ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

ባርባራ * ኻብ ንእስነታ ኣትሒዛ፡ ራእያት ትርእን ድምጽታት ትሰምዕን ስለ ዝነበረት፡ ምስቶም ዝሞቱ ኣዝማዳ ርክብ ዘለዋ ዀይኑ ይስምዓ ነበረ። ንሳን ዮኣኺም ሰብኣያን፡ ናይ ስራይ መጻሕፍቲ የንብቡ ነበሩ፣ ናይ ጥንቈላ ካርታታት ኣብ ምንባብ ከኣ ክኢላታት ኰኑ። እቲ ካርታታት፡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚረኽቡ ሓበሮም፣ ልክዕ ከምቲ እተሓበርዎ ድማ፡ ንግዲ ቐንዖም። ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ካርታታት፡ ሓደገኛታት ሰባት ናብ ቤቶም ከም ዚመጹን ብኸመይ ንርእሶም ኪከላኸሉላ ኸም ዚኽእሉን ነገሮም።

ስሒራዊ ተግባራት ከም ግዜኡ ዝሓለፎ ጌርካ ይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ሰባት ኣብ ልዕለ ባህርያዊ ነገራት ዘለዎም ተገዳስነት ግና እናዓበየ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ መጻኢኦም ንምፍላጥ ወይ ከኣ ንገዛእ ርእሶም ካብ እከይ ንምዕቋብ፡ ክታብ ይኣስሩ፡ ሰሌዳ ዊጃ ይጥቀሙ፡ መንፈስ ጥንቈላ ንዘለዎም ሰባት ድማ የማኽሩ እዮም። ኣብታ ኣብ ጀርመን እትሕተም መጽሔት ፎካስ ዝወጸ “ላፕቶፕን ሰይጣንን” ዘርእስቱ ዓንቀጽ፡ “ኢንተርነት ንጥንቈላ ሓድሽ ሓይሊ ይውስኸሉ ኣሎ” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ኸም ዚዛረብ ትፈልጥዶ፧ እቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚህቦ ሓሳብ የገርመካ ይኸውን።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ይብል፧

ኣብቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ከምዚ ዚብል ንረክብ፦ “መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ።” (ዘዳግም 18:10-12) እቲ ሕጊ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ዜጠንቅቕ ስለምንታይ እዩ፧

ከምቲ ኣብ መእተዊ ኣብ እተጠቕሰ ተመክሮ ዝረኣናዮ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ህያዋን ምስ ምዉታት ኪዘራረቡ ኸም ዚኽእሉን ብስሒራዊ ተግባራት ዚርከብ ሓበሬታ ኻብ ምዉታት ከም ዚመጽእን እዮም ዚኣምኑ። እዚ እምነት እዚ፡ ካብቲ ብዙሓት ሃይማኖታት ዚምህራኦ ትምህርቲ እተወስደ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ሰባት ምስ ሞቱ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዚነብሩ ዚገልጽ ትምህርቲ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን” እዩ ዚብል። (መክብብ 9:5) ብዘይካዚ፡ ንምዉታት፡ ኣብ ዓሚቝ ድቃስ ከም ዘለዉን ኣብ ከባቢኦም እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ፈጺሞም ከም ዘይፈልጡን ገይሩ እዩ ዚገልጾም። * (ማቴዎስ 9:18, 24፣ ዮሃንስ 11:11-14) ‘ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ፡ ነቲ ሰባት ምስ ልዕለ ባህርያዊ ነገራት ከም እተራኸቡ ዚዛረብዎ ዘረባ ብኸመይ ኢና ኽንገልጾ እንኽእል፧ ምንጪ እቲ ርክብከ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ምስ መንፈሳዊ ዓለም ዚግበር ርክብ

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ መንፈሳዊ ዓለም ርክብ ከም ዝነበሮ ኣብቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ማርቆስ 1:23, 24 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ሓደ “ርኹስ መንፈስ” ንየሱስ፡ “መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ” በሎ። መናፍስቲ ንዓኻ እውን ይፈልጡኻ እዮም። ንስኻኸ ትፈልጦም ዲኻ፧

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ውሉዳት፡ ማለት መላእኽቲ ፈጠረ። (እዮብ 38:4-7) መላእኽቲ ኻብ ደቂ ሰብ ይበልጹ እዮም። (እብራውያን 2:6, 7) ሓያላትን ኣዝዮም ኣስተውዓልትን ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጽሙ እዮም ተፈጢሮም። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ኣቱም መላእኽቱ፡ . . . ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 103:20

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም መላእኽቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዚጻረር መገዲ ምስ ደቂ ሰብ ኪራኸቡ ኸም ዝጀመሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንምንታይ ዕላማ፧ እቲ ፈለማ ምስ ደቂ ሰብ እተራኸበ መልኣኽ፡ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት፡ ማለት ንኣዳምን ንሄዋንን ኣታለሎም፣ ካብ ኣምላኾምን ካብ ፈጣሪኦምን ከም ዚርሕቁ ኸኣ ገበሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ማለት መካፍእን ተጻራርን ኣምላኽ ኰነ።—ዘፍጥረት 3:1-6

ጸኒሖም ካልኦት መላእኽቲ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ‘ሰፈሮም ሓዲጎም’ ስጋ ሰብ ለበሱ፣ ኣብ ምድሪ ድማ ምስ ምልኩዓት ኣንስቲ ኺነብሩ ጀመሩ። (ይሁዳ 6፣ ዘፍጥረት 6:1, 2) እዞም ከዳዓት መላእኽትን እቶም ብዘይ ንቡር ጾታዊ ርክብ እተወልዱ ደቆምን ንደቂ ሰብ ኣሸበርዎም፣ ምድሪ ድማ “ብዓመጻ መልኤት።” ኣምላኽ በቲ ብግዜ ኖህ ዘውረዶ ማይ ኣይሂ ኣቢሉ፡ ነቲ ዓመጸኛን እኩይን ወለዶ ብኸመይ ከም ዘጥፈኦ ንዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትፈልጦ ትኸውን ኢኻ።—ዘፍጥረት 6:3, 4, 11-13

እቶም መናፍስቲ ብምኽንያት እቲ ማይ ኣይሂ፡ ነቲ ለቢሶምዎ ዝነበሩ ስጋ ሰብ ኣልጊሶም ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኪምለሱ ተገደዱ። ይኹን እምበር፡ ፈጣሪ ናብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮም “ሰፈር” ኪምለሱ ኣይፈቐደሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ምስ “መቝሕ ጸልማት” ዚመሳሰል እተዋረደ ዅነታት ከም ዚነብሩ ገበሮም። (2 ጴጥሮስ 2:4, 5) መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ዓለወኛታት መላእኽቲ እዚኣቶም፡ “ኣጋንንቲ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖም። (ያእቆብ 2:19) እዚኣቶም ከኣ እዮም ምንጪ ሓተታ መናፍስቲ።

ኣጋንንቲ እንታይ እዮም ዚደልዩ፧

ቀዳማይ ዕላማ እቶም ምስ ደቂ ሰብ ዚራኸቡ እኩያት መናፍስቲ፡ ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዘየምልኽዎ ምግባር እዩ። እቶም ኣብ ስሒራዊ ተግባራት ዚካፈሉ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዎም ዚንገረሉ ውህበት ወይ ሓይሊ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ቅኑዕ ፍልጠት ንኸይረኽቡን ምስኡ ርክብ ንኸይምስርቱን ዚዓናቕፎም መስገሊታት ካብ ምዃን ሓሊፉ ኻልእ ትርጕም የብሉን።

ካልኣይ ዕላማ ኣጋንንቲ፡ ኣብቲ እቲ መራሒኦም ዝዀነ ሰይጣን ንየሱስ ዘቕረበሉ ፈተናታት ኪርአ ይከኣል እዩ። ሰይጣን ንየሱስ፡ “መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ኣርኣዮ። እንታይ ደልዩ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ንየሱስ፡ ‘ፍግም ኢልካ ስገደለይ’ በሎ። እወ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኪምለኹ እዮም ዚደልዩ። የሱስ ግና፡ ንኣምላኽን ንናይ ሓቂ ኣምልኾን ኪሓድጎ ኣይደልን እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 4:8-10

ሎሚ እኩያት መናፍስቲ፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ደቂ ሰብ ብቐጥታ ኣይዘራረቡን እዮም። የግዳስ፡ ንገርህታት ሰባት በቲ ጐዳኢ ዘይመስል ነገራት ገይሮም ኪቈጻጸርዎም እዮም ዚጽዕሩ፣ እዚ ኸኣ ብሓቒቕ እተሰርሐ ዅዕሶን ኣብ ፍንጃል ዝተረፈ ዳካን ናይ ጥንቈላ ካርታታትን ዘንጊ ሰዓት መንደቕን ሆሮስኮፕን ዜጠቓልል እዩ። ንስኻ ግና በዚ ኸይትታለል ተጠንቀቕ። ከመይሲ፡ ምስ ዘይፍለጥ ዓለም ምስጢራዊ ርክብ ንኽትገብር ዚሕግዝ መገዲ ኣይኰነን። እኩያት መናፍስቲ፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ስሒራዊ ተግባራት ዘለዎም ተገዳስነት ስለ ዚፈልጡ፡ ንዕኡ ተጠቒሞም ንሰባት ኬታልልዎምን ኪቈጻጸርዎምን፡ ካብ ኣምልኾ የሆዋ ኸኣ ኬርሕቕዎም እዮም ዚደልዩ። ከምኡ ገይሮም እንተ ዘይሰሊጥዎም ድማ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ዝኣተዉ የሸግርዎምን የሳቕይዎምን እዮም። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ካብ ጽልዋኦም ናጻ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ብኸመይ ኢኻ ኻብ ሓተታ መናፍስቲ ናጻ ኽትከውን እትኽእል፧

ምስ ደቂ ሰብ ርክብ ዘለዎም መናፍስቲ፡ ጸላእቲ ኣምላኽን ንጥፍኣት እተፈርዱን ምዃኖም ኣይትረስዕ። (ይሁዳ 6) ንምዉታት መሲሎም ዚቐርቡ መታለልትን ሓሰውትን እዮም። ሓደ ፈታዊ መሲሉ ዝቐረበካ ሰብ፡ መታለልን ካብቲ ዜገድሰካ ነገራት ኬስግለካ ጥራይ ዝደልን ምዃኑ እንተ ትፈልጥ፡ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ከይፈለጥካ ምስ ሓደ ብዕሉግ ሰብ ኣብ ኢንተርነት ርክብ ከም ዝጀመርካ እንተ ትፈልጥ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ምስ ኣጋንንቲ ርክብ ምምስራት፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት ንላዕሊ ሓደገኛ እዩ። ነቲ ርክብ ንምቍራጽ ዚከኣለካ ኽትገብር ኣለካ። እሞኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ገሊኦም ተቐማጦ ጥንታዊት ኤፌሶን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ከም ዚብል ምስ ተማህሩ፡ ነቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝዋጋኡ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም፡ “ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 19:19, 20) ሎሚ፡ መጻሕፍትን ክታባትን ሰሌዳ ዊጃን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ጥራይ ኣይኰነን ምስ ስሒራዊ ተግባራት ዚተሓሓዝ፣ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት እውን የጠቓልል እዩ። ስለዚ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ናብ ሓተታ መናፍስቲ ኺመርሓካ ዚኽእል ነገራት ርሓቕ።

ነቶም ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሱ ሰብ ሓዳር እሞ ዘክሮም። ካብቲ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ጥንቈላ ካርታታት፡ ሓደገኛታት ሰባት ናብ ቤቶም ከም ዚመጹን ኪሰምዕዎም ኰነ ኻብኦም ዝዀነ ይኹን ነገር ኪቕበሉ ኸም ዘይብሎምን ደምደሙ። ይኹን እምበር፡ ኮኒን ጉድሩን ዚብሃላ ኽልተ ናይ መሰኻኽር፡ ነቶም ሰብ ሓዳር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ብስራት ሒዘን ከም ዝመጻ ምስ ነገራኦም፡ ኪሰምዕወን ወሰኑ። ኣብቲ ምይይጦም ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ምስ ተላዕለ ድማ፡ ኮኒን ጉድሩን ንዮኣኺምን ንባርባራን ንዕኡ ዚምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ነገራኦም። ስሩዕ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተጀመረ።

ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ዮኣኺምን ባርባራን ነቲ ምስ ኣጋንንቲ ዝነበሮም ርክብ ኬቋርጽዎ ወሰኑ። እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣጋንንቲ በቲ ዝገበርዎ ኸም ዘይሕጐሱ ገለጻሎም። ከምቲ ዝበላኦ ኸኣ፡ ዮኣኺምን ባርባራን ብዙሕ ኣጸጋሚ እዋናት ኣሕሊፎምን ኣመና ዜፍርህ ኣጋንንታዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎምን እዩ። ክሳዕ ናብ ሓድሽ ገዛ ግዒዞም ሰላም ዚረኽቡ፡ ብፍርሂ ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ ይሓድሩ ነበሩ። ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋናት፡ በተን ኣብ ፊልጲ 4:13 ዚርከባ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ዚብላ ቓላት ይጸናንዑ ነበሩ። የሆዋ ድማ ነቲ ዝገበርዎ ቘራጽነት ባረኾ፣ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ መጥቃዕቶም ኣቋረጹ። ሎሚ ዮኣኺምን ባርባራን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ተሓጒሶም የምልኽዎ ኣለዉ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ንዅሎም ብየሆዋ ኺባረኹ ዚደልዩ ሰባት፡ “ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ ይምሕጸኖም እዩ። (ያእቆብ 4:7, 8) የሆዋ ኣምላኽ፡ ካብ ጽልዋ ኣጋንንቲ ናጻ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ ኪሕግዘካ እውን እዩ። ዮኣኺምን ባርባራን ብዛዕባ እቲ ኻብ ሓተታ መናፍስቲ ናጻ ዝወጹሉ እዋን ምልስ ኢሎም ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ብምሉእ ልቦም ምስተን ኣብ መዝሙር 121:2 ዚርከባ፡ ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ ዚብላ ቓላት ይሰማምዑ እዮም።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 2 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ነታ “ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” እትብል ምዕራፍ 6 ርአ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ስሒራዊ ተግባራት፡ ሰባት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኸይምስርቱ ይዕንቅፎም

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ።”​—ያእቆብ 4:8