ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ንኺምግቦም ብሪኒጎታት ዝመረጸ ስለምንታይ እዩ፧

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣምላኽ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ብዙሓት ብርኒጎታት ብምሃብ መገቦም።​—ዘጸኣት 16:13፣ ዘሁልቍ 11:31

ብርኒጎታት፡ ኣስታት 18 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓተን፡ 100 ግራም ከኣ ዝኽብደተን ንኣሽቱ ኣዕዋፍ እየን። ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋላት ምዕራባዊ እስያን ኤውሮጳን ከኣ እየን ዚፋረያ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚንቀሳቐሳ ኣዕዋፍ ስለ ዝዀና፡ ንቘራሪ ወቕቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ምድሪ ዓረብን እየን ዜሕልፋኦ። ብዕስለ ዀይነን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ዚጐዓዛሉ እዋን፡ ብምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ መዲተራነያንን ብልዕሊ ሓውሲ ደሴት ሲናን እየን ዚሓልፋ።

ብመሰረት ዘ ኒው ዌስትሚኒስተር ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል፡ ብርኒጎታት “ብንፋስ እናተሓገዛ፡ ብቕልጣፈን ብስርዓትን እየን ዚነፍራ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ንፋስ ኣንፈቱ እንተ ቐዪሩ ወይ እተን ኣዕዋፍ ካብ ነዊሕ ጕዕዞ እተላዕለ እንተ ደኺመን፡ ብምሉአን እተን ዕስለ ኣብ መሬት ይወድቃን ይፈዝዛን እየን።” እንደገና ጕዕዞአን ቅድሚ ምቕጻለን፡ ንሓደ ወይ ንኽልተ መዓልቲ ኼዕርፋ ስለ ዘለወን፡ ብቐሊሉ ብሃደንቲ ይተሓዛ። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ግብጺ ኣብ ዓመት ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ንምግቢ ዚዀና ብርኒጎታት ንወጻኢ ትልእኽ ነበረት።

እቲ እስራኤላውያን ብርኒጎታት ዝበልዑሉ ኽልቲኡ ኣጋጣሚ፡ ኣብ እዋን ጽድያ እዩ ነይሩ። ብርኒጎታት ኣብዚ ግዜ እዚ ብሲና ይሓልፋ እኳ እንተ ዀና፡ ‘ብንፋስ’ ገይሩ ናብ ሰፈር እስራኤላውያን ከም ዝመጻ ዝገበረን ግና የሆዋ እዩ ነይሩ።​—ዘሁልቍ 11:31

እቲ ኣብ ዮሃንስ 10:22 ተጠቒሱ ዘሎ “በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ” እንታይ እዩ ነይሩ፧

እቲ ኣምላኽ ንኣይሁድ ኬብዕልዎ ዝኣዘዞም ሰለስተ በዓላት፡ ማለት በዓል ቅጫ፡ በዓል ሓምሳ፡ ከምኡውን በዓል ምእካብ ወይ ምትሕሳስ፡ ብመሰረት ኣቈጻጽራ እስራኤላውያን፡ ኣብ መጀመርታ ጽድያን ኣብ መወዳእታ ጽድያን ኣብ ቀውዕን እዩ ዚበዓል ነይሩ። እቲ ኣብ ዮሃንስ 10:22 ተጠቒሱ ዘሎ በዓል ግና፡ ነቲ ብ165 ቅ.ክ. እተገብረ ምሕዳስ ቤተ መቕደስ የሆዋ ንምዝካር ተባሂሉ፡ ኣብ “ክረምቲ” እዩ ዚበዓል ነይሩ። እዚ በዓል እዚ፡ ካብ ዕለት 25 ወርሒ ከስለው ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልቲ እዩ ዚኽበር ነይሩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ቐትሪ ዚሓጽረሉን ለይቲ ዚነውሓሉን ግዜ እዩ ዚኽበር ነይሩ ማለት እዩ። ብኸመይ እዩ ግና ኺበዓል ጀሚሩ፧

ብ168 ቅ.ክ. ኣንቲዮከስ ራብዓይ (ኢፒፋነስ) ዝስሙ ኻብ ስርወ ንግስነት ሰሉከስ ዝዀነ ሶርያዊ ንጉስ፡ ንኣምልኾን ልምድን ኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ መሰውኢ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ኣረማዊ መሰውኢ ሃነጸ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ዙስ ዚበሃል ኣምላኽ ግሪኽ ሰውኣሉ።

እዚ ተግባር እዚ ንሰውራ መቃባውያን ኣለዓዓሎ። እቲ ኣይሁዳዊ መራሒኦም ዝነበረ ይሁዳ መቃቢ ኸኣ ምስ እንዳ ሰሉከስ ተዋጊኡ ንየሩሳሌም መሊሱ ተቘጻጸራ፣ ነቲ ርኹስ መሰውኢ ኣፍሪሱ ድማ ሓድሽ መሰውኢ ሃነጸ። እቲ ናይ መጀመርታ መሰውኢ ኻብ ዚረክስ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ይሁዳ ነቲ ዝነጽሀ ቤተ መቕደስ የሆዋ እንደገና ሓደሶ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ፡ ኣይሁድ ን“በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ” (ብእብራይስጢ ቻኑካህ) ኣብ ታሕሳስ የብዕልዎ ኣለዉ። ሎሚ እቲ በዓል፡ ሃኑካህ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ምስሊ ይሁዳ መቃቢ፡ ልዮን፡ 1553

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

From the book Wood’s Bible Animals. 1876