ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዶብ ዘይግድቦ ርክብ

ዶብ ዘይግድቦ ርክብ

ዶብ ዘይግድቦ ርክብ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ፍልልይ ኬሰንፍዎ ይጽዕሩ እዮም። ነቲ ኣብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገሮም፡ “ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም” ዚብል ቃላት ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ልቦም የሕድርዎ እዮም። (ማቴዎስ 23:8) እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ፖርቱጋልን ኣብ ስጳኛን ዚርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእከቡሉ ኽልተ ቦታ ብዚግባእ ተራእዩ እዩ።

እታ ኣብ ሰሜናዊ ፖርቱጋል እትርከብ ቫለንሰ ዶ ሚንዮ እትብሃል ብመንደቕ እተኸብበት ከተማ፡ ኣብ ሓደገኛ እዋን እያ ተሃኒጻ። ግምብታት እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ኣብ ፊት ንፊት እቲ ንስጳኛን ንፖርቱጋልን ከም ዶብ ኰይኑ ዚኸፍለን ሩባ ሚንዮ እዩ ዚርከብ። ክንዮ እቲ ሩባ ኸኣ፡ ዕርዲ ዚመስል ካተድራል ዘለዋ ትዊ እትብሃል ናይ ስጳኛ ኸተማ ኣላ። ቀንዲ ዕርድታት ትዊን ቫለንሰ ዶ ሚንዮን ኣብ መበል 17 ዘመን፡ ማለት ስጳኛን ፖርቱጋልን ይዋግኣ ኣብ ዝነበራሉ እዋን እዩ ተሃኒጹ።

ብ1995 ኣብ መንጎ እዘን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀና ሃገራት ዝነበረ መፈተሺ ነቝጣን ጉምሩኽን ስራሑ ኣቋረጸ። ሰባት ከም ዚሓብሩ ምግባር ግና፡ ንዶብ ካብ ምእላይ ንላዕሊ እዩ ዚሓትት። ብቐንዱ ልብን ኣእምሮን ሰባት ኪቕየር ኣለዎ። ኣብ ቫለንሰ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ምክፍፋል ብኸመይ ኪውገድ ከም ዚኽእል ዜርኢ ሓደ ንእሽቶን ጽቡቕን ህንጻ ኣሎ። እዚ ቦታ እዚ፡ ቦታ ኣምልኾ ዀይኑ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ፣ ስጳንኛን ፖርቱጋልኛን ዚጥቀማ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ እየን ዚእከባሉ።

እቲ ታሪኽ፡ ብ2001 ኣብ ትዊ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣድለዮም እዩ ጀሚሩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብቲ እተኻረይዎ መአከቢ ኺወጹ ነበሮም፣ ሓድሽ ኣዳራሽ ንኺሃንጹ ዜድልዮም ገንዘብ ከኣ ኣይነበሮምን። ብዘይካዚ፡ እታ ጉባኤ ንእሽቶ ስለ ዝዀነት፡ መአከቢ ንኽትካረ ዜኽእላ ባጀት እውን ኣይነበራን። ስለዚ፡ እዞም ስጳኛውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ቫለንሰ ዚርከቡ ፖርቱጋላውያን ኣሕዋቶም፡ ነቲ ኻብ ማእከል ትዊ ሒደት ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቑ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቢሮም ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እንተ ዀይኖም ሓተትዎም።

ኣባል እታ ኣብ ስጳኛ እትርከብ ጉባኤ ትዊ ዝዀነ ኤድዋርዶ ቪላ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ጕዳይ ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 2001 ዝገበርናዮ ኣኼባ ተዘራረብናሉ። ካብቲ ኣኼባ ኽወጽእ ከለኹ፡ የሆዋ ንልቢ ፖርቱጋላውያን ኣሕዋትና ኸም ዝተንከፎ ተገንዘብኩ። ነቲ ውቁብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ብዙሕ መስዋእቲ እዮም ከፊሎም፣ ምስኣቶም ብሓባር ክንጥቀመሉ ፍቓደኛታት ምዃኖም ከኣ፡ እምነት ዜደልድል እዩ ነይሩ” በለ።

ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣሜሪኩ ኣልሜዳ ዚብሃል ፖርቱጋላዊ ናይ የሆዋ ምስክር እውን፡ “ነቶም ስጳኛውያን ኣሕዋትና ናብቲ ናትና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓንጐፋይ ኢልና ኢና ተቐቢልናዮም። የሆዋ ነቲ እተገብረ መሰናድዎ ኸም ዚባርኾ ንተኣማመን ኢና፣ ብምሉእ ድምጺ ድማ ኢና ወሲንና” በለ። እቶም ካብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ዶብ ዝመጹ ኣሕዋት፡ ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለዎም። ካብ ቫለንሰ ዝመጸ ፓኦሎ፡ “እቲ ዜገርም፡ ካብ ክልተ እተፈላለያ ሃገራት ከም ዝመጻእና እውን ትዝ ኣይብለናን እዩ። መንፈሳውያን ኣሕዋት ኢና” በለ።

