ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሉዳት ኣብ ሓዳር ዘለዎም ጽልዋ

ውሉዳት ኣብ ሓዳር ዘለዎም ጽልዋ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ውሉዳት ኣብ ሓዳር ዘለዎም ጽልዋ

ቻርለስ፦ * “ጓልና ምስ ተወልደት፡ ኣነን ሜሪን ተሓጒስና ኢና። ድሕሪኡ ንገሊኡ ኣዋርሕ፡ ድቃስ ዚበሃል ኣይረኸብኩን። ብኸመይ ከም እነዕብያ ብዙሕ መደባት ኣውጺእና እኳ እንተ ነበርና፡ ኵሉ መደባትና ግን በኒኑ ተረፈ።”

ሜሪ፦ “ጓልና ምስ ተወልደት፡ ህይወተይ ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ እዩ ዀይኑ። ብሃንደበት፡ ኵሉ ኣቓልቦይ ንዓኣ ጡጦ ኣብ ምድላው፡ ጨርቂ ኣብ ምቕያር፡ ወይ ኣብ ምእባድ ኣተኰረ። እዚ ለውጢ እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ምስ ቻርለስ ዝነበረኒ ርክብ ናብ ንቡር ክሳዕ ዚምለስ፡ ኣዋርሕ እዩ ወሲዱ።”

ውላድ ምውላድ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወት ዚርከብ ብሉጽ ሓጐስ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳት፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዚርከቡ “ዓስቢ” ገይሩ እዩ ዚገልጾም። (መዝሙር 127:3) ከም ቻርለስን ሜሪን ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ወለዲ፡ ውሉዳት ንሓዳር ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መገዲ ኺጸልውዎ ኸም ዚኽእሉ እውን ይፈልጡ እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ እተበኰረት ኣደ ኣብ ውሉዳ ተተኵር ትኸውን፣ ውሉዳ ዜድልዮ ዘበለ ንምምላእ እውን ቅልጡፍ ስጕምቲ ትወስድ ትኸውን። እቲ ኣቦ ድማ፡ በቲ ኣብ መንጎ ሰበይቱን ውሉዱን ዚፍጠር ፍቕሪ ይድነቕ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ንሱ ኸይርሳዕ እውን ይፈርህ ይኸውን።

በዅሪ ውሉድ ምስ ተወልደ፡ ኣብ ሓዳር ጸገም ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር ኣብ ልቦም ሒዞምዎ ዝነበሩ ስክፍታታትን ዘይተፈትሐ ጕዳያትን፡ ብሰንኪ እቲ ቘልዓ ምዕባይ ዜምጽኦ ውጥረት ኪወጽእን ኪጋነንን ይኽእል ይኸውን።

ሓደስቲ ወለዲ፡ ኣብተን ውሉዶም ምሉእ ቈላሕታኦም ዚደልየሉ ቐዳሞት ሒደት ኣዋርሕ፡ ህይወቶም ብኸመይ ከተዓራርዩ ይኽእሉ፧ ሰብ ሓዳር ንኸይረሓሓቑ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዓ ንዚፍጠር ዝዀነ ይኹን ዘይምስምማዕ ብኸመይ ኪፈትሕዎ ይኽእሉ፧ ነዚ በብሓደ ድሕሪ ምምርማር፡ ንምኽኣሉ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ንርአ።

