ልዑል ተስፋን ዜሐጕስ ትጽቢትን ዝነበራ መዓልቲ
መበል 130 ስነ ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ
ልዑል ተስፋን ዜሐጕስ ትጽቢትን ዝነበራ መዓልቲ
ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 130 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ፡ ተስፋን ትጽቢትን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ቀዳም 12 መጋቢት 2011፡ ተመሃሮን ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ዚርከብዎም ልዕሊ 8,500 ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም እዮም። ኵሎም እቶም ተኣከብቲ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብሃንቀውታ ይጽበይዋ ነበሩ፣ ብዛዕባ መጻኢ እቶም ንሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምህርዎም ኣብ መላእ ዓለም ዚለኣኹ ግቡእ ስልጠና ዝወሰዱ ሚስዮናውያን ኪሰምዑ ኸኣ ሃንቀው ይብሉ ነበሩ።
‘እቶም ንየሆዋ ዚጽበይዎ ዘበሉ ዅላቶም ሕጕሳት እዮም’
እዚ ኻብ ኢሳይያስ 30:18 እተወስደ ዜጸናንዕ ሓሳባት፡ ኣርእስቲ እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነን ኣቦ መንበር እቲ ስነ ስርዓት ዝነበረን ጀፍሪ ጃክሰን ዘቕረቦ መደረ እዩ ነይሩ። ብምዉቕ ስምዒትን እናተዋዘየን ነቶም ተመሃሮ ነቲ ኸቢድ ዝነበረ ስልጠና ጊልዓድ ብጽንዓት ስለ ዝሓለፍዎ ደስታኡ ገለጸሎም፡ ነታ ትጽቢት ዝመልኣ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዚሰግርዋ ኸኣ ኣረጋገጸሎም። እቶም ተመሃሮ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ እዮም ኪጽበዩ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ሓው ጃክሰን ንኢሳይያስ 30:18-21 ጠቒሱ፡ ሰለስተ ግብራዊ ሓሳባት ኣጕልሐ።
ቀዳማይ፡ ሓው ጃክሰን፡ “የሆዋ ንጸሎትኩም ኪሰምዖ ኽትጽበዩ ትኽእሉ ኢኹም” በለ። ነቲ፡ “ምስ እተእዊ ብርግጽ ጸጋ ኺህበካ እዩ” ዚብል ኣብ ቍጽሪ 19 ዚርከብ መረጋገጺ ጠቐሰ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ንጕጅለ ሰባት ዘይኰነስ፡ ንሓደ ሰብ ብብሕቲ ኸም እተዛረቦ ብምብራህ ድማ፡ ነቲ በብውልቅና እነቕርቦ ጸሎት ከም ዚሰምዖ ኣጕልሐ። ኣስዒቡ እውን፡ “የሆዋ ኸም ኣቦ መጠን፡ ‘ከምቲ ኻልእ ሰብ ጽኑዕ ዘይትኸውን፧’ ኢሉ ኣይሓትተናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንነፍሲ ወከፍና ጽን ኢሉ እዩ ዚሰምዓና። ይምልሰልና ኸኣ እዩ” በለ።
ካልኣይ፡ እቲ ተዛራባይ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኽንጽበ ኸም እንኽእል ገለጸ። “የሆዋ ቐሊል ናብራ ኸም ዚህልወና እኳ እንተ ዘይተመባጽዐ፡ ኪሕግዘና እዩ” ድማ በለ። ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 20 ተሓቢሩ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ብጸላኢ ኪኽበቡ ኸለዉ፡ ጸበባን ጭንቀትን ልክዕ ከም እንጌራን ማይን ከም ዚዀኖም ገሊጹሎም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንህዝቡ ንኼድሕን ኵሉ ሳዕ ድሉው እዩ ነይሩ። ተመሃሮ ጊልዓድ እውን ዘይተጸበይዎ ጸገማትን ብድሆታትን ኬጋጥሞም እዩ። ሓው ጃክሰን ኣስዒቡ፡ “ኰይኑ ግና፡ ንነፍሲ ወከፍ በዳሂ ዅነታት ምእንቲ ኽትዋጽኡሉ፡ የሆዋ ኺሕግዘኩም ክትጽበዩ ትኽእሉ ኢኹም” በለ።
ሳልሳይ፡ ሓው ጃክሰን ነቶም ተመሃሮ፡ ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 20ን 21ን ተገሊጹ ዘሎ፡ “መምርሒ ኺወሃበኩም ክትጽበዩ ትኽእሉ ኢኹም፡ ነቲ ዚወሃበኩም መምርሒ ኸኣ ስዓብዎ!” በሎም። ሎሚ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስን በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ ጽሑፋትን ኣቢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ጽን ኢሉ ኺሰምዕ ኣለዎ። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመሃሮ፡ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ተላበዎም።
‘ፍርሃት የሆዋ ይሃሉኹም’
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ፡ እታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ ‘ፍርሃት የሆዋ’ እትብል ሓረግ፡ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዋ ገለጸ። (2 ዜና መዋእል 19:7) እዛ ሓረግ እዚኣ፡ ነቲ ዘይጥዑይን ዜሸብርን ዓይነት ፍርሂ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ቅኑዕ ንምግባር ካብ ዘለዎ ሓያል ባህጊ እተላዕለ ዜንጸባርቖ ብርቱዕ ስምዒት እያ እተመልክት። ሓው ሞሪስ ነቶም ተመሃሮ፡ “ነዚ ፍርሃት እዚ፡ ናብታ ሚስዮናውያን ኴንኩም እትምደቡላ ሃገር ተማልእዎ” በሎም። እቶም ተመሃሮ ንየሆዋ በዚ መገዲ እዚ ኸም ዚፈርህዎ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ እቲ ተዛራባይ ክልተ ግብራዊ መገድታት ኣጕልሐ።
ቀዳማይ፡ ሓው ሞሪስ ነቶም ተመሃሮ፡ ነቲ፡ “ንምስማዕ ያእቆብ 1:19 ዚርከብ ምኽሪ፡ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ተላበዎም። ኣስዒቡ እውን፡ እቶም ተመሃሮ ኣብቲ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ ስልጠና ብዙሕ እኳ እንተ ተማህሩ፡ ናብታ ዚምደቡላ ሃገር ምስ ከዱ በዚ ንኸይንየቱ ኣጠንቀቖም። ቀጺሉ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ፈለማ ስምዑ። ንጉባኤኹምን ነቶም ኣብታ እተገልግሉላ ሃገር መሪሕ ግደ ዘለዎም ኣሕዋትን ስምዕዎም፣ ነቲ ብዛዕባ እታ ሃገርን ባህላን ዚህብዎ ሓሳባት ስምዕዎ። ‘እንድዒ’ ኻብ ምባል ድሕር ኣይትበሉ። ዝያዳ ብእተመሃርኩም መጠን፡ ብዙሕ ከም ዘይትፈልጡ ብዝያዳ ኺርድኣኩም እዩ፣ ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ እቲ እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ውጽኢታዊ ምዃኑ ኺርአ እዩ።”
ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ” ኽንከውን ዚምዕድ ኣብካልኣይ፡ ሓው ሞሪስ ነታ፡ “መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዚነአዶ ይፍለጥ” እትብል ምሳሌ 27:21 ኣንበባ። ከምቲ ወርቅን ብሩርን ኪዅላዕ ዜድልዮ፡ ንሕና እውን ብናእዳ ኽንኵላዕ ከም እንኽእል ገለጸ። ብኸመይ፧ ናእዳ ንባህርይና ኺፍትኖ ይኽእል እዩ። ናብ ትዕቢትን ናብ መንፈሳዊ ውድቀትን ኪመርሓና፡ ወይ ከኣ ንየሆዋ ሰብ ዕዳኡ ምዃንና ንኽንግንዘብን ካብ ስርዓታቱ ኸይንወጽእ ቈራጽነት ንኽንገብርን ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓው ሞሪስ ነቶም ተመሃሮ ንዝዀነ ይኹን ናእዳ ብቕኑዕ መገዲ ንኪቕበልዎ፡ ግቡእ ‘ፍርሃት የሆዋ’ ኸም ዘለዎም ዚገልጹሉ ኣጋጣሚ ገይሮም ድማ ንኺርእይዎ ተላበዎም።
“ንተልእኾኹም ኣኽቢርኩም ርኣይዎ”
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ጋይ ፒርስ፡ ነቲ ቐንዲ መደረ እቲ ስነ ስርዓት ኣቕረቦ። ነዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ኣርእስቲ መደረኡ ኼብርሃ ኸሎ፡ እታ “ሚስዮናዊ” እትብል ቃል፡ “ተልእኾ ንኺፍጽም እተላእከ ሰብ” ማለት ምዃና ገለጸ። እተፈላለየ ተልእኾታት ዚፍጽሙ ሚስዮናውያን ዚልእካ ሓያሎ ውድባት ከም ዘለዋ ድማ ጠቐሰ። መብዛሕትአን እዘን ውድባት እዚኣተን፡ ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ንምውጋድ፡ ኣብ ኣካላዊ ሕውየትን ኣብ ፖለቲካዊ ፍታሕን እየን ዜተኵራ። ሓው ፒርስ፡ “ንስኻትኩም ግና ፍሉያት ኢኹም” በሎም። ብኸመይ፧
እቶም ተመሃሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸለዉ ብዛዕባ ኣካላዊ ሕውየት ብዙሕ ተማሂሮም እዮም። የሱስ ንሓንቲ ጓል ካብ ሞት ምስ ኣተንስኣ፡ ወለዳ “ዓብዪ ምግራም ተገረሙ።” (ማርቆስ 5:42) ብተመሳሳሊ፡ ዕዉራት ሰባት ብተኣምራዊ መገዲ ምስ ሓወዩ፡ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም። ሓደ ኻብቲ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት እተፈጸመሉ ምኽንያት፡ ክርስቶስ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እንታይ ከም ዚፍጽም ምእንቲ ኽንርዳእ እዩ። ካብዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዚድሕኑ ጻድቃን ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ፡” ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ዝዀነ ይኹን ኣካላዊ ሕማም ኪሓውዩ እዮም። (ራእይ 7:9, 14) ነቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ፍቑራቶም ኪቕበልዎም እዮም፣ ንሳቶም እውን ከማታቶም ብኣካላዊ መዳይ ጥዑያት ኪዀኑ እዮም። ሽዑስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ኺህሉ!
ይኹን እምበር፡ ሓው ፒርስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ዝያዳ ዜገድስ፡ ኣካላዊ ሕውየት ኣይኰነን። እቶም የሱስ ዘሕወዮም ሕሙማት፡ እንደገና ሓሚሞም እዮም። እቶም ዘተንስኦም ምዉታት እንደገና ሞይቶም እዮም። እቶም ኣዒንቶም ዝኸፈተሎም ዕዉራት እውን እንተ ዀኑ፡ እንተ ወሓደ ብሞት እንደገና ዓዊሮም እዮም። እቲ ሽዑ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝነበረ፡ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ መንፈሳዊ ሕውየት እዩ ነይሩ። ካብ ጊልዓድ እተመረቑ ሚስዮናውያን እውን፡ መንፈሳዊ ሕውየት ናይ ምፍጻም ተልእኾ ኣለዎም። ንሰባት ምስ ሰማያዊ ኣቦና ተዓሪቖም፡ መንፈሳዊ ህይወት ንኺረኽቡ ይሕግዝዎም እዮም። እቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝሓወዩ ሰባት ጥራይ እዮም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ። ሓው ፒርስ ነቶም ተመሃሮ፡ “ንኣምላኽ ውዳሰ ዜምጽኣሉ፡ እዚ መንፈሳዊ ሕውየት እዚ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትኩም ከኣ ዕዉታት ይገብረኩም” በሎም።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝጐልሐ ሰለስተ ተወሳኺ ነጥብታት
“ሰናይ መዓልቲ ኽትኰነልኩም ድያ፧” ነዛ እዋናዊት ሕቶ እዚኣ ዘቕረባ፡ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነ ሮበርት ረይንስ እዩ። ሓው ረይንስ ነቶም ተመሃሮ፡ ኣብቲ እተመደቡሉ ሃገር ምስ ከዱ፡ ንግዜኦም ብጥበብ ብምጥቃም፡ ዜጨንቕ ነገራት ኬጋጥሞም ከሎ ንቓል ኣምላኽ ብምውካስ፡ ከምኡውን ብጸሎት ኣብ የሆዋ ብምውካል፡ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰናይ መዓልቲ ኺገብርዋ ኣተባብዖም።
“ነቲ ብሉይ፡ ሓድሽ ክትገብርዎ ዲኹም፧” ኣብ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዜገልግል ማርክ ኑማር፡ ኣብ መደረኡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብምሕታት ን1 ዮሃንስ 2:7, 8 መብርሂ ሃበላ። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ “ብሉይ ትእዛዝ”ን “ሓድሽ ትእዛዝ”ን ገሊጹ ኣሎ። ክልቲአን ትእዛዛት፡ ነቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ እተዋህቦም ትእዛዝ እየን ዜመልክታ። (ዮሃንስ 13:34, 35) እቲ ትእዛዝ እቲ፡ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ትእዛዝ ስለ ዝነበረ፡ ብሉይ ኪበሃል ይከኣል እዩ። ክርስትያናት ሓድሽ ብድሆታት ምስ ኣጋጠሞም ድማ፡ ብሓድሽን ብእተማልአን መገዲ ኺፋቐሩ ስለ ዝነበሮም፡ ሓድሽ ኪበሃል ይከኣል እዩ። ሚስዮናውያን እውን ሓድሽ ኵነታት ስለ ዜጋጥሞም፡ ብሓድሽ መገድታት ፍቕሪ ንኼርእዩ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ከምዚ ንምግባር ኪሕግዞም ዚኽእል እንታይ እዩ፧
ሓው ኑማር፡ “ከምቲ እትጸልእዎ ኣይትኹኑ” ዚብል ምዕዶ ሃበ። እንጸልኦ ጠባይ እንተ ደኣ ርኢና እሞ፡ ነቲ ጠባይ እቲ እንተ ደኣ ኣንጸባሪቕናዮ፡ ከምቲ እንጸልኦ ኢና እንኸውን ዘሎና፣ እዚ ኸኣ ኪጐድኣና ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ነዚ ብድሆታት እዚ ብሓድሽ መገዲ ፍቕሪ ንሰግሮ እንተ ደኣ ዄንና፡ መንፈሳዊ ጸልማት ኣወጊድና “ብርሃን ሓቂ” ነብርህ።
“ጾርኩም ተሰከሙ።” ኣብ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዜገልግል ማይክል በርነት፡ ነዚ ግብራዊ ዝዀነ ኣርእስቲ ኣቕረበ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ርእሶም ከቢድ ጾር ዚስከሙ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዚነብሩ ሰባት ከኣ ገለጸ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ጾር ቅድሚ ምስካሞም፡ ካታ ዚበሃል ንእሽቶ እተጠቕለለ ዓለባ ኣብ ርእሶም ይገብሩ እዮም፣ እዚ ኸኣ፡ እቲ ዚስከምዎ ጾር ንኸይኵርኵሖምን ሚዛኖም ሓልዮም ብምዕሩግ ኣካይዳ ንኺጐዓዙን ይሕግዞም። ካብ ጊልዓድ እተመረቑ ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ፡ ከቢድ ሓላፍነት ይስከሙ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ምስ ካታ ኺመሳሰል ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽዑቕ ስልጠና ተዋሂብዎም እዩ። ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎምዎ፡ ሚዛኖም ሓልዮም ጾሮም ኪስከሙ እዮም።
ተመክሮታትን ቃለ መጠይቓትን
ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚወሃብ ስልጠና፡ ምስተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንካ ምግልጋል እውን የጠቓልል እዩ። ሓላው ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዀነ ዊልያም ሳሙኤልሰን፡ “ኢድካ ኣይተብኵር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ንገለ ኻብቲ እቶም ተመሃሮ ዘጋጠሞም ተመክሮ ገለጸ። (መክብብ 11:6) እቶም ተመሃሮ ኣብ ነፈርትን ኣብ ኣብያተ ምግብን ኣብ መዐደል ነዳድን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ፡ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎት ብትግሃት ይዓዩ ኸም ዝነበሩ ዜርኢ ኣዝዩ ዜደንቕ መርኣያ ኣቕረቡ። ብዘይካዚ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ፡ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ብምክፋል፡ ከምኡውን ደብዳበ ብምጽሓፍ መስኪሮም እዮም። ኢዶም ስለ ዘየብኰሩ ኸኣ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ረኺቦም እዮም።
ኣባል ኣካየድቲ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝዀነ ከነት ስቶቫል፡ ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ሰፊሕ ተመክሮ ንዘለዎም ሰለስተ ኣሕዋት ቃለ መጠይቕ ገበረሎም፣ እዚኣቶም ከኣ፡ ኣብ ኤኳዶርን ዶመኒካዊት ሪፓብሊክን ዘገልገለ ባሪ ሂል፡ ኣብ ኮት ዲቭዋር ዘገልገለ ኤዲ ሞብሊ፡ ኣብ ሰነጋልን በኒንን ሀይቲን ዘገልገለ ታብ ሃንስበርገር እዮም። ብሓባር ኰይኖም ድማ፡ ነታ፡ “ንየሆዋ ተዓዘብዎ እሞ በረኸት ዕጸዱ” ዘርእስታ መደረ ድምቀት ወሰኹላ። (ሚልክያስ 3:10) ንኣብነት፡ ሓው ሂል፡ ብዛዕባ እቲ ንሱን ሰበይቱን ኣብ ኤኳዶር ዘጋጠሞም፡ ካብ ሃሩርን ዶራንን ናብ ሃሩርን ጭቁውን ዚቀያየር ኵነታት ኣየር ኣዘንተወ። ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ካብ ሳንኬሎ ማይ እናቐድሑ ነብሶም ይሕጸቡ ኸም ዝነበሩ ኸኣ ገለጸ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ እተመደቡሉ ቦታ ኸም በረኸት የሆዋ ገይሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ካብታ ሃገር ኪወጹ ሓሲቦም ኣይፈልጡን እዮም። ሓው ሂል፡ “እቲ ዕዮ፡ ህይወትና እዩ ነይሩ” በለ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ስነ ስርዓት፡ ሓደ ኻብቶም ተመሃሮ ነቶም ተመረቕቲ ወኪሉ፡ ብዛዕባ እቲ ቤት ትምህርቲ ንዘለዎም ሞሳ እትገልጽ ልቢ እትትንክፍ ደብዳበ ኣንበበ። እታ ደብዳበ፡ “እምነትና ብዝያዳ ደልዲላ እያ፣ ኰይኑ ግና፡ ብሕጂ ብዙሕ እንዓይዮ ዕዮ ኸም ዘሎና ንፈልጥ ኢና” ትብል ነበረት። እቶም ተመሃሮ ዲፕሎማኦም ምስ ተቐበሉ፡ ናብ እተፈላለየ ሃገራት ተመደቡ። ሓው ጃክሰን ነቶም ተመሃሮ፡ ብፍላይ ኣብ መጻኢ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ንየሆዋ ኺጽበይዎ ኸም ዚኽእሉ ብምርግጋጽ፡ ነቲ ስነ ስርዓት ዛዘሞ። ኵሎም ተኣከብቲ ድማ፡ ልዑል ተስፋን ዜሐጕስ ትጽቢትን ሰኒቖም ከዱ። የሆዋ ነዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ብዙሕ ሰናይ ነገራት ኣብ ምፍጻም ከም ዚጥቀመሎም ኣየጠራጥርን እዩ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሰሌዳ/ካርታ]
ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ
9 ዝመጹለን ሃገራት
34.0 ገምጋም ዕድመ
18.6 ካብ ዚጥመቑ ዘሕለፍዎ ገምጋም ዓመታት
13.1 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት
[ካርታ]
(For fully formatted text, see publication)
እቶም ተመሃሮ ናብዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ተመዲቦም፦
ሚስዮናውያን እተመደቡለን ሃገራት
ኣርጀንቲና
ኣርመንያ
ቡርኪና ፋሶ
ቡሩንዲ
ኮንጎ (ኪንሻሳ)
ቸክ ሪፓብሊክ
ሀይቲ
ሆንግ ኮንግ
ኢንዶነዥያ
ኬንያ
ሊትወይንያ
ማለዥያ
ሞዛምቢክ
ነፖል
ፓፕዋ ኒው ጊኒ
ሩማንያ
ሰነጋል
ታንዛንያ
ኡጋንዳ
ዚምባብወ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 130 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።
(1) ዘናይዳ ሞሊና፣ ሳማንታ ባሶሊኖ፣ ክሪስቲና ኣላትሲስ፣ ኣራሰልያ ኣሮይኦ፣ ሌና ኒንዮ፣ ሸሪ መርክሊንግ፣ ሚሚ ክላርክ።
(2) ሲንዲ ሊትል፣ ስቴፋንያ ቲበዶ፣ ሶፍያ ያኮብሰን፣ ጃነት ሞሬኖ፣ ኣማንዳ ሮድሪገስ፣ ካረም ሊ፣ ሆሊ ካርደናስ፣ ሊንዳ ኣጒለር።
(3) ኣንድሬያ ክሌርቡሽ፣ ኣንድሬያ ፖሊ፣ ሲልቭያ ካልድዌል፣ ዋኒታ ኣዳሚ፣ ሽተፋኒ ሂልደብራንት፣ ኢዛቤል ሹሜከር፣ ናኦሚ ግሮመን፣ ግሪሰል ጋልቨስ።
(4) ጀሲ ክላርክ፣ ኣንቶንዮ ባሶሊኖ፣ ካት ፓካም፣ ሆርሄ ኣዳሚ፣ ማክሲን ክናኡስ፣ ማይክ ኒንዮ፣ ራሞን ሞሬኖ፣ ጄሰን ጋልቨስ።
(5) ዴቪድ ሮድሪገስ፣ ሜ ዠኒ፣ ህዋን ሞሊና፣ ኣልበርት ኣጒለር፣ ኢሲዶረስ ኣላትሲስ፣ ኣላነ ማኖ፣ ሪገን ግሮመን፣ ጀኒ ፓካም።
(6) ስቴፋን ዠኒ፣ ሚካኤል ካርደናስ፣ ሲዛር ኣሮይኦ፣ ክሪስቶፈር ማኖ፣ ጄሰን መርክሊንግ፣ ህዩ ሊ፣ ዛቭየር ክሌርቡሽ፣ ፓትሪክ ያኮብሰን።
(7) ጆኤል ሊትል፣ በርነት ሂልደብራንት፣ መታኔል ሹሜከር፣ ከንት ክናኡስ፣ ጆናታን ካልድዌል፣ ፍራንክ ቲበዶ፣ ክሊንተን ፖሊ።