ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንቢት 4. ምጥፋእ ፍቕሪ ስድራ ቤት

ትንቢት 4. ምጥፋእ ፍቕሪ ስድራ ቤት

ትንቢት 4. ምጥፋእ ፍቕሪ ስድራ ቤት

“ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3

● ኣብ ሰሜን ዌልስ ዚነብር ክሪስ፡ ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ምስ ዚሕግዝ ጕጅለ እዩ ዚዓዪ። ብዛዕባ ዘጋጠሞ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዜስካሕክሕ መገዲ ምስ እተሃርመት ሰበይቲ እተራኸብኩሉ እዋን ኣይርስዖን እየ፣ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጣ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሽዑ ግን ከለልያ ኣይከኣልኩን። ካልኦት ኣንስቲ ኸኣ፡ ብስምዒት ኣዝየን ስለ እተጐድኣ፡ ቅንዕ ኢለን እውን ኪርእያኻ ኣይደፍራን እየን” በለ።

መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧ ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ብገምጋም ካብ 3 ኣንስቲ 1 ብቝልዕነታ ተዓሚጻ እያ። ኣብታ ሃገር እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ሰብኡት ንኣንስቶም ምህራም ከም ንቡር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ይኹን እምበር፡ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ኣንስቲ ጥራይ ኣይኰናን። ንኣብነት፡ ኣብ ካናዳ፡ ካብ 10 ሰብኡት 3 ብኣንስቶም ተወቒዖም ወይ መጥቃዕቲ ወሪድዎም እዩ።

ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ተቓውሞ እንታይ እዩ፧ ዘቤታዊ ዓመጽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣትኵሮ ስለ እተገብረሉ ደኣ እዩ እምበር፡ ቀደም እውን ዝነበረ እዩ።

እዚ ተቓውሞ እዚ ርትዓዊ ድዩ፧ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝያዳ ኣትኵሮ ተገይሩሉ እዩ። ዝያዳ ኣትኵሮ ስለ እተገብረሉ ግን፡ ኣብ ቤት ዜጋጥም ዘሎ ዓመጽ ነክዩዶ፧ ፈጺሙ ኣይነከየን። ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ፡ ፍቕሪ ስድራ ቤት ይጠፍእ እዩ ዘሎ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:1-3 ፍጻሜኣ ትረክብዶ ኣላ፧ ብዙሓት ሰባት፡ እታ ንስድራ ቤቶም ኬርእይዋ እትግባእ ፍቕሪ የጥፍኡ ድዮም ዘለዉ፧

እቲ ፍጻሜኡ ዚረክብ ዘሎ ሓምሻይ ትንቢት ድማ፡ ንምድርና ዚምልከት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ዘቤታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ካብ ዚርአ ተዓቢጡ ዚተርፍ ገበናት እቲ ዝኸፍአ እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ብገምጋም 35 ሳዕ ብመጻምድታ ማህሰይቲ ምስ ኣጋጠማ እያ ንፖሊስ እትሕብር።”—ኣፈኛ እቲ ኣብ ዌልስ ዚርከብ ንግዳያት ዘቤታዊ ማህሰይቲ ዚሕግዝ መስመር ተሌፎን።