ብድሆ 1፦ እቲ ሕጻን ብሃንደበት ኵሉ ኣቓልቦ ይወስድ።

ሓድሽ እተወልደ ሕጻን፡ ግዜን ሓሳባትን ኣዲኡ ይወስድ እዩ። ኣደ ንውሉዳ ኽትከናኸኖ ኸላ፡ ውሽጣዊ ዕግበት ትረክብ ትኸውን። እዚ ኪኸውን ከሎ ግን፡ ሰብኣያ ዕሽሽ ከም እተባህለ ይስምዖ ይኸውን። ማንወል ዚበሃል ኣብ ብራዚል ዚነብር ሰብኣይ፡ “ኣትኵሮ ሰበይተይ ካባይ ናብ ውሉድና ምዛሩ፡ ንዓይ ምቕባሉ ኣመና ኸቢዱኒ ነይሩ። ቅድሚኡ፡ ሰበይተይ ኣብ ርክብና እያ ተተኵር ነይራ፣ ብሃንደበት ግን፡ ኣብ ውሉድና ኣተኰረት” በለ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ለውጢ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ዓወት ንምርካብ፦ ዕጉሳት ኩኑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ . . . ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን” ይብል። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ሕጻን ምስ ተወልደ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ሰበይቲ ምስ ወለደት ኣብ ኣካላታን ኣብ ኣእምሮኣን ዜጋጥም ለውጢ ፍልጠት ብምቕሳም፡ ንሰበይቱ ዘለዎ ፍቕሪ ኼርኢ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ሰበይቱ ብሃንደበት ጠባያ ዚቀያየረሉ ምኽንያት ኬስተውዕል ይኽእል እዩ። * ኣብ ፈረንሳ ዚነብር 11 ወርሒ ዝገበረት ጓል ዘላቶ ኣዳም፡ “ጠባይ ሰበይተይ ምቅይያሩ፡ ኣጸጊሙኒ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብኣይ ትበሳጮ ኸም ዘየላ ኽዝክር እጽዕር እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሰንኪ እቲ ሓድሽ ኵነታትና ዘምጽኦ ውጥረት እያ ኸምኡ እትገብር” በለ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ሰበይትኻ ነቲ ኽትሕግዛ እትገብሮ ጻዕሪ ብጌጋ ትርድኦ ድያ፧ ከምኡ እንተ ገይራ፡ ቀሊጢፍካ ኣይትዀሪ። (መክብብ 7:9) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብትዕግስቲ ሕለየላ፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣይክትበሳጮን ኢኻ።—ምሳሌ 14:29

በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ሓንቲ ኣስተውዓሊት ሰበይቲ፡ ንሰብኣያ፡ ነቲ ሓድሽ ሓላፍነቱ ንኺስከም ተተባብዖ እያ። ዋላ እኳ ኣብ መጀመርታ ዘይክእለሉ እንተ መሰለ፡ ከመይ ገይሩ ኣጭርቕቲ ሽንቲ ኸም ዚቕይር ወይ ጡጦ ኸም ዜዳሉ ብትዕግስቲ እናኣርኣየት፡ ኣብ ክንክን ሕጻን ተሳትፎ እያ።

ኢለን እትበሃል ጓል 26 ዓመት ኣደ፡ ንሰብኣያ ኣብ እትሕዘሉ መገዲ እተወሰነ ነገራት ከተተዓራሪ ኸም ዜድልያ ኣስተውዓለት። “እታ ሕጻን ናይ ክልቴና ኸም ዝዀነት ክዝክር ነይሩኒ። ሰብኣየይ ነቲ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሕጻን ዝነገርክዎ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ኸሎ፡ እምብዛ ነቓፊት ንኸይከውን ክጥንቀቕ ነይሩኒ” በለት።

ነዚ ፈትኖ፦ ኣትን ኣንስቲ፡ ሰብኡትክን ኣብ ኣተሓሕዛ ሕጻን ካብ ናታትክን እተፈልየ መገዲ እንተ ተጠቒሞም፡ ካብ ምንቃፍ ወይ ነቲ ዝገበርዎ ኸም ብሓድሽ ካብ ምዕያይ ተቘጠባ። ስለቲ ዝገበርዎ ነገራት ንኣዳኦም፣ በዚ ኸምዚ፡ ርእሰ-ምትእምማን ኬሕድሩ ይኽእሉ፡ ንኺድግፉኽን ከኣ ተተባብዓኦም። ኣቱም ሰብኡት፡ ብፍላይ ኣብተን ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ ሒደት ኣዋርሕ፡ ንኣንስትኹም ንምሕጋዝ ዚኣክል ግዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንጥፈታት ነክዩ።

