ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ኣብ እስራኤል ዝናም ዘይዘንመሉ ወቕቲ ነዊሕ ብምንባሩ፡ ጥንቲ ዝነበሩ ተቐማጦ እታ ዓዲ፡ እኹል ማይ ንምርካብ እንታይ ይገብሩ ነበሩ፧

ኣብ እስራኤል፡ ካብ ጥቅምቲ ኽሳዕ ሚያዝያ ዝናም ዚዘንመሉ ወቕቲ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሩባታት ይውሕዝ እዩ። ኣብ ዝተረፈ ወርሓት ግን፡ መብዛሕትኡ ሩባታት ይነጽፍ፡ ንኣዋርሕ ዚኣክል ድማ ማይ ኣይሃርምን እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ከመይ ገይሮም እኹል ማይ ይረኽቡ ነይሮም፧

ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ፡ ኣብ እግሪ ዀረቢት መትረባት ብምዅዓት ነቲ ዚወቅዕ ዝናም ናብ ጐዳጕዲ ወይ ሓጽብታት የዕርቕዎ ነበሩ። ማይ ዝናም ናብ ሓጽብታት ምእንቲ ኼዕርቕዎ እውን፡ ንናሕስታቶም ቍሩብ ኣቕንን ኣቢሎም ይሰርሕዎ ነበሩ። ብዙሓት ስድራ ቤታት ናይ ርእሰን መዕቈር ማይ ነበረን፣ ካብኡ ኸኣ ጽምአን የርውያ ነበራ።—2 ዜና መዋእል 26:10፣ ኤርምያስ 2:13

እስራኤላውያን ካብ ዓይኒ ማያት እውን ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ኣብ ከበሳታት፡ ኣብ ወርሓት ክራማቶም ዚዘንም ማይ ናብ ቀጸላታት ኣኻውሕ ክሳዕ ዚበጽሕ ናብ ውሽጢ መሬት ይኣቱ እሞ፡ ድሕሪኡ ብዓይኒ ማያት ይወጽእ ነበረ። ከም እኒ ዔን-ሸመሽን ዔን-ሮጌልን ዔን-ጌዲን ዝኣመሰለ መጸውዒታት፡ ብዙሓት ኣቝሻት ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ (ብእብራይስጢ ዔን) ይድኰና ኸም ዝነበራ እዩ ዚሕብር። (እያሱ 15:7, 62) ካብ ዓይኒ ማይ ዚፍልፍል ማይ ናብ ከተማ የሩሳሌም ንምእታው፡ ኣብ ከውሒ እተፋሕረ መስኖ ወይ መትረብ ነይሩ እዩ።—2 ነገስት 20:20

ዓይኒ ማያት ኣብ ዘይርከበሉ ኸባቢታት፡ ካብ ትሕቲ መሬት ማይ ንምውጻእ፡ ከምቲ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ዝነበረ ዒላ (ብእብራይስጢ ብኤር) ይኰዓት ነበረ። (ዘፍጥረት 26:32, 33) ኣንድሬ ሽራኪ ዚበሃል ደራሲ ኸም ዝገለጾ፡ “እቲ [እስራኤላውያን] ዝረኸብዎ ተክኒካዊ ፍታሕ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኺነኣድ ዚግብኦ እዩ።”

ኣብራም (ኣብርሃም) ኣብ ከመይ ዝበለ ቤት ይነብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል፧

ኣብራምን ሰበይቱን፡ ኡር ኣብ እትበሃል ብልጽግቲ ኸተማ ከለዳውያን ይነብሩ ነበሩ። ኣምላኽ መምርሒ ምስ ሃቦም ግን፡ ካብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣብ ድንኳን ኪነብሩ ጀመሩ። (ዘፍጥረት 11:31፣ 13:12) ነዚ ለውጢ እዚ ንምግባር፡ ክንደይ ዚኣክል መስዋእቲ ኸም ዝኸፈሉ እስከ ንርአ።

እታ ኣብዛ ዘመናዊት ዒራቕ ተደኲና ዝነበረት ኡር፡ ካብ 1922 ክሳዕ 1934 ኣብ ዝነበረ እዋን ብሊዮናርድ ዉሊ ተፋሒራ ወጸት። ገለ ኻብቲ ዉሊ ዝረኸቦ ህንጻታት፡ ብሕጡብ እተሃንጻ 73 ኣባይቲ ነበራ። ሓያሎ ኽፍልታት እተን ኣባይቲ እቲኣተን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ብግቡእ እተደልደለ ኣጸድ እየን ተሃኒጸን ነይረን። ባይታ እቲ ኣጸድ ናብ ማእከል ገጹ ቝሩብ ከም ዜንቈልቍል ኰይኑ እዩ ዚስራሕ ነይሩ፣ ኣብ ማእከል ድማ ረሳሕ ማይ ዚውገደሉ ቱቦ ነበሮ። ኣብቲ ዓበይቲ ኣባይቲ ዚርከብ ኣጋይሽ ዚሓድሩሉ ኽፍልታት፡ ናይ ርእሱ ቤተ ንጽህና ነበሮ። ኣብ ምድሪ ቤት ዝነበረ ኻልእ ክፍልታት፡ መእጐዲ ሓዊ ዘለዎ ክሽነን መደቀሲ ባሮትን የጠቓልል ነበረ። ኣባላት እታ ስድራ ቤት፡ ኣብቲ ብመደያይቦ ኺድየብ ዚከኣል ላዕለዋይ ደርቢ ይነብሩ ነበሩ። እቲ መደያይቦ ናብቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ዚርከብ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ሰገነት ይመርሕ ነበረ፣ ካብኡ ኸኣ ናብቲ ኣብ ደርቢ ዘሎ ኽፍልታት ኪኣትዉ ይኽእሉ ነበሩ።

ዉሊ፡ “እተደልደለ ኣጸድ፡ ብኖራ እተለቕለቐ መናድቕ፡ ናይ ርእሱ መወገዲ ረሳሕ ፈሳሲ፡ ከምኡውን ሓያሎ ኽፍልታት ዘለዎ ቤት፡ ጽቡቕ ደረጃ መነባብሮ ኸም ዝነበሮም እዩ ዚሕብር” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እዚ ኸኣ . . . ናይ ማእከላይ መነባብሮ ዘለዎም ሰባትን ናይ ሰብ ድኳንን ናይ ተራ ነጋዶን ናይ ጸሓፍትን ናይ ከምኦም ዝኣመሰሉ ኻልኦትን ኣባይቲ እዩ ነይሩ” በለ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ሓጽቢ፡ ሆርቮት መዛዳ፡ እስራኤል

[ምንጪ ስእሊ]

© Masada National Park, Israel Nature and Parks Authority

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብግዜ ኣብርሃም ናይ ዝነበረ ቤት ዜርኢ ስእሊ

[ምንጪ ስእሊ]

©Drawing: A. S. Whitburn