ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኵሉ ንላዕሊ ፍትሒ እተረግጸሉ ቤት ፍርዲ

ካብ ኵሉ ንላዕሊ ፍትሒ እተረግጸሉ ቤት ፍርዲ

ካብ ኵሉ ንላዕሊ ፍትሒ እተረግጸሉ ቤት ፍርዲ

ኣብ ግዜ ጥንቲ ኻብ ዘጋጠሙ ጕዳያት ቤት ፍርዲ፡ ምስቲ ኣብ ኣርባዕቲአን ወንጌላት መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ዚመዓራረ ዳርጋ የልቦን። ኣብዘን ወንጌላት እዚኣተን፡ የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ከም እተታሕዘን ብኸመይ ከም እተመርመረን ብኸመይ ከም እተቐትለን ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ንዓኻ ኼገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ንሞቱ ኺዝክርዎ ነጊርዎም ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናብ ሞቱ ዝመርሐ መርመራ ቤት ፍርዲ ኣገዳሲ ይገብሮ። ብዘይካዚ፡ እቲ የሱስ እተኸሰሶ ኽሲ ሓቂ እንተ ነይሩ ኽንፈልጥ ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ እቲ የሱስ ብፍታው ዝኸፈሎ መስዋእቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዀነ ንመጻኢ ህይወትና ኣገዳሲ እዩ።—ሉቃስ 22:19፣ ዮሃንስ 6:40

የሱስ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ምድሪ ፍልስጥኤም ብሮማውያን እያ እትመሓደር ነይራ። ሮማውያን ነቶም ኣብ በቦታኡ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን ሰበ-ስልጣን ኣይሁድ፡ ንኣይሁድ ዚምልከት ፍትሓዊ ጕዳያት ብመሰረት ሕጎም ኪከታተሉ እኳ እንተ ፈቐዱሎም፡ ንገበነኛታት ኪቐትልዎም ግን ሕጋዊ ስልጣን ከም ዘይሃብዎም ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ በቶም ጸላእቱ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት እኳ እንተ ተታሕዘ፡ ብሮማውያን እዩ ተቐቲሉ። ስብከት የሱስ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣዝዩ ስለ ዘዋረዶም፡ ንየሱስ ኪቐትልዎ ወሰኑ። ኰይኑ ግን፡ ንመቕተልቱ ሕጋዊ ኼምስልዎ ደለዩ። ሓደ ፕሮፌሰር ሕጊ፡ በቲ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንዕላማኦም ንምፍጻም ዝገበርዎ ጻዕሪ ተደሪኹ፡ ንዅሉ እቲ መስርሕ፡ “ኣብ ታሪኽ ስነ-ሕጊ፡ እቲ ዝኸፍአ ገበን” ኢሉ ጸውዖ። *

እተፈላለየ ሕግታት ዘፍረሰ ቤት ፍርዲ

እቲ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ፡ “ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተተግበረ ስርዓተ-ሕጊ፡ እቲ ብሉጽን ምዕቡልን” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቶም ብግዜ የሱስ ንዅሉ ነገር ሕጊ ኼውጽኡሉ ህርድግ ዚብሉ ዝነበሩ ረቢታት፡ ንሕጊ ሙሴ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ ማእለያ ዘይብሉ ሕግታት ወሲኾምሉ እዮም፣ እዚ ኸኣ ጸኒሑ ኣብ ታልሙድ ተመዝገበ። (ነታ ኣብ ገጽ 20 እትርከብ፡ “ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሕግታት ኣይሁድ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እሞኸ መርመራ የሱስ ብመንጽር እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብኡ ወጻእን ዚርከብ መዐቀኒታት ኪርአ ኸሎ፡ ፍትሓዊ ድዩ ነይሩ፧

