ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ “ዓብዪ ተግባር” ይገብር ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ከም ዝፈለጥኩ

ኣምላኽ “ዓብዪ ተግባር” ይገብር ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ከም ዝፈለጥኩ

ኣምላኽ “ዓብዪ ተግባር” ይገብር ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ከም ዝፈለጥኩ

ሞሪስ ራጅ ዘዘንተዎ

ኣነን ስድራይን ምስ ኣሽሓት ስደተኛታት ብሓባር ኴንና፡ ካብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተገብረ ብርቱዕ መጥቃዕትታት ከነምልጥ ፈተንና። ንሓያሎ መዓልትታት፡ ለይቲ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ እናደቀስና፡ ዕሙር ጫካ በርማ ሰንጢቕና ተጓዓዝና። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ ትሽዓተ ዓመት እየ ነይረ። ኵሉ ንብረተይ ኣብታ ኣብ ዝባነይ ጸይረያ ዝነበርኩ ንእሽቶ ጾር እዩ ነይሩ። እቲ ታሪኽ ግን በዚ ኣየብቅዐን።

እታ ዓመት፡ 1942 እያ ነይራ። ሽዑ ዓለም ኣብ ውግእ እያ ነይራ፣ ንሕና እውን ካብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዝነበረ ሰራዊት ጃፓን ንሃድም ኢና ኔርና። እቲ ሰራዊት ነታ ሽዑ በርማ፡ ሕጂ ኸኣ ምያንማር እትበሃል ሃገር ካብ ዚወርራ ነዊሕ ኣይገበረን፣ ነቲ ኣብ ጥቓ ኸተማ የናንግያንግ ዚርከብ ነዳዲ ዘይቲ ዚወጸሉ ቦታ ድማ ተቘጻጺርዎ ነበረ። ናብ ዶብ ህንዲ ቕድሚ ምብጻሕና ግን፡ ወተሃደራት ጃፓን ኣርከቡና፡ ናብ ዓድና ኽንምለስ እውን ገደዱና።

ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብታ ኣቦይ ኣብ ኩባንያ ነዳዲ ዘይቲ በርማ ተቘጺሩ ዚዓየላ ዝነበረ የናንግያንግ ንነብር ነበርና። ጃፓናውያን ነታ ሃገር ምስ ተቘጻጸርዋ፡ ነፈርቲ ውግእ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ የናንግያንግ ዚርከብ ብነዳዲ ዘይቲ ሃብታም ዝዀነ ቦታ ጽዑቕ ደብዳብ ይገብራ ነበራ። ሓደ ግዜ፡ ቦምባታት ኣብ ከባቢና ይነትጕ ብምንባሩ፡ ስድራ ቤትና ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጕድጓድ ተዓቝበት። ኣብ መወዳእታ፡ ብጃልባ ጌርና ናብ ሓንቲ ሳሌ እትበሃል ኣብ ጥቓ ፈለግ ኣየያርዋዲ ወይ ኢራዋዲ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ሃደምና። እቲ ውግእ ክሳዕ ዜብቅዕ እውን፡ ኣብኣ ጸናሕና።

ሓዘን ናብ ሓቂ መርሓኒ

ብ1945፡ ማለት ኣብታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘብቅዓላ ዓመት፡ ምንኣሰይ ሓወይ ተወልደ። ኣቦይ ኣብ እርጋኑ፡ ውሉድ ስለ እተወልደሉ ተሓጐሰ። ሓጐሱ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ እቲ ምንኣሰይ ሓወይ ሞተ። ኣቦይ ከኣ ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ብሓዘን ሞተ።

ፈተውተይ ንኼጸናንዑኒ ኢሎም፡ ኣምላኽ ንኣቦይን ንሓወይን ናብ ሰማይ ከም ዝወሰዶም ነገሩኒ። ኣነ እውን ምሳታቶም ክኸውን ተመነኹ። ኣቦይ ናብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ይኸይድ ነበረ፣ ኣነ እውን ኣብኡ መባእታዊ ትምህርቲ ሃይማኖት ተመሃርኩ። ካህናትን ደናግልን ብቐጥታ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ፡ ካልኦት ግን ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ቦታ ንስሓ፡ ማለት ካብ ሓጢኣቶም ክሳዕ ዚነጽሁ ንግዜኡ ኣብ ዚሳቐዩሉ ቦታ ኸም ዚጸንሑ ተመሃርኩ። ምስ ኣቦይን ሓወይን ክራኸብ ቈሪጸ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብታ ኻብቲ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ዓዲ ኣስታት 210 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ማይምዮ እትበሃል ዝነበረት፡ ሕጂ ድማ ፒን ኡ ልዊን እትበሃል ከተማ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ክኣቱ ወሰንኩ።

