ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሕብርን ዓለባን

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሕብርን ዓለባን

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሕብርን ዓለባን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቶም ነዊሕ ዘመናት ይገብር ዝነበሩ ሰባት ዚኽደንዎ ዝነበሩ ኽዳውንቲ ተጠቒሱ ንረክብ ኢና፣ እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ቕድን ሕብርን ዓለባን እቲ ኽዳውንቲ ዚገልጽ እዩ።

ሓቂ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ፋሽንን ናይ ቅድን መጽሓፍ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብኡ እንረኽቦ ዝርዝር ሓበሬታ፡ እቲ ጸብጻባት ኣብ ኣእምሮ ኣንባቢ ህያው ከም ዚኸውን ይገብር እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ሕፍረቶም ንምሽፋን እተጠቕሙሉ ግዝያዊ ኽዳን ነንብብ ኢና፣ ነቲ ኽዳን፡ ቈጽሊ በለስ ኣላጊቦም እዮም ሰሪሖምዎ። ድሕሪኡ ግና፡ ኣምላኽ ዝሓሸ ኽዳን፡ ማለት “ደበሎ” ገይሩ ኸደኖም።—ዘፍጥረት 3:7, 21

ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 28ን 29ን እውን፡ ብዛዕባ እቲ ሊቀ ኻህናት እስራኤል ዚኽደንዎ ዝነበሩ ኽዳን ዚገልጽ ጸብጻብ ንረክብ ኢና። እዚ ኸኣ፡ ቀምሽ፡ ጻዕዳ ቐምሽ ታሕቲ፡ እተፋሕሰ ቕናት፡ ሰማያዊ ቐምሽ ላዕሊ፡ ጥሉፍ ኤፎድ፡ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፡ መጠምጠምያ፡ ከምኡውን ካብ ጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ብሊቃ ዜጠቓልል ነበረ። ነቲ ኣዝዩ ኽቡር ናውቲ ተጠቒሞም ብኸመይ ክዳውንቲ ኸም ዘዳለዉ ኸተንብብ ከለኻ፡ እቲ ኽዳውንቲ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ከም ዝነበረ እዩ ዚሕብረካ።—ዘጸኣት 39:1-5, 22-29

ነብዪ ኤልያስ ዚኽደኖ ዝነበረ ኽዳን ኣዝዩ ፍሉይ ስለ ዝነበረ፡ “ማቕ እተኸድነ፡ ኣብ ሕቜኡ ኸኣ ፈልቍ እተዐጥቀ ሰብኣይ” እንተ ተባሂሉ፡ ኤልያስ ምዃኑ ይፍለጥ ነበረ። ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ክዳን ዮሃንስ መጥምቕ ምስ ናይ ኤልያስ ይመሳሰል ስለ ዝነበረ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ንዮሃንስ መጥምቕ ምስ ረኣዩ፡ ኤልያስ ዝመጸ መሰሎም።—2 ነገስት 1:8፣ ማቴዎስ 3:4፣ ዮሃንስ 1:21

ዓለባን ሕብርን፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ዚኽደንዎ ዝነበሩ ኽዳውንቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ሕብሪ ንምስታይን ንምፍታልን ንምእላምን ንምስፋይን ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዝነበረ ናውቲ እውን ይገልጽ እዩ። * ቀንዲ ምንጪ ዓለባ፡ ካብ ጸጕሪ እንስሳ ዘቤት ዚርከብ ዝነበረ ጸምርን ካብ ተኽሊ እንጣጢዕ ዚርከብ ዝነበረ ልሕጽን እዩ ነይሩ። ኣቤል፡ “ጓሳ ኣባጊዕ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዘፍጥረት 4:2) ጸምሪ ንምርካብ ኢሉ ኣባጊዕ የራብሕ እንተ ነይሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ እዋን ብዛዕባ ሻሽ ተጠቒሱ እንረኽቦ፡ ኣብ መበል 18 ዘመን ድ.ክ. ፈርኦን ንዮሴፍ ሻሽ ከም ዝኸደኖ ኣብ ዚሕብር ጸብጻብ እዩ። (ዘፍጥረት 41:42) ጡጥ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ዓድታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል እኳ እንተ ነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ኣይሁዳውያን ጡጥ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ኣይሕብርን እዩ።

