ኤድን ንዓኻ እተገድሰካ ስለምንታይ እያ፧
ኤድን ንዓኻ እተገድሰካ ስለምንታይ እያ፧
ሓደ ኻብቲ ገሊኦም ምሁራት ነቲ ብዛዕባ ኤድን ዚገልጽ ጸብጻብ ብዚምልከት ዜቕርብዎ ዜደንጹ ተቓውሞ፡ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣይድግፎን ዚብል እዩ። ንኣብነት፡ ፖል ሞሪስ ዚበሃል ፕሮፌሰር ሃይማኖታዊ መጽናዕትታት፡ “ንዛንታ ኤድን ብቐጥታ ዚጠቅስ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። ገሊኦም ምሁራት ኢና ዚብሉ ሰባት ነዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምስ ሓቅታት ግን ይጋጮ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንገነት ኤድንን ንኣዳምን ንሄዋንን ንተመንን ብተደጋጋሚ ይጠቕሶም እዩ። * ኰይኑ ግን፡ ገሊኦም ምሁራት ዚገብርዎ ጌጋ ምስቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ጌጋ ኺወዳደር ከሎ፡ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። መራሕቲ ሃይማኖትን ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ብዛዕባ ገነት ኤድን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም መጥቃዕቲ ዚፍንዉ። ብኸመይ፧
ንኻልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ፡ ነቲ ኣብ ኤድን ዘጋጠመ ነገራት ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ዕምቈትን ኣገዳስነትን ንዘለዎ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ንኽንረክብ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሕቶታት ዚህቦ መልሲ ኸኣ፡ ብተደጋጋሚ ምስቲ ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠመ ነገራት እተተሓሓዘ እዩ። ገለ ኣብነታት እንሆ፦
● ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ኽሳዕ እተገዝኡ፡ ንዘለኣለም ኪነብሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ካብ የሆዋ ምስ ዚዓልዉ ጥራይ እዮም ዚሞቱ። ኣብታ ዝዓለዉላ መዓልቲ ኸኣ፡ ናብ ሞት ኬምርሑ ጀመሩ። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:19) ካብ ፍጽምና ስለ ዝረሓቑ፡ ንውሉዳቶም ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ጥራይ እዮም ኬሕልፉሎም ዚኽእሉ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ዚብል።—ሮሜ 5:12።
● ኣምላኽ፡ እከይ ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ገነት ኤድን፡ ሰይጣን ንኣምላኽ ካብ ፍጡራቱ ጽቡቕ ዘፍጥረት 3:3-5) በዚ ኸምዚ፡ ንቕንዕና ኣገዛዝኣ የሆዋ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ኣዳምን ሄዋንን ንሰይጣን ኪስዕቡ ስለ ዝመረጹ፡ ንሳቶም እውን ንልዑላውነት የሆዋ ነጸግዎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ደቂ ሰብ ባዕሎም ጽቡቕን ሕማቕን ኪውስኑ ኸም ዚኽእሉ ሓበሩ። የሆዋ ብዓል ፍጹም ፍትሕን ጥበብን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብድሆ ግቡእ መልሲ ኺህብ ዚኽእለሉ እንኮ መገዲ፡ ደቂ ሰብ ከም ድላዮም ገይሮም ንገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ እኹል ግዜ ብምሃብ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ብኸፊል ብሰንኪ ጽልዋ ሰይጣን ዝመጸ እከይ፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ኸም ዘይክእሉ ዜረጋግጽ እዩ።—ኤርምያስ 10:23።
ነገር ዚሓብእ ሓሳዊ እዩ ብምባል ከሰሶ። (● ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ኣብ ገነት ኤድን፡ ምድሪ ብኸመይ ብጽቡቕ መገዲ ኽትተሓዝ ከም ዘለዋ ስርዓት ሂቡ ነይሩ እዩ። መላእ ምድሪ ውቅብትን ስኒት ዘለዋን ምእንቲ ኽትከውን፡ ንኣዳምን ንሄዋንን ምስ ዘርኦም ኰይኖም ንምድሪ ኺመልእዋን ‘ኪመልክዋን’ መዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ፡ ገነት ክትከውን፡ ፍጽምናን ሓድነትን ብዘለዎም ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ድማ ክትመልእ እዩ። መብዛሕትኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳብ፡ ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞ ዚሕብር እዩ።
● የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ገነት ኤድን እተገብረ ዕልወት፡ ንኣዳምን ንሄዋንን ኰነ ንዘርኦም ሞት እዩ ኣምጺኡሎም፣ ኣምላኽ ግን፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ተስፋ ሃበ። ንወዱ ናብ ምድሪ ልኢኹ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ በጃ ኣቕረበ። (ማቴዎስ 20:28) እዚ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ የሱስ፡ “እቲ ዳሕራይ ኣዳም” ከም ምዃኑ መጠን፡ ነቲ ኣዳም ኪገብሮ ዘይከኣለ ነገር ገበረ። ንየሆዋ እዙዝ ብምዃን፡ ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ሓልዩ ጸንዐ። ድሕሪኡ፡ ንህይወቱ መስዋእቲ ወይ በጃ ገይሩ ኣቕረበ፣ ሳላ እዚ ኸኣ፡ ኵሎም እሙናት ደቂ ሰብ ሓጢኣቶም ንኺሕደገሎምን ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጣኦም ኣብ ኤድን ዚነብርዎ ዝነበሩ ዓይነት ህይወት ንኺነብሩን ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። (1 ቈረንቶስ 15:22, 45፣ ዮሃንስ 3:16) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ፡ እቲ የሆዋ ንምድሪ ናብ ገነት ንምቕያር ዝገበሮ ዕላማ ኸም ዚፍጸም ውሕስነት ሃበ። *
ዕላማ ኣምላኽ ዘይንጹር ወይ ከኣ ክትርድኦ ዜጸግም ስነ-ሃይማኖታዊ ሓሳብ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ግልጺ ወይ ግህዶ እዩ። ከምቲ ገነት ኤድን ኰነ ኣብኣ ዝነበሩ እንስሳታትን ሰባትን ኣብ ምድሪ ብሓቂ ዝነበሩ፡ ኣምላኽ ንመጻኢ ብዚምልከት ዝኣተዎ መብጽዓ እውን ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚፍጸም ሓቂ እዩ። ንስኻኸ ኣብቲ ብሓቂ ዚፍጸም ተስፋ ተኻፋሊ ኽትከውን ትደሊዶ፧ እዚ ብዝያዳ ኣባኻ እተመርኰሰ እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ እቶም ግጉይ መገዲ ዚስዕቡ፡ ከምዚ ዓይነት መጻኢ ኺህልዎም፡ ድሌት ኣምላኽ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4።
የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ምስ ሓደ ብግጉይ መገዲ ዚመላለስ ዝነበረ ሰብኣይ ተዘራሪቡ ነይሩ እዩ። እቲ ሰብኣይ፡ ገበነኛ ስለ ዝነበረ፡ ኪቕተል ከም ዚግብኦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ካብ የሱስ መጸናንዕን ተስፋን ኪረክብ ደለየ። የሱስከ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” በሎ። (ሉቃስ 23:43) እሞኸ የሱስ ነቲ ገበነኛ ዝነበረ ሰብኣይ ካብ ሞት ተንሲኡ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብር ካብ ደለዮ፡ ንስኻ እውን ከምኡ ዓይነት በረኸት ክትረክብ ደይኰነን ዚደሊ፧ ብሓቂ ኸምኡ እዩ ዚደሊ። ድሌት ኣቦኡ እውን ከምኡ እዩ። ከምዚ ዓይነት መጻኢ ኺህልወካ እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ እቲ ገነት ኤድን ዝገበረ ኣምላኽ ክትመሃር ዝከኣለካ ግበር።
[እግረ-ጽሑፋት]
^ ሕ.ጽ. 3 ንኣብነት፡ ዘፍጥረት 13:10፣ ዘዳግም 32:8፣ 1 ዜና መዋእል 1:1፣ ኢሳይያስ 51:3፣ ህዝቅኤል 28:13፣ 31:8, 9፣ ሉቃስ 3:38፣ ሮሜ 5:12-14፣ 1 ቈረንቶስ 15:22, 45፣ 2 ቈረንቶስ 11:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:13, 14፣ ይሁዳ 14፣ ራእይ 12:9 ርአ።
^ ሕ.ጽ. 8 ብዛዕባ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።
[ሳጹን/ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚጠምር ትንቢት
“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።”—ዘፍጥረት 3:15።
እዚ ትንቢት እዚ፡ ኣምላኽ ኣብ ኤድን እተዛረቦ ናይ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እቶም ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣርባዕተ ገጸ-ባህርያት፡ ማለት እታ ሰበይትን ዘርኣን እቲ ተመንን ዘርኡን መን እዮም፧ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኣብ መንጎኦም ዘሎ “ጽልኢ” እተጋህደኸ ብኸመይ እዩ፧
እቲ ተመን፦
ሰይጣን ድያብሎስ።—ራእይ 12:9።
እታ ሰበይቲ፦
ሰማያውያን ፍጡራት ዝሓቘፈ ውድብ የሆዋ። (ገላትያ 4:26, 27) ኢሳይያስ ብዛዕባ እታ “ሰበይቲ፡” መንፈሳዊ ህዝቢ ኸም እትወልድ ተነብዩ ነበረ።—ኢሳይያስ 54:1፡ ትርጕም 1990፣ 66:8።
ዘርኢ እቲ ተመን፦
ፍቓድ ሰይጣን ኪገብሩ ዚመርጹ።—ዮሃንስ 8:44።
ዘርኢ እታ ሰበይቲ፦
እቲ ኻብ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዝመጸ የሱስ ክርስቶስ፡ ቀንዲ ዘርኢ እታ ሰበይቲ እዩ። እቶም ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ መንፈሳውያን ኣሕዋቱ እውን፡ ኣብቲ “ዘርኢ” እቱዋት እዮም። እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም፡ ነቲ መንፈሳዊ ህዝቢ ዝዀነ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዜቝሙ እዮም።—ገላትያ 3:16, 29፣ 6:16፣ ዘፍጥረት 22:18።
ምንካስ ሸዀና፦
ኣብ ልዕሊ መሲሕ ዝወረደ ዜሳቒ ግዝያዊ መጥቃዕቲ። ሰይጣን ንየሱስ ኣብ ምድሪ ኬቕትሎ እኳ እንተ ኸኣለ፡ የሱስ ግን ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ።
ምጭፍላቕ ርእሲ፦
ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ዚወርድ ሞት ዜስዕብ መጥቃዕቲ። የሱስ ንሰይጣን ንዘለኣለም ኬጥፍኦ እዩ። ቅድሚኡ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ሰይጣን ኣብ ኤድን ዝጀመሮ እከይ ኪድምስሶ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:8፣ ራእይ 20:10።
ብዛዕባ ቐንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ብሕጽር ዝበለ መገዲ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ብሮሹር ርአ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ኣዳምን ሄዋንን፡ ሓጢኣት ዜስዕቦ ሕማቕ ሳዕቤናት ዓጸዱ