ናብቲ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ግን፡ ጽቡቕ ትምህርቲ እተመሃርካ ኽትከውን የድሊ ነበረ። ስደተኛ ስለ ዝነበርኩ፡ ንኽልተ ዓመት ጥራይ እየ ተማሂረ ነይረ። ድሕሪኡ፡ ብሰንኪ ውግእ፡ ኵሉ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽዩ ነበረ። እቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ምስ ተኸፍተ እውን፡ እኹል ገንዘብ ኣይነበረናን። ኣደይ ንዓይን ንኽልተ ኣሕዋተይን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰለስተ ደቂ ዝሞተት ሓብታ እውን ትኣሊ ነበረት። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንትምህርትና ዚኸውን ገንዘብ ኣይነበራን።

ዓብዪ ሓወይ ስራሕ ጀመረ፣ ኣነ ግን ወዲ 13 ዓመት ስለ ዝነበርኩ፡ ዋላ ሓንቲ ኽገብር ኣይክእልን እየ ነይረ። ማኑወል ናታን ዝስሙ ሓወቦይ ኣብ ጥቓ ሳሌ ኣብ እትርከብ ቻውክ እትበሃል ከተማ ይነብር ነበረ። ኣነ ድማ፡ ‘ካብ ገዛ እንተ ወጺአ፡ ተቐላቢ እየ ዝንኪ’ ኢለ ሓሰብኩ። ስለዚ፡ ናብቲ ኣብ ቻውክ ዚነብር ሓወቦይ ከድኩ።

ሓወቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪራኸብ ከም ዝጀመረን ነቲ ሓድሽ ዝረኸቦ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኬካፍል ከም ዚደልን ኣይፈለጥኩን ነይረ። ካብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎት ጀሚሩ፡ በብቝሩብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠቱ ኣካፈለኒ። እታ ጸሎት፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ብዚብል ቃላት እያ እትጅምር።—ማቴዎስ 6:9, 10

ሓወቦይ፡ “ስለዚ፡ ኣምላኽ ስም ኣለዎ። ስሙ ኸኣ የሆዋ እዩ” ኢሉ ገለጸለይ። ድሕሪኡ፡ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየኒ። ዝያዳ ኽመሃር ደለኹ። እንተዀነ ግን፡ በቲ ታሚል ዚበሃል ቋንቋይ እኳ ጽቡቕ ገይረ ኸንብብ ኣይክእልን እየ ነይረ፣ ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንሓወቦይ ዝነበሮ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን በቲ ኣነ ኣጸቢቐ ዘይፈልጦ ቛንቋ እንግሊዝኛ እተዳለወ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ዘይተመሃርኩ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን በብቝሩብ ኪርድኣኒ ጀመረ። (ማቴዎስ 11:25, 26) መብዛሕትኡ ቕድሚኡ እተመሃርክዎ ሰረተ-እምነታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዘይምዃኑ ኸስተውዕል ከኣልኩ። ኣብ መወዳእታ፡ “ሓወቦይ፡ እዚ ሓቂ እዩ!” በልክዎ።

ወዲ 16 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ነቲ እተመሃርክዎ ንኻልኦት ከካፍል ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ምያንማር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 77 ጥራይ እዮም ነይሮም። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሮበርት ኪርክ ካብታ ራንጉን፡ ሕጂ ያንጎን፡ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ናብ ቻውክ መጺኡ ንሓወቦይ በጽሖ። ኣነ ድማ ንሮበርት፡ ህይወተይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ነገርክዎ። ስለዚ፡ ርእሰይ ንኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ንምርኣይ፡ ብ24 ታሕሳስ 1949 ኣብ ፈለግ ኣየያርዋዲ ተጠመቕኩ።