ካብ ልሕጺ እንጣጢዕን ካብ ጸምርን፡ እተፈላለየ ርጕዲ ዘለዎ ፋእሚ ንምድላው ዜድሊ ጽቡቕ ፈትሊ ኺወጽእ ይኽእል ነበረ። ድሕሪኡ፡ እቲ ፋእሚ ተኣሊሙ፡ ዓለባ ይኸውን። እቲ ፋእምን እቲ እተኣልመ ዓለባን ከኣ፡ እተፈላለየ ሕብሪ ኸም ዚሰቲ ይግበር ነበረ። ሽዑ እቲ ዓለባ ብዓቐን እቲ ዚኽደኖ ሰብ ይቝረጽ። እቲ ኽዳን፡ ብጥልፊ ኸም ዚስለም ወይ ከኣ እተፈላለየ ሕብሪ ብዘለዎ ፋእሚ ጌርካ ብምእላም ከም ዚምልክዕ ይግበር ነበረ፣ እዚ ድማ፡ ነቲ ኽዳን ብዝያዳ የመልክዖን ዋጋኡ ኸም ዚውስኽ ይገብሮን ነበረ።—መሳፍንቲ 5:30

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ እተጠቕሰ፡ ንዓለባ ሕብሪ ንምስታይ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዝነበረ ሕብርታት፡ ሰማያዊ፡ ሕብሪ ደም ወይ ጁኽ፡ ከምኡውን ደሚቕ ቀይሕ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን፡ “ኣብ ዘዘፈር ወሰን . . . ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ” ተኣዚዞም ነይሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮም ፍሉይ ርክብ የዘኻኽሮም ነበረ። (ዘሁልቍ 15:38-40) ምስ ክዳውንቲ ሊቀ ኻህናትን ምስቲ ኣብ ማሕደርን ኣብ ቤተ መቕደስን ዝነበረ ስልማትን ብዚተሓሓዝ ዚጥቀሳ ዝነበራ ኽልተ ናይ እብራይስጢ ቓላት፡ እታ ደባን ሰማያዊ ዝትርጕማ ተኽለት እትብልን እታ መብዛሕትኡ እዋን “ሕብሪ ደም” ወይ ጁኽ ተባሂላ እትትርጐም ኣርጋማን እትብልን እየን ነይረን።

ኣቕሑ ማሕደርን ቤተ መቕደስን፦ እቲ ኣብ በረኻ ዝነበረ ማሕደር፡ ጸኒሑ ድማ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ፡ ማእከል ኣምልኾ እስራኤላውያን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ነቲ ማሕደርን ነቲ ሰሎሞን ዝሃነጾ ቤተ መቕደስን ንምስራሕ እተገብረ ምድላው ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ኣቕሑ ብዝርዝር ተገሊጹ ዘሎ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ዓለባን ሕብርን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ድንኳን ዚኸውን ዓለባታትን መጋረጃታትን ብኸመይ ከም እተኣልመን ብኸመይ ሕብሪ ኸም ዝሰተየን ብኸመይ ከም እተሰፍየን ብኸመይ ከም እተጠልፈን ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ እውን ንረክብ ኢና።

እቶም ክኢላታት ሰብ ሞያ ዝነበሩ በሳልኤልን ኦሆልያብን ከምኡውን ካልኦት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ብመምርሒ ኣምላኽ ተደሪኾም፡ ብተኣማንነት ዜደንቕ ዕዮ ዓየዩ፣ ንኣምልኾ የሆዋ ዚበቅዕ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ሰርሑ። (ዘጸኣት 35:30-35) ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 26፡ ብዛዕባ ናውትን ህንጸትን እቲ ማሕደር ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኽንረክብ እንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ እቲ ምልኩዕ ዓለባታት ማሕደር፡ “ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን” እዩ ተሰሪሑ። መብዛሕትኡ እዚ ናውቲ እዚ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ እተማልእዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ፡ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኽፋል እቲ ማሕደር ዝነበረ ረጒድን ሕብራውን መጋረጃ፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ተገይሩሉ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ን“ቕድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን” ዚፈሊ ብብልሓት እተገብረን ምስሊ ኪሩቤል ዝነበሮን መጋረጃ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 26:1, 31-33) እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣብ እተሰርሓትሉ እዋን እውን፡ እቶም ዓለባ ዜዳልዉ ሰባት፡ ነቲ ሰሎሞን ዚህቦም ዝነበረ ዝርዝር መምርሒ ብምስዓብ እዮም ዚሰርሑ ነይሮም።—2 ዜና መዋእል 2:1, 7

