ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ፡ ንእዮብ ብርቱዕ መከራ ኣውረደሉ፣ ንማሉን ንዓሰርተ ደቁን ድማ ቐተሎም። ድሕሪኡ እውን፡ ንእዮብ ብብርቱዕ ቍስለት ስጋ ወቕዖ። ኰይኑ ግን፡ ኵሉ ፈተነታቱ ፈሸለ።—እዮብ 1:6-19፣ 2:7

የሆዋ ንሰይጣን እተዓገሰሉ ብቑዕ ምኽንያት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ንሓዋሩ ኸምኡ ኺገብር እዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ድያብሎስ ኣይኪህሉን እዩ። ድሮ እኳ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ተወሲዱሉ ኣሎ፣ እዚ ብዓይኒ ዘይርአ ፍጻመ ድማ ንጥቕምና ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን [ማለት እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ] መላእኽቱን ምስቲ ገበል [ማለት ሰይጣን] ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከአ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።”—ራእይ 12:7-9

ሰይጣን፡ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ” ተባሂሉ ኸም እተጸውዐ ኣስተብህል። ሃይማኖታዊ ሓሶት ተጠቒሙ ንሰባት የታልሎም፡ ካብ የሆዋን ካብ ቃሉን ድማ የርሕቖም ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ዚጥቀመሉ ሓሶት፡ ሰብ ምስ ሞተ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ይኸይድ ዚብል እዩ። ብዛዕባ እዚ እውን እንተ ዀነ እተፈላለየ ሓሳባት እዩ ዘሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ ሰብ ምስ ሞተ ናብቲ ኣቦሓጎታቱ ዚነብሩሉ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዚኸይድ ይኣምኑ እዮም። ትምህርቲ ቦታ ንስሓን ገሃነምን እውን፡ ሰብ ድሕሪ ሞት ብህይወት ከም ዚቕጽል ኣብ ዚገልጽ ሓሳብ እተመርኰሰ እዩ።

ድሕሪ ሞት ናብ ሰማይ ንኸይድ ዲና፧

ብዛዕባ እቲ ዅሎም ቅኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ዚገልጽ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዚኣምኑሉ እምነትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እተወሰኑ ቕኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግን፡ ቍጽሮም ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኪወዳደር ከሎ፡ ውሑድ እዩ። ‘ኣብ ምድሪ፡ ካህናትን ነገስታትን’ ኪዀኑ “ኻብ ምድሪ እተዐደጉ” 144,000 ዝቝጽሮም ሰባት ከም ዘለዉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3) እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ምስቲ ወዲ ሰብ ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም፡ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኬቝሙ እዮም። እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ከተጥፍኦም፡ ንምድሪ ኸኣ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ። ሽዑ መብዛሕትኦም ምዉታት ኪትንስኡን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩን እዮም።—መዝሙር 37:29ትርጕም 1990።

ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ ብዙሓት ኣለዉ። እቲ ፈጣሪ ዅሉ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ድማ፡ ካብ ኵሎም ዝለዓለ እዩ። ኣእላፍ መላእኽቲ ኸኣ ብተኣማንነት የገልግልዎ እዮም። ሰይጣን ዝመራሒኦም ካልኦት መላእኽቲ ግን፡ ካብ የሆዋ ዓልዮም እዮም፣ ንደቂ ሰብ ድማ የታልልዎም ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ እተወሰኑ ሰባት ኣብ ሰማይ ፍሉይ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከሙ፡ ካብ ምድሪ ‘ተዓዲጎም’ ወይ ተመሪጾም እዮም። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ካብቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ ምስ መን ክንራኸብ ከም እንኽእልን ነዚ ብኸመይ ከም እንገብሮን እስከ ንርአ።