ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመሲሕ ዘይተቐበልዎ ስለምንታይ እዮም፧

ንመሲሕ ዘይተቐበልዎ ስለምንታይ እዮም፧

ንመሲሕ ዘይተቐበልዎ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ እቶም ህዝቢ በቲ እተዛረቦ ነገራት ተማሪኾም፡ በቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት ከኣ ተደሚሞም ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “ብዙሓት ብእኡ አመኑ፡” እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ገይሮም ድማ ተቐበልዎ። “ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧” ድማ ይብሉ ነበሩ።—ዮሃንስ 7:31

የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ እዚ ዘይብሃል መርትዖታት እኳ እንተ ነበረ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ንየሱስ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ሰባት ብእኡ ኣይኣመኑን። ገለ ኻብቶም ኣብ ፈለማ እተቐበልዎ ሰባት እውን ከይተረፉ፡ ጸኒሖም ዝባኖም ምሃቦም ዜሕዝን እዩ። የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ ድልዱል መርትዖታት እናሃለወ ኽነሱ፡ ሓያሎ ሰባት ዘይተቐበልዎ ግን ስለምንታይ እዮም፧ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልዎ እስከ ንርአ። ንርእስኻ ድማ፡ ‘ሎሚ እውን ከምኡ ዓይነት ጌጋ ኽፍጽም እኽእል ድየ፧’ ኢልካ ሕተት።

ዘይተፈጸመ ትጽቢታት

ኣብቲ የሱስ እተወልደሉ እዋናት፡ ሓያሎ ኣይሁድ መሲሕ ኪመጽእ ይጽበዩ ነበሩ። የሱስ ህጻን ከሎ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ተወስደ ኸኣ፡ በቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ኣቢሉ “ምድሓን የሩሳሌም [ኪመጽእ] ዚጽበዩ” ሰባት ኣጓነፍዎ። (ሉቃስ 2:38) ድሕሪኡ ድማ፡ ግብርታት ዮሃንስ መጥምቕ ዝረኣዩ ሓያሎ ሰባት፡ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “ክርስቶስ ኰን ይኸውን” ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ። (ሉቃስ 3:15) ኰይኑ ግን፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንመሲሕ እንታይ ኪገብር እዮም ዚጽበይዎ ነይሮም፧

መብዛሕትኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ መሲሕ ካብቲ ጨቋኒ ግዝኣት ሮማውያን ሓራ ኣውጺኡ፡ ንምድራዊት መንግስቲ እስራኤል ኪመልሰሎም ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። የሱስ ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምጅማሩ፡ ጽልዋ ዝነበሮም ሓያሎ መራሕቲ ተንሲኦም፡ ነቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ግዝኣት ብሓይሊ ምቅዋም ከም ዚግባእ የተባብዑ ነበሩ። እቶም ህዝቢ በቶም መራሕቲ ተጸልዮም ኪዀኑ ስለ ዝኽእሉ ኸኣ እዮም ንመሲሕ ከምኡ ኺገብረሎም ዚጽበይዎ ዝነበሩ።

የሱስ ከምቲ ሰባት ዚጽበይዎ ዝነበሩ ዓይነት መሲሕ ከም ዘይኰነ ኣርእዩ እዩ። ዓመጽ ኣየተባብዐን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ሰማዕቱ ንጸላእቶም ኬፍቅሩ፡ ንሰበ-ስልጣን ከኣ ኪግዝኡ እዩ ዚምህር ነይሩ። (ማቴዎስ 5:41-44) እቶም ህዝቢ ኼንግስዎ ምስ ደለዩ፡ ኣይተቐበሎምን። “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ ኸኣ መሃረ። (ዮሃንስ 6:15፣ 18:36) ኰይኑ ግን፡ እቲ ብዛዕባ መሲሕ ዝነበረ ኣረኣእያ፡ ኣብቶም ህዝቢ ብርቱዕ ጽልዋ ገይሩ ነበረ።

ዮሃንስ መጥምቕ፡ ነቲ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ ተኣምራት ብእዝኑ ሰሚዕዎ፡ ብዓይኑ ኸኣ ርእይዎ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ምስ ተኣስረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሱስ ልኢኹ፡ “እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ። (ማቴዎስ 11:3) የሱስ ነቲ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ነገራት ዚፍጽም መብጽዓ እተገብረሉ መድሓኒ እንተ ዀይኑ፡ ዮሃንስ ኬረጋግጽ ደልዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሃዋርያት፡ የሱስ ኪቕተልን ካብ ሞት ኪትንስእን ምዃኑ ምስ ተምሃሩ፡ ንምርዳኡ ኣጸጊምዎም ነበረ። መሲሕ ኪሳቐን ኪመውትን ምዃኑ፡ የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ገለጸ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ “ፍልይ ኣቢሉ ኺገንሖ ጀመረ።” (ማርቆስ 8:31, 32) የሱስ ከም መሲሕ ኰይኑ ስለምንታይ ኪመውት ከም ዝነበሮ፡ ጴጥሮስ ዛጊት ኣይተረድኦን ነይሩ።

የሱስ ቀቀድሚ እቲ ኣብ 33 ድ.ክ. ዝወዓለ ፋስጋ፡ ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ንጉስ ገይሮም ብዓብዪ ሓጐስ ተቐቢሎምዎ ነበሩ። (ዮሃንስ 12:12, 13) እቲ ዅነታት ግን ሃንደበት ተቐየረ። የሱስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ተታሕዘን ተቐትለን። ድሕሪ ሞት የሱስ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ንሕና ግና፤ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና” ኢሎም ጓሂኦም ገለጹ። (ሉቃስ 24:21) እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ተራእዮም እውን ከይተረፈ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንመሲሕ ምድራዊት መንግስቲ ኺምስርት ይጽበይዎ ነበሩ። “ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6) ብዛዕባ መሲሕ ዝነበረ ግጉይ ትጽቢታት፡ ኣብ ልብን ኣእምሮን ሰማዕቲ የሱስ ተተኺሉ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:6

የሱስ ናብ ሰማይ ዓሪጉ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሰ፡ ደቀ መዛሙርቱ እቲ መሲሕ ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ኸም ዚገዝእ ብንጹር ኪርድኦም ጀመረ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 32-36) ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ብትብዓት ሰበኹ፡ ተኣምራት ብምግባር ከኣ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዝነበሮም ኣርኣዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:1-9, 13-15) ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት፡ ጽቡቕ ምላሽ ብምሃብ ኣመንቲ ዀኑ። ሰበ-ስልጣን ኣይሁድ ግን በዚ ኣይተሓጐሱን። ከምቲ ንየሱስ እተቓወምዎ፡ ንሃዋርያቱን ንደቀ መዛሙርቱን እውን ተቓወምዎም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ካብ ዘይምቕባል ሓሊፎም ዚቃወምዎ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

መራሕቲ ሃይማኖት ኣይተቐበልዎን

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ብኣተሓሳስባኦምን ብተግባራቶምን ካብ ትምህርትታት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣዝዮም ርሒቖም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ማለት ሰዱቓውያንን ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን፡ ንስርዓታቶም ልዕሊ እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ገይሮም ብምርኣይ፡ ብእኡ ኺምርሑ ጸኒሖም እዮም። የሱስ ብመዓልቲ ሰንበት ብተኣምራዊ መገዲ ሕሙማት ይፍውስ ስለ ዝነበረ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ሕጊ ኸም ዝጠሓሰ ገይሮም ብዙሕ ሳዕ ከሲሶምዎ እዮም። የሱስ ነዚ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታቶም ሓሶት ምዃኑ ብምቅላዕ፡ ንስልጣኖም ተቓወሞ፡ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘይብሎም ከኣ ኣረጋገጸ። ካብ ትሑት ስድራ ቤት እዩ መጺኡ፡ ወግዓዊ ትምህርቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ከኣ ኣይተማህረን። እቶም ዕቡያት ሰባት ንየሱስ ከም መሲሕ ዘይምቕባሎም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። በቲ የሱስ ገጽ ንገጽ ዚገብሮ ዝነበረ ተቓውሞ ኣዝዮም ስለ እተቘጥዑ ኸኣ፡ “ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ ተማኸሩ።”—ማቴዎስ 12:1-8, 14፣ 15:1-9

ነቲ የሱስ ተኣምራት ንምግባር ዝነበሮ ኽእለት ደኣ እሞ እንታይ ምኽንያት እዮም ኬቕርቡሉ፧ ተኣምራት ምግባሩ ኣይከሓዱን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ብዘይ ብብኤል-ዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን” እናበሉ፡ እቲ ተኣምራት ብሓይሊ ሰይጣን ይገብሮ ኸም ዝነበረ ገይሮም ብድፍረት ብምዝራብ፡ ነቲ ሰባት ኣብ የሱስ ዝነበሮም እምነት ኬዳኽምዎ ጽዒሮም እዮም።—ማቴዎስ 12:24

ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሮም ንኸይቅበልዎ ዕንቅፋት ዝዀኖም ካልእ ዓብዪ ምኽንያት እውን ኣሎ። የሱስ ንኣልኣዛር ምስ ኣተንስኦ፡ መራሕቲ ሃይማኖት እተፈላለያ ጕጅለታት ተኣኪቦም፡ “እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኵሉ ብእኡ ኺአምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም” ኢሎም ተማኸሩ። ስልጣኖም ከይሕደጉ ስለ ዝፈርሁ፡ ንየሱስን ንኣልኣዛርን ኪቐትልዎም ውዲት ኣለሙ።—ዮሃንስ 11:45-53፣ 12:9-11

ካብ ማሕበረሰብ ዚመጽእ ጽልእን መስጐጕትን

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሩ ኸም ዘይቅበሎ ዚገብር ማሕበራዊ ዅነታት ፈጢሮም ነበሩ። ብስልጣኖም ስለ እተዓበዩ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ የሱስ እምነት ምስ ዜሕድር፡ “ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝአመነዶ አሎ፧” ኢሎም የቈናጽብዎ ነበረ። (ዮሃንስ 7:13, 48) ከም ኒቆዲሞስን ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ዝኣመሰሉ ገለ መራሕቲ ኣይሁድ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰይኖም እኳ እንተ ነበሩ፡ ብሰንኪ ፍርሂ ግን እምነቶም ኣየግሃዱን። (ዮሃንስ 3:1, 2፣ 12:42፣ 19:38, 39) እቶም መራሕቲ ኣይሁድ፡ “[የሱስ፡] ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪሰጕዎ ሐጊጎም ነበሩ።” (ዮሃንስ 9:22) ከምዚ ዚገብር ሰብ በቲ ሕብረተሰብ ይጽላእን ይናዓቕን ነበረ።

ኣብ ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ዚወርድ ዝነበረ ተቓውሞ፡ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ሓያል መስጐጕቲ ተቐየረ። እቶም ሃዋርያት ብትብዓት ይሰብኩ ስለ ዝነበሩ፡ ካብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ዝዀነ ዋዕላ፡ መከራ ይበጽሖም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:40) ተቓወምቲ ነቲ ወደ መዝሙር ዝነበረ እስጢፋኖስ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ገይሮም ብሓሶት ከሰስዎ። ሽዑ እስጢፋኖስ በቲ ዋዕላ ተፈሪዱ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ። ድሕሪኡ፡ “ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓጕ ኰነ። ብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኵሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።” (ግብሪ ሃዋርያት 6:8-14፣ 7:54–8:1) እቲ ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዀነ ሳውል፡ ኣብቲ ብሊቀ ኻህናትን በቶም “ዓበይትን” ወግዓዊ ድጋፍ ዝነበሮ መስጐጕቲ ተኻፈለ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2፣ 22:4, 5

ከምዚ ዓይነት ኣጸጋሚ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ፡ ክርስትና ኣብቲ ድሕሪ ሞት የሱስ ዝነበረ ዓመታት ብቅልጡፍ ኣስፋሕፍሐ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣመንቲ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ዝነበሩ ክርስትያናት ምስ ካልኦት ክነጻጸሩ ኸለዉ ብቝጽሪ ሒደት እዮም ነይሮም። ሓደ ሰብ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃኑ ብጋህዲ ምስ ዜፍልጥ፡ ብህዝቢ ይጽላእ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ይወርዶ ነበረ።

እቶም ንየሱስ ዘይተቐበልዎ መለበሚ ይኹኑኻ

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ግጉይ ምርዳእን ካብ ማሕበረሰብ ዚወርድ ጸቕጥን መስጐጕትን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ብየሱስ ከም ዘይኣምኑ ገይርዎም እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ እቲ ዝመሃሮ ትምህርትታትን ዘሎ ግጉይ ምርዳእ ተመሳሳሊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓያሎ ሰባት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ከም ዘላ ወይ ብጻዕሪ ደቂ ሰብ ከም እተመጽእ ኪመሃሩ ጸኒሖም እዮም። ካልኦት ከኣ፡ ጸገማት ደቂ ሰብ ኪፍታሕ ዚኽእል ብስነ-ፍልጠት ወይ ብቴክኖሎጂ ኸም ዝዀነ ስለ እተማህሩ፡ ኣብ መሲሕ ምእማን ፈጺሙ ኸም ዘየድሊ ገይሮም ይሓስቡ። ሓያሎ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሃያስያን፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዚገልጽ ፍጻመታት፡ ታሪኻዊ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ገይሮም ስለ ዚዛረቡ፡ ሰባት ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሮም ንኸይቅበልዎ ዕንቅፋት ኰይኖምዎም እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባን ክልሰ-ሓሳባትን ንሓያሎ ሰባት እቲ መሲሕ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ኸም ዚደናገሩ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባኡ ኽትምርምር ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ገይርዎም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብዚ ግዜና የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዚገልጽ መርትዖታት ኪምርምሩ ንዚደልዩ ሰባት፡ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዚበልጽ መርትዖ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ከመይሲ፡ መሲሕ እንታይ ከም ዚገብር ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ዝሓዘ ምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣሎና፣ ብዘይካዚ፡ የሱስ ነዚ ትንቢታት እዚ ብምፍጻም ዝገበሮ ነገራት ዚገልጽ ኣርባዕተ ጸብጻባት ወንጌል መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣሎና። a

እወ፡ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ቕኑዕ ምርጫ ወይ ውሳነ ንኽንገብር ዜኽእለና ብዙሕ መርትዖታት እዩ ዘሎ። ውዓል ሕደር ከይበልና ሕጂ ውሳነ ኽንገብር ኣሎና። ከመይሲ፡ እቲ መሲሓዊ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ንዅሎም መጥፋእቲ ምድሪ ንኼጥፍኦምን ኵሎም እዙዛት ተገዛእቲ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩ ጽድቃዊ ኣገዛዝኣ ንኼምጽእን ብቕልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:15, 18፣ 21:3-5) ሕጂ ብዛዕባ የሱስ ንኽትመሃርን እምነትካ ንኸተርእን እንተ ጽዒርካ፡ ነዚ ዜድንቕ ተስፋ እዚ ኽትረኽቦ ኢኻ። ነቲ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዚብል የሱስ እተዛረቦ ቓላት ኣቕልበሉ።—ዮሃንስ 3:16

[እግረ-ጽሑፍ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብግዜ የሱስ እንተ ትነብር ኔርካ፡ ንመሲሕ መለለኻዮዶ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ቅድሚ ሕጂ ዝነበረካ ርእይቶ፡ ብዛዕባ የሱስ እቲ ሓቂ ንኸይትምርምር ኪዓግተካ ኣይተፍቅደሉ