ብድሆ 2፦ ኣብ ሓዳርኩም ዘሎኩም ርክብ ይዳኸም።

ብዙሓት ሓደስቲ ወለዲ፡ እኹል ድቃስ ስለ ዘይረኽቡን ዘይተጸበይዎ ሓላፍነት ስለ ዚበዝሖምን፡ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ቕርርብ ይዳኸም እዩ። ቪቪያን ዝስማ ኣብ ፈረንሳ እትነብር ኣደ ኽልተ ሕጻናት፡ “ኣብ ፈለማ፡ ኣብቲ ኸም ኣደ መጠን ዘሎኒ ሓላፍነት እምብዛ ስለ ዘተኰርኩ፡ ከም ብዓልቲ ሓዳር መጠን ንዘሎኒ ሓላፍነት ዳርጋ ረሳዕክዎ” ኢላ ተኣመነት።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሰብኣይ ነቲ ጥንሲ ኣብ ሰበይቱ ዜምጽኦ ኣካላውን ስምዒታውን ጽልዋ ኣየስተውዕለሉን ይኸውን። ሓድሽ ሕጻን ግዜን ጕልበትን ስለ ዚወስድ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰብ ሓዳር ዝነበረ ስምዒታውን ጾታውን ቅርርብ ኪንኪ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ሰብ ሓዳር ከመይ ገይሮም እዮም እቲ ኽንክን ዜድልዮ ተፈታዊ ውሉዶም፡ ኣብ መንጎኦም ጋግ ከም ዘይፈጥር ኪገብሩ ዚኽእሉ፧

ዓወት ንምርካብ፦ ንሓድሕድኩም ፍቕርኹም ተገላለጹ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር ኪገልጽ ከሎ፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ይብል። * (ዘፍጥረት 2:24) የሆዋ ኣምላኽ፡ ውሉዳት ውዒሎም ሓዲሮም ካብ ወለዶም ኪፍለዩ እዩ ሓሊኑ። ብኣንጻሩ ግን፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዩ ዚጽበዮም። (ማቴዎስ 19:3-9) ሰብ ሓዳር ነዚ ሓቂ እዚ ምግንዛቦም፡ ሓድሽ ውሉድ ኣብ ዚወልዱሉ እዋን ቀዳምነት ኪወሃቦ ንዚግባእ ነገር ንኬቐድሙ ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ቪቪያን፡ “ብዛዕባ እተን ኣብ ዘፍጥረት 2:24 ዚርከባ ቓላት ሓሰብኩ፡ እታ ጥቕሲ ድማ ምስ ሰብኣየይ ደኣ እምበር፡ ምስ ውሉደይ ‘ሓደ ስጋ’ ኸም ዘይኰንኩ ንኸስተውዕል ሓጊዛትኒ። ሓዳርና ኸደልድል ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ” በለት። ተሪሳ እትበሃል ጓል ክልተ ዓመት ሕጻን ዘላታ ኣደ፡ “ምስ ሰብኣየይ እተረሓሓቕኩ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኒ፡ ዋላ እውን ኣብ መዓልቲ ንሓጺር እዋን፡ ምሉእ ቈላሕታይ ኣብኡ ንኽገብር ብኡንብኡ እጽዕር እየ” በለት።

ሰብኣይ እንተ ዄንካ፡ ሓዳርካ ንምድልዳል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ንሰበይትኻ ኸም እተፍቅራ ንገራ። ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እውን ለውሃትካ ኣርእያ። ነቲ ሰበይትኻ ኺስምዓ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ስክፍታ ንምውጋድ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር። ሳራ ዝስማ 30 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣደ፡ “ሰበይቲ፡ ሰብነታ ድሕሪ ጥንሲ ኸም ቀደሙ ዘይከውን እኳ እንተ ዀነ፡ ከም እትኽበርን ከም እትፍቶን ክትፈልጥ ትደሊ እያ” በለት። ኣለን ዚበሃል ኣብ ጀርመን ዚነብር ኣቦ ኽልተ ቘልዑ፡ ንሰበይቱ ስምዒታዊ ደገፍ ኪገብረላ ኸም ዚግብኦ ተገንዚቡ እዩ። “ሰበይተይ ክትጕሂ ኸላ፡ ወትሩ ኸጸናንዓ እፍትን እየ” በለ።

ሕጻን ምስ ተወልደ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዝነበረ ጾታዊ ርክብ ከም ዜጐናድቦ ርዱእ እዩ። ስለዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ እዚ ኺመያየጡ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ናይ ሰብ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ዚግበር ለውጢ፡ ‘ብምስምማዕ ክልቲኦም’ ኪግበር ከም ዘለዎ ይሕብር እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:1-5) እዚ ድማ፡ ምይይጥ ይሓትት። ብምኽንያት ኣተዓባብያኻ ወይ ብምኽንያት ባህልኻ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ምስ መጻምድትኻ ምዝርራብ ይኸብደካ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ሰብ ሓዳር ምስ ወለዱ፡ ህይወቶም ኬተዓራርዩ ስለ ዜድልዮም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርርብ ኣገዳሲ እዩ። ደንጋጽን ዕጉስን ሓቀኛን ኩን። (1 ቈረንቶስ 10:24) በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መንጎኹም ዘይምርድዳእ ኣይፍጠርን፡ ንሓድሕድኩም ዘላትኩም ፍቕሪ ድማ ትዓቢ።—1 ጴጥሮስ 3:7, 8

ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ሞሳ ብምግልላጽ እውን፡ ኣብ መንጎኦም ዘላ ፍቕሪ ኼዕብዩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ፡ መብዛሕትኡ እቲ ሰበይቱ ምስ ወለደት እትዓዮ ዕዮ ኸም ዘይትኰረሉ የስተውዕል እዩ። ቪቪያን፡ “ንሕጻን ክከናኸን እኳ እንተ ወዓልኩ፡ ብዙሕ ግዜ ግን፡ ምስ መሰየ ዋላ ሓንቲ ዘይገበርኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት። ሓንቲ ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ብዙሕ ስራሕ ክትሰርሕ እኳ እንተ ወዓለት፡ ነቲ ሰብኣያ ኣብ ስድራ ቤቱ ዘለዎ እጃም ከይተነኣእሶ ትጥንቀቕ እያ።—ምሳሌ 17:17

ነዚ ፈትኖ፦ ኣትን ኣዴታት፡ እንተ ኽኢልክን፡ ውሉድክን ምስ ደቀሰ፡ ቀም ኣብላ። በዚ ኸምዚ፡ ንሓዳርክን ዝያዳ ሓይሊ ኽትረኽባ ኢኽን። ኣቱም ኣቦታት፡ ኣንስትኹም ምእንቲ ኼዕርፋ፡ እንተ ኽኢልኩም፡ ለይቲ ንውሉድኩም ንምምጋብ ወይ ጨርቂ ሽንቲ ንምቕያር ተንስኡ። ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ብምጽሓፍ፡ ብሞባይል መልእኽቲ ብምልኣኽ፡ ወይ ብተሌፎን ብምዝርራብ፡ ኣዘውቲርኩም ፍቕርኹም ግለጹ። ሰብኣይን ሰበይትን ንበይንኹም እትዘራረቡሉ ግዜ ርኸቡ። ብዛዕባ ውሉድኩም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ሓድሕድኩም እውን ተዘራረቡ። ምስ መጻምድትኹም ዘሎኩም ምሕዝነት ከይዳኸም ተኸናኸንዎ፣ ነቲ ኸም ወለዲ መጠን ዜጋጥመኩም ብድሆታት ድማ ብዝሓሸ ኽትዋጽኡሉ ኢኹም።

ብድሆ 3፦ ብኣተዓባብያ ቘልዓ ኣይትሰማምዑን።

ሰብ ሓዳር ብሰንኪ እተፈላለየ ኣተዓባብያኦም ኪቋየቑ ይኽእሉ እዮም። ኣሳሚ ዝስማ ጃፓናዊት ኣደን ካትሱሮ ዝስሙ ሰብኣያን፡ ከምኡ ኣጋጢምዎም እዩ። ኣሳሚ፡ “ካትሱሮ ንጓልና ቐበጥበጥ ከም ዜብላ ዀይኑ ተሰምዓኒ፣ ንሱ ድማ ኣነ ኸም ዘኽብደላ ዀይኑ ተሰምዖ” በለት። ዘይምስምማዕ ንምውጋድ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

ዓወት ንምርካብ፦ ምስ መጻምድትኹም ተዘራረቡን ተደጋገፉን። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 13:10) ብዛዕባ እቲ መጻምድትኻ ዚጥቀመሉ ኣተዓባብያ ቘልዑ ኽሳዕ ክንደይ ትፈልጥ፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንምምይያጥ ክሳዕ ውሉድ እትወልዱ እንተ ጸኒሕኩም፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ እትዓይዩ፡ ክትበኣሱ ኢኹም።

ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተሰማሚዕኩምሉዶ፦ “ውሉድና ጽቡቕ ናይ ኣመጋግባን ድቃስን ልማድ ንኺህልዎ፡ ብኸመይ ክንምህሮ ንኽእል፧ እቲ ሕጻን ለይቲ ምስ በኸየ፡ ወትሩ ኽንሓቝፎ ኣሎና ድዩ፧ ብኸመይ ከም ዚሸይን ኣሰልጢንናዮ ኸነብቅዕ፡ ቀልጢፉ እንተ ዘይለሚዱ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧” እቲ እትገብርዎ ውሳነታት፡ ካብቲ ኻልኦት ሰብ ሓዳር ዚገብርዎ ውሳነታት እተፈልየ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኤታን ዝስሙ ኣቦ ኽልተ ቘልዑ፡ “ምእንቲ ኽትሰማምዑ፡ ክትዘራረቡ ኣሎኩም። ድሕሪኡ፡ ነቲ ውሉድኩም ዜድልዮ ዘበለ ብሓባር ክትገብሩሉ ትኽእሉ” በለ።

