ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ዜሰልኪ ኪኸውን ድዩ፧

ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ዜሰልኪ ኪኸውን ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ዜሰልኪ ኪኸውን ድዩ፧

▪ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኽንረኽቦ ብዛዕባ እንኽእል ዘለኣለማዊ ህይወት ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 37:29፣ ሉቃስ 23:43) እሞኸ ኣብ ምሹእ ሃዋህው ንዘለኣለም ምንባር ዜሰልኪ ኪኸውን ድዩ፧

እዚኣ ኣገዳሲት ሕቶ እያ። ብመሰረት ተመራመርቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ እቶም ምስልካይ፡ ሕዱር ሕማም ዚዀኖም ሰባት፡ ኪዋጠሩን ኪጭነቑን ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ዕላማ ህይወት ዝጠፍኦም ወይ መዓልታዊ ናብራኦም ዘሰልከዮም ሰባት፡ ብሕማም ምስልካይ ኪሳቐዩ ይኽእሉ እዮም። እሞኸ እቶም ኣብ ገነት ዚነብሩ ሰባት፡ ዕላማ ዘይብሎም ድዮም ኪዀኑ፧ መዓልታዊ ናብራኸ ዜሰልኪ ድዩ ኪኸውን፧

ብቐዳምነት፡ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝሃበና፡ እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ዮሃንስ 3:16፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ቀንዲ ባህርይ ኣምላኽ ከኣ ፍቕሪ እያ። (1 ዮሃንስ 4:8) የሆዋ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና፡ ንዅሉ እቲ ሕጂ እነስተማቕሮ ዘሎና ጽቡቕ ነገራት ሂቡና እዩ።—ያእቆብ 1:17

ፈጣሪና፡ ሕጕሳት ንኽንከውን ዜኽእለና ዕላማ ዘለዎ ዕዮ ኸም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። (መዝሙር 139:14-16፣ መክብብ 3:12) ኣብ ገነት ዚነብሩ ሰባት፡ እቲ ዚሰርሕዎ ስራሕ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ዀይኑ ኣይኪስምዖምን እዩ። ስራሖም፡ ንዕኦምን ንፈተውቶምን ብቐጥታ ዚጠቅም ኪኸውን እዩ። (ኢሳይያስ 65:22-24) ባህ ዜብልን ቆራጽነት ዚሓትትን ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እንተ ዚህልወካ፡ ብህይወት ምንባር ምሰልከየካዶ፧

ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ኣይኰነን ኣብ ገነት ኪነብር ዚፈቅድ። ውህበት ዘለኣለማዊ ህይወት ዚህቦም ነቶም ንወዱ የሱስ ዚመስልዎ ጥራይ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ብምግባር ይሕጐስ ነበረ። ብቓሉን ብተግባሩን ድማ፡ ካብ ምቕባል ንላዕሊ ምሃብ ነባሪ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ንሰዓብቱ ምሂርዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ኵሎም ሰባት በተን ንኣምላኽን ንብጻይካን ከተፍቅር ዚእዝዛ ኽልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ኪምርሑ እዮም። (ማቴዎስ 22:36-40) ምስቶም ንዓኻን ንስራሖምን ዜፍቅሩን ንርእሶም ዚጥዕሞም ዘይደልዩን ሰባት ብሓንሳእ ምንባር ከመይ ከም ዚመስል እሞ ሕሰብ! ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምንባር ዜሰልኪ ዚኸውንዶ ይመስለካ፧

ኣብ ገነት እንታይ ካልእ ነገራት ኪህሉ እዩ፧ መዓልታዊ ብዛዕባ ፈጣሪና ሓድሽ ነገራት ክንመሃር ኢና። ተመራመርቲ ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ፈሊጦም እዮም። (ሮሜ 1:20) እዚ ግን ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራይ እዩ። እቲ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዚነብር ዝነበረ እዮብ ዚበሃል እሙን ሰብኣይ፡ ብዛዕባ ፍጥረታት ኣምላኽ ይሓስብ ነበረ። ንሱ፡ “[ካ]ብቲ መገዱስ [መገዲ ኣምላኽ] እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዅሽዅስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጕዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል፧” በለ። እዚ ቓላት እዚ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሓቂ እዩ።—እዮብ 26:14

ዋላ እውን ንዘለኣለም እንተ ነበርና፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ ግብርታቱን ምሉእ ብምሉእ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ባህጊ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ልቢ ሰብ ከም ዘንበረ ይገልጽ እዩ። ይኹን እምበር፡ “ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ” ኸም ዘይንኽእል እውን ይጠቅስ እዩ። (መክብብ 3:10, 11) ብዛዕባ ፈጣሪኻ ሓድሽ ነገራት ክትመሃርሲ ዜሰልኪ ዚኸውንዶ ይመስለካ፧

ሎሚ እውን እንተዀነ፡ እቶም ንኻልኦት ዚጠቅምን ንኣምላኽ ዜኽብርን ዕዮ ዚዓዩ ሰባት ኣይስልክዩን እዮም። ንሕና እውን ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዋላ እውን ንዘለኣለም እንተ ነበርና፡ ብህይወት ምንባር ኣይከሰልክየናን እዩ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ምንጭታት ስእሊ]

Earth: Image Science and Analysis Laboratory, NASA-Johnson Space Center; Galaxy: The Hubble Heritage Team (AURA/STScI/NASA)