በጻሕቲ ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመጹ ኸለዉ፡ በተን ኣብ መንደቕ እተሰቕላ ኽልተ ሰዓት ኣቓልቦኦም ይስሓብ እዩ። ከመይሲ፡ ስጳኛ ንፖርቱጋል ብሓደ ሰዓት ትቕድማ እያ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብጀካ ናይ ሰዓት ፍልልይ፡ ካልእ ዓይነት ፍልልይ የልቦን። እቲ ኣዳራሽ ኪሕደስ ምስ ኣድለየ፡ እቲ ኣብ ስጳኛ ዝነበረ ኮሚተ ኸባብያዊ ህንጸት፡ ነቶም ካብ ክልቲኡ ጉባኤታት ዝመጹ ትጉሃት ኣሕዋት ይከታተሎም ነበረ። ፓኦሎ፡ “ካብ ስጳኛ ብዙሓት ክኢላታት ኪሕግዙና መጹ፣ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ልዕሊ 160 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኻብ ዚርከብ ቦታ እዮም መጺኦም። እቲ ዕዮ ነቲ ኣብ መንጎ እተን ጉባኤታት ዝነበረ ርክብ ብዝያዳ ኣደልዲልዎ እዩ” በለ።

ካልእ ዶብ ዘይገደቦ ርክብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ።

ብስንጭሮ ኣብ እተኸፋፈለ ቦታ እተራእየ ሓድነት

ፕዊግተርታ ኣብ ዶብ ፈረንሳ እትርከብ ናይ ስጳኛ ኸተማ እያ። ብነዋሕቲ ኣኽራን ፒረኒዝ እተኸብበትን ኣብ ልሙዕ ስንጭሮ እትርከብን ከተማ እያ። እቲ ሰርዳንያ ዚብሃል ስንጭሮ፡ ብምሉኡ ኽፋል ስጳኛ እዩ ነይሩ። ብ1659 ግና፡ ብመሰረት ውዕል ፒረኒዝ፡ ስጳኛ ንፍርቂ እቲ ስንጭሮ ንፈረንሳ ኣስተለመቶ።

ሎሚ ፈረንሳውያን ናብታ ቐንዲ ኸተማ እቲ ስንጭሮ ዝዀነት ፕዊግተርታ ኸይዶም እዮም ዜድልዮም ነገራት ዚዕድጉ። ብዘይካዚ፡ ካብ 1997 ኣትሒዙ፡ ኣብ ፕዊግተርታ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ፈረንሳውያን ኣሕዋቶም፡ ነቲ ናቶም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺጥቀሙሉ ፈቒዶምሎም እዮም። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ እቶም ፈረንሳውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ እተኻረይዎ ቦታ ኺወጹ ነበሮም። እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ዝቐረበ ዚብሃል ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ፡ ብማኪና መገዲ ሓደ ሰዓት እዩ ነይሩ፣ ኣብ ቈራሪ ኣዋርሕ ከኣ፡ እቲ ብኣዝዩ ነዊሕ ከረን ዚሓልፍ መገዲ ብበረድ ይሽፈን እዩ።

እቶም ፈረንሳውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ስጳኛውያን ኣሕዋቶም ብዛዕባ ጸገሞም ምስ ነገርዎም፡ እቶም ስጳኛውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኡብኡ ነቲ ናቶም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺጥቀሙሉ ፈቐዱሎም። ፕረም ዚብሃል ስጳኛዊ ሓው፡ “ኵሎም ስጳኛውያን ኣሕዋት፡ ንኣዳራሾም ምስ ካልኦት ብሓባር ኪጥቀሙሉ ብምኽኣሎም ተሓጒሶም እዮም። ከምዚ ዓይነት መንፈስ ኪሰፍን ዝኸኣለ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተረኽበ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስልጠና ምዃኑ ኣይከሓድን እዩ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ነቲ ናትና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ [ምስ ፈረንሳውያን ኣሕዋትና] ብሓባር ክንጥቀመሉ ጀመርና፣ ድሮ እኳ 13 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ” በለ።