ዝሰገርክዎ ዕንቅፋታት

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ጽቡቕ ስራሕ ንምርካብ ናብ ከተማ ማንድለይ ገዓዝኩ። ሓደ ኻብቶም ፈለምቲ ተባሂሎም ዚጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን ሸቶ ነበረኒ። ሓደ መዓልቲ፡ ኵዕሶ እግሪ ኽርኢ ኸለኹ፡ ሃለዋተይ ጠፊኡኒ ወደቕኩ። ሕማም ምንፍርፋር ስለ ዘሕደርኩ፡ ምእንቲ ኪከናኸኑኒ ናብ ስድራይ ተመለስኩ።

እቲ ሕማም፡ ንሸሞንተ ዓመት በብግዜኡ የውድቐኒ ነበረ። ጥዕናይ ምስ ተመሓየሸ፡ እተወሰነ ስራሕ ክሰርሕ ከኣልኩ። ኣደይ፡ ብምኽንያት ሕማመይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣቱ እኳ እንተ ዘይደለየት፡ ሓደ መዓልቲ፡ “ድሕርዚ ኽጽበ ኣይደልን እየ። ፈላሚ ክኸውን እደሊ እየ። የሆዋ ኺከናኸነኒ እዩ” በልክዋ።

ብ1957፡ ናብ ያንጎን ከይደ፡ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ድሕርዚ ን50 ዓመት፡ ማለት ክሳዕ 2007 ኣንፈርፊሩኒ ኣይፈልጥን እዩ። ሕጂ ኸኣ ብመድሃኒት ገይረ እቈጻጸሮ እየ። ብ1958፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ተመዘዝኩ፣ እዚ ድማ ኣብ ወርሒ 150 ሰዓት ንዕዮ ስብከት ክትውፊ ዚሓትት እዩ።

ፈለማ፡ ናብ ሓንቲ ኻብ ያንጎን ብሰሜናዊ ምዕራብ 110 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ክዮንሻ እትበሃል ቍሸት ተመደብኩ። ኣብታ ቝሸት ዝነበሩ እተወሰኑ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትና ምስ ኣንበቡ፡ ዝያዳ ኺፈልጡ ደልዮም ነበሩ። ኣነን ሮበርትን ኣብታ ቝሸት ምስ በጻሕና፡ ብዙሓት ሰባት ተኣከቡ። ብዙሕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ነበሮም። ንሕና እውን ነቲ ሕቶታቶም መለስናሎም፡ ብኸመይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣኼባታት ከም ዚግበር ድማ ኣርኣናዮም። ገሊኦም ምሳና ሓቢሮም ኪሰብኩ ጀመሩ። ኣነ እውን ኣብታ ቝሸት ክጸንሕ ተመደብኩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ እታ ንእሽቶ ጕጅለ፡ እናሰሰነት እትኸይድ ጉባኤ ዀነት። ሎሚ፡ ኣብቲ ኸባቢ እቲ፡ ልዕሊ 150 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ።

ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ምሉእ ምያንማር ንዚርከባ ጉባኤታትን ግሉላት ጕጅለታትን ዝበጽሕ ገያሺ ኣገልጋሊ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። ኣብ ልዕሊ ማኪና ጽዕነት ተሰቒለ ማእለያ ዘይብሉ ኪሎ ሜተራት ተጓዒዘ እየ፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣፍላጋት ብጃልባ፡ ኣብ ጣሻታት ዀነ ኣኽራን ከኣ ብእግረይ እተጐዓዝኩሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። ብተፈጥሮይ ክሳዕ ክንድቲ ኣካላዊ ብርታዐ እኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ የሆዋ ግን ዕዮይ ንክቕጽል ሓይሊ ሂቡኒ እዩ።—ፊልጲ 4:13

“የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ”

ብ1962፡ ናብቲ ኣብ ያንጎን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቐየርኩ፣ ኣብኡ ድማ ሮበርት እተወሰነ ስልጠና ሃበኒ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንዅሎም ወጻእተኛታት ሚስዮናውያን ካብ ምያንማር ኪወጹ ኣዘዝዎም፣ ንሳቶም እውን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ወጹ። ብሃንደበት፡ ሓላፍነት እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚዕየ ዕዮ ተሰከምኩ።

