ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በቲ መጀመርታ ኣብ ኣእምሮኻ እተቐርጸ ኣተሓሳስባ ኽትምራሕ ይግባእዶ፧

በቲ መጀመርታ ኣብ ኣእምሮኻ እተቐርጸ ኣተሓሳስባ ኽትምራሕ ይግባእዶ፧

በቲ መጀመርታ ኣብ ኣእምሮኻ እተቐርጸ ኣተሓሳስባ ኽትምራሕ ይግባእዶ፧

ሓደ ሓኪም ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ፡ ሚኒስተር መንግስቲ ኣይርላንድ ኣብ ተለቪዥን ቃለ መጠይቕ ኪግበረሉ ኸሎ ይርኢ ነበረ። እቲ ሓኪም ነቲ ሚኒስትር ኣብ ገጹ ተጠንቂቑ ምስ ረኣዮ፡ ጥረ ኸም ዘለዎ ዚሕብሮ ነገር ኣስተብሃለ። ነቲ ሚኒስተር ከኣ ቀልጢፉ ኺምርመር መኸሮ።

እቲ ሚኒስተር መርመራ ምስ ተገብረሉ፡ ከምቲ ሓኪም ዝበሎ ዀይኑ ተረኽበ። እቲ ሓኪም ኣብ ሓደ ሕሙም ብምጥማት ጥራይ፡ ሕማም ናይ ምፍላጥ ክእለት ነበሮ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ብምርኣይ ጥራይ፡ ባህርያትን መንነትን ሰባት ኪፈልጡ ዚኽእሉ ዀይኑ ይስምዖም።

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ገሊኣቶም ተመራመርቲ፡ ንሓደ ሰብ ኣካላዊ ትርኢቱ ብምምርማር ባህርያቱ ኺፈልጡሉ ዚኽእሉ ስነ ፍልጠታዊ ኽእለት ንኼማዕብሉ ኪጽዕሩ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ኸኣ ፊዝዮኖሚ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ። ፊዝዮኖሚ ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “ኣብ ቅርጺ ገጽ ወይ ኣካላት እተመርኰሰ ግምት ጠባይ ሰብ” ማለት እዩ። ኣብ መበል 19 ዘመን፡ ከም ፍራንሲስ ጋልተን ዝስሙ ወዲ ሓወቦኡ ንቻርለስ ዳርዊን ዝኣመሰሉ ክኢላታት ስነ ሰብ፡ ከምኡውን ከም ቸይሳራ ላምብሮሶን ብዓል ኢጣልያ ዝኣመሰሉ ክኢላታት ስነ ገበን፡ ካብ ሽዑ ንነጀው ዳርጋ እተረስዐ ተመሳሳሊ ኽልሰ ሓሳብን ሜላን ኣቕሪቦም ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር፡ ሎሚ እውን ከይተረፈ ሓያሎ ሰባት ንሓደ ሰብ ግዳማዊ ትርኢቱ ብምርኣይ ጥራይ፡ ብዜተኣማምን መገዲ ኽትፈርዶ ኸም ዚከኣል ይኣምኑ እዮም። ኰይኑ ግና፡ መጀመርታ እንርእዮ ነገር ዜተኣማምን ድዩ፧

ብትርኢት ምፍራድ

መጀመርታ ርእይ ኣቢልካ ብዛዕባ ምፍራድ ከም ኣብነት ኪጥቀስ ዚኽእል ተመክሮ፡ ኣብ ቀዳማይ ሳሙኤል ንረክብ ኢና። የሆዋ ኣምላኽ ንነብዪ ሳሙኤል ጸዊዑ፡ ንሓደ ኻብ ደቂ እሴይ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ገይሩ ኪቐብኦ መምርሒ ሃቦ። እቲ ጸብጻብ፡ “ኰነ ኸኣ፡ [ደቂ እሴይ] ምስ መጹ፡ ንኤልያብ ርእዩስ፤ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ አሎ፡ በለ። እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” በሎ። ነቶም ካልኦት ሽዱሽተ ደቂ እሴይ እውን ከምኡ እዩ ተባሂሉሎም። ኣብ መወዳእታ፡ ካብቲ ነብዪ ሳሙኤልን እሴይን ዝሓሰብዎ ብእተፈልየ መገዲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኺጽዋዕ እውን ዘይተሓስበ ሻምናይ ውሉድ ዝዀነ ዳዊት፡ መጻኢ ንጉስ ኪኸውን መረጾ።—1 ሳሙኤል 16:6-12

ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ዅነታት የጋጥም እዩ። ሒደት ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ጀርመን፡ ሓደ ፕሮፌሰር ስነ ገበን፡ 500 ተመሃሮ ሕጊ እተሳተፉሉ መርመራ ኣካየደ። እቶም መርመራ እተገብረሎም ከኣ፡ ዘይተፈልጡ 12 “ኣጋይሽ፡” ማለት ናይቲ ኸባቢ ኣዛዝ ፖሊስን ዓቃብ ሕግን፡ ተሓዝ ገንዘብ ዩኒቨርሲትን ሓላፊ ህዝባዊ ጕዳያትን፡ ገለ ጠበቓታትን ሰበ ሰልጣን ኣብያተ ፍርድን፡ ከምኡውን ሰለሰተ ገበነኛታት ነበሩ። እቶም ተመሃሮ ኣብ ትርኢት እቶም ኣጋይሽን ኣብቲ ነቶም ኣጋይሽ ዜገድሶም ንጥፈታትን ተመርኲሶም ጥራይ፡ ሞያ ነፍሲ ወከፍ ጋሻ እንታይ ምዃኑ፡ መኖም ንማእሰርቲ ኺፍረድ ከም ዘለዎ፡ ከምኡውን እንታይ ገበን ከም ዝፈጸመ ኺውስኑ ነበሮም።

ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ካብቶም ተመሃሮ 75 ሚእታዊት ዝዀኑ ነቶም ሰለሰተ ናይ ሓቂ ገበነኛታት ኪፈልጥዎም እኳ እንተ ኸኣሉ፡ 60 ሚእታዊት ዝዀኑ ግና፡ ነቶም ትሽዓተ ንጹሃት ኣጋይሽ እውን ከም ገበነኛታት ቈጺሮምዎም እዮም። ካብቶም ተመሃሮ 1 ኻብ 7፡ ነቲ ናይቲ ኸባቢ ዓቃብ ሕጊ፡ ብሕቡእ ሓሽሽ ከም ዚሸይጥ ኪቘጽሮ ኸሎ፡ 1 ኻብ 3 ድማ ነቲ ኣዛዝ ፖሊስ ከም ሰራቒ ቘጸሮ። እወ፡ መጀመርታ ኣብ እትርእዮ ነገር ተመርኲስካ ዚወሃብ ግምት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧

ትርኢት ኬደናግር ይኽእል

ንሓደ ሰብ መጀመርታ ምስ ረኸብናዮ፡ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮ ተመርኲስና ኽንፈርዶ ንድረኽ ኢና። ኣብቲ ቕቡል ዝዀነ ሓፈሻዊ ርእይቶ ተመርኲስካ ናይ ምፍራድ ዝንባለ እዩ ዘሎና። ንሓደ ሰብ ኣብ ኣካላዊ ትርኢቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዜግነቱ፡ ኣብ ዓሌቱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ደረጃኡ፡ ወይ ኣብ ሃይማኖቱ ተመርኲስና እውን ንፈርዶ ንኸውን።

ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝቐረጽናዮ ኣተሓሳስባ ቕኑዕ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ መጀመርታ ኣብ እንርእዮ ነገር ተመርኲስና እንህቦ ርእይቶ ዅሉ ሳዕ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ዀይኑ ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ሰብ ፈጺሙ ግጉይ ዝዀነ ርእይቶ ኣሕዲርና ኸም ዝነበርና እንተ ተገንዚብና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ቅኑዓት እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣቐዲምና ዝቐረጽናዮ ኣተሓሳስባ ኣርሒቕና፡ ኣብቲ ሓቂ ኸነተኵር ይግባእ። እንተ ዘይኰነ ግና፡ ብትዕቢት ኣብ ርእይቶና ድርቕ ብምባል ጥራይ፡ ንኻልኦት ዚጐድእ ነገራት ክንገብር ንኽእል ኢና።

ኣብ ትርኢት ተመርኲስካ ምፍራድ፡ ነቲ ዚፍረድ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፈራዲ እውን ኪጐድኦ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ፡ የሱስ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ኪቕበልዎ ኣይደለዩን። ስለምንታይ፧ ኣብ ግዳማዊ ትርኢት ጥራይ የተኵሩ ስለ ዝነበሩ፡ ንየሱስ ከም ወዲ ጸራቢ ገይሮም ጥራይ እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። በቲ የሱስ ዝዛረቦ ዝነበረ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላትን በቲ ዚፍጽሞ ዝነበረ ተኣምራዊ ተግባራትን እኳ እንተ ተገረሙ፡ ነቲ መጀመርታ ዝቐረጽዎ ኣተሓሳስባ ገዲፎም ንየሱስ ከም መሲሕ ኪኣምንዎ ኣይደለዩን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ የሱስ፡ “ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ” ብምባል ናብ ካልኦት ሰባት ኪኸይድ ተደረኸ።—ማቴዎስ 13:54-58

እቶም ኣይሁድ እቲኣቶም፡ ኣባላት እቲ ንዘመናት ዚኣክል ንመሲሕ ዚጽበ ዝነበረ ህዝቢ እዮም ነይሮም። በቲ ብመጀመርታ ኣብ ዝቐረጽዎ ኣተሓሳስባኦም ተመርኲሶም ንመሲሕ ኪቕበልዎ ፍቓደኛታት ብዘይምንባሮም፡ ስምረት ኣምላኽ ሰኣኑ። (ማቴዎስ 23:37-39) ሰዓብቲ የሱስ እውን ብተመሳሳሊ ብጌጋ ተፈሪዶም እዮም። መብዛሕትኦም ሰባት፡ ብምሁራት ኰነ ብመራሕቲ ምርኡይ ሃይማኖት እተናዕቑ ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ሒደት ሰባት፡ ኣገዳሲ ነገር ኪዛረቡ ዚኽእሉ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ ነይሩ። እቶም በቲ ኣብ መጀመርታ ዝቐረጽዎ ኣተሓሳስባኦም ድርቕ ዝበሉ ሰባት፡ ሰዓብቲ ወዲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ክቡር ኣጋጣሚ ኣጥፍኡ።—ዮሃንስ 1:10-12

ገሊኣቶም ኣተሓሳስባኦም ቀየሩ

ኣብ ግዜ የሱስ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ነገራት ምስ ረኣዩ፡ ብትሕትና ኣተሓሳስባኦም ዝቐየሩ ሰባት ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 7:45-52) ገለ ኻብዚኣቶም ከኣ ኣባላት ስድራ ቤት የሱስ እዮም። ንሳቶም ኣብ መጀመርታ፡ ሓደ ኻብ ቤተ ሰቦም መሲሕ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣርዚኖም ኣይሓሰቡሉን ነይሮም። (ዮሃንስ 7:5) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ድሕሪ ገለ ግዜ ኣተሓሳስባኦም ቀይሮም፡ ብየሱስ ኣመኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:14፣ 1 ቈረንቶስ 9:5፣ ገላትያ 1:19) ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪኡ ዓመታት ጸኒሑ፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ተወከልቲ ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ፡ ነቲ ብጸላእቲ ክርስትና ዚንዛሕ ዝነበረ ወረ ገዲፎም ንሃዋርያ ጳውሎስ ኪሰምዕዎ ፍቓደኛታት ኰይኖም ነበሩ። ገሊኣቶም ምስ ሰምዕዎ፡ ኣመንቲ ዀኑ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:22-24

ሎሚ እውን፡ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም። ስለምንታይ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዜማዕብሉ፡ ነቲ ሓቂ ብምርማር ወይ ከኣ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚኣምኑሉ ነገራትን ዚገብርዎ ተግባራትን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምርግጋጽ ዘይኰነስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ኺህልዎም ኣይክእልን እዩ ኢሎም ስለ ዚሓስቡ እዩ። ከም እትዝክሮ፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት እውን ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ነይርዎም።

ነቶም ኣብነት የሱስ ንምስዓብ ዚጽዕሩ ሰባት፡ ሕማቕ እንተ ተዘርበሎም ኣየገርምን እዩ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ፡ የሱስ ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ፡ “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ” ብምባል ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ” ብምባል እውን ኣተባቢዕዎም እዩ።—ማቴዎስ 10:22

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ትእዛዝ የሱስ ብምስዓብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ኬብጽሑሎም ይጽዕሩ ኣለዉ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቶም ፈጺሞም ኪሰምዑ ዘይደልዩ ሰባት፡ ነቲ ብመገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምኻድ ኣጋጣሚኦም እዮም ዜጥፍኡ ዘለዉ። (ዮሃንስ 17:3) ንስኻኸ፧ በቲ መጀመርታ ኣብ ኣእምሮኻ እተቐረጸ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዲኻ እትምራሕ፡ ወይስ ብኽፉት ኣእምሮ ነቲ ሓቂ ኽትምርምር ፍቓደኛ ኢኻ፧ ትርኢት ኬደናግር፡ እተቐርጸ ኣተሓሳስባ ድማ ኬጋጊ፡ ብቕንዕና ነቲ ሓቂ ምምርማር ግና ዜሐጕስ በረኸት ኬምጽእ ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:10-12

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ ኣይሁድ ብሰንኪ እቲ መጀመርታ ኣብ ኣእምሮኦም እተቐርጸ ኣተሓሳስባ፡ ንየሱስ ከም መሲሕ ኣይተቐበልዎን

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎካ ኣረኣእያ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኻ ድዩ ወይስ ኣብ ሓቂ እዩ ዚምርኰስ፧