ኣብ ጉባኤ ፈረንሳይኛ ሓላዊ ዀይኑ ዜገልግል ኤሪክ፡ “ንዓና እትምሽእ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ፕዊግተርታ እያ ነይራ። ነቲ እታ ጉባኤ ስጳንኛ ዝገበረትልና ጽቡቕ ኣቀባብላ ኽሳዕ ሎሚ እየ ዝዝክሮ። ነቲ ኣዳራሽ ብዕምባባታት ኣመላኺዖምን ‘ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም’ ዚብል ጽሑፍ ኣዳልዮምን እዮም ተቐቢሎምና” በለ።

ኤሪክ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተዓጽወ፡ ብዙሓት ሰባት፡ እታ ጉባኤ ዝፈረሰት መሰሎም። ኰይኑ ግና፡ ኣዘውቲርና ኣብቲ ኸባቢ ምስባኽና፡ ናብቲ ኣብ ስጳኛ ዚግበር ኣኼባና ኺመጹ ዚዕድም ወረቐት ዕድመ እውን ምዝርጋሕና፡ ገና ብንጥፈት ንዓዪ ኸም ዘለና ዜርኢ እዩ ነይሩ። ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት፡ ተሓጒሶም እዮም ናብቲ ኣብ ስጳኛ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚመጹ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ስጳኛውያን ኣሕዋትና ብሓባር ንጥቀመሉ ምህላውና፡ ብዝያዳ ኣቀራሪቡና እዩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ክንዮ እቲ ዶብ፡ ሓንቲ ጉባኤ ስጳንኛ ኸም ዘላ ጥራይ ኢና ንፈልጥ ኔርና እምበር፡ ብዙሕ ርክብ ኣይነበረናን። ሕጂ ግና ወትሩ ስለ እንራኸብ፡ ኣብዚ ግሉል ቦታ ንበይንና ዝዀንና ዀይኑ ኣይስምዓናን እዩ።”

ባህላዊ ፍልልይከ ገለ ጸገም ኣስዒቡዶ፧ ኣብ 80ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ሓንቲ ፈረንሳዊት ሓብቲ፡ “ኣኼባታትና ንምግባር፡ ናብ ክንዮ እቲ ዶብ፡ ማለት ናብ ስጳኛ ኸም እንኸይድ ምስ ፈለጥኩ፡ ቍሩብ ኣተሓሳሲቡኒ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ሳላ እቶም ኣብ ፕዊግተርታ ዚርከቡ ኣሕዋት ዝገበሩልና ጽቡቕ ኣቀባብላን ዘርኣዩና ምሕዝነትን፡ እቲ ለውጢ ዋላ ሓንቲ ጸገም ኣየስዓበን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዓለምለኻዊ ሓድነት ከም ዘሎ ዜረጋግጽ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ” በለት።

መሰረት ድልዱል ሓድነት

መስረትቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኸም ዝገለጽዎ፡ እተን ኣባል ዝዀና ሃገራት “ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤውሮጳ ድልዱል ሓድነት ከም ዚህሉ ዚገብር መሰረት ኬንጽፋ ቘሪጸን እየን።” እቲ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን እተገብረ ዶብ ናይ ምእላይ ዕዮ፡ ነቲ መስርሕ ኬቀላጥፎ እዩ ተሓሊኑ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዘሎ ሓጹር እውን ኪእለ ነበሮ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጽልእን ጥርጣረን ንምውጋድ ኣበርቲዖም እዮም ዚዓይዩ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ኸምኡውን “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ይግንዘቡ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባኦምን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን፡ “ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን” ምዃኑ ርእዮምዎ እዮም። (መዝሙር 133:1) እቶም ኣብ ቫለንሰን ኣብ ፕዊግተርታን ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋቶም ዘለዎም ሓድነት፡ ሓቅነት እታ ጥቕሲ ዜርኢ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ዜገርም፡ ካብ ክልተ እተፈላለያ ሃገራት ከም ዝመጻእና እውን ትዝ ኣይብለናን እዩ። መንፈሳውያን ኣሕዋት ኢና”

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ዕዮ ነቲ ኣብ መንጎ እተን ጉባኤታት ዝነበረ ርክብ ብዝያዳ ኣደልዲልዎ እዩ”

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።” መዝሙር 133:1

[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ ብመንደቕ እተኸብበት ከተማ ቫለንሰ ዶ ሚንዮ ዄንካ፡ ትዊን ሩባ ሚንዮን ኪርአ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሕደስ ከሎ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ፒረኒዝን ስንጭሮ ሰርዳንያን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣባላት እተን ኣብ ፕዊግተርታ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚእከባ ኽልተ ጉባኤታት ዝዀኑ፡ ካብ ስጳኛን ካብ ፈረንሳን ዝመጹ ሽማግለታት