የሱስ፡ ክልተ መሰኻኽር ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ብዛዕባ ሓደ ንሱ ዝፈጸሞ ገበን ንሓድሕዱ ዚሰማማዕ ምስክርነት ስለ ዝሃቡ ድዩ ተታሒዙ፧ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ከምኡ እዩ ኺግበር ነይርዎ። ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ፍልስጥኤም፡ ሓደ ኣይሁዳዊ፡ ሕጊ ዝፈረሰ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ኣብ ልሙድ እዋን ስራሕ እዩ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓኑ ዜቕርብ ነይሩ። ኣብያተ-ፍርዲ ባዕለን ኪኸሳ ዘይኰናስ፡ ነቲ ዝቐረበለን ክሲ እየን ኪምርምራ ዝኽእላ ነይረን። ከመይሲ፡ እቶም መሰኻኽር ጥራይ እዮም ኪኸሱ ዚኽእሉ ነይሮም። ሓደ ጕዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ኺርአ ዚጅምር፡ እንተ ወሓደ ኽልተ መሰኻኽር ንሓደ ጕዳይ ብዚምልከት ንሓድሕዱ ዚሰማማዕ ቃል ምስ ዚህቡ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዚህብዎ ምስክርነት ተመርኲስካ ኽሲ ይምስረት፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ እቲ ተኸሳሲ ይተሓዝ ነበረ። ሓደ ምስክር ጥራይ ዚህቦ መርትዖ ግን፡ ተቐባልነት ኣይነበሮን። (ዘዳግም 19:15) ኣብ ጕዳይ የሱስ ግን፡ ሰበ-ስልጣን ኣይሁድ ንዕኡ ኼጥፍእዎ ጥራይ እዮም ‘ዚበላሓቱ’ (ትርጕም 1990) ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ “ምሽእቲ ጊዜ” ምስ ረኸቡ፡ ኣሰርዎ፣ ነዚ ኸኣ፡ ለይትን “ኣኼባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ”ን እዮም ገይሮምዎ።—ሉቃስ 22:2, 5, 6, 53

የሱስ ስለ እተኸሰሰ ኣይኰነን ተታሒዙ። ካህናትን ዋዕላ ኣይሁድን፡ የሱስ ምስ ተታሕዘ እዮም መሰኻኽር ኪደልዩ ጀሚሮም። (ማቴዎስ 26:59) ቃል ምስክርነቶም ዚሰማማዕ ክልተ ሰባት ከኣ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ብቐደሙ እውን፡ መሰኻኽር ናይ ምድላይ ዕዮ፡ ሓላፍነት እቲ ቤት ፍርዲ ኣይነበረን። ኣለክሳንደር ተይለር ኢንስ ዚበሃል ክኢላ ሕግን ደራስን ከም ዝገለጾ፡ “ንሓደ ሰብ ኣቐዲምካ ብዛዕባ እቲ ዚምርመረሉ ዘሎ ገበን ከይነገርካ ምምርማር፡ እሞ ኸኣ እቲ ጕዳይ ንህይወቱ ዚምልከት እንተ ዀይኑ፡ ፍትሒ ኸም ምርጋጽ ጌርካ እዩ ዚርአ።”

እቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ጭፍራ፡ ናብ ቤት እቲ ቐደም ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ሃና ወሰድዎ፣ ንሱ ኸኣ ኪምርምሮ ጀመረ። (ሉቃስ 22:54፣ ዮሃንስ 18:12, 13) ሃና፡ ነቲ ንሞት ኬፍርድ ዚኽእል ጕዳይ ብለይቲ ዘይኰነስ፡ ብቐትሪ ኺግበር ዚእዝዝ ሕጊ እዩ ኣፍሪሱ። ብዘይካዚ፡ መርትዖ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ብቕሉዕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ውልቃዊ ኣባይቲ ብውሽጢ ውሽጢ ኣይኰነን ኪግበር ዚግባእ ነይሩ። የሱስ፡ እቲ ሃና ዚገብሮ ዝነበረ መርመራ ዘይሕጋዊ ምንባሩ ስለ እተገንዘበ፡ “ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ አሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም” ኢሉ መለሰ። (ዮሃንስ 18:21) ሃና ንመሰኻኽር ደኣ እምበር፡ ንኽሱስ ኣይኰነን ኪምርምር ነይርዎ። እቲ የሱስ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንሓደ ቕኑዕ ዳኛ በቲ ሕጊ ንኺምራሕ ኪድርኾ ምኸኣለ ነይሩ፣ ሃና ግን ብዛዕባ ፍትሒ ዚዓጅቦ ሰብ ኣይኰነን ነይሩ።

