ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታ ምፍጻሙ

ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታ ምፍጻሙ

ንኣምላኽ ቅረቦ

ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታ ምፍጻሙ

‘ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ የሆዋ፡ ከምዚ ኢልና ኸም እንሓትት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መልሱ ንኽንፈልጦ ዚድርኸና ውሽጣዊ ድሌት ከም ዚህልወና ገይሩ እውን እዩ ፈጢሩና። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። ነቲ ኣብ መክብብ 12:13 ዚርከብ ቃላት ንጉስ ሰሎሞን እስከ ንመርምሮ።

ሰሎሞን ኣብ ፍሉይ ኵነታት እዩ ነይሩ። ብኸመይ ሕጉስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ክትነብር ከም እትኽእል ኪገልጽ ይኽእል ነይሩ እዩ። ፍሉይ ጥበብን ማእለያ ዘይብሉ ሃብትን ልዑል ስልጣንን ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ዚስዕብዎ ነገራት፡ እንተላይ ነቲ ሃብትን ዝናን ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ብጥንቃቐ መርመሮ። (መክብብ 2:4-9፣ 4:4) ድሕሪኡ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ኣብዚ ዚስዕብ መደምደምታ በጽሐ፦ “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና [“ምሉእ ግዴታ፡” NW] እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።” እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ኪጽዕሩሉ ዚግባእ ዜዕግብን ቅኑዕን ነገር ይገልጻ።

“ንኣምላኽ ፍርሃዮ።” ንኣምላኽ ምፍራህ ዚብልዎ ሓሳብ፡ ኣብ ፈለማ ባህ ኣይብልን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ፍርሃት እዚ፡ ንጥዑይ ዝንባለ ልቢ እዩ ዜመልክት። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እዚ ፍርሃት እዚ፡ ነቲ ሓደ ባርያ ንጨካን ጐይታኡ ኸየሕርቖ ዚስምዖ ኽቱር ፍርሂ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንፈቃር ኣቦኡ ኼሐጕስ ዚብህግ ቈልዓ ዚስምዖ ስምዒት እዩ ዜመልክት። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ ፍርሃት ኣምላኽ፡ “ህዝቡ [ህዝቢ ኣምላኽ] ንዕኡ ብዘለዎም ፍቕሪ ኸምኡውን ንሓይሉን ንዕቤቱን ብዘለዎም ኣኽብሮት ተደሪኾም ዜርእይዎ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እዩ።” ከምዚ ዓይነት ፍርሃት፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ክንእዘዞ እዩ ዚድርኸና፣ ከመይሲ፡ ንኣምላኽ ነፍቅሮን ንሱ ንዓና ኸም ዜፍቅረና ንፈልጥን ኢና። እዚ ጥዑይ ፍርሃት እዚ፡ ኣብ ስምዒት ጥራይ ዚተርፍ ዘይኰነስ፡ ብተግባር እውን ይግለጽ እዩ። ብኸመይ፧

“ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።” ፍርሃት ኣምላኽ፡ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ይድርኸና እዩ። ከም ሓቂ እውን፡ ክንእዘዞ ኣሎና። ልክዕ ከምቲ ሓደ ምህርቲ ዜፍሪ ትካል ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ እቲ ምህርቱ ዚፈልጥ፡ የሆዋ ገባሪና ኸም ምዃኑ መጠን ከኣ፡ ብኸመይ ዝሓሸ ህይወት ክንነብር ከም እንኽእል ይፈልጥ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣጸቢቑ ይግደሰልና እዩ። ሕጉሳት ክንከውን እዩ ዚደልየና፣ እቲ ኸነማልኦ ዚሓትተና ብቕዓት ድማ፡ ንጥቕምና እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 5:3) ስለዚ፡ ተኣዛዝነትና ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ የርኢ፣ ትእዛዛት ኣምላኽ ከኣ ንሱ ንዓና ኸም ዜፍቅረና የርኢ።

“እዚ ናይ ሰብ ምሉእ ግዴታ እዩ።” እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ንኣምላኽ እንፈርሃሉን እንእዘዘሉን ቀንዲ ምኽንያት እየን ዜጕልሓ። እወ፡ ንኣምላኽ እንፈርሆን እንእዘዞን፡ ግዴታና ስለ ዝዀነ እዩ። የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ብሳላኡ ኢና ህይወት ረኺብና። (መዝሙር 36:9) ተኣዛዝነትና እውን ይግብኦ እዩ። ስለዚ፡ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ንነብር እንተ ዄንና ኢና ግዴታና እንፍጽም።

እሞኸ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ ብሓጺሩ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም እዩ። ካብዚ ዝሓሸ ዕላማ ህይወት የልቦን። ብዛዕባ ፍቓድ የሆዋን ብኸመይ ምስኡ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ከም እትኽእልን ንምንታይ ብዝያዳ ዘይትምርምር፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዙኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

ንሕዳር ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

ምሳሌ 22መሃልየ መሃልይ 8