ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተጠቒሱ ዘሎ ኣሓሽዌሮስ ንጉስ ፋርስ እንታዋይ እዩ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ኣስቴር፡ ኣሓሽዌሮስ ነታ ኣይሁዳዊት ጐርዞ ዝነበረት ኣስቴር፡ ንግስቲ ኽትከውን መረጻ፣ ንሳ ምስ ነገሰት ንህዝባ ኻብቲ ንምጽናቶም ተወጢኑ ዝነበረ ጃምላዊ ቕትለት ኣድሓነቶም። ምሁራት፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተባሂሉ ዘሎ ንጉስ ፋርስ፡ እንታዋይ ምዃኑ ነናቶም ርእይቶ ኺህቡ ጸኒሖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓወልትታት ፋርስ ብሰለስተ ቛንቋታት እተጻሕፈ ሓበሬታ ምስ ተረኽበ፡ እቲ ግድል እቲ እተፈትሐ እዩ ዚመስል። ስለዚ እምበኣር፡ ኣሓሽዌሮስ ነቲ ዘርክሲስ ቀዳማዊ፡ ወዲ ዳርዮስ ዓብዪ (ሃይስታስፒስ) ከም ዜመልክት እተረጋገጸ እዩ። ስም ዘርክሲስ ብቛንቋ ፋርስ ኣብ እተዳለወ ጽሑፋት ተጠቒሱሉ ዘሎ ኣገባብ፡ ብፊደላት እብራይስጢ ኺጸሓፍ ከሎ፡ ምስቲ ብእብራይስጢ እተጻሓፈ መጽሓፍ ኣስቴር ተጠቒሱሉ ዘሎ ኣገባብ ዚሰማማዕ እዩ።

ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ብዛዕባ ኣሓሽዌሮስ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት፡ ምስቲ ኣብቲ ሓወልትታት እተዋህበ ሓሳባት ዚሰማማዕ እዩ። ንጉስ ፋርስ ኣብታ ኣብ ኤላም እትርከብ ርእሲ ኸተማኡ ዝዀነት ሱሳን ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሜዶን እውን ይገዝእ ነበረ፣ ግዝኣቱ ኸኣ ካብ ህንዲ ኽሳዕ ደሴታት መዲተራነያን ነበረ። (ኣስቴር 1:2, 3፣ 8:9፣ 10:1) ምሁር ሉዊስ ቤልስ ፓቶን፡ “ከምዚ ዓይነት ግዝኣት ዝነበሮ ዘርክሲስ ደኣ እምበር፡ ካልእ ንጉስ ፋርስ ኣይነበረን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እቲ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተመዝጊቡ ዘሎ ባህርይ ኣሓሽዌሮስ፡ ምስቲ ብሄሮዶተስን ብኻልኦት ግሪኻውያን ጸሓፍቲ ታሪኽን ብዛዕባ ዘርክሲስ እተዋህበ ሓሳባት እውን ይሰማማዕ እዩ” በለ።

ኣብ ጥንታዊት ግብጺ፡ ሕጡብ ይስራሕ ከም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኦሪት ዘጸኣት፡ ግብጻውያን ነቶም ባሮቶም ዝነበሩ እብራውያን፡ ሕጡብ የስርሕዎም ከም ዝነበሩ ትገልጽ። እቶም ባሮት ብጭቃን ብሓሰርን ገይሮም ነንመዓልቲ ብቝጽሪ እተመደበሎም ሕጡብ ኪሰርሑ ነበሮም።—ዘጸኣት 1:14፣ 5:10-14

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ስንጭሮ ናይል ብጸሓይ ዚነቅጽ ሕጡብ ምስራሕ፡ ኣገዳሲ ዕዮ እዩ ነይሩ። ብሕጡብ እተሰርሐ ጥንታዊ ሓወልትታት ኣብ ግብጺ ይርከብ እዩ። ኣብ ቴቤስ ኣብ ዚርከብ መቓብር ሬክሚር ዘሎ ኣብ መበል 15 ዘመን ቅ.ክ. እተቐብአ ቕብኣ መንደቕ፡ ግዜኡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ዘጸኣት ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት እተጸብጸበሉ ግዜ ዳርጋ ማዕረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ መስርሕ ሕጡብ ዜብርህ እዩ።

ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ነቲ ኣብዚ ቕብኣ እዚ ዘሎ ስእሊ ኸምዚ ብምባል ይገልጾ፦ “ካብ ዒላ ማይ ይውረድ፣ ብጭዃሮ ጌርካ ድማ ጭቃ ይብዓጥ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሰራሕ ሕጡብ ኣብ ዚጥዕሞ ፍሉይ ቦታ ይውሰድ። እቲ ጭቃ ብዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐ ቕርጺ ይጥቕጠቕ፡ እቲ ሰራሕ ሕጡብ ከኣ ኣብ ባይታ ገልቢጡ ይሕዞ። ሽዑ እቲ ዕንጨይቲ ይለዓል፡ እቲ ሓድሽ ቅርጺ ዝሓዘ ሕጡብ ከኣ ብጸሓይ ኪነቅጽ ይዝርጋሕ። እተቐርጸ ሕጡባት ብመስርዕ ይንጸፍ፡ ብጸሓይ ምስ ነቐጸ ኸኣ ኣብ ጥቕሚ ንኺውዕል ተጸፍጺፉ ይቕመጥ። እዚ መስርሕ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ከይተረፈ ኣብ ቀረባ ምብራቕ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ይዕየየሉ እዩ።”

ኣብ ክልተ ሽሕ ቅ.ክ. እተዳለወ እተፈላለየ ሰነዳት ፓፒሩስ፡ ባሮት ሕጡብ ይሰርሑ ኸም ዝነበሩ፡ ንመስርሕ ሕጡብ ዚኸውን ሓሰርን ጭቃን ይዝውተር ከም ዝነበረ፡ ከምኡውን ሰራሕተኛታት ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሕጡብ የዳልዉ ኸም ዝነበሩ ሓቢሩ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብእምኒ እተቐርጸ ስእሊ ዘርክሲስን (ደው ኢሉ ዘሎ) ዳርዮስ ዓብይን (ኮፍ ኢሉ ዘሎ)

[ምንጪ ስእሊ]

Werner Forman/Art Resource, NY

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መቓብር ሬክሚር ዚርከብ ዝርዝር ቅብኣ መንደቕ

[ምንጪ ስእሊ]

Erich Lessing/Art Resource, NY