ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ብኸመይ እዩ ዚምወል ነይሩ፧

እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ብግብሪ፡ ብቐንዱ ኸኣ በቲ ብግዴታ ዚወሃብ ዝነበረ ዕሽር እዩ ዚምወል ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ካልእ ዓይነት ግብሪ እውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ማሕደር ኪህነጽ ከሎ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ እተመዝገበ እስራኤላዊ፡ “መባእ ንእግዚኣብሄር” ዚኸውን ፈረቓ ሲቃል ኪእክብ ኣዚዝዎ ነይሩ እዩ።​—ዘጸኣት 30:12-16

እዚ ተግባር እዚ፡ ኣብ ኣይሁድ ልሙድ ኰይኑ ዝቐጸለ እዩ ዚመስል፣ ከመይሲ፡ ኣይሁድ ዓመታዊ ግብሪ ቤተ መቕደስ ኪኸፍሉ ኸለዉ፡ ፈረቓ ሲቃል እዮም ዚህቡ ነይሮም። የሱስ ንጴጥሮስ፡ ካብ ኣፍ ዓሳ ወሲዱ ግብሪ ኪኸፍል ኪእዝዞ ኸሎ፡ ነዚ ግብሪ እዚ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ።​—ማቴዎስ 17:24-27

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ግብሪ ቤተ መቕደስ ንምኽፋል ዚውዕል ዝነበረ ኽልተ ሰልዲ ብሩር ኣብ የሩሳሌም ተረኺቡ እዩ። እቲ ሓደ ሰልዲ፡ ብ22 ድ.ክ. ኣብ ጢሮስ እተሰርሐ ዀይኑ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ረሳሕ ፈሳሲ ዚኸደሉ ቱቦ እዩ ተረኺቡ። እዚ ሲቃል እዚ፡ በቲ ሓደ ሸነኹ፡ ምስሊ እቲ ቐንዲ ኣምላኽ ጢሮስ ዝነበረ መልከርት ወይ በዓል ኣለዎ፣ በቲ ኻልእ ሸነኹ ኸኣ ምስሊ ኣብ ሚተ መርከብ ደው ዝበለ ንስሪ ኣለዎ። እቲ ኻልኣይ ሰልዲ፡ ኣብታ ኣይሁድ ካብ ሮሜ ዝዓለዉላ ቐዳመይቲ ዓመት፡ ማለት ብ66-67 ድ.ክ. እተሰርሐ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ፍርስራስ እዩ ተረኺቡ። ምስሊ ጽዋእን ሰለስተ ጠጥዒ ሮማንን ከምኡውን “ፍርቂ ሲቃል”ን “ቅድስቲ የሩሳሌም”ን ዚብል ጽሑፍ ነበሮ። ፕሮፌሰር ጋብሪኤል ባርኬ ብዛዕባ እዚ ርኽበት እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ እቲ ሰልዲ “ብሓዊ ኸም ዝነደደ ዚሕብር ምልክት ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ፡ እቲ ነታ ኻልአይቲ ቤተ መቕደስ ብ70 ድ.ክ. ዘጥፈኣ ሓዊ ኪኸውን ኣለዎ” በለ።

እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሃነጾ ነገራት ዜደንቕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

ነቡካድነጻር ኣብታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ትንቢት ዳንኤል፡ “እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፧” ኢሉ ነበረ። (ዳንኤል 4:30) እሞኸ እዛ ጥንታዊት ከተማ እዚኣ፡ ብሓቂ ዓባይ ድያ ነይራ፧

ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ነቡካድነጻር፡ ኣብያተ መቕደስን ኣብያተ መንግስትን መናድቕ ከተማን ኣብ ጸድፊ እተሰርሐ ዜደንቕ ስፍራ ኣታኽልትን ከም ዝሃነጸ ይምስክሩ እዮም። እቲ ኣብ ማእከል ባቢሎን ዝነበረ ቐንዲ ቤተ መቕደስ፡ ልዕሊ 70 ሜተር ዝንውሓቱ ግምቢ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ባቢሎን​—ሲቲ ኦቭ ዎንደርስ እትበሃል መጽሓፍ ዝገለጸቶ፡ “ካብቲ [ነቡካድነጻር] ዝሃነጾ ህቡብ ነገራት እቲ ሓደ፡ ዑደት ዚግበረሉ ጐደናን ደገ ኢሽታርን እዩ።” እቲ ንደገ ኢሽታር ሰንጢቑ ዚሓልፍ ዑደት ዚግበረሉ ጐደና፡ ዚስጕሙ ዘለዉ ብዚመስሉ ሓወልቲ ኣናብስ ዝወቀበ እዩ ነይሩ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ደገ ባቢሎን ክትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “እቲ ብስእሊ እቶም ዚስጕሙ ዘለዉ ዚመስሉ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኣብዑርን ድራጎንን ዝወቀበ ደሚቕ ሰማያዊ ዝሕብሩ ዜብረቕርቕ ሕጡብ፡ ንሓደ ነታ ኸተማ ዚበጽሓ ሰብ፡ ዘይርሳዕ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።”

ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ስብርባር እቲ ዑደት ዚግበረሉ ጐደናን ደገ ኢሽታርን ፍሒሮም ኣውጽኡ፣ በዚ ስብርባር እዚ ገይሮም ከኣ፡ ነቲ ኣብ በርሊን፡ ጀርመን ኣብ ቤተ መዘክር ጴርጋሞን ዚርከብ ደገ ኢሽታር ሃነጽዎ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ መጠን

[ምንጪ ስእሊ]

Top: Clara Emit, Courtesy of Israel Antiquities Authority; bottom: Zev Radovan

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እንደገና እተሃንጸ ደገ ኢሽታር