ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ ስላሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ድዩ፧

ትምህርቲ ስላሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ትምህርቲ ስላሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ድዩ፧

▪ ሰረተ እምነት ስላሴ እተፈላለየ ትርጕም እኳ እንተ ሃለዎ፡ ሓደ ኻብኡ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ “ሰለስተ መለኮታዊ ኣካላት (ኣቦ፡ ወዲ፡ መንፈስ ቅዱስ) ኣለዉ፣ ነፍሲ ወከፎም ዘለኣለማውያንን ኵሉ ዚኽእሉን እዮም፣ እቲ ሓደ ኻብቲ ኻልእ ኣይዓቢ ወይ ኣይንእስ፣ ነፍሲ ወከፎም ኣምላኽ እዮም፣ ሰለስቲኦም ከኣ ሓደ ኣምላኽ እዮም።” እዝስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ድዩ፧

መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ሰረተ ትምህርቲ ንምድጋፍ እትጥቀስ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማቴዎስ 28:19 እያ። እታ ጥቕሲ፡ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ትብል። ሓቂ እዩ፡ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ተጠቒሶም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኸም ዝዀኑ ዚሕብር ሓሳብ የልቦን። የሱስ ነቶም ኣይሁድ ዝዀኑ ሰዓብቱ፡ ንሰባት ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኪምህርዎምን ኬጠምቕዎምን እዩ ዚእዝዞም ነይሩ። እሞኸ ኣይሁድ ከም ህዝቢ መጠን እንታይ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፧

ህዝቢ እስራኤል ነቲ ደሓር ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ኣብ እተቐበሉሉ እዋን፡ “ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሀልዉኻ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘዳግም 5:7) እዛ ጥቕሲ ብዛዕባ ኽንደይ ኣካላት እያ እትገልጽ፧ ዘዳግም 6:4 ብዘየማትእ መገዲ፡ “ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ” ደኣ እያ እትብል እምበር፡ ‘ሰለስተ ኣብ ሓደ እዩ’ ኣይኰነትን እትብል። ኣብቲ እዋን እቲ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ናጻ ኻብ ዝወጹ ነዊሕ ኣይገበሩን ነይሮም፣ ግብጺ ኸኣ፡ ኦስሪስን ኢሲስን ሆረስን (ኣብ ጸጋም ዘለዉ) ዚብሃሉ ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዚምለኹ ዝነበሩ ስሉሳት ኣማልኽቲ ዝነበሩላ ሃገር እያ ነይራ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም እስራኤላውያን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኬምልኹ እተኣዘዙ። እዚ ትእዛዝ እዚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ ነይሩ፧ ዶክተር ጆሴፍ ሀርማን ሃርትስ ዚብሃል ረቢ ኸምዚ በለ፦ “እቲ ሓደ-ዝሄርነት [ማለት ንሓደ ኣምላኽ ጥራይ ምምላኽ] ኪህሉ ዚእዝዝ ልዑል ኣዋጅ፡ ኣንጻር ብዙሐ-ዝሄርነት [ማለት ብዙሓት ኣማልኽቲ ምምላኽ] እዩ ነይሩ። . . . እቲ ክርስትያናት ዚኣምኑሉ ስላሴ፡ ምስቲ ኣምላኽ ሓደ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ ስለ ዚጋጮ፡ ኣብ ሸማዕ ኣይተጠቕሰን።” *

የሱስ ኣይሁዳዊ ዀይኑ ስለ እተወልደ፡ ነቲ ትእዛዝ ኪስዕብ ከም ዘለዎ እናተማህረ እዩ ዓብዩ። ድሕሪ ጥምቀቱ ብድያብሎስ ምስ ተፈተነ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን” ዚብል ምላሽ እዩ ሂቡ። (ማቴዎስ 4:10፣ ዘዳግም 6:13) ካብዚ ፍጻመ እዚ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ነገራት ክንመሃር ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ ንየሆዋ ዘይኰነስ ንኻልእ ኣካል ኬምልኽ እዩ ዚፍትኖ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ የሱስ ክፍሊ ስላሴ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቲ ፈተና ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ። ካልኣይ፡ የሱስ፡ “ንዓና” ዘይኰነስ “ንእኡ በይኑ” ስለ ዝበለ፡ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኪምለኽ ከም ዘለዎ ኣነጺሩ እዩ፣ ሓደ ኽፋል ስላሴ እንተ ዚኸውን ነይሩ ግና፡ ከምኡ ኣይምበለን።

ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ቅኑዕ ፍልጠት ድሕሪ ምጥራዮም ንዕኡ ኼገልግልዎ እንተ ደልዮም፡ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” እዮም ዚጥመቑ። (ማቴዎስ 28:19) ንስልጣን የሆዋ ዀነ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ይርድእዎን ይቕበልዎን እዮም። (መዝሙር 83:18፣ ማቴዎስ 28:18) ብዘይካዚ፡ ንዕማም እቲ ንጡፍ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ይግንዘብዎ እዮም።—ዘፍጥረት 1:2፣ ገላትያ 5:22, 23፣ 2 ጴጥሮስ 1:21

ሰረተ እምነት ስላሴ፡ ንሰባት ንነዊሕ ዘመናት ኣደናጊርዎም እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ መንፈሳዊ ምስትውዓል ንኺህልዎም ሓጊዝዎምን ናብቲ ‘በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ’ ዝዀነ የሆዋ መሪሕዎምን እዩ።—ዮሃንስ 17:3

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ ኣብ ዘዳግም 6:4 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝነበረ ሸማዕ ዚብሃል ጸሎት፡ ኣምላኽ ሓደ ምዃኑ ዚገልጽ ኰይኑ፡ ቀንዲ ኽፋል እቲ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ዚቐርብ ዝነበረ ኣምልኾ እዩ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

Musée du Louvre, Paris