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ጥንታውያን እብራውያን ነቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ዓለባ ብብልሓትን ብውሕልናን ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚሕብረና። ብዘይካዚ፡ እቶም ህዝቢ፡ ባህ ዘየብልን ተራን ክዳውንቲ ይኽደኑ ኸም ዘይነበሩ ዜርኢ እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ በብዓይነቱ ድሙቕ ሕብሪ ዘለዎን ንእተፈላለየ ኣጋጣሚታትን እዋናትን ዚኸውን ክዳውንትን ከከም ዓቕሞምን እዮም ዚኽደኑ ነይሮም።

እስራኤላውያን “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ጽብቕቲ ምድሪ ኸም እተዋህበቶም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘጸኣት 3:8፣ ዘዳግም 26:9, 15) ንኣምልኾ የሆዋ ኺስዕቡ ኸለዉ፡ ይባረኹ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ጽቡቕ ህይወት ዚመርሑ ሕጉሳትን ዕጉባትን ህዝቢ እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዅሉ ዘመን [ንጉስ] ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ” ይብል።—1 ነገስት 4:25

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 7 እዚ መስርሕ እዚ ብኸመይ ይካየድ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ሳጹናት ርአ።

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ጸምርን ልሕጺ እንጣጢዕን

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ኣባጊዕ ዜራብሑ ዝነበሩ፡ ብቐንዱ ጸባን ጸምርን ንምርካብ እዩ ነይሩ። ሓደ ሓረስታይ፡ ካብ ሒደት ኣባጊዕ፡ ንኽዳን ስድራ ቤቱ ዚኸውን እኹል ጸምሪ ይረክብ ነበረ። ብዙሓት ኣባጊዕ እንተ ኣልየናኦ፡ ነቲ ዝተረፈ ጸምሪ ንኣለምቲ ኺሸጦ ይኽእል ነበረ። ገሊአን ከተማታትን ኣቝሻትን፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ማሕበራት ኣለምቲ ነበረን። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ሰባት በብዓመቱ ጸጕሪ ኣባጊዖም ይቘርጹ ወይ ይቕምቅሙ ነበሩ።—ዘፍጥረት 31:19፣ 38:13፣ 1 ሳሙኤል 25:4, 11

እቲ ህቡብ ዓለባ ዝነበረ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ካብ ጽሕጎ ተኽሊ እንጣጢዕ እዩ ዚርከብ ነይሩ። (ዘጸኣት 9:31) ሰባት ነቲ ተኽሊ ገና ምሉእ ብምሉእ ከይበጽሐ ኸሎ እዮም ዚዓጽድዎ ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ነቲ ቓንጫ ብጸሓይ የንቅጽዎ እሞ፡ ኣብ ማይ ኣሊኾም ድማ የለስልስዎ። ሽዑ እንደገና ኣንቂጾም ድሕሪ ምዝባጥ፡ ነቲ ጽሕጎ ይፈልይዎ፣ ነቲ ጽሕጎ ፈቲሎም ፋእሚ ብምድላው ከኣ ይኣልምዎ። ንጉሳውያን ቤተሰብን ሰበ ስልጣንን ብልሕጺ እንጣጢዕ እተሰርሐ ኽዳን ኪኽደኑ እዮም ዚመርጹ ነይሮም።

[ስእሊ]

ዘይተኣልከ ደረቕ ተኽሊ እንጣጢዕ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ምፍታል

ሓንቲ ንጽል ጽሕጎ ተኽሊ እንጣጢዕ ወይ ሓንቲ ጸምሪ በጊዕ ወይ ከኣ ሓንቲ ጸጕሪ ጤል፡ ብቐሊሉ ኽትብጠስ እትኽእል ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ሓጻር እውን እያ። ስለዚ፡ እተወሰነ ጽሕጎ ወይ ጸምሪ ወይ ከኣ ጸጕሪ ጤል፡ ዚድለ ርጕድን ንውሓትን ዘለዎ ፋእሚ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ኪፈሓስ ወይ ኪፍተል ነበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ “ደገኛ ሰበይቲ” ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛ” ይብል። (ምሳሌ 31:10, 19) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቲ መፍተልን ቍኒንን ብዚብሃል ክልተ ዕንጨይቲ ተጠቒምካ ዚግበር ዝነበረ መስርሕ ምፍታል እዩ ዚገልጽ።

እታ ሰበይቲ፡ ብሓደ ኢዳ ነቲ ጽሕጎ ወይ ጸምሪ ወይ ከኣ ጸጕሪ ጤል ብፈኲስ እተጠቕለሎ መፍተል ትሕዝ። በቲ ሓደ ኢዳ ኸኣ፡ ነቲ ጽሕጎ ወይ ጸምሪ ወይ ከኣ ጸጕሪ ጤል እናሰሓበት ብምፍሓስ፡ ፋእሚ ተዳሉ፣ ድሕሪኡ፡ ምስቲ ኣብ ጫፍ እቲ መፍተል ዘሎ መልቀም ተተሓሕዞ። ኣብ ትሕቲ እቲ መልቀም፡ ሕጓእቲ ኣሎ። ነቲ መፍተል ኣንጠልጢላ፡ እትደልዮ ርጕዲ ዘለዎ ፋእሚ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ነቲ ጽሕጎ ወይ ጸምሪ ወይ ከኣ ጸጕሪ ጤል ትፈትሎ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ፋእሚ ኣብ ቍኒን ትጥምጥሞ፣ እቲ ኣብ መፍተል ዘሎ ጽሕጎ ወይ ጸምሪ ወይ ከኣ ጸጕሪ ጤል ክሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ነቲ መስርሕ ትቕጽሎ፣ ድሕሪኡ፡ እቲ ፋእሚ፡ ሕብሪ ንኺሰቲ ወይ ንኺእለም ድሉው ይኸውን።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሕብሪ ምስታይ

እቲ እተፈትለን ዝጸረየን ጸምርን ልሕጺ እንጣጢዕን፡ ወይ እውን እቲ እተኣልመ ዓለባ፡ እተፈላለየ ዓይነት ሕብሪ ኸም ዚሰቲ ይግበር ነበረ። ደሚቕ ሕብሪ ምእንቲ ኺህልዎ ድማ፡ ብተደጋጋሚ ይእለኽ ነበረ። እቲ ሕብርታት ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ፋእሚ ወይ እቲ ዓለባ ይጽመቝ እሞ፡ እቲ ዝተረፈ፡ ንኻልእ ፋእሚ ወይ ዓለባ ሕብሪ ንምስታይ ይውዕል ነበረ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሕብሪ ዝሰተየ ፋእሚ ወይ ዓለባ ምእንቲ ኺነቅጽ፡ ይስጣሕ ነበረ።

ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ሰብ ዝሰርሖ ሕብርታት ስለ ዘይነበሮም፡ እተፈላለየ ድምቀት ዘለዎ ሕብሪ ኺረኽቡ ዚኽእሉ ዝነበሩ፡ ካብ ሓሸራታትን ካብ ኣትክልትን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ካብ ኣቝጽልቲ ለውዚን ካብ ተሪር ቅራፍ ሮማንን፡ ብጫ ሕብሪ ይርከብ ነበረ፣ ካብ ቅላጥ ኦም ሮማን ከኣ፡ ጸሊም ሕብሪ ይርከብ ነበረ። ማደር ካብ ዚብሃል ዓይነት ሓረግ ወይ ከኣ ከርመስ ካብ ዚብሃል ዓይነት ሓሸራ ድማ፡ ቀይሕ ሕብሪ ኺርከብ ይከኣል ነበረ። ካብ ድሙቕ ሰማያዊ ዕንባባ ኸኣ፡ ሰማያዊ ሕብሪ ይርከብ ነበረ። ካብ እተፈላለዩ ኣረነ ባሕሪ፡ ንጉሳውያን ቤተሰብ ዚኽደንዎ ዝነበሩ ሕብሪ ጁኽ ከምኡውን ሰማያውን ደሚቕ ቀይሕን ኪርከብ ይከኣል ነበረ።

ንሓደ ኽዳን ሕብሪ ንምስታይ፡ ክንደይ ኣረነ ባሕሪ እዮም ዜድልዩ ነይሮም፧ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣረነ ኺርከብ ዚከኣል ሕብሪ ሒደት ስለ ዝነበረ፡ ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ንሓደ ቐምሽ ወይ ካባ፡ ንጉሳውያን ቤተሰብ ዚኽደንዎ ዝነበሩ ሕብሪ ጁኽ ንምስታይ፡ ኣስታት 10,000 ኣረነ እዮም ዜድልዩ ነይሮም። ንጉስ ናቦኒደስ ኣብ ባቢሎን ይገዝእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሕብሪ ጁኽ ዝሰተየ ጸምሪ፡ ካብቲ ኻልእ ዓይነት ሕብሪ ዝሰተየ ጸምሪ ብ40 ዕጽፊ ዝኸበረ እዩ ነይሩ። እዚ ኽቡር ሕብሪ ጁኽ እዚ፡ ካብታ ህብብቲ ጥንታዊት ጢሮስ ይመጽእ ስለ ዝነበረ፡ “ጁኽ ጢሮስ” ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ።

[ስእልታት]

ዛዕጐል ኣረነ ባሕሪ

ኣብ ቴል ዶር፡ እስራኤል እተረኸበ፡ ብ2ይ ወይ ብ3ይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ፡ ጁኽ ዝሕብሩ ቐለም ዜስትዩሉ ዝነበሩ ጕድጓድ

[ምንጪ ስእሊ]

The Tel Dor Project

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ምእላም

ንፋእሚ ብእትደልዮ ዓቐን ኣሊምካ ኽዳን ወይ ካልእ ነገር ንምድላው፡ ማእለማ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነበረ። ኣብ ማእለማ፡ እቲ ንትኹል ደው ዝበለ፡ ቅጥኒ ይብሃል፣ እቲ ኣብ ቅጥኒ ንጋድም ዚመሓላለፍ ከኣ፡ ፋእሚ ይብሃል። ስለዚ፡ ክዳን ወይ ካልእ ነገር፡ ነቲ ፋእሚ ኣብቲ ቕጥኒ እናኣመሓላለፍካ ብምእላም እዩ ዚዳሎ ነይሩ።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ማእለማ፡ ኣብ መሬት ንጋድም እተዘርግሐ ወይ ከኣ ንትኹል ደው ዝበለ እዩ ነይሩ። ኣብ ገሊኡ ንትኹል ደው ዝበለ ማእለማ፡ ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ እቲ ቕጥኒ፡ ወጢሩ ዚሕዞ ነገር ይግበረሉ ነበረ። ኣብ እስራኤል ኣብ ዚርከብ እተፈላለየ ቦታታት፡ ጥንቲ ዝነበረ ንቕጥኒ ወጢሩ ዚሕዝ ነገር ተረኺቡ እዩ።

ማእለማ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ በቤት እዩ ዚስራሕ ነይሩ፣ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ግና፡ ብምሉኦም ተቐማጦ ሓንቲ ቝሸት፡ ብሕብረት እዮም ዚኣልሙ ነይሮም። ንኣብነት፡ ኣብ 1 ዜና መዋእል 4:21፡ “ቤት ዓየይቲ ልሕጺ እንጣጢዕ” ከም ዝነበሩ ዚገልጽ ሓሳብ ንረክብ ኢና፣ እዚ ኸኣ፡ ማሕበር ኣለምቲ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ስእሊ]

“እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን።”​—ዘጸኣት 26:1