ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓሶት ተኸስሰ

ብሓሶት ተኸስሰ

ንመንእሰያት

ብሓሶት ተኸስሰ

ዮሴፍ​—2ይ ክፋል

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ ባህርያት፦ ዮሴፍ፡ ጶጢፋር፡ ሰበይቲ ጶጢፋር

ጽማቝ፦ ዮሴፍ ብዘይፍትሓዊ መገዲ እኳ እንተ ተኣስረ፡ የሆዋ ግና ምስኡ ነበረ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።​—ዘፍጥረት 39:7, 10-23 ኣንብብ።

ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ብሓሶት ክትከስሶ ኸላ፡ ኣብ ድምጻ እንታይ ስምዒት ዚንጸባረቕ ዝነበረ ይመስለካ፧

_______

እቲ ቤት ማእሰርቲ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ።

______

ዮሴፍ ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወ፡ እንታይ ኵነታት ዜሕልፍ ዝነበረ ይመስለካ፧ (ኣፋፍኖት፦ መዝሙር 105:17, 18 ርአ።)

_______

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

እምነት ዮሴፍ ድኽምቲ እንተ ትኸውን ነይራ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ኣብ ምንታይ ግጉይ መደምደምታ እዩ ኺበጽሕ ዚኽእል ነይሩ፧ (ኣፋፍኖት፦ እዮብ 30:20, 21 ርአ።)

_______

ዮሴፍ ብምኽንያት እቲ ዝወረዶ መከራ ንየሆዋ ኸም ዘይወቐሶ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ኣፋፍኖት፦ ዘፍጥረት 40:8፣ 41:15, 16 ርአ።)

_______

ዮሴፍ ብዘይፍትሓዊ መገዲ እኳ እንተ ተኣስረ፡ ንኺጸንዕ ዝሓገዞ ባህርያት እንታይ ይመስለካ፧ (ኣፋፍኖት፦ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ኣንቢብካ ኣስተንትነሉ፦ ሚክያስ 7:7፣ ሉቃስ 14:11፣ ያእቆብ 1:4 ርአ።)

_______

ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ እንታይ ስልጠና እዩ ረኺቡ፧ እዚ ስልጠና እዚ ኣብ ህይወቱ ዝጠቐሞኸ ብኸመይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ ዘፍጥረት 39:21-23፣ 41:38-43 ርአ።)

_______

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

እቶም ዚጸንዑ ሰባት ብዛዕባ ዚረኽብዎ ጥቕምታት።

_______

መከራ እናኣጋጠመካ ኽነሱ ብዛዕባ እትረኽቦ ስልጠና።

_______

የሆዋ ኣብ ግዜ ፈተና ብዛዕባ ዚህቦ ደገፍ።

_______

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

እተጨነቕካን እተገለልካን ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ሽዑ የሆዋ ዝሓገዘካ ብኸመይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ 1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንቢብካ ኣስተንትን።)

_______

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

_______

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