ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ብዙሓት ኣንስቲ እተመርዓወን ተጻራሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረን ሰብኣይ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ዝወሰነ ስለምንታይ እዩ፧ ፓስተር ቤተ ክርስትያን ጴንጠቈስጠ ዝነበረ ሰብ፡ እምነቱ ኪቕይር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ብሕማቕ ኣተዓባብያ ዝዓበየት ርእሳ እትጸልእ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ንዝነበራ ኣሉታዊ ስምዒት ኣሰኒፋ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ ሄቪ ሜታል ዚበሃል ሙዚቃ ዚፈቱ ዝነበረ ሰብ፡ ሃይማኖታዊ ኣገልጋሊ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ ነዚ ዚስዕብ ታሪኽ ህይወት ኣንብቦ።

‘ንፉዕ በዓል ሓዳር ኰንኩ።’​—ሪጎባር ኡቶ

ዓመተ ልደት፦ 1941

መበቈል ሃገር፦ በኒን

ታሪኽ፦ ብዙሓት ኣንስቲ እተመርዓወን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጻረርን

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ በኒን ኣብ እትርከብ፡ ኮቶኑ እትበሃል ዓባይ ከተማ እየ ተወሊደ። ካቶሊክ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣዘውቲረ ኣይከይድን እየ ነይረ። ኣብቲ ዝዓበኹሉ ኸባቢ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ብሕጊ ፍቑድ ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኦም ካቶሊክ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦም። ኣነ እውን ኣርባዕተ ኣንስቲ ተመርዓኹ።

ብ1970ታት ሰውራ ምስ ተባርዐ፡ እዚ ንሃገረይ ዚጠቅም ኰይኑ ተሰምዓኒ። ነቲ ሰውራ ምሉእ ብምሉእ ደገፍክዎ፡ ኣብ ፖለቲካ ኸኣ ኣተኹ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ስለ ዝዀኑ፡ ብኣባላት ሰውራ ጽሉኣት ነበሩ። ኣነ እውን ሓደ ኻብቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ዜውርዱሎም ዝነበሩ ሰባት እየ ነይረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር፡ ብ1976 ካብታ ሃገር ምስ ተሰጕጉ፡ ፈጺሞም ከም ዘይምለሱ ርግጸኛ እየ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ እቲ ሰውራ ብ1990 ኣብቅዐ። ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሚስዮናውያን ኪቕልቀሉ ምስ ጀመሩ፡ ተገሪመ እየ። ‘ኣምላኽ ምስዞም ሰባት እዚኣቶም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፡’ ኢለ ኸኣ ሓሰብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ዝሰርሓሉ ቦታ ቐይረ ነበርኩ። ሓደ ኻብቶም መሳርሕተይ፡ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ፡ ውዓል ሕደር ከይበለ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዚኣምነሉ ነገራት ይነግረኒ ነበረ። እዚ ሰብ እዚ፡ የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ፍትሕን ምዃኑ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየኒ። (ዘዳግም 32:4፣ 1 ዮሃንስ 4:8) በዚ ባህርያት እዚ ተማረኽኩ። ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ነገራት ክፈልጥ ስለ ዝደለኹ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ዝቐረበለይ ዕደመ ተቐበልክዎ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክካፈል ጀመርኩ። በቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ተተንኪፈ እየ፣ ከመይሲ፡ ዓሌታዊ ዀነ ደርባዊ ኣፈላላይ ኣይነበረን። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናተቐራረብኩ ምስ ከድኩ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ምዃኖም ዝያዳ ነጸረለይ።​—ዮሃንስ 13:35

ንየሆዋ ኸገልግሎ እንተ ደኣ ደልየ፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ክወጽእ ከም ዘሎኒ ወሰንኩ። ‘ሰባት እንታይ ኰን ኪብሉኒ እዮም’ ብዚብል ሓሳብ እፈርህ ስለ ዝነበርኩ፡ ንውሳነይ ክትግብሮ ቐሊል ኣይነበረን። ድሕሪ ነዊሕ ግዜን ብሓገዝ የሆዋን ግና፡ ብትብዓት ካብቲ ቤተ ክርስትያን ተሰናበትኩ።

እንተዀነ ግና፡ ኣብ ህይወተይ ካልእ ዓብዪ ለውጢ እውን ክገብር ነበረኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዐይ፡ ኣምላኽ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ከም ዘይፈቅድ ተማሂረ እየ። (ዘፍጥረት 2:18-24፣ ማቴዎስ 19:4-6) ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ተቐባልነት ዝነበሮ፡ እቲ ናይ መጀመርታ መርዓይ ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ መርዓ እዚ ሕጋዊ ገበርክዎ፡ ነተን ካልኦት ኣንስተይ ከኣ ንመነባብሮ ዜድልየን ነገራት ሂበ፡ ኣፋነኽወን። ድሕሪ ግዜ፡ ክልተ ኻባታተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሰበይተይ ካቶሊክ ኰይና እኳ እንተ ቐጸለት፡ ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርክዎ ውሳነ ተኽብረለይ እያ። ንፉዕ በዓል ሓዳር ከኣ ኰንኩ፣ ሰበይተይ እውን ነዚ ትሰማምዓሉ እያ።

ንማሕበረሰበይ ብፖለቲካ ኸመሓይሽ ዚኽእል ኰይኑ ይስምዓኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ጻዕርታተይ ከንቱ ዀይኑ እዩ ተሪፉ። ሕጂ ግና፡ ንጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሕ እትኽእል፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ኽርዳእ ክኢለ እየ። (ማቴዎስ 6:9, 10) የሆዋ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘለዎ ህይወት ብኸመይ ክመርሕ ከም ዚኽእል ስለ ዘርኣየኒ አመስግኖ እየ።

‘ኣድላዪ ለውጥታት ክገብር ቀሊል ኣይነበረን።’​—ኣሌክስ ለይሞስ ሲልቫ

ዓመተ ልደት፦ 1977

መበቈል ሃገር፦ ብራዚል

ታሪኽ፦ ፓስተር ጴንጠቈስጠ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ሓደ ጫፍ እታ ኣብ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ እትርከብ ከተማ ኢቱ እየ ዓብየ። እቲ ኸባቢ እታ ኸተማ ብዙሕ ገበን ዚፍጸመሉ ቦታ እዩ ነይሩ።

ኣዝየ ዓመጸኛ፡ ብስነ ምግባር እውን ኣዝየ እተበላሸኹ ነበርኩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ንግዲ ሓሽሽ ተዋፊረ ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ እዚ ዓይነት ናብራ እዚ፡ ወይ ናብ ማእሰርቲ ወይ ናብ ሞት ኬብጽሓኒ ኸም ዚኽእል ስለ እተገንዘብኩ ኣቋረጽክዎ። ምስ ቤተ ክርስትያን ጴንጠቈስጠ ኽሓብር ጀመርኩ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ፓስተር ኰንኩ።

በቲ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዝገብሮ ኣገልግሎት ኣቢለ ንሰባት ብሓቂ ኽሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ሕሉፍ ሓሊፈ ብረድዮ ሃይማኖታዊ መደብ እውን አመሓላልፍ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብቲ ኸባቢ ተፈላጥነት ረኸብኩ። እንተዀነ ግና፡ እታ ቤተ ክርስትያን ብሓፈሻ ኽትርአ ኸላ ንድሕንነት ኣባላታ ኸም ዘይትሓሊ፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምኽባር እሞ ኸኣ ግዲ ኸም ዘይብላ በብቝሩብ ከስተብህል ጀመርኩ። እታ ቤተ ክርስትያን ዕላማኣ ገንዘብ ንምእካብ ጥራይ ምዃኑ ኣስተብሃልኩ። ካብታ ቤተ ክርስትያን ክሰናበት ከኣ ወሰንኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ሃይማኖታት እተፈልዩ ኸም ዝዀኑ፡ ሽዑ ንሽዑ ኽርኢ ኽኢለ እየ። ክልተ ነገራት ከኣ እዩ መሲጡኒ። ቀዳማይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽን ንብጻይካን ብዛዕባ ምፍቃር ይዛረቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ብተግባር የርእይዋ እዮም። ካልኣይ፡ ኣብ ፖለቲካ ወይ ኣብ ውግእ ኢዶም ኣየእትዉን እዮም። (ኢሳይያስ 2:4) እዚ ኽልተ ነገራት እዚ፡ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ ማለት ነታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ቀጣን መገዲ ኸም ዝረኸብክዋ ኣእመነኒ።—ማቴዎስ 7:13, 14

ንኣምላኽ ከሐጕሶ እንተ ደኣ ደለየ፡ ዓብዪ ለውጥታት ክገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ንስድራ ቤተይ ዝያዳ ኣቓልቦ ኽገብር ነበረኒ። ዝያዳ ትሕትና እውን የድልየኒ ነበረ። ነዚ ኣድላዪ ለውጥታት እዚ ኽገብር ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብሓገዝ የሆዋ ግና ተዓዊተ እየ። እቲ ዝገበርክዎ ለውጥታት ንሰበይተይ ኣገሪምዋ እዩ። ሰበይተይ፡ ቀዲማትኒ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ጀመረት፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ኣብ መጽናዕታ ቅልጡፍ ዕቤት ገበረት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንከውን ከም ዜድልየና ኸኣ ፈለጥና። ክልቴና ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ተጠመቕና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኣነን ሰበይተይን ንሰለስቲኦም ደቅና ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኺምስርቱ ኽንሕግዞም ብምኽኣልና ባህ እዩ ዚብለና። ሕጂ፡ ሕጕስቲ ስድራ ቤት እያ ዘላትና። ንየሆዋ ናብቲ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ስለ ዝሰሓበኒ፡ አመስግኖ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ንህይወት ሰባት ይቕይር እዩ! ኣነ ኸኣ ነዚ ዜረጋግጽ ህያው መርትዖ ዀይነ ኣለኹ።

“ንጹህን ደስ ዜብልን ህይወት እመርሕ ኣለኹ።”—ቪክቶርያ ታን

ዓመተ ልደት፦ 1957

መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ

ታሪኽ፦ ዜሕዝን ግዜ ቝልዕነት ዘሕለፈት

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒውካስል እየ ዓብየ። ብጠቕላላ ሸውዓተ ቘልዑ ኢና፡ ኣነ ኸኣ በዅሪ ገዛ እየ። ኣቦይን ኣደይን ሕሱማት እዮም ነይሮም፣ ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣቦይ ሰታይ እዩ ነይሩ። ኣደይ ትቕጥቅጠንን ትጸርፈንን ነበረት። ኵሉ ሳዕ ድማ፡ ክፍእቲ ኸም ዝዀንኩን ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዝሳቐን ትዛረበኒ ነበረት። በዚ ምፍርራህ እዚ፡ እርዕድ ነበርኩ።

ኣደይ ክትሃርመኒ ኸላ ኣካላተይ ይቘስል ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ትምህርቲ አብኵር ነበርኩ። ጓል 11 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ካብ ወለደይ ተፈልየ፡ መጀመርታ ኣብ መንግስታዊ ትካል፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ እንዳ ደናግል ተዓቘብኩ። ጓል 14 ምስ ኰንኩ፡ ካብቲ እንዳ ደናግል ሃዲመ ወጻእኩ። ናብ ገዛ ኽምለስ ስለ ዘይደለኹ፡ ኣብ ከባቢ ኸተማ ሲድኒ ኣብ ዚርከብ ጐደናታት ኪንግስ ክሮስ ክነብር ጀመርኩ።

ኣብ ጐደናታት እናነበርኩ፡ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን አዘውትር፡ ስእለ ጽዩፍ እርኢ፡ ኣብ ምንዝርና እውን እዋፈር ነበርኩ። ሓደ ኻብቲ ዘጋጠመኒ ተመክሮታት ብሓቂ ኣርዒዱኒ እዩ። እዚ ተመክሮ እዚ፡ ኣብ ሓደ ኣፓርታማ ኽሓድር ከለኹ ዘጋጠመኒ እዩ። እቲ ብዓል ኣፓርታማ፡ ክበብ ለይታዊ ትልሂት ነበሮ። ሓደ ምሸት ድማ ክልተ ሰብኡት ናብኡ መጹ። ዋና እቲ ኽበብ፡ ናብ መደቀሲ እኳ እንተ ለኣኸኒ፡ ንዝርርቦም እሰምዖ ነበርኩ። ንሱ ናብቶም ሰብኡት ክሸጠኒ እዩ ዚወዓዓል ነይሩ። ንሳቶም ከኣ ኣብ ውሽጢ መርከብ ጽዕነት ሓቢኦም፡ ናብ ጃፓን ወሲዶም፡ ኣብ ባር ኬስርሑኒ እዮም ደልዮም ነይሮም። ካብ ስምባድ እተላዕለ ኻብቲ በረንዳ ዘሊለ ሃደምኩ።

ሓደ ንኸተማ ሲድኒ ኺበጽሕ ዝመጸ ሰብኣይ ኣጓነፈኒ እሞ፡ ገንዘብ ንኺህበኒ ተስፋ ብምግባር ኵነታተይ ገለጽኩሉ። ንሱ ግና ነብሰይ ተሓጺበ ምእንቲ ኽምገብ፡ ምስኡ ናብቲ ዚሓድረሉ ቦታ ክኸይድ ዓደመኒ። ድሕሪኡ ኻብኡ ኣይተፈለኹን። ሓደ ዓመት ጸኒሕና ተመርዓና።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ እተፈላለየ ስምዒታት ይስምዓኒ ነበረ። ጠንቂ እከይ፡ ሰይጣን ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ተቘጣዕኩ፣ ከመይሲ፡ ከም እንሳቐ ዚገብረና ኣምላኽ ከም ዝዀነ እየ ተማሂረ ዓብየ። ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዘይቀጽዖም ምስ ፈለጥኩ ድማ ዓብዪ እፎይታ ተሰምዓኒ። ትምህርቲ ገሃነም እሳት ንነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዜሳቕየኒ ዝነበረ ትምህርቲ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ ውሳነታቶም ብመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምርሑ ምስ ፈለጥኩ ተገሪመ እየ። ነቲ ዚኣምኑሉ ብግብሪ የርእይዎ እዮም። ስግንጢር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ዝበልኩ እንተ በልኩ፡ ወይ ዝገበርኩ እንተ ገበርኩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍቕርን ብኣኽብሮትን እዮም ዚቐርቡኒ ነይሮም።

እቲ ዝበርትዐ ቓልሲ ዀይኑኒ ዝነበረ፡ ነቲ ዘይረብሕ ከም ዝዀንኩ ዚስምዓኒ ዝነበረ ስምዒት ምስናፍ እዩ። ነብሰይ እጸልእ ነበርኩ፣ እዚ ስምዒት እዚ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ምስ ተጠመቕኩ እውን ከይተረፈ፡ ንነዊሕ ግዜ ቐጺሉ እዩ። ንየሆዋ አፍቅሮ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንሱ ግና ንኸምዚ ኸማይ ዝበለ ሰብ ዜፍቅር ኰይኑ ፈጺሙ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ።

ካብታ እተጠመቕኩላ ዕለት፡ 15 ዓመት ዚኸውን ጸኒሐ ግና፡ ኣብ ኣተሓሳስባይ መሰረታዊ ለውጢ ገበርኩ። ሓደ ተዛራባይ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መደረ ኺህብ ከሎ፡ ያእቆብ 1:23, 24 ጠቐሰ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንቓል ኣምላኽ ምስ ሓደ መስትያት ተመሳስሎ፣ ኣብዚ መስትያት እዚ ብምርኣይ ከኣ ንገዛ ርእስና ኸምቲ የሆዋ ዚርእየና ጌርና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ርእሰይ ዘሎኒ ኣረኣእያ፡ ካብቲ የሆዋ ዚርእየኒ እተፈልየ እንተ ዀይኑ ኺሓስብ ጀመርኩ። ኣብ ፈለማ ነዚ ሓድሽ ሓሳብ እዚ ነጸግክዎ። የሆዋ ኼፍቅረኒ ምጽባይ ዘይከውን ነገር ኰይኑ ተሰምዓኒ።

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ንህይወተይ ዝለወጠት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበብኩ። እታ ጥቕሲ፡ ኢሳይያስ 1:18 ኽትከውን ከላ፡ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ፡ “ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ . . . ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ” ከም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ። የሆዋ፡ “ምጺ እሞ ቪኪ፡ ንሓድሕድና ንማጐት፡ እፈልጠኪ እየ፡ ንሓጢኣትኪ እፈልጦ እየ፡ ንልብኺ እፈልጦ እየ፡ አፍቅረኪ ድማ እየ” ብምባል ይዛረበኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኸይደቀስኩ እየ ሓዲረ። ሽዑ እውን እንተ ዀነ የሆዋ ኼፍቅረኒ ዚኽእል ምዃኑ ጥርጣረ እኳ እንተ ሓደረኒ፡ ብዛዕባ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ክሓስብ ጀመርኩ። ሽዑ፡ የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ከም ዜፍቅረኒ እናኣርኣየኒ፡ ንነዊሕ እዋን ከም እተዓገሰኒ ኣስተውዓልኩ። ኣነ ግና፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ “ፍቕርኻ ኣባይ ኪበጽሕ ዓቕሚ የብሉን። መስዋእቲ ወድኻ ኺሽፍነኒ ኣይክእልን እዩ” እየ ዝብሎ ነይረ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ነቲ በጃ ኣይተቐበልክዎን’ እየ ዝብሎ ነይረ። ሕጂ ግና፡ ኣብዚ ውህበት በጃ ብምስትንታን፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ኺስምዓኒ ጀመረ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ካብ ዚደቍስ ስምዒት ተገላጊለ፡ ንጹህን ደስ ዜብልን ህይወት እመርሕ ኣለኹ። ሓዳረይ ተመሓየሸ፡ ተመክሮታተይ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክጥቀመሉ ብምኽኣለይ ከኣ ሕጕስቲ እየ። ናብ የሆዋ ብዝያዳ ዝቐረብኩ ዀይኑ ድማ ይስምዓኒ ኣሎ።

‘እዚ መልሲ ጸሎተይ እዩ።’—ሰርጌ ቦታንኪን

ዓመተ ልደት፦ 1974

መበቈል ሃገር፦ ሩስያ

ታሪኽ፦ ሄቪ ሜታል ዚበሃል ሙዚቃ ዚፈቱ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ፕዮተር ኢሊች ቺኮፍስኪ እተባህለ ውሩይ ደራሲ ሙዚቃ እተወልደላ ኸተማ ቮትኪንስክ እየ ተወሊደ። ስድራ ቤትና ድኻ እያ ነይራ። ኣቦይ ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት እኳ እንተ ነበሮ፡ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ስለ ዝነበሮ ኣብ ቤትና ወትሩ ውጥረት ነበረ።

ንፉዕ ተመሃራይ ስለ ዘይነበርኩ፡ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ንርእስኻ ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ ስምዒት ኣማዕበልኩ። ርእሰይ ከግልልን ንሰባት ክጥርጥርን ጀመርኩ። ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኣዝዩ የጨንቐኒ ነበረ። ንኣብነት፡ ጸብጻብ ከቕርብ ከለኹ፡ ኣብ ካልእ ግዜያት ክገልጾ ዝኽእል ዝነበርኩ መሰረታዊ ሓሳባት እውን ከይተረፈ፡ ምግላጹ የሸግረኒ ነበረ። ሻምናይ ክፍሊ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ሰርቲፊኬተይ፡ “ብዙሕ ቃላት ዘይፈልጥ፡ ሓሳባቱ ኺገልጽ ዘይክእል” ዚብል መግለጺ ተጻሕፈ። እዚ ቓላት እዚ ደቘሰኒ፡ ፈጺመ ዘይረብሕ ከም ዝዀንኩ ኸኣ ተሰምዓኒ። ድሕርዚ፡ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ከስተንትን ጀመርኩ።

ኣብ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣልኮላዊ መስተ ኽሰቲ ጀመርኩ። ኣብ መጀመርታ፡ መስተ ኽሰቲ ኸለኹ ጽቡቕ ይስምዓኒ ነበረ። ብዙሕ ክሰቲ ኸለኹ ግና፡ ሕልናይ ይወቕሰኒ ነበረ። ህይወተይ ትርጕም ዘይብላ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ዝያዳ ኺድቈስ ስለ ዝጀመርኩ፡ ሓድሓደ ግዜ ንብዙሕ መዓልትታት ካብ ገዛይ ኣይወጽእን እየ ነይረ። ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት እውን ክሓስብ ጀመርኩ።

ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሓድሽን ግዝያውን ዕረፍቲ ረኸብኩ። ሄቪ ሜታል እተባህለ ሙዚቃ ኽሰምዕ ጀመርኩ። እቲ ሙዚቃ ሓይሊ ይህበኒ ነበረ፣ ነዚ ሙዚቃ እዚ ንዚሰምዑ ሰባት ከኣ ከናዲ ጀመርኩ። ጸጕረይ ኣንዋሕኩ፡ ኣእዛነይ ተሰቘርኩ፡ እቶም ዘድንቖም ሙዚቀኛታት ዚኽደንዎ ኣከዳድና ድማ እኽደን ነበርኩ። በብቝሩብ ከኣ ግዲ ዘይብሉን ቍጡዕን ሰብ ኰንኩ፡ ምስ ስድራ ቤተይ ድማ ወትሩ እከራኸር ነበርኩ።

ሄቪ ሜታል እተባህለ ሙዚቃ፡ ሓጐስ ዜምጽኣለይ ኰይኑ ተሰሚዑኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣንጻሩ እዩ ኣጋጢሙኒ። ባህርያተይ ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚቕየር ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ዘድንቖም ዝነበርኩ ውሩያት ሙዚቀኛታት ሕማቕ ምስ ሰማዕኹ፡ እተጠለምኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

እንደገና ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት ክሓስብ ጀመርኩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ቘሪጸ ነበርኩ። ርእሰ ቕትለት ከይፍጽም ዝዓገተኒ፡ እቲ ኣብ ኣደይ ኬሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ ስለ ዘተሓሳሰበኒ ጥራይ እዩ። ኣደይ ኣዝያ ተፍቅረኒ ስለ ዝነበረት፡ ብዙሕ ነገራት ገይራትለይ እያ። ስለዚ፡ ኣብ ከቢድ መቐራቕሮ ወደቕኩ። ብህይወት ክነብር እኳ እንተ ዘይደለኹ፡ ነብሰይ ክቐትል ግና ኣይከኣልኩን።

ንነብሰይ ምእንቲ ኸረሳስዕ፡ ያታዊ ጽሑፋት ሩስያ ኸንብብ ጀመርኩ። ሓደ ኻብቲ ዛንታታት፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዜገልግል ዝነበረ ጅግና ዚገልጽ እዩ። ነዚ ዛንታ እዚ ምስ ኣንበብኩ፡ ንኣምላኽን ንሰባትን ሓደ ነገር ክገብር ዘሎኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ቅድሚ ሕጂ ገይረዮ ዘይፈልጥ ነገር ከኣ ገበርኩ፣ ንኣምላኽ ብጸሎት ናይ ልበይ ኣፍሰስኩሉ። ዕላማ ዘለዎ ህይወት ብኸመይ ክነብር ከም ዘሎኒ ንኼርእየኒ ንኣምላኽ ለመንክዎ። ክጽሊ ኸለኹ፡ ብዜደንቕ መገዲ እፎይታ ረኸብኩ። ዝያዳ ዜደንቕ ግና፡ እቲ ቐጺሉ ዜጋጠመኒ ነገር እዩ። ልክዕ ድሕሪ ኽልተ ሰዓት፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ማዕጾይ ኳሕኲሓ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ዕድመ ኣቕረበትለይ። እዚ መልሲ ጸሎተይ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓድሽን ሓጐስ ዘለዎን ህይወት ኬስተማቕር ዝጀመርኩላ መዓልቲ እያ ነይራ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ንዅሉ እቲ ምስ ሙዚቃ ሄቪ ሜታል እተተሓሓዘ ዘጥረኽዎ ነገራት ጐሓፍክዎ፣ ነዚ ስጕምቲ እዚ ምውሳድ ግና ቐሊል ኣይነበረን። እቲ ሙዚቃ፡ ምስ ጐሓፍክዎ እውን ከይተረፈ፡ ንነዊሕ ግዜ ኻብ ኣእምሮይ ኣይወጸን። እቲ ሙዚቃ ኣብ ዚስምዓሉ ኸባቢ ኺሓልፍ ከለኹ፡ ሽዑ ንሽዑ ሕሉፍ ታሪኸይ ትዝ ይብለኒ። ነቲ ሕማቕ ተዘክሮታት ምስቲ ሕጂ ኣብ ኣእምሮይን ልበይን ሰሪጹ ዘሎ ጽቡቕ ነገራት ክሓዋውሶ ኣይደለኹን። ስለዚ፡ በቲ እቲ ሙዚቃ ዚስምዓሉ ኸባቢ ኸይሓልፍ ቈራጽነት ገበርኩ። እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ፡ ትዝ ክብለኒ ኸሎ ልባዊ ጸሎት እየ ዘቕርብ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ከስተማቕር ሓጊዙኒ እዩ።—ፊልጲ 4:7

መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከለኹ፡ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ዚኣምኑሉ ነገራት ንሰባት ኪነግሩ ግዴታ ኸም ዘለዎም ፈለጥኩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ‘ነዚ እኳ ፈጺመ ኽገብሮ ኣይክእልን እየ’ ኢለ ሓሰብኩ። ምስናይዚ ግና፡ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ሓድሽ ነገራት ዓብዪ ሓጐስን ውሽጣዊ ሰላምን ኣምጽኣለይ። ካልኦት ሰባት እውን ነዚ ሓቅታት እዚ ኺመሃርዎ ኸም ዘለዎም ፈለጥኩ። እፈርህ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ነገራት ክነግሮም ጀመርኩ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ምንጋረይ ምትእምማን ኣሕደረለይ፣ ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ሓቂ ኣብ ልበይ ከም ዚሰርጽ እውን ገበረ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ ተመርዕየ፡ ዜሐጕስ ሓዳር መስሪተ ኣሎኹ። ንእተፈላለዩ ሰባት፡ እንተላይ ንሓብተይን ንኣደይን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃሩ ኽሕግዞም ብምኽኣለይ ከኣ ሕጉስ እየ። ንኣምላኽ ምግልጋለይ፡ ንሰባት ከኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ምሕጋዘይ ንህይወተይ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገበራ።