ኣምላኽ ኣብ ሓደ ቦታ ድዩ ዚነብር፧
ሕቶታት ኣንበብትና
ኣምላኽ ኣብ ሓደ ቦታ ድዩ ዚነብር፧
▪ እተፈላለያ ሃይማኖታት ንኣምላኽ ብሓንሳእ፡ ኣብ ኵሉ ኺርከብ ከም ዚኽእል ገይረን እየን ዚገልጻኦ። ንኣብነት፡ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ንኣምላኽ፡ ‘ኣብ ኵሉ ቦታታትን ነገራትን ከም ዚርከብ’ ገይራ ገሊጻቶ ኣላ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ቤተ ክርስትያን ሜቶዲስት ዝመስረተ ጆን ዌስሊ፡ ኣብቲ፡ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ኵሉ ዚርከብ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ንስብከት ዚኸውን ጽሑፉ፡ “ኣብ ውሽጢ ፍጥረት ይኹን ካብ ፍጥረት ወጻኢ፡ ኣምላኽ ዘይነብረሉ ቦታ የለን” በለ።
መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ኣምላኽ ብሓንሳእ ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ማለት ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ ደቂ ሰብ እውን ከይተረፈ ዚነብር ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ፍሉይ መንበሪ ኸም ዘለዎ፡ እዚ ኸኣ ሰማያት ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። ንጉስ ሰሎሞን ንኣምላኽ፡ “ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ” ኢሉ ኸም ዝለመኖ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ነገስት 8:43) የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ኪምህሮም ከሎ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ኺብሉ ነጊርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስቶስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና ናብኣ ናብታ ሰማይ አተወ” ብምባል ይገልጽ።—እብራውያን 9:24።
እዚ ጥቕስታት እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ቦታ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማይ ጥራይ ከም ዚነብር እዩ ኣነጺሩ ዚገልጽ። እቲ ኣብዚ “ሰማያት” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ምድርና ዘሎ ሃዋህው ኰነ፡ ነቲ ኣብ ጠፈር ዘሎ ሰፊሕ ቦታ ኣየመልክትን እዩ። እዚ ተፈጥሮኣዊ ሰማያት እዚ፡ ነቲ ፈጣሪ ዩኒቨርስ ኪሕዞ ኣይክእልን እዩ። (1 ነገስት 8:27) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ይብለና። (ዮሃንስ 4:24) ኣምላኽ፡ ኣብቲ ኻብዚ ተፈጥሮኣዊ ሰማያት እተፈልየ፡ መንፈሳዊ ሰማያት እዩ ዚነብር።—1 ቈረንቶስ 15:44።
ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚነብር ዚእምት ዚመስል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ንኣብነት፡ ከምቲ ኣብ መዝሙር 139:7-10 ተገሊጹ ዘሎ፡ ዳዊት ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ” በለ። እዚ፡ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ እቲ እተጠቕሰ ቦታታት ከም ዚነብር ዚሕብር ድዩ፧
ዳዊት ፈለማ፡ “ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፧” ኢሉ ኸም ዝሓተተ ኣስተብህል። * ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ናብ ሓደ ቦታ ምኻድ ወይ ኣብቲ ቦታ ምንባር ከየድለዮ፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንዝዀነ ይኹን ነገራት ኪርኢ፡ ንሓይሉ ኸኣ ኣብ ኵሉ ቦታታት ኪልእኽ ይኽእል እዩ። ንመረዳእታ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብታ ኻብ ምድሪ ሚልዮናት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትርከብ ማርስ፡ ሓመድ ኪምርምሩ ኽኢሎም እዮም። ብኸመይ፧ ባዕላቶም ናብ ማርስ ብምኻድ ዘይኰነስ፡ እታ ናብ ማርስ እተላእከት ሓበሬታ እተመሓላልፍ ሳተላይት ንእትሰደሎም ዝርዝር ስእልታትን ካልእ ሓበሬታታትን ብምጽናዕ እዩ።
ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዩኒቨርስ ብዛዕባ ዜጋጥም ነገራት ንኺርኢ ኢሉ ኣብ ኩሉ ቦታ ኺነብር ኣየድልዮን እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን” ይብል። (እብራውያን 4:13) እወ፡ እቲ ንጡፍ ሓይሊ የሆዋ፡ ወይ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ኺበጽሕ ስለ ዚኽእል፡ የሆዋ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ማለት፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዚርከብ “ቅዱስ ማሕደር” ኰይኑ፡ ኵሉ ነገራት ኪርእን ዕላማኡ ኺፍጽምን ይኽእል እዩ።—ዘዳግም 26:15።
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 8 እታ ኣብዚ “መንፈስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ነቲ ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ዚጥቀመሉ ንጡፍ ሓይሉ እያ እተመልክት።
[ኣብ ገጽ 27 ምንጪ ስእሊ]
IAC/RGO/David Malin Images