ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ንዚለዓል ዓሰርተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ

ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ንዚለዓል ዓሰርተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ

ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ንዚለዓል ዓሰርተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ

1 እቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ዝፈጸምዎ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት፡ ጾታዊ ርክብ ድዩ ነይሩ፧

▪ መልሲ፦ ብዙሓት ሰባት፡ እታ ኣብ ገነት ኤድን ዝነበረት እተኸልከለት ኦም ንጾታዊ ርክብ እተመልክት ይመስሎም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኸምኡ ኢሉ ኣይምህርን እዩ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ገና ሄዋን ከይተፈጥረት ከላ፡ ኣምላኽ ንኣዳም፡ “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ከይበልዕ ኣዚዝዎ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 2:15-18) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣዳም በይኑ ስለ ዝነበረ፡ እቲ እተዋህቦ ትእዛዝ ንጾታዊ ርክብ ዚምልከት ኣይኰነን ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” ብምባል፡ ንጹር መምርሒ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) እሞኸ እቲ ፈቃር ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ‘ንምድሪ ኺመልእዋ’ ኣዚዝዎም ኬብቅዕ፡ እዚ ኸኣ ጾታዊ ርክብ ከም ዜጠቓልል እናፈለጠ፡ ነቲ ትእዛዙ ስለ ዘኽበርዎ ብሞት ምፈረዶምዶ፧​—1 ዮሃንስ 4:8

ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሄዋን በይና ኸላ እያ ‘ኻብ ፍረ እታ እተኸልከለት ኦም ወሲዳ ዝበልዐት፣’ ድሕሪኡ ‘ንሰብኣያ ሃበቶ፡ ንሱውን በልዐ።’​—ዘፍጥረት 3:1-6

ኣዳምን ሄዋንን፡ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻሞምን ቈልዑ ብምውላዶምን ኣይተወቕሱን። (ዘፍጥረት 4:1, 2) ስለዚ እምበኣር፡ እታ ኣዳምን ሄዋንን ዝበልዕዋ ፍረ፡ ንጾታዊ ርክብ እተመልክት ዘይኰነትስ፡ ቃል ብቓሉ ኣብ ኦም ዝፈረየት ፍረ እያ ነይራ።

2 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጾታዊ ባህታ ይኽልክል ድዩ፧

▪ መልሲ፦ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ፡ ኣምላኽ ንሰባት ኪፈጥሮም ከሎ፡ “ተባዕታይን ኣንስተይትን” ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም ትሕብር እያ። ኣምላኽ ከኣ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:27, 31) ጸኒሑ፡ ኣምላኽ ንሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ ንሰብኣይ ዚኸውን መምርሒ ኸም ዚጽሕፍ ገበሮ፣ እቲ መምርሒ፡ “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። . . . እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ” ዚብል እዩ ነይሩ። (ምሳሌ 5:18, 19) እሞኸ እዚ ሓሳብ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጾታዊ ባህታ ኸም ዚኽልክል ዚሕብር ድዩ፧

ኣምላኽ ንጾታዊ ኣካላት ዝፈጠረሉ ምኽንያት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንኺፋረዩ ኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኽልቲኦም ባህታ ኼምጽእ ብዚኽእል መገዲ ፍቕሮም ንኺገላለጹ ኢሉ እውን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ እቶም ልባውን ዓሚቝን ርክብ ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ዜድልዮም ነገራት ዜማልእ እዩ።

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዘይተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ኪነብሩ ይፈቅድ ድዩ፧

▪ መልሲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ ‘ኣምላኽ ንኣመንዝራታት ከም ዚፈርዶም’ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 13:4) እታ ንምንዝር እተመልክት ፖርኒያ እትበሃል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ሰፊሕ ትርጕም እዩ ዘለዋ፣ ነቲ ንሓድሕዶም ዘይተመርዓዉ ሰባት ዚገብርዎ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ጾታዊ ኣካላት ድማ ተመልክት። * ስለዚ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን፡ ዋላ እኳ ጸኒሖም ኪምርዓዉ እንተ ሓሰቡ፡ ብሓባር ኪነብሩ ኣይክእሉን እዮም።

ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ኣዝዮም ዚፋቐሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣምላኽ ግና፡ ቅድሚ ምምርዓዎም ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ኣይፈቕደሎምን እዩ። ናይ ምፍቃር ተኽእሎ ኸም ዚህልወና ገይሩ ዝፈጠረና፡ ኣምላኽ እዩ። ቀንዲ ባህርይ ኣምላኽ እውን እንተ ዀነት፡ ፍቕሪ እያ። ስለዚ፡ ከምቲ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ዚግለጽ፡ እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ኸም ዘለዎም ንኺገልጽ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ።

4 ድርብ መውስቦ ተቐባልነት ኣለዎዶ፧

▪ መልሲ፦ ኣምላኽ ንእተወሰነ እዋን፡ ድርብ መውስቦ ኺህሉ ፈቒዱ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 4:19፣ 16:1-4፣ 29:18–30:24) ኰይኑ ግና፡ ንሱ ኣይኰነን ጀሚርዎ። ንኣዳም ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ እዩ ሂብዎ።

ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ፡ ነቲ ንንጽል መውስቦ ብዚምልከት ዘውጸኦ ናይ መጀመርታ ስርዓት እንደገና ኸም ዚዕየየሉ ገበረ። (ዮሃንስ 8:28) የሱስ ብዛዕባ መርዓ ምስ ተሓትተ፡ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ” ኢሉ መለሰ።​—ማቴዎስ 19:4, 5

ጸኒሑ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 7:2) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝዀነ ይኹን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉይ ሓላፍነት ዚወሃቦ ሰብኣይ፡ “ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” ኪኸውን ከም ዘለዎ እዩ ዚገልጽ።​—1 ጢሞቴዎስ 3:2, 12

5 ሰብ ሓዳር፡ መከላኸሊ ጥንሲ ኺጥቀሙ ጌጋ ድዩ፧

▪ መልሲ፦ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ቈልዑ ኺወልዱ ኣይኣዘዞምን። ደቀ መዛሙርቱ የሱስ እውን እንተ ዀኑ፡ ከምኡ ዓይነት መምርሒ ኣይሃቡን። ንመከላኸሊ ጥንሲ ዚዅንን ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና።

ስለዚ፡ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር፡ ቈልዑ ናይ ምውላድን ናይ ዘይምውላድን መሰል ኣለዎም። ክንደይ ከም ዚወልዱን መዓስ ከም ዚወልዱን እውን ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ሰብ ሓዳር፡ ምንጻል ጥንሲ ዘየስዕብ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ንኺጥቀሙ እንተ መሪጾም፡ እዚ ጕዳይ እዚ ብሕታዊ ውሳነ ስለ ዝዀነን ባዕላቶም ስለ ዚሕተቱሉን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኪፈርዶም ኣይግባእን እዩ። *​—ሮሜ 14:4, 10-13

6 ምንጻል ጥንሲ ጌጋ ድዩ፧

▪ መልሲ፦ ኣምላኽ ንህይወት ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮ፡ ንድቂ እውን እንተ ዀነ፡ ከም ህያው ሰብ ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። (መዝሙር 139:16) ኣምላኽ፡ ንሓደ ዘይተወልደ ሕጻን ዝጐድአ ውልቀ ሰብ ኪቕጻዕ ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ምንጻል ጥንሲ ኸም ቅትለት ጌርካ እዩ ዚርአ።​—ዘጸኣት 20:13፣ 21:22, 23

ኰይኑ ግና፡ ብምኽንያት ኣብ እዋን ሕርሲ ዜጋጥም ሃንደበታዊ ዅነታት፡ ህይወት እታ ኣደ ወይ ህይወት እቲ ሕጻን ኣብ ሓደጋ እንተ ኣተወኸ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ንህይወት መን ኬድሕኑ ኸም ዘለዎም ኪውስኑ ኣለዎም። *

7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሕ ይፈቅድ ድዩ፧

▪ መልሲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሕ ይፈቅድ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ ንፍትሕ ዚኸውን ግቡእ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኺጠቅስ ከሎ፡ “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት [ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ] ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ” በለ።​—ማቴዎስ 19:9

