ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧

ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧

ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧

ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ሃይማኖታት ዓለም ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሮም። ኣብርሃም * ሓደ ኻባታቶም ኰይኑ፡ ብሰዓብቲ እምነት ኣይሁድነትን እስልምናን ክርስትናን ይኽበር እዩ፣ “ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣገዳስነት ዘለዎ” ኸምኡውን “ብሉጽ ኣብነት እምነት” ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ‘ነቶም ዚኣምኑ ኣቦኦም ከም ዝዀነ’ ይሕብር እዩ።—ሮሜ 4:11

ኣብርሃም ክሳዕ ክንድዚ ኣኽቢርካ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ ጥራይ እዩ ኸም ፈታዊ ወይ ዓርኪ ኣምላኽ ገይሩ ዚጠቕሶ።—2 ዜና መዋእል 20:7፣ ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:23ትርጕም 1990።

ይኹን እምበር፡ ኣብርሃም ልክዕ ከማና ተራ ሰብ እዩ ነይሩ። ከምቲ ንዓና ዜጋጥመና ዓይነት ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንዅሉ ግና ብዓወት ሰገሮ። ብኸመይ ከምኡ ኺገብር ከም ዝኸኣለ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ቀጺልና እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ሰብኣይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ንርአ።

ኣተዓባብያኡ

ኣብርሃም ብ2018 ቅ.ክ. ተወሊዱ፡ ኣብ ኡር ዓበየ። (ዘፍጥረት 11:27-31) ኡር ኣዝያ ዓባይን ብልጽግትን፡ ብኣምልኾ ጣኦት ከኣ ዝመልአት ከተማ እያ ነይራ። ታራ ኣቦ ኣብርሃም እውን እንተ ዀነ፡ እተፈላለዩ ጣኦታት የምልኽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እያሱ 24:2) ኰይኑ ግና፡ ኣብርሃም ነቶም ህይወት ዘይብሎም ጣኦታት ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ * ኼምልኽ እዩ መሪጹ።

ኣብርሃም ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ንኺገብር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ኣብርሃም፡ ሴም ወዲ ኖህ ከይሞተ ኸሎ፡ ቅድሚ 150 ዓመት እዩ ተወሊዱ። ምስዚ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ እዚ ይቀራረብ እንተ ነይሩ፡ ብኸመይ ተጸልዩ ኪኸውን ይኽእል፧ ምናልባት ሴም ንኣብርሃም፡ ብኸመይ ካብ ማይ ኣይሂ ኸም ዝደሓኑ ነጊርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብርሃም ነቲ ንሴምን ንስድራ ቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ዘድሓኖም የሆዋ ኣምላኽ ምምላኽ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብርሃም፡ እንተ በቲ ሴም ዝነገሮ ነገራት ወይ እንተ ብኻልእ መገዲ፡ ነቲ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚገልጽ ትምህርቲ ብጽቡቕ ተቐበሎ። እቲ “ንልቢ ዚፍትኖ” ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ንኣብርሃም ምስ ተዓዘቦ፡ ገለ ጽቡቕ ረኸበሉ፣ ዝሓሸ ሰብ ንኪኸውን ከኣ ሓገዞ።—ምሳሌ 17:3፣ 2 ዜና መዋእል 16:9

ህይወቱ

ኣብርሃም ባህ ዜብልን ዜዕግብን ህይወት እዩ ኣሕሊፉ፣ ዋላ እኳ ኣጸጋሚ ዅነታት እንተ ኣጋጠሞ፡ ህይወቱ ግና ትርጕም ዘይብሉ ኣይነበረን። ካብቲ ዘጋጠሞ ነገራት እስከ ሒደት ንርአ።

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ካብታ እተወልደላ ዓዲ፡ ማለት ካብ ኡር ወጺኡ ናብቲ ንሱ ዜርእዮ ምድሪ ኪኸይድ ኣዘዞ። ኣብርሃምን ሳራን ንዅሉ ነገራት፡ ማለት ናበይ ከም ዚኸዱን ኣምላኽ ስለምንታይ ኪወጹ ኸም ዝኣዘዞምን ብዝርዝር ዘይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ተኣዘዙ። ምሉእ ህይወቶም ናብራ ዘላን እናነበሩ ድማ ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ ድንኳን ይቕመጡ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:2, 3፣ እብራውያን 11:8, 9, 13

ኣብርሃምን ሳራን ገና ውሉድ ከይወለዱ ኸለዉ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ ዓብዪ ህዝቢ ኸም ዚገብሮ ተመባጽዓሉ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ብኣብርሃም ከም ዚባረኹ ድማ ገለጸ። (ዘፍጥረት 11:30፣ 12:1-3) ጸኒሑ እውን ነቲ መብጽዓ ኣጽንዖ። ንኣብርሃም ከኣ፡ ዘርኡ ልክዕ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዚበዝሑ ነገሮ።—ዘፍጥረት 15:5, 6

ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት፡ ሳራ ኸኣ ጓል 90 ዓመት ከላ፡ የሆዋ ወዲ ኸም ዚወልዱ ተመባጽዓሎም። እዚ ብሰብኣዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ፡ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ ዚመስል ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣብርሃምን ሳራን፡ “ንእግዚኣብሄር ዚጨንቆ ነገር” ከም ዘየልቦ ፈለጡ። (ዘፍጥረት 18:14) ከመይሲ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብርሃም ኣብ 100 ዓመት ዕድሚኡ ኣቦ ዀነ፣ ንወዱ ኸኣ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ። (ዘፍጥረት 17:21፣ 21:1-5) ደቂ ሰብ ብይስሃቅ ከም ዚባረኹ፡ ኣምላኽ ብንጹር ተመባጽዐ።

ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ ዘይተለምደ ነገር ኪገብር፡ ማለት ነቲ ዚፈትዎ ወዱ ይስሃቅ ኪስውኣሉ ሓተቶ፣ ሽዑ ይስሃቅ ገና ዘይተመርዓወን ዘይወለደን መንእሰይ እዩ ነይሩ። * ኣብርሃም ንወዱ ብሞት ኪስእኖ ኸም ዚኽእል ኪሓስብ ከሎ፡ ኣመና ጕህዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ንኺእዘዞ ቘሪጹ እዩ ነይሩ። ኣብርሃም፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ተጠቒሙ ንይስሃቅ ካብ ሞት ብምትንሳእ ንመብጽዓኡ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል ይኣምን ነይሩ እዩ። (እብራውያን 11:19) ኣብርሃም ንወዱ ኺስውእ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፡ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ንህይወት ይስሃቅ ኣትረፋ። ንኣብርሃም ከኣ ስለቲ ዜደንቕ ተኣዛዝነቱ ነኣዶ። ነቲ ኣቐዲሙ ኣትዩሉ ዝነበረ መብጽዓ ኸኣ ደገመሉ።—ዘፍጥረት 22:1-18

ኣብርሃም ወዲ 175 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ” ኸም ዝሞተ ይሕብረና እዩ። (ዘፍጥረት 25:7, 8) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ከምቲ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ፡ ዕድመ ጸጊቡ ሞተ።—ዘፍጥረት 15:15

ዝሓደጎ ውርሻ

ኣብርሃም፡ ብግዜ ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ወይ ኣብ ሃይማኖት ጕሉሕ ቦታ ዘለዎ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ንታሪኹ ብምምርማር፡ ነቲ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ክንቀድሖ ኣሎና። (እብራውያን 11:8-10, 17-19) ቀጺልና እስከ ኣብርሃም ብዛዕባ ዝነበሮ ኣርባዕተ ጽቡቕ ባህርያት ንርአ። ፈለማ በታ ኣጸቢቓ እትፍለጥ ባህርዩ፡ ማለት ብእምነቱ ኽንጅምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብርሃም ኣብ ፈለማ ዚጽውዓሉ ዝነበረ ስም፡ ኣብራም እዩ ነይሩ፣ ሰበይቱ ኸኣ ሳራይ ተባሂላ እያ እትጽዋዕ ነይራ። ጸኒሑ ግና፡ ኣምላኽ ንስም ኣብራም ናብ “ኣብርሃም” ቀየሮ፣ እዚ ኸኣ፡ “ኣቦ ብዙሓት” ማለት እዩ፣ ንስም ሳራይ ከኣ ናብቲ “ልዕልቲ” ዚትርጕሙ ሳራ ዚብል ስም ቀየሮ። (ዘፍጥረት 17:5, 15) ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ በቲ ኣብርሃምን ሳራን ዚብል ስም ክንጽውዖም ኢና።

^ ሕ.ጽ. 6 የሆዋ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣገዳሲ ገጸ ባህርይ

እተን ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዚርከባ ናይ መጀመርታ ዓሰርተ ምዕራፋት፡ ብዛዕባ ኸም እኒ ኣቤልን ሄኖክን ኖህን ዝኣመሰሉ ሰብ እምነት እየን ዚገልጻ። እተን ቀጺለን ዘለዋ 15 ምዕራፋት ግና፡ መብዛሕትአን ኣብ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት ኣብ ኣብርሃም እየን ዜተኵራ።

ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊኡ ኣገዳሲ ሓሳባት ንፈለማ እዋን ዝጠቐሶ፡ ምስ ኣብርሃም ብዚተሓሓዝ እዩ። ንኣብነት፦

ኣምላኽ፡ ዋልታ ወይ መዕቈብ ኣገልገልቱ ምዃኑ።—ዘፍጥረት 15:1፣ ብተወሳኺ ዘዳግም 33:29፣ መዝሙር 115:9፣ ምሳሌ 30:5 ርአ።

▪ ብኣምላኽ ምእማን።ዘፍጥረት 15:6

▪ ነብዪ ዚብል ቃል።—ዘፍጥረት 20:7

▪ ፍቕሪ ወላዲ።—ዘፍጥረት 22:2