ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ግዜና ንዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ሓገዝ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ኣብዚ ግዜና ንዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ሓገዝ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ፍሉይ ህዝባዊ መደረ

ኣብዚ ግዜና ንዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ሓገዝ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብዛዕባ እተፈላለዩ ኣርእስትታት ኣኺሉ ዚተርፍ ምኽርታት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብኸመይ ንርእስኻ ኽትሕግዝ ከም እትኽእል ዚገልጽ መጻሕፍትን መደባት ተለቪዥንን ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ይስሕብ እዩ። ኰይኑ ግን፡ መሰረታዊ ዝዀነ ጸገማት ገና ፍታሕ ኣይረኸበን። ‘ብሓቂ ኽተኣማመነሉ ዝኽእል ምኽሪ ይህሉዶ ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መልሱ እወ ዚብል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረ እኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪምልስ ዚኽእል ግዜ ዘይሓልፎ ስርዓታት ሒዙ ኣሎ፦

▪ ምስ ሰባት ንዜጋጥመኒ ግጭት ፈቲሐ፡ ጽቡቕ ርክብ ክምስርት ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

▪ ሓጐስ ክረክብ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

▪ ንቝጠባዊ ጸገማት ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

▪ ንጭንቀት ከፋዅስ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

እዘን ሕቶታት እዚኣተን፡ ኣብቲ፡ “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ግዜና ንዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ መልሲ ኺወሃበለን እዩ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኪቐርብ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት፡ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰንበት 23 ሚያዝያ 2003 ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ፡ ወይ 1 ግንቦት 2011 ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ እዩ ዚቐርብ።

ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጕሶም እቲ መደረ ዚቐርበሉ ሰዓትን ኣድራሻን ኪነግሩኻ እዮም። ኣብኡ ንኽትእከብ ብኽብሪ ንዕድመካ።