‘ከመይ ገይረ ነዚ ኽዓዮ እኽእል፧ ትምህርቲ ዀነ ተመክሮ የብለይን’ ኢለ ሓሰብኩ። ነዚ ጭንቀተይ ዘስተብሃሉ ዓበይቲ ኣሕዋት፡ “ሞሪስ፡ ኣይትጨነቕ። የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። ንሕና እውን ኣብ ጐድንኻ ኣለና” በሉኒ። እዚ ቓላቶም ብሓቂ ኣተባቢዑኒ እዩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1967 ዚወጽእ ኣብ ምያንማር ዚግበር ንጥፈታት ስብከት ዚገልጽ ዓመታዊ ጸብጻብ ከዳሉ ነበረኒ። ንዚቕጽል 38 ዓመት፡ ናይታ ሃገር ዓመታዊ ጸብጻብ ኣዳልየ እየ። የሆዋ ንንጥፈታትና ብርግጽ ይመርሖ ኸም ዘሎ ዜነጽር ኵነታት ብተደጋጋሚ ኣጋጢሙኒ እዩ።

ንኣብነት፡ ዜግነት ምያንማር ንምርካብ ምስ ኣመልከትኩ፡ ነቲ ዜግነት ከም እተዋህበካ ዚገልጽ ደብተር ዚኽፈል 450 ቻት a ኣይነበረንን፣ ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ወዘፍክዎ። ድሕሪኡ ሓደ መዓልቲ፡ በቲ ቕድሚ ዓመታት ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ኩባንያ ኽሓልፍ ከለኹ፡ ናይ ቀደም ሓለቓይ ረኣየኒ። “ራጅ፡ መጺእካ ገንዘብካ ውሰድ። ክትወጽእ ከለኻ፡ እስትሕጋግካ ኣይወሰድካን” በለኒ። እቲ ገንዘብ፡ 450 ቻት ነበረ።

ካብቲ ቤት ጽሕፈት ክወጽእ ከለኹ፡ በቲ 450 ቻት ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ሓሰብኩ። ልክዕ ነቲ ንደብተር ዜግነተይ ዜድልየኒ ገንዘብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዕላማ እቲ ኽጥቀመሉ ፍቓድ የሆዋ ኸም ዝዀነ ተሰምዓኒ። እዚ ውሳነይ እዚ ኸኣ፡ ጠቓሚ ዀነ። ዜጋ ብምዃነይ፡ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ፡ ብናጻ ኽጐዓዝ፡ ጽሑፋት ከእቱ፡ ከምኡውን ኣብ ምያንማር ንዚግበር ዕዮ ስብከት ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮታት ክፍጽም ከኣልኩ።

ኣብ ሰሜን እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ

ብ1969፡ ኣብታ ኣብ ሰሜን ምያንማር እትርከብ ከተማ ሚትኪና ዚግበር ዝነበረ ዕዮና ብቕልጡፍ ይሰፍሕ ብምንባሩ፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኣኼባ ኣውራጃ ኽንገብር ወሰንና። ንዅሎም እቶም ካብ ደቡብ ዚመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጓዓዝያ ምርካብ ግን ዝዓበየ ብድሆ ዀነና። ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምጽላይና፡ ኣብ መገዲ ባቡር ምያንማር ሽዱሽተ ባጎኒታት ከነሕዝእ ሓተትና። ምስ ተፈቕደልና፡ ብዙሕ ገሪሙና እዩ።

ንኣኼባና ዜድሊ ዘበለ ምድላዋት ተገብረ። ኣብታ እቶም ተኣከብቲ ኺመጹላ እተመደበት መዓልቲ፡ እታ ባቡር ሰዓት 2:30 ድ.ቀ. ኽትመጽእ ትጽቢት ተገይሩላ ስለ ዝነበረ፡ ኣቐዲምና ናብቲ መደበር ባቡር ከድና። ኣብኡ ኽንጽበ ኸለና፡ ሓላፊ እቲ መደበር ባቡር ሓንቲ ተሌግራም ሃበና። እታ ተሌግራም፡ “ነተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓዝኣ ሽዱሽተ ባጎኒታት ፈቲሕናየን” ትብል ነበረት። እቲ ሓላፊ፡ እታ ባቡር ነቲ ተወሳኺ ባጎኒታት ናብ ዓቐብ ክትስሕቦ ኸም ዘይትኽእል ነገረና።

