ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቈልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ኣለዎምዶ፧

ቈልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ኣለዎምዶ፧

ቈልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ኣለዎምዶ፧

“ንሓድሕድና ኸም እንፋቐር ዚገብረና ሃይማኖት ደኣ እዩ ዘይብልና እምበር፡ ከም እንጻላእ ዚገብረናስ ኣሎ።”​—ጆናታን ስዊፍት፡ እንግሊዛዊ ደራሲ።

ስዊፍት ከምዚ ኢሉ እተዛረበ ኣብ መበል 18 ዘመን እኳ እንተ ነበረ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ግና ምስኡ ይሰማምዑ እዮም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ኣብ ሃይማኖታውያን ስድራ ቤት ዚዓብዩ ቘልዑ ብገለ መገዲ ዚሽገሩ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህርዎም ከም ዘይብሎም እዮም ዚኣምኑ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ካብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓሳባት፡ ኣየናይ እዩ ርትዓዊ፧

● ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺምህርዎም ኪፍቀደሎም የብሉን።

● ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኬዘራርብዎም ዘለዎም፡ ምስ ዓበዩ እዩ።

● ወለዲ ንደቆም፡ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ኪምህርዎም ኣለዎም። ደቆም እናጐበዙ ኣብ ዚኸዱሉ እዋን ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ባዕሎም ኣመዛዚኖም ንኺሓስቡ ኼተባብዕዎም ኣለዎም።

● ቈልዑ ንእምነት ወለዶም ብዘይ ሕቶ ኪቕበልዎ ኣለዎም።

ሃይማኖት ንቘልዑ ይጐድኦም ድዩ፧

ንውሉዱ ኺጐድእ ዚደሊ ፈቃር ወላዲ የልቦን። ኰይኑ ግና፡ ነቶም ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህርዎም ዘይደልዩ ሰባት ዚድግፍ መርትዖ ኣሎዶ፧ ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ እቲ ሃይማኖት ወለዲ ኣብ ቈልዑ ዜሕድሮ ጽልዋ ብሰፊሑ ኣጽኒዖም እዮም። እሞኸ ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ በጽሑ፧

ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ ሃይማኖት ኣብ ዕቤት ሓደ ቘልዓ ጠቓሚ ጽልዋ ደኣ እምበር፡ ጐዳኢ ጽልዋ ኣየሕድርን እዩ። ብ2008 ሶሻል ሳይንስ ሪሰርች * እትበሃል መጽሔት፡ “ሃይማኖት ነቲ ኣብ መንጎ ኣዴታትን ኣቦታትን ምስ ደቆም ዘለዎም ርክብ ኣመሓይሽዎ እዩ” ዚብል ጸብጻብ ሒዛ ወጺኣ ነበረት። እቲ ጸብጻብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሃይማኖትን መንፈሳውነትን ኣብ ህይወት ብዙሓት ቈልዑ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ እዩ ዚመስል፡ ንርክብ ስድራ ቤት እውን ኣድላዪ እዩ” በለ። እዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ፡ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” ዚብል ቃላት ይሰማማዕ እዩ።​—ማቴዎስ 5:3NW።

ቈልዑ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ሃይማኖትን ዚገልጽ ትምህርቲ ምስ ዓበዩ ኼርክቡሉ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር ሓሳብከ፧ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣእምሮ ቘልዑ ልክዕ ከም ጥርሑ ሰንኬሎ ምዃኑ ኣብ ግምት ዜእቱ ኣይኰነን። ብሓቂ እምበኣር፡ ወለዲ ኽልተ ምርጫ እዩ ዘለዎም፣ ነቲ “ሰንኬሎ” በቲ ግቡእ ኢሎም ዝሓሰብዎ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን እምነትን ኣብ ቤቶም ኪመልእዎ ይኽእሉ እዮም፣ ወይ ከኣ ኣእምሮን ልብን እቲ ቘልዓ በቲ ኻብ ቤት ወጻኢ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ሓሳባት ኪምላእ ከሎ ስቕ ኢሎም ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም።

ምስጢሩ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

ሃይማኖት፡ ምትህልላኽን ጽልእን ኬለዓዕል ከም ዚኽእል ኣብ ታሪኽ ተራእዩ እዩ። እሞኸ ወለዲ ኸምቲ ጆናታን ስዊፍት ዝበሎ ምእንቲ ኸይከውን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ንደቆም፡ ንኻልኦት ሰባት ከም ዚፈትዉ ዚገብሮም ትምህርቲ ኺምህርዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

እቲ ምስጢር ኣብ መልሲ እዘን ዚስዕባ ሕቶታት እዩ ዘሎ፦ (1) ቈልዑ እንታይ እዮም ኪመሃሩ ዘለዎም፧ (2) መን እዩ ኺምህሮም ዘለዎ፧ (3) ኣየናይ ሜላ ኣመሃህራ እዩ ብዝበለጸ ዚዓዪ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 11 እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ልዕሊ 21,000 ዝዀኑ ቘልዑን ወለዶምን መምህራኖምን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እተመርኰሰ እዩ።