ኣምላኽ ነቲ ብሓሶትን ብምትላልን ዚግበር ፍትሕ ይጸልኦ እዩ። እቶም ምስ መጻምድቶም ብጢጥ ቅሚጥ ዚፈላለዩ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ካልእ ሰብ ምእንቲ ኪዀኑ ኢሎም ከምኡ ዚገብሩ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ እዮም።​—ሚልክያስ 2:13-16፣ ማርቆስ 10:9

8 ኣምላኽ ንግብረ ሶዶም ይድግፎ ድዩ፧

▪ መልሲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ንምንዝር ይዅንኖ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንግብረ ሶዶም እውን ዜጠቓልል እዩ። (ሮሜ 1:26, 27፣ ገላትያ 5:19-21) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነዚ ተግባር እዚ ኸም ዚጸልኦ ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” እውን ይብል እዩ።​—ዮሃንስ 3:16

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንግብረ ሶዶም ዘይድግፍዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዅሎም ሰባት ግና ሕያውነት የርእይዎም እዮም። (ማቴዎስ 7:12) ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ፡ ‘ንዅሉ ሰብ ከነኽብር’ እዩ ዚደልየና። ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቶም ግብረ ሶዶም ዚገብሩ ሰባት ኣይጸልእዎምን እዮም።​—1 ጴጥሮስ 2:17

9 ብተሌፎን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝርራብ ከምኡውን ብሞባይል ወይ ብኢንተርነት ጌርካ ብዕሉግ ስእልታት ምልእኣኽ ጌጋ ድዩ፧

▪ መልሲ፦ ገሊኣቶም ሰባት ብተሌፎን ገይሮም ጾታዊ ስምዒት ኬለዓዕል ዚኽእል ዕላል ብግህዶ የዕልሉ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ብሞባይል ገይሮም ብዕሉግ ስእልታትን ንጹር ጾታዊ መልእኽትን ይለኣኣኹ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት፡ ብኢንተርነት ኣቢልካ እውን ይግበር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ኣቢልካ ዚግበር ነገራት ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግና፡ “ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም” ይብል እዩ። (ኤፌሶን 5:3, 4) እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተግባራት፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ቄናን ኣረእእያ ኸም ዚህሉ ዚገብርን ንሰባት ካብ መርዓ ወጻኢ ጾታዊ ባህታ ንኺረኽቡ ዜተባብዕን እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንጾታዊ ስምዒትካ ኸም እትቈጻጸር ዘይኰነስ፡ ንርእስኻ ጥራይ ኣብ ምዕጋብ ከም እተተኵር እዩ ዚገብር።

▪ መልሲ፦ ግብረ ሕቡእ፡ ንሕፍረታዊ ብልዕቲ ብምድራዝ ዚግበር ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ጥርዘ ስምዒት ዜብጽሕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብንጹር ኣይጠቅስን እዩ። ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት፡ “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ” ኢሉ ይእዝዞም እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ “ምንዝር፡ ርኽሰት፡ [ዘይግቡእ] ፍትወት ስጋ” የጠቓልል።​—ቈሎሴ 3:5

ግብረ ሕቡእ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ቄናን ኣረኣእያ ኸም ዚህልወካን ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ከም እተተኵርን እዩ ዚገብር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቶም ነዚ ልማድ እዚ ንኼቋርጽዎ ልባዊ ጻዕሪ ዚገብሩ ሰባት፡ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኸም ዚህቦም የረጋግጸልና እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ ፊልጲ 4:13

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 11 ፖርኒያ፡ ምስቲ ኣምላኽ ንጾታዊ ኣካላት ኪፈጥሮ ኸሎ ዝገበሮ ዕላማ ዚጋጮ ተግባር ንምምልካት እውን ትውዕል እያ። እዚ ተግባር እዚ፡ ዝሙትን ግብረ ሶዶምን ምስ እንስሳ ዚግበር ጾታዊ ርክብን የጠቓልል።

^ ሕ.ጽ. 19 ቅዱሳት ጽሑፋት ንናይ ምምካን ኣገባባት ብዚምልከት እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 27-28 ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

^ ሕ.ጽ. 22 ሓንቲ እተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንጥንሳ ኽትሰድዶ ትኽእል እንተ ዀይና ዚገልጽ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ንቕሑ! እትብሃል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም መጽሔት፡ ኣብ ናይ 22 ግንቦት 1993 ሕታም (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 10-11 ርአ።