የሱስ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ምስ መለሰ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉ ጸፍዖ፣ ኰይኑ ግን፡ እቲ ዝበጽሖ ኣደራዕ በዚ ኣየብቅዐን። (ሉቃስ 22:63፣ ዮሃንስ 18:22) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 35 ዚርከብ ንኸተማታት ዕቝባ ዚምልከት ሕጊ ኸም ዚገልጾ፡ ሓደ ኽሱስ ገበኑ ኽሳዕ ዚጻረ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ ዕቝባ ይግበረሉ ነበረ። ንየሱስ እውን ከምዚ ዓይነት ዕቝባ ኺግበረሉ ምተገብአ።

ድሕሪኡ፡ እቶም ጭፍራ ንየሱስ ናብ ቤት ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ፣ ኣብኡ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ብለይቲ ዚግበር ዝነበረ ዘይሕጋዊ መርመራ ቐጸለ። (ሉቃስ 22:54፣ ዮሃንስ 18:24) እቶም ካህናት ንዅሉ ስርዓታት ፍትሒ ረጊጾም፡ “ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ።” ኰይኑ ግን፡ ንሓድሕዱ ዚሰማማዕ ክልተ ምስክርነት ኣይረኸቡን። (ማቴዎስ 26:59፣ ማርቆስ 14:56-59) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ባዕሉ ንርእሱ ኸም ዚፈርዳ ኺገብሮ ፈተነ። “በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧” ኢሉ ድማ ሓተቶ። (ማርቆስ 14:60) እዚ ውዲት እዚ ግን፡ ምስ ሕጊ ዚጋጮ እዩ ነይሩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኢንስ፡ “ንኽሱስ ሕቶ ሓቲትካ፡ ኣብቲ ዚህበካ ምላሽ ተመርኲስካ ምፍራድ፡ ንስርዓት ፍትሒ ዚጥሕስ እዩ” በለ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘረባ የሱስ ገለ ጌጋ ኺረክብ ሒዅ ኪብል ጀመረ። የሱስ፡ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧” ዚብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” ኢሉ መለሰ። እቶም ካህናት ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ከም እተጻረፈ ገይሮም ብምዝራብ፡ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈረዱ።—ማርቆስ 14:61-64 *

ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ጕዳያት ቤት ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እዩ ኪቐርብ ዚግባእ ነይሩ። (ዘዳግም 16:18፣ ሩት 4:1) ጕዳይ የሱስ ግን፡ ብሕቡእ እዩ ተራእዩ። ንየሱስ ደጊፉ ኺዛረብ ዝፈተነ ዀነ እተፈቕደሉ ሰብ ኣይነበረን። ነቲ የሱስ መሲሕ ከም ዝዀነ እተዛረቦ ዘረባ ንምርግጋጽ እተገብረ መርመራ ኣይነበረን። የሱስ፡ መሰኻኽር ኬቕርብ እውን ኣጋጣሚ ኣይተዋህቦን። እቶም ዳያኑ፡ የሱስ ገበነኛ ወይ ንጹህ ምዃኑ ንምውሳን፡ ግቡእ ድምጺ ምርጫ ኣይገበሩን።

ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ

ኣይሁድ ንየሱስ ናይ ምቕታል ስልጣን ስለ ዘይነበሮም፡ ናብቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ወሰድዎ። ጲላጦስ ድማ፡ “ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ አሎኹም፧” ኢሉ ናይ መጀመርታ ሕቶ ሓተቶም። ኣይሁድ፡ እቲ የሱስ ንኣምላኽ ከም እተጻረፈ ገይሮም ዘቕረብዎ ኽሶም፡ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ስለ እተረድኡ፡ ንየሱስ ብዘይ መርመራ ኸም ዚቕተል ኪገብሩ ፈተኑ። “እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና” ኢሎም ከኣ ንጲላጦስ መለሱሉ። (ዮሃንስ 18:29, 30) ጲላጦስ ንዘረባኦም ምስ ነጸጎ ግን፡ ካልእ ክሲ ኬቕርቡ ተገደዱ። “እዚ፡ ንህዝብና ኼስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም፡ ርእሱ፤ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ” ኢሎም ከሰስዎ። (ሉቃስ 23:2) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ንኣምላኽ ከም እተጻረፈ ዚገልጽ ክሲ ብውሕሉል መገዲ ቐይሮም፡ ብኽሕደት ሃገር ኪኸስዎ ጀመሩ።

ኣይሁድ፡ የሱስ ‘ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸም ዝኸልከለ’ ዘቕረብዎ ኽሲ፡ ሓሶት እዩ ነይሩ፣ እቶም ከሰስቲ እውን እንተ ዀኑ ነዚ ዘይፈልጡ ኣይነበሩን። ከመይሲ፡ የሱስ ንቄሳር ግብሪ ኺግብሩ እዩ ምሂሩ። (ማቴዎስ 22:15-22) ጲላጦስ ንየሱስ፡ ንሮሜ ዜስግእ ሰብ ከም ዘይኰነ ስለ እተረድአ፡ እቲ ኣይሁድ ዘቕረብዎ ንንግስና ዚምልከት ክሲ ፈሺሉ ተረፈ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጲላጦስ፡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በለ። (ዮሃንስ 18:38) ክሳዕ መወዳእታ ኸኣ ከምኡ ኢሉ እዩ ዚኣምን ነይሩ።

ኣብ ግዜ ፋስጋ ሓደ እሱር ናይ ምፍታሕ ልምዲ ስለ ዝነበረ፡ ጲላጦስ ነዚ ተጠቒሙ ንየሱስ ኪፈትሖ ፈተነ። ኰይኑ ግን፡ ንየሱስ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ነፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን እዩ ፈቲሕዎ።—ሉቃስ 23:18, 19፣ ዮሃንስ 18:39, 40

እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ቐጺሉ፡ ንየሱስ ንኺፈትሖ ኢሉ ተለማለመ። ንየሱስ፡ ኪግረፍን ቀይሕ ክዳንን ናይ እሾኽ ኣኽሊልን ኪግበረሉን፡ ኣደዳ መውቃዕትን ላግጽን ከኣ ኪኸውን ፈቐደ። እንደገና ኸኣ፡ ንጹህ ምዃኑ ገለጸ። ብኻልእ መገዲ፡ ነቶም ካህናት፡ ‘ሕጂኸ ኣይኣኽለኩምንዶ፧’ እዩ ዚብሎም ነይሩ። ንየሱስ ተቐጥቂጡን ደም ብደም ኰይኑን ኪርእይዎ ኸለዉ፡ ዚዓግቡ ወይ ከኣ ዚድንግጹሉ እዩ መሲልዎ ነይሩ። (ሉቃስ 23:22) ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይኰነን።

“ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ [ንየሱስ] ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፤ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ።” (ዮሃንስ 19:12) ናይቲ ግዜ እቲ ቄሳር፡ ጢቤርዮስ እዩ ነይሩ፣ እዚ ሃጸይ እዚ ኸኣ፡ ዋላ እውን ልዑል ስልጣን ንዝነበሮም ሰባት፡ ከም ዚጠልምዎ እንተ ኣሚኑ ይቐትሎም ነበረ። ጲላጦስ ድሮ ንኣይሁዳውያን ኣቘጢዕዎም ስለ ዝነበረ፡ ይትረፍዶ ብጥልመት ኪኽሰስሲ፡ ካልእ ምፍሕፋሕ እውን ኪፍጠር ኣይደለየን። እቲ እቶም ጭፍራ ዚዛረብዎ ዝነበሩ ዘረባ፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ንዕኡ ኣብ ሓደጋ ዜእትዎ ስለ ዝነበረ፡ ፈርሀ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጲላጦስ ጸቕጢ ስለ ዝበዝሖ፡ ኢዱ ሃበ፣ ነቲ ንጹህ ዝነበረ የሱስ ከኣ ንኺስቀል ኣሕሊፉ ሃቦ።—ዮሃንስ 19:16

ካልኦት ዝሃብዎ ርእይቶ

ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ሕጊ፡ ነቲ ኣብ ጸብጻብ ወንጌላት ዚርከብ ንየሱስ ዚምልከት ጕዳይ ቤት ፍርዲ መርሚሮምዎ እዮም። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፍትሒ ኸም ዝረገጸ ኸኣ ደምዲሞም እዮም። ሓደ ኽኢላ ሕጊ፡ “እቲ መርመራ ዀነ እቲ ናይ መወዳእታ ብይን ኣብ መንጎ ፍርቂ ለይትን ወጋሕታን ኣብ ዘሎ እዋን ተጀሚሩ ምዝዛሙ፡ ንሕጊ እብራውያንን ንናይ ፍትሒ ስርዓትን ዚጥሕስ እዩ” በለ። ሓደ ፕሮፌሰር ሕጊ እውን እንተ ዀነ፡ “ብምሉኡ እቲ መስርሕ ዘይሕጋውን ዘይስሩዕን ስለ ዝነበረ፡ የሱስ በቶም ኣባላት እቲ ቤት ፍርዲ እዩ ተቐቲሉ ኺበሃል ይከኣል እዩ” በለ።

የሱስ ንጹህ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ሞቱ ንድሕነት እዙዛት ደቂ ሰብ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 20:28) ንፍትሒ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ዝኸፍአ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥሞ ፈቐደ። ከማና ንዝኣመሰሉ ንሓጥኣን ኢሉ እዩ ኸምኡ ገይሩ። ነዚ ሓቂ እዚ ፈጺምና ኽንርእስዖ የብልናን።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ ዜሕዝን፡ ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ብዛዕባ ሞት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ ተጠቒማ፡ ጽልኢ ኣይሁድ ከም ዚለዓዓል ገይራ እያ፣ እቶም ኣይሁድ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ወንጌል ግን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮምን።

^ ሕ.ጽ. 11 ንኣምላኽ ምጽራፍ፡ ንመለኮታዊ ስም ብዜሕስር መገዲ ምርቋሕ ወይ ከኣ ንኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ሓይሊ ወይ ስልጣን ምምንዛዕ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ከሰስቲ የሱስ ግን፡ ንሱ ኸምኡ ኸም ዝገበረ ዚሕብር መርትዖ ኬቕርቡ ኣይከኣሉን።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሕግታት ኣይሁድ

እቲ ኻብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ ዚዕየየሉ ዝነበረ፡ ግን ከኣ ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ድ.ክ. እተጻሕፈ ትውፊት ኣይሁድ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕግታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ፦

▪ ንሞት ኬፍርድ ኣብ ዚኽእል ጕዳይ፡ ፈለማ ነቲ ኽሱስ ናጻ ኺገብሮ ዚኽእል ምጕት ይስማዕ ነበረ

▪ እቶም ዳያኑ ነቲ ኽሱስ ንምድሓን ዚከኣሎም ኪገብሩ ነበሮም

▪ ዳያኑ ነቲ ኽሱስ ኪማጐቱሉ ደኣ እምበር፡ ኣንጻሩ ኺማጐቱ ኣይግባእን ነይሩ

▪ መሰኻኽር ነቲ ዝነበሮም ከቢድ ሓላፍነት ብርዝነት ምእንቲ ኺርእይዎ፡ መጠንቀቕታ ይወሃቦም ነበረ

▪ መሰኻኽር ነንበይኖም ደኣ እምበር፡ ምስ ካልኦት መሰኻኽር ኰይኖም ኣይምርመሩን ነይሮም

▪ ምስክርነት፡ ኣብ ኵሉ ኣገዳሲ መዳይ፡ ማለት ኣብ ዕለትን ቦታን ግዜን ከምኡ ኣብ ዝኣመሰለ ኻልእ ነገራትን ንሓድሕዱ ኺሰማማዕ ነበሮ

▪ ንሞት ኬፍርድ ዚኽእል ጕዳይ ብዚምልከት ዚግበር መርመራ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ተጀሚሩ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኪውዳእ ነበሮ

▪ ንሞት ኬፍርድ ዚኽእል ጕዳይ፡ ኣብ ድሮ ሰንበት ወይ ኣብ ድሮ በዓል ኪምርመር ኣይከኣልን እዩ ነይሩ

▪ ንሞት ኬፍርድ ዚኽእል ጕዳይ ብዚምልከት ዚወሃብ ብይን ንኽሱስ ናጻ ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ተጀሚሩ ኺዛዘም ይኽእል ነበረ፣ እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ እቲ ጕዳይ ንጽብሒቱ ኺዛዘም፡ ሽዑ ኸኣ እቲ ብይን ኪንገርን እቲ መቕጻዕቲ ኺትግበርን ነበሮ

▪ ንሞት ኬፍርድ ዚኽእል ጕዳይ፡ እንተ ወሓደ ብ23 ዳያኑ ኺምርመር ነበሮ

▪ ዳያኑ፡ ንኺፈትሑ ወይ ንኪቐጽዑ ድምጺ ምርጫ ኺህቡ ኸለዉ፡ ካብቲ ብዕድመ ንእሽቶ ዝዀነ ጀሚሮም በብተራ ድምጾም ይህቡ ነበሩ፣ ጸሓፍቲ ኸኣ ንቓላት እቶም እቲ ኽሱስ ኪፍታሕ ዘድመጹን ኪቕጻዕ ዘድመጹን ዳያኑ ይምዝግቡ ነበሩ

▪ ዳያኑ ነቲ ኽሱስ ብናጻ ንምስዳድ ዜድልዮም ድምጺ፡ ካብቶም ኪቕጻዕ ከም ዘለዎ ዚኣምኑ ብሓደ ድምጺ ጥራይ ኪዛይድ ይኽእል ነበረ፣ ነቲ ኽሱስ ንምቕጻዕ ግን፡ ብኽልተ ድምጺ ኺዛይድ ነበሮ፣ ነቲ ኽሱስ ንምቕጻዕ እተዋህበ ድምጺ ብሓደ ጥራይ ዚዛይድ እንተ ዀይኑ፡ ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ ውሳነ ኽሳዕ ዚብጻሕ፡ ከከም ኣድላዪነቱ ኽልተ ዳያኑ ይውሰኹ ነበሩ

▪ እንተ ወሓደ ሓደ ዳኛ ነቲ ኽሱስ ከይተማጐተሉ ኸሎ ኸም ገበነኛ ጌርካ ምፍራድ ተቐባልነት ኣይነበሮን፣ ብምሉእ ድምጺ ዚግበር ናይ መቕጻዕቲ ብይን ከኣ፡ “ተንኰል ከም እተኣልመ” ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ

የሱስ ኪፍረድ ከሎ እተገብረ ዘይሕጋዊ ነገራት

▪ እቲ ቤት ፍርዲ ንየሱስ ብናጻ ንምስዳድ፡ መጐተ ዀነ ቓል መሰኻኽር ኣይሰምዐን

▪ ካብቶም ዳያኑ ንየሱስ ኪከላኸለሉ ዝፈተነ ኣይነበረን፣ ኵሎም ጸላእቱ እዮም ነይሮም

▪ እቶም ካህናት ንየሱስ ብሞት ከም ዚቕጻዕ ንምግባር ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣናደዩ

▪ ጕዳይ የሱስ፡ ምሸት ኣብ ናይ ውልቂ ኣባይቲ እዩ ተመርሚሩ

▪ እቲ መርመራ፡ ኣብታ ድሮ በዓል ዝነበረት መዓልቲ ተጀሚሩ እዩ ተዛዚሙ

▪ የሱስ ገና ኸይተኸሰሰ ኸሎ እዩ ተታሒዙ

▪ የሱስ መሲሕ ከም ዝዀነ እተዛረቦ ዘረባ፡ ብድብድቡ ‘ንኣምላኽ ከም ምጽራፍ’ ጌርካ እዩ ተወሲዱ እምበር፡ ኣይተመርመረን

▪ ጕዳይ የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ምስ ቀረበ፡ እቲ ኽሲ ተቐየረ

▪ የሱስ እተኸሰሰሉ ኽስታት ሓሶት እዩ ነይሩ

▪ ጲላጦስ ንየሱስ ዋላ ሓንቲ ገበን እኳ እንተ ዘይረኸበሉ፡ ኣቕተሎ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]

ብደም ዚሕተቱ መሰኻኽር

ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ኣይሁድ፡ ነቶም ንሞት ኬፍርድ ኣብ ዚኽእል ጕዳይ ዚምስክሩ ሰባት፡ ምስክርነት ቅድሚ ምሃቦም ንህይወት ኪህልዎም ብዛዕባ ዚግባእ ኣኽብሮት ዚገልጽ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መጠንቀቕታ ይወሃብ ነበረ፦

“ምናልባት ኣብ ግምት፡ ኣብ በላበለው፡ ወይ ኣብቲ ኻልእ ሰብ ዝሃቦ ምስክርነት ተመርኲስኩም ትምስክሩ ትህልዉ ትዀኑ፣ ወይ ድማ ‘ካብ እሙን ሰብ ኢና ሰሚዕናዮ’ ኢልኩም ትሓስቡ ትህልዉ ትዀኑ። ወይ ከኣ ኣብ መወዳእታ ንዓኻትኩም እውን ብግቡእ መገዲ ኽንምርምረኩም ከም ዝዀንና ኣይትፈልጡን ትዀኑ። ንንብረት ብዚምልከት ዚግበር መርመራ፡ ካብቲ ንሞት ኬፍርድ ንዚኽእል ጕዳይ ብዚምልከት ዚግበር መርመራ እተፈልየ ኸም ዝዀነ ኽትፈልጡ ኣሎኩም። ኣብቲ ንንብረት ዚምልከት መርመራ፡ ሓደ ሰብ ገንዘብ ከፊሉ ናጻ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሞት ኬፍርድ ኣብ ዚኽእል ጕዳይ ግን፡ እቲ [ብሓሶት ዚምስክር] ሰብ፡ ብደም [እቲ ብጌጋ እተፈርዶ ኽሱስን] ብደም እቶም ንሱ [እቲ ኽሱስ] ኪወልዶም ዚኽእል ዝነበረ ውሉዳትን፡ ንዘለኣለም ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።”—ታልሙድ ባቢሎን፡ ዋዕላ፡ 37ሀ።

ገበን እቲ ኽሱስ እንተ ተረጋጊጹ፡ እቶም መሰኻኽር እዮም ዚቐትልዎ ነይሮም።—ዘሌዋውያን 24:14፣ ዘዳግም 17:6, 7