ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ኪምህርዎም ይግባእዶ፧

ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ኪምህርዎም ይግባእዶ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ኪምህርዎም ይግባእዶ፧

▪ ሓያሎ ወለዲ ንደቆም ካብ ሓደገኛ ሕማም ንኼዕቍብዎም ብዙሕ እዮም ዚጽዕሩ። ካብ ሓደገኛ ስነ ምግባራዊ ኣመለኻኽታ ንኼዕቍብዎም ድማ ከምኡ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ መገድታት ድማ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ሚዛናዊ ትምህርቲ ብምሃብ እዩ። (ምሳሌ 5:3-23) ወለዲ ንደቆም ከምዚ ዓይነት ስልጠናን ስነ ምግባራዊ መምርሕን ኪህብዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ ቘልዑ በቲ ኣብ ተለቪዥንን ኣብ ኢንተርነትን ኣብ መጻሕፍትን ኣብ ካርቱናትን ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዚገልጽ ብብዝሒ ዚርአ ስእልታት እተቓልዑ እዮም።

ፕሮፌሰር ትምህርትን ደራሲትን ዝዀነት ዳይን ለቪን፡ “እቲ ጸገም ደቅና ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ይመሃሩ ምህላዎም ኣይኰነን” ድሕሪ ምባላ፡ ኣስዒባ፡ “እቲ ጸገም ኣብ ዓይነት እቲ ዚመሃርዎ ትምህርቲ፡ ኣብ ደረጃ ዕድሚኦም፡ ከምኡውን ኣብቲ ዚምህሮም ኣካል እዩ ዘሎ። ቈልዑ ኻብ መዋዓዋዕትን ህቡባት ሰባትን ኣዝዩ ሓያልን ጐዳእን ዓይነት ጾታዊ ትምህርቲ እዮም ዚቐስሙ” ብምባል ገለጸት።

ወለዲ ንደቆም ካብቲ ሎሚ ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ብምስፍሕፋሕ ንሓያሎ ሰባት ዚምርዝ ዘሎ እተዛብዐን ብዕሉግን ኣመለኻኽታ ኼዕቍብዎም ይግባእ። (ምሳሌ 5:1፣ ኤፌሶን 6:4) ቈልዑ፡ ኣካላቶም ብኸመይ ከም ዚዓዪ፡ ሰብነቶም ብኸመይ ከም ዚኣልዩ፡ ካብ ርኹሳት ሰባት ብኸመይ ከም ዚሕለዉ ኺፈልጡ ኣለዎም። ሓንቲ ጓል ኣብቲ ምልክት ጕርዝውና ዚርኣየሉ ዕድመ ቕድሚ ምብጻሓ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣካላት ዚርአ ለውጥታት ክትፈልጥ፡ ከምኡውን ጽግያት ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዚርአ ኽትግንዘብ ኣለዋ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ወዲ ብዛዕባ እቲ ብለይቲ ዚፈስስ ዘርኢ ኺፈልጥ ኣለዎ። ወለዲ ንደቆም ገና ኻብ ንኣሽቱኦም ጀሚሮም ስማት ክፍሊ ኣካላቶም ብትኽክል ኪምህርዎ ይኽእሉ እዮም። ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም ድማ፡ ብዛዕባ እዚ ኽፍሊ ኣካላት እዚ፡ ሰለስተ ቐንዲ ትምህርቲ ይምህርዎም እዮም፦ (1) ፍሉይን ናይ ብሕቶምን ከም ዝዀነ። (2) ብሕማቕ መገዲ ኺዝረበሉ ኸም ዘይግባእ። (3) ካልኦት ሰባት ኪትንክፍዎ ወይ ኪርእይዎ ኸም ዘይግባእ። ቈልዑ እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ወለዶም ሰበይቲ ብኸመይ ከም እትጠንስ ኪገልጹሎም ይግባእ። *

ወለዲ ንደቆም ካብ መዓስ ጀሚሮም እዮም ኪምህርዎም ዘለዎም፧ ካብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ዚሓስብዎ ደረጃ ዕድመ ኣቐድም ኣቢሎም እዮም ኪምህርዎም ዘለዎም። ሓንቲ ቘልዓ፡ ጓል 10 ዓመት ምስ ኰነት ወይ ቅድሚኡ ጽግያት ኪጅምራ ይኽእል እዩ። ሓደ ወዲ ድማ ካብ 11 ወይ 12 ዓመት ዕድሚኡ ጀሚሩ ዘርኢ ኺፈሶ ይኽእል እዩ። ቈልዑ ብኣጋ እንተ ዘይተማሂሮምዎ፡ እዚ ኣብ ምስግጋር ዕደመ ዜጋጥም ለውጥታት ኣዝዩ ኼሰምብዶም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እዚ ኣብ ሰብነቶም ዜጋጥሞም ባህርያዊ ፍጻመታት ምንም ጌጋ ኸም ዘይብሉ ኣቐዲሙ ኺንገሮም ይግባእ። ነቲ ኣብ መብዛሕትኡ ዓለማዊ ትምህርቲ ጾታዊ ጕዳያት ዘይቀርብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዚርከብ፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምስዓቡ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ኺንገሮም ዘለዎ።—ምሳሌ 6:27-35

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 ወለዲ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዚገልጽ ጠቓሚ ሓሳባት ካብዚ ዚስዕብ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም፦ ኣብ ናይ ግንቦት 2006 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ንጓልኩም ብዛዕባ ጽግያት ኣዳልውዋ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ገጽ 10-13፣ ኣብ መጽሓፍ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ እትርከብ “ሰብነተይ እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 6፣ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2010 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት—ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣዘራርቦም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ ገጽ 12-14