ነዚ ፈትኖ፦ ብዛዕባ እቲ ወለድኻ ንዓኻ ኼዕብዩ ኸለዉ እተጠቕሙሉ ኣተዓባብያ ሕሰብ። ውሉድካ ኸተዕቢ ኸለኻ፡ ነየናይ ኣመለኻኽታኦምን ተግባራቶምን ክትቀድሖ ኸም እትደሊ፡ ነየናዩ ኸኣ ክትቀድሖ ኸም ዘይትደሊ ወስን። ብዛዕባ እቲ ውሳነታትካ፡ ምስ መጻምድትኻ ተመያየጥ።

ውሉድ ኣብ ሓዳር ዘለዎ ኣወንታዊ ጽልዋ

ከምቲ ሓደስቲ መርዑት ኣብ ዝነበርኩምሉ እዋን ንምትዕርራይ ግዜን ትዕግስትን ዘድለየኩም፡ ነቲ ኸም ሓደስቲ ወለዲ መጠን እትስከምዎ ሓላፍነት ንምልማድ እውን ግዜ የድልየኩም እዩ። ውዒልኩም ሓዲርኩም ግን፡ ምትእምማን ከተጥርዩ ኢኹም።

ቈልዓ ምዕባይ ዜምጽኦ ብድሆ፡ ነቲ ንሓዳርኩም ዘሎኩም ተወፋይነት ኪፍትኖ እዩ፣ ነቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ርክብ እውን ንሓዋሩ ኪቕይሮ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ጽቡቕ ባህርያት ንኸተማዕብሉ እውን ኣጋጣሚ ኪኸፍተልኩም እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልኩምዎ፡ ከምቲ ከነት ንዚበሃል ኣቦ ዘጋጠሞ ዓይነት ተመክሮ ኸተሕልፉ ኢኹም። ንሱ ብዛዕባ ተመክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ቈልዑ ምዕባይ ኣባይን ኣብ ሰበይተይን ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ሕጂ ብዝያዳ ንተሓላለን ንፋቐርን ንረዳዳእን ኢና” በለ። ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ከምዚ ዓይነት ለውጢ፡ ሓንጐፋይ ኢልኩም ከም እትቕበልዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ብዙሓት ኣዴታት ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘለዋ ሰሙናት ፍዅስ ዝበለ ጭንቀት የሕድራ እየን። ገሊአን ግን ብሕክምና እውን ስም ዘለዎ ኸቢድ ጭንቀት የሕድራ እየን። ነዚ ጸገም እዚ ብኸመይ ከም እተለልዮን ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉን ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም መጽሔት ንቕሑ!፡ ኣብ ናይ 22 ሓምለ 2002 ሕታም (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ድሕሪ ሕርሲ ምስ ዘጋጠመኒ ጭንቀት ተቓሊሰ ኣሰነፍኩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ከምኡውን ኣብ ናይ 8 ሰነ 2003 ሕታም (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ድሕሪ ሕርሲ ንዜጋጥም ጭንቀት ምርዳኡ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ። ነዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ኣብ ኢንተርነት፡ ኣብ www.watchtower.org ክትረኽበን ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 19 ብመሰረት ሓደ ምህሮኣዊ ጽሑፍ፡ እታ ኣብ ዘፍጥረት 2:24 እትርከብ “ይጠብቕ” እትብል ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ ‘ብፍቕርን ብተኣማንነትን ምስ ካልእ ምልጋብ’ ዚብል ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

▪ ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን፡ ንመጻምድተይ ስለቲ ኣብ ስድራ ቤትና ዚገብሮ ነገር ምስጋናይ ንምግላጽ እንታይ ገይረ፧

▪ ብዛዕባ ውሉድና ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ንሓድሕድና ምስ መጻምድተይ ናይ ልብና ኻብ እንዘራረብ ክንደይ ጌርና፧