ሽዑ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንሓስብ ጀመርና። ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ኣኼባ ኣውራጃ ናብ ካልእ መዓልቲ ኸነመሓላልፎ ሓሰብና። ከምኡ ንምግባር ግን ከም ብሓድሽ ፍቓድ ክንሓትት የድልየና ነበረ፣ እዚ ኸኣ ሰሙናት ዚወስድ ጕዳይ እዩ ነይሩ። ናብ የሆዋ ብጽኑዕ እናጸለና ኸለና፡ እታ ባቡር ናብቲ መደበር በጽሐት። ሽዱሽተ ባጎኒ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር መሊኡ ምስ ረኣና፡ ዓይንና ኽንኣምን ኣይከኣልናን። ንሳቶም ከኣ ፍሽኽ ኢሎም፡ ኣእዳዎም የወዛውዙ ነበሩ። እንታይ ከም ዝዀነ ምስ ሓተትናዮም፡ ሓደ ኻባታቶም፡ “ሽዱሽተ ባጎኒታት ፈቲሖም እዮም፡ ነተን ናትና ሽዱሽተ ግን ኣይኰኑን ፈቲሖም” በለና።

ካብ 1967 ክሳዕ 1971 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ምያንማር ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዕጽፊ ብምውሳኽ ናብ 600 ተጸግዐ። ድሕሪኡ፡ ብ1978፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናብ ሓደ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ገዓዘ። ኣብ 20 ዓመት ከኣ፡ ብዝሒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ልዕሊ 2,500 ወሰኸ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ መሳለጥያ ጨንፈር ብዝያዳ ከም ዚሰፍሕ ተገብረ። ብ22 ጥሪ 2000 ድማ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዜገልግል ጆን ኢ. ባር ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ መጺኡ፡ እቲ ኽሳዕ ሕጂ እንጥቀመሉ ዘለና ኽልተ ደርቢ ዘለዎ ቤት ጽሕፈትን መንበሪ ኣባይትን ኣብ ዚውፈየሉ እዋን፡ መደረ ወፈያ ኣቕረበ።

ዝረኸብክዎ በረኸት

ሎሚ፡ ኣብ ያንጎን ኣብ ዚርከብ ጨንፈር 52 ወለንተኛታት ይነብሩን ይዓዩን ኣለዉ፣ ኣብ ምልእቲ እዛ ሃገር እውን፡ ኣብ 74 ጉባኤታትን ጕጅለታትን ዜገልግሉ ኣስታት 3,500 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። እታ ዝፈትዋ ኣደይ ብ1969 ቀቅድሚ ሙማታ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና የሐጕሰኒ እዩ።

ኣብ መፋርቕ 1960ታት፡ ዶሪስ ባ ኤ ዝስማ ፈላሚት ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና ተርጓሚት ኰነት። ብ1959 ኣብ መበል 32 ክፍሊ እቲ ንሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜሰልጥን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማሂራ ነይራ እያ። ተፈጥሮኣዊ ጽባቐኣን ባህ ዜብል ባህርያታን ዕምቈት ዘለዎ መንፈሳውነታን ንልበይ ማረኾ። ስለዚ ድማ፡ ብ1970 ተመርዓና። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንየሆዋን ንሓድሕድናን ውፉያት ኢና።

ንልዕሊ 60 ዓመት፡ ኢድ የሆዋ ኣብቲ ኣብዛ ሃገር ዚግበር ዕዮ ስብከት ዘለዋ እጃም ርእየ እየ። የሆዋ ብሓቂ ዓብይን ብዙሕ ምስጉንን እዩ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ከም ዝረኣኽዎ፡ “ዓብዪ ተግባር” ይገብር እዩ።—መዝሙር 106:21

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ግዜ እቲ፡ 95 ዶላር ኣመሪካ ኣቢሉ ይኸውን ነበረ። እዚ ድማ ሒደት ገንዘብ ኣይነበረን።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ከባቢ 1957፡ ኣብ ራንጉን፡ በርማ፡ ከገልግል ከለኹ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መወዳእታ 1970ታት፡ ኣብ ካለይሞ፡ በርማ፡ ናብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ኽጐዓዝ ከለኹ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብ2000 እተሃንጸ ሓድሽ ህንጻ ጨንፈርና